ገዲም ተጋዳላይ ሓርበኛ መሓመድ ስዒድ ኢድሪስ (ወደል መላኢካ) ብሓሙስ ዕለት 26.03.2020፡ ኣብ ከተማ ፖርትሱዳን ካብ’ዛ ዓለም ብሞት ተፈሊዩና።
ገዲም ተጋዳላይ “ወደል መላኢካ” ሓደ ካብ’ቶም ልሉያት ታሪኻውያን ተቓለስቲ ኤርትራ ኢዩ። ሓርበኛ “ወደል መላኢካ” ኣብ ሰሜናዊ ሳሕል ከባቢ “ናሮ” እትረከብ “ቲክሰ” ዝተባህለት ቁሸተ ኣብ መፋርቕ ኣርባዓታት ናይ ዝሓለፈ ክፍለ ዘመን ተወሊዱ። ኣብ ክፍላ 60ታት ኣብ መሪሕ ሃገራዊ ቃልስና ዝኾነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብምስላፍ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውደ ቃልሲ ብጅግንነትን ብተወፋይነትን ልዑል ገድላዊ ግደኡ ኣበርኪቱ። ሓላፊ ክፍሊ ምምሕዳር ቊ. 6 (ሰሜናዊ ሳሕል) ኮይኑ ኣብ ዝተመደበሉ እዋን መሪሕ ገደላዊ ተራ ከም ዝነበሮ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ። ሓርበኛ መሓመድ ስዒድ ኢድሪስ ምቕሉልን በዓል ልዑል ጠባያን ወትሩ ፍሱህን ብምንባሩ “ወደል መላኢካ” ማለት፡ (ወዲ መልኣኽ) ዝብል ሳጓ ታዋህቦ፣ ብእኡ ድማ ይፍለጥ ነበረ።
ብሞት ገዲም ተጋዳላይ መሓመድ ስዒድ ኢድሪስ (ወደል መላኢካ) ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን ብምግላጽ፣ ብስም መላእ ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን፣ ንኩሎም ቤተ ሰቡን ናይ ቃልሲ ብጾቱን ጽንዓትን ኣኻእሉን ይሃበንና፣ ንሓርበኛ ብጻይና “ወደል መላኢካ” ድማ ልዑል ፈጣሪ ኣብ ሰፊሕ ገነቱ ይቀበሎ።
ፈጻሚ ኣካል
ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ
27/03/2020