ንናጽነት ኤርትራ እናተቓለሰ ዝዓረፈ ተጋዳላይ ዘርእሰናይ ተወልደ ቀላቲ

2020 08 27 Zresenay Teweldeንህዝቡን ሃገሩን ምሉእ ዕድሚኡ ኣብ ዘገልግለሉ ህሞት፣ ኣብ ሓጺር ግዜ ብዝሓደሮ ከቢድን መሪርን ሕማም፡ ካብዛ ዓለም ብመስዋእቲ ምፍላዩ ብመርድእ ምስ ሰማዕና፣ ከም ኩሎም ስድራ-ቤቱን ምሉኣት ፈተውቱን፣ንሕና ብጾውን ኣዝዩ ከቢድን ዓሚቝን ሓዘንንርከብ። ንሕና ብጾቱ ኣባላት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዞባ ኤውሮጳ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን ንገልጽ።

ብጻይ ዘርእሰናይ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊትን ጸጥታን ተመዲቡ ክቃለስ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ ሃገር ስደት ኣውን ኣብ መስርሕ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ምህናጽን ምንጋስ ፍትሕን ካብ ምቅላስ ግዲኡ ዕዙዝ እዩ። ኣብ ስደት ንምስውህሃድ ምሕዝነትን ንምሕያል ባይቶን ኣብምቅላስ ክሳብ ጉባኤ ባይቶ ኣብ ሃዋሳን ተሳቲፉ እዩ።

ዘርእሰናይ ካብ ናይ ቃልስን ናይ ህይወት ፈተነን ዓዲ ዊዕሉ ኣይፈልጥን፣ ግን ምብዳህን ምምካትን ባህርያዊ ዕጥቁ ስለ ዝኾነ ብግንባር ቀዳም ምምካት ድሕርዘይብል ሓርበይንና ተቃላሳይ እዩ።

ብጻይ ዘርእሰናይ እሙን ብብጾቱን፣ ጽኑዕ ንዕላምኡ ኣብርእሲ ምንባሩ ፈቃርን ማህበራዊ ሓላፍነት ዝስከምን ብባህሉን ሕግን ዝጸምድ ውፉይ ዲሞክራስያዊ ተቃላሳይ እዩ።

ኣብ ጭንፈርና ኣብ ሃገር ጀርመን ኣብ ዝዋሳኣሉ ኣብ ዝነበር እዋን ብብቅዓንትን ተወፋይነትን ንጨንፈራዊ ምንቅስቃስ ኣብ ምሕያልን ምውህሃድ ዕቢ ግደ ዝነበር ንጡፍ ብጻይ እዩ። ንናይ ቃልሲ መንፈሱ ቦታን ግዜ ዘይግድቦ ስለ ዝነበረ ኣብ ኩሉ መዳያት ብትብዓት መኪቱን ተቃሊሱዩ።

ሓርበኛ ተቃላሳይ ዘርእሰስናይ ተወልደ ቀላቲ ብመስዋእቲ ምፍላዩ ቦትኡ ንምትካእ ንውድብና ዘጋጥሞ ከቢድ ጸገም ቀሊል እኳ እንተዘይኮነ ንዝተበጀወሉ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ዕላማ ንምዕዋት ውድብና ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ/ደግሓኤ/ ኣብ ማዕርፎኡ ከብጽሖ ብጽንዓት ክቃለስ እዩ።ተቃላሳይ ይሓልፍ ቃልሲ ብመኸትን ትብዓትን ብጾት ስውእ ይቅጽል ኣብ መዓርፎኡ ድማ ብመብጽዓ ስውእ ብዓወት ይዛዘም።

ብጻይ ዘርእሰናይ፡ ብጉዳይ ህዝቡን ሃገሩን እንዳ ተቃለሰ ዝሐለፈ ሐርበኛ እዩ፡፡

ወየ ወየ ወየ

ከይድካዶ ብጻይ ኣባ ጥመር፡

ንብጾቱ ዝምዕድ ዝመክር

ንምልኪ ብትብዓት ዝምክት ዝምድር

ብሩህ ኮኾብ (ከም ናርያ) ኣንፈት ቃልሲ ዝሕብር

ኩሉ ግዜ ኣብ ቅድመ ግንባር

ኣርኪባትካዶ ዓለም ግናይ ብጅግንነት’ውን ዘይትስገር፡

ንስኻዶ ከም ዓለምካ ሓመድ ክትቕበር፡

ኣይነበርካንዶ ዓቢ እምባ ዘይትድፈር፡

ደጀን ናይ ህዝብና ዓቢ ማእገር፡

ኣንታ እንታይ እዩ ዝግበሮ ንመን እዩ ዝንገር፡

ዓቢ መምህር ናይ ቃልሲ ከሲርና እምበር፡

በል ድሓን ኩን ቅሰን ኣይትጣራጠር፡

እቲ ቃልሲ መሰል ህዝቢ ጉዳይ ሃገር፡

ሕድሪ ናይ ኩሉኹም ስውኣት ናይዛ ሃገር፡

ክንቅጽሎ ኢና ናብ ፍጹም ዓወት ንኽሰግር፡

                  ቕሰን ወዲ ተወልደ   ጅግና አይነብርን ጀጋኑ ግና የፍሪ

                   አጆካ ቕሰን ብጻይ ዘርእሰናይ ተወልደ

                     ሕድሪካ ዝፍጹሙ ብለይቲ ብቀትሪ

                     አፍሪካ ኢካ ተቀበልቲ ሕድሪ።

መስዋእቲ ሓርበኛታት ስውኣት ኤርትራውያን

ንህዝቢ ኤርትራ ራህዋን ሰላምን ከረጋግጸሉ እዩ።

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ

ዞባ ኤውሮጳ