እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 13 guests and no members online

ኣብ ናይ ሎሚ መድብና ምስ ተጋዳላይ ጀማል ሳልሕ ኣቦ መንበር ኤርትራዊ ዲሞክርሲያዊ ኪዳን ኣብ ሓፈሻዊ ህሉው ኩነታት ሃገርናን፡ ስርዓት ህግደፍን ደGemal Salhምበ ተቃውሞን ብዝምልከት ዝገበርናዮ ቃለ መጠይቕ ነቕርበልኩም።

ኪዳን፡ ሓፈሻዊ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ምስ ዝሓለፉ ኩነታት ብምግንዛብ ኣብ ከመይ ኩነታት ከም ዝርከብ’ዶ ብሕጽር ዝበለ መልክዕ ምገለጽካልና?

ተጋ..ጀማል ሓፈሻዊ ኩነታት ህዝብና ከምቲ ኩላትና እንፈልጦን እንከታተሎ ዘለናን፡ ኣብ መነባብርኡ ካብ ዝኸፍኤ ናብ ኣዝዩ ዝኸፍኤ ጽጉም ኩነታት እናተሰጋገረ እዩ መጺኡ። እዚ ካኣ ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ልክዕ ከምቶም ዝሓለፉ ዓመታት፡ መሰል ናይ ነጻ ርእይቶን እምነትን የብሉን፣ኣብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ንጥፈታት’ውን ተሳትፎ ኣይጸንሖን ሕጂ’ውን የብሉን። ልክዕ ከምቲ ዝተለመደ፡ ቅዋም፡ ሕግን ፍትሕን ብዝይብሉ ኣዝዩ መሪር ብመግዛእታዊ ምሕደራ ናይቲ ዲክታቶርያዊ በሓቲ መንግስቲ እዩ ዝሳቐ ዘሎ። ኣብዚ ግዜ’ዚ እዚ ጨካን መንግስቲ ከም ልማዱ፡ “ቅዋም ክንቀርጽ ኢና፡ ብሓድሽ ቅዋም እናተመራሕና ሃገርና ከነማዕብል ኢና” ብዝብል ሽሕጣን ሕጂ’ውን ህዝብና ንምትላል እናጸዓረ እዩ ዘሳቕዮ ዘሎ።

ኣብ ቁጠባዊ መዳይ’ውን እንተኾነ ንልምዓትን ኣልሚዕካ ምጥቃምን ዘፍቅድ ፖለቲካዊ ኩነታት ስለ ዘየለ፡ ብኣንጻሩ፡ ብስም “ህዝባዊ ሰራዊት” ዝብል መደናገርን ኣገዳድን መደብ እቶም ዓድን ስድራ-ቤታትን ኣብ ምምራሕ ተራ ዝነበሮምን ዘለዎምን ዓበይቲ ሽማግለታት ከይተረፉ ካብ ልምዓት ብምእላይ ክሳብ ምሉእ ስድራ መሊኦም ክንጸሉ ስለ ዝተገብረ፡ ህዝብና ብሓፈሻ ክሽገር፡ ብፍላይ ስድራ-ቤታት ካብ ምጽጋም ሓሊፈን ክፈርሳን ክበታተናን ይኾና ኣለዋ። ኣብ ምምሕዳራዊ መዳይ’ውን እንተኾነ፡ ብሕሱም ወገናዊ ኣሰራርሓ፡ ኣድልዎን ጉቦን ዝተፈላለዩ ብልሽውናታትን ኣዝዮም ተበራኺቶም ህዝብና ፍትሒ ምርካብ ሕልሚ ኮይንዎ በደሉ ጸይሩ ክቕጽል ዝመርጸሉ ኩነታት በጺሑ ይርካብ ኣሎ።

ኣብ ባህላውን ሃይማኖታውን እምነታት ኣብ ምጥቃምን ምዕቃብን ብዝምልከት’ውን እንተኾነ ህዝብና ኣብ ኩሉ ዳርጋ ብነጻ ክኣምን ዝጽገመሉ ደረጃ በጺሑ ይርከብ ኣሎ። ካብዚ ጽቕጠትን ኢድ ምትእትታውን ናይቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝብገስ እዩ ድማ ናይ ዝተፈላለያ ኣብያተ እምነታት መራሕቲ ካብ ቅድም ጀሚሮም ብሓፈሻ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ካኣ ብፍላይ ኣብ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ጭቆናን ጽቕጠትን ስእነትን ጸገማትን ኣመልኪቶም እዉጅ መግለጺ ብምውጻእ ነቲ ስርዓት ዝወቕሱሉን ዝቃለስሉን ደረጃ በጺሖም ዝርከቡ ዘለዉ። ብሓጺሩ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ብኩሉ መዳዩ ናብ ዝኸፍኤን ዝዓሞቐን ጽቕጠትን ጸገማትን ስደትን ተሳጢሑ እናተሳቐየ፡ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ካልኣዊ ፍልልያቱ ብምስጋር ሓድነቱ ኣጠናኺሩ ኣብ ምግጣም ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዕዙዝ ገድላዊ ተርኡ ክብ ከብል ልዑል ትጽቢት ይግበረሉ።

ኪዳን፡ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ.’ከ ምስ ህልዊ ኩነታት ህዝቢ ብምዝማድ ኣብ ከመይ ኩነታት ኣሎ ኢልካ ትሓስብ ወይ ትመዝን?

ተጋ.ጀማል ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝርከበሉ ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ብሓፈሻ፡ ኣብ ኩሉ መዳያዊ ዓሚቕ ቅልውላውን ተስፋ ምቚራጽን ናይ ምንቁልቋል ኩነታትን ኮይኑ፡ ኣብ ሓሶትን ምድንጋርን ዝተሰረተ ናይ ተለኻኺምካ ምጥፋእ ጽልሙት ኩነታት እዩ ዝርከብ ዘሎ። ይኹን ደኣምበር ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ነዚ ዘሕልፎ ዘሎ ጽጉም ሂወት መዝሚዙ ህዝቢ ኣተሓባቢሩ ብሓያልነትን ብቀረባን ዝነጥፍ ተቓዋሚ ሓይሊ ጸብለል ዝበለ ስለ ዘይኮነ፡ ብካልእ ኣገላልጻ፡ ድኻም ተቓወምቲ ሓይልታት ህልዊ ስለ ዝኾነ ኣብዚ ድኻም’ዚ ተሓቢኡ ህዝብን ሃገርን እናረመሰ ክቕጽል ዕድል ስለ ዝረኸበ፡ ኣለኹ ንምባል ኣብ ምፍታን ይርከብ ኣሎ። ንምትላል ካብ ዝጥቀመሎም ፖለቲካዊ ሜላታት ድማ ሓደ፡ ሎሚ’ውን ዝኣረገ መዝሙር እናዘመረ “ሓድሽ ቅዋም ክንቀርጽ ኢና፡ ሃገራዊ ሉዕላውነትና ንምውሓስ ክንቃለስ ኢና፡ ዓመተ 2015ን 2016ን ናይ ልምዓትን ምዕባለን ኩብዖ እነርእየለን ዓመታት ክኾና እየን፡ ዝተፈላለዩ መዓድናትና ኣብ ሃገራዊ ልምዓት ክነውዕሎም ኢና” ው.ዘ.ተ. ዝብሉ ይርከብዎም። እዚ ፖለቲካዊ ኣበሃህላታት’ዚ ግን ንሽፋንን ምድንጋርን ኢሉ ዝብሎ ዘሎ’ምበር ብሓቂ ናይ ልምዓትን ዕቤትን ባህርን ዕላማን ስለ ዘለዎ ኣይኮነን። እቲ ዕላማ ግን ንጉጅላዊ ረብሕኡ ንምርግጋጽ ክብል እናሰርሐ ህዝብና ንምትላል ዝህውትቶ ዘሎ ምዃኑ ርጉጽ እዩ።

 

ንኣብነት ኣብ ዕደና ወርቂ ቢሻ ዝምልከት ነጻ ጉልበት መንእሰያት ብምጥቃም ወፍሪ ብምክያድ እቶት ምሕፋስ ካብ ዝጅምር ዓመታት ዘቑጸረ እኳ እንተኾነ ዝርኽቦ መጠነ ሰፊሕ እቶት ግን ኣብ ሃገራዊ ልምዓት ዝወዓለ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ እቲ ገዛኢ ጉጅለ ዝጥቀመሉ ኮይኑ’ዩ ጸኒሑን ዘሎን። እቶም ምስ ናይ ወጻኢ ካምፓኒታት ብምሽራኽ ኣብ ፍርያት ንምውዓል ዝጻዓረሎም ዘለዉ ዝተፋላለየ ማዓድናት ውን እንተኾነ ዕድሎም ልክዕ ከምቲ ናይ ቢሻ ወርቂ ነቲ ገዛኢ ጉጅለ ዝጠቕሙ እምበር ኣብ ሃገራዊ ልምዓት ክውዕሉ’ዮም ኢልካ ተስፋ ዝንበረሎም ኣይኮኑን። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ቁጠባ ይሽገር ከም ዘሎ ብዓቕሊ ጽበት ብመንገዲ ርእሰ ኩናቱ ዝኾነ ኢስያስ ኣፈወርቂ ኣቢሉ ክወሃብ ዝጸንሐ መግለጽታት ማለት” ስሚንቶ የለን፣ ተንዲኖ የለን፣ ነዳዲ የለን፣ ጻዓት /ኤለትሪክ/ የለን፣ ሰፋሕቲ ሕርሻታት ከነካይድ ኣይካኣልናን፣ ኩሉ መዳያዊ ልምዓት ናይ ትሕቲ-ቅርጻን ኢንዱስትሪን ክንሃንጽ ኣይከኣልናን” ወዘተ ዝብሉ ንጥብታት ህግደፍ እንታይ ንምባል ይብሎም ኣሎ ካልእ ነገር ኮይኑ፡ ብቑምነገሮም ግን ናይ ህግደፍ ቁጠባዊ ጽገምን ውድቀትን ዝሕብሩ ሓቅታት ኢዮም። ስለዚ መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ዝብሎን ዝምድሮን ንስለ ምህላው ክገልጽ ኢሉ እንተዘይ ኮይኑ ህይወት ዘለዎ ስራሕ እናሰርሐ ዝነጥፍ ዘሎ መንግስቲ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ፖለቲካዊ ሓድነቱ ዘሊቁን ተዘሪጉን በብግዝኡ ኣብ ሕድሕዱ እናተበላለዐ ኣብ ሕሱም ምንቁልቛል ዘሎ’ዩ። ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ’ውን እንተኾነ ክብደትን እምነትን ስኢኑ ብተዳራራቢ ማዕቀብን ተነጽሎን ኣብ ምስቓይ ይርከብ ኣሎ። ኣብ ናይ ከባቢና ሃገራትን መንግስታትን ምትዂታዃት እናገበረ ብውጽኢቱ ረብሓ ክረክብ እናጸዓረ፡ ብእንጻሩ ክሳራን ተነጽሎን እናጋጠሞ እዩ መጺኡን ዘሎን። ብሓጺሩ መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ኩሉ መዳያዊ ጽጉም ኩነታትን፡ መስርሕ ምድኻምን ምንቁልቛንልን ኮይኑ ኩሉ ሕማቕ ዝባሃል ተግባራት እናፈጸመ “ተላኻኽምካ ምጥፋእ” ዝብል ናይ ተስፋ ምቑራጽ ውሳነ ተኸቲሉ ህዝብን ሃገርን ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ እና ደፍአ’ዩ ዝርከብ ዘሎ ክባሃል ዝካኣል’ዩ።

ኪዳን በወገን ደምበ ተቓውሞ’ከ? ነዚ ህልው ኩነታት ናይ ህዝብን ሃገርን ንምቕያር ነቲ ስርዓት ብምግጣም ብኸመይ እጃሙ የበርክትን ይጸሉን ኣሎ ትብል?

ተጋ.ጀማል: ደምበ ተቓውሞና ብሓፈሻ ኣብ ህዝብናን ሃገርናን ወሪዱ ዘሎ ጭቆናን በደላትን ዝተፋላለየ ጸገማትን ንምውጋድ ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ብዓቕሙ ቃልሲ እናካየደ’ዩ ዝርከብ ዘሎ። እቲ ብደምበ ተቓውሞና ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ብከምቲ ጸገም ህዝብናን ሃገርናን ዝጠልቦ ኣድማዕን ቅልጡፍን ክብሃል እኳ እንተዘይተኻእለ፡፡ ብፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያውን ወተሃደራውን /ብዝተሓተ መልክዑ/ ቃልሲ ክካየድ ጸንሑን ይካየድ ኣሎን’ዩ። ብፍላይ ኣብቲ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን መዳይ ዘካየዶ ቃልሲ ነቲ ሰርዓት ቀሊል ዘይኮነ ተጽዕኖን መኸተን ይገብረሉ ኣሎ ኢዩ። ስለ ዝኾነ መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ወጻኢ /ዲያስፖራ/ ዝተወሰነ ህዝቢ ብምሓዝ ኣብ ናይ ከበባ ፖለቲካዊ ሃዋህው ኮይኑ ክነጥፍ ኣገዲድዎ ኢዩ። ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ውን እንተኾነ ዋላ እኳ ኣድማዕነትን ቀጻልነትን ዘለዎ እዩ ክባሃል ዝካኣል እኳ እንተዘይ ኮነ፣ ብዝተወሰነ ደረጃ ኣብ ምቅልዑ ዘይናዓቕ ተራ ይጻወት ኣሎ’ዩ።

ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ’ውን እንተኾነ ዋላ እኳ ዓበይትን ኣድማዕትን ብቐጻሊ ዝካየዱን እንተዘይኮኑ ንፕሮፓጋንዳን ውደባን ዕማማት ንምክያድ ዝሕግዙ ንኡስ ወታሃደራዊ ስርሒታት ብውሱን ውሁድ ዓቕሚ ክካየዱ ጸኒሖም እዮም። እዞም ውሱናት ስርሒታት’ዚኦም ድማ ንጸላኢ ስግእት ካብ ምፍጣር ሓሊፎም፡ ኣብ ውጹዕ ህዝብና ተስፋ ናይ ቃልሲ ብመጠኑ ዝፈጥሩ ዘለዉ እዮም። ስለ ዝኾነ ደምበ ተቓውሞና ብሓፈሻ ብፍላይ ካኣ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ብምዕሳል ዝቃለስ ዘሎ ሓይልታትና ንዘለዎ ውሽጣዊ ድኽመታት ክፈትሕን ቀላጽሙ ንምጥማርን ዘካይዶ ዘሎ ጻዕአን፡ ህዝብን ሃገርን ናይ ምድሓን ቃልስን ዋላ’እኳ ልዑል እዩ ክባሃል ኣይካኣል፡ ኣቃሊልካ ዘይረኤ ናይ ቃልሲ እጃም ኣብ ምብርካት እዩ ዝርከብ ዘሎ። እዚ ኣበርክቶ’ዚ ግን ዝያዳ ክዓብን ክሰፍሕን፡ ምስ ጸገማት ናይ ህዝብናን ሃገርናን ዝጠልቦ ዘሎ ህጹጽ ኩነታት ክዓብን ክቀላጠፍን ክበቅዕ ሓያል ጻዕርን ቃልስን ከነካይድ ዝጠልበና ዘሎ ጉዳይ እዩ። በዚ መሰረት ድማ ኣብ ክሊቲ ሓበራዊ ወተሃደራዊ እስትራተጂ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንጀጋኑ ኣሃዱታት ዲሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/ን ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን ብ22 ታሕሳስ 2014 ኣብ ልዕሊ ኣካል ስለያ ክፍለ ሰራዊት 53 ኣብ ከባቢ ማይ ጊኒ ፍሉይ ሽሙ ማይ ምራኻት ኣብ ዝተባህለ ቦታ ኣብ መንጎ ቤት ገብርኤልን ማይ ኣልባን ንኡስ ዞባ ዓዲ ዃላ ነቂጡ ዝነበረ ናይ ስለያ ኣሃዱ ህግደፍ በርቃዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዓቢ ክሳራ ከም ዘውረዱ ከም ኣብነት ክጥቀስ ይከኣል።

ኪዳን ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ብወገኑ’ከ፡ ከም ሓደ ዝዓበየ ግንባር መጠን፡ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ እንታይ ኣበርክቶ ይገብር ኣሎ ትብል?

ተጋ..ጀማልኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ከም ግንባር ኣብ ቃልሲ ዘበርክቶ ዘሎ ግቡኣትን ዕማማትን ብሓፈሻ ኣብቲ ደምበ ተቓውሞና ዝብል ዝተጠቕሰ እዩ ብቐንዱዝጠቓለል። ከም ዝተጠርነፈ ሰፊሕ ሓይሊ ዝሓዘ ግንባር መጠን፡ ኣብ ደምበ ተቓውሞና ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ዝግበሩ ናይ ቃልሲ ንጥፈታት ኤ.ድ.ኪ. ኣብዚ ህሞት’ዚ ካብቲ ኣብ ደምበ-ተቓውሞ ዝተፈልየ’ዩ ክንብል ኣይንኽእልን። ኣብ ዝሓለፈ መስርሕ ግን ደምበ ተቓውሞና ተኣማሚኑን ተደጋጊፉን ክቃለስ ንክበቅዕ፡ ኣብ 2010 ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ክጋባእ ተበግሶ ብምውሳድ ምስ ዝተፈላለዩ ፖለቲከዊ ውድባትን ስቪክ ማሕበራትን ብምዃን ሃገራዊ ዋዕላ ክካየድ ዓቢ /ልሉይ/ ተራ ተጻዊቱ እዩ። ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንክጋባእ’ውን ከም ግንባር ልዑል እጃም ተጻዊቱን ኣበርኪቱን እዩ። ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ምስ ተመስረተ ድማ፡ ኪዳን ምስ ባይቶ ዝህልዎ ዝምድና ብምንጻር ካብ ዝጸንሕዎ ኣገደስቲ ናይ ቃልሲ መሳርሕታቱ ናይ ዜና /ተለፍክን/ ኣብኡ ክነጥፍ ዝጸንሐ ኣብ ናይ ዲፕሎማስን ህዝባዊ ጉዳያትን ብደረጃ ባይቶ እንተተፈጺሙ ዝሓሸ’ዩ ዝብሎም ዕማማት ናይ ባይቶ ክሰጋገሩ ገይሩ። ሓሓሊኡ እውን ገለገለ ፋይናንሳዊ ደገፋት ገይሩ እዩ። ሃገራዊ ባይቶ ተጠናኺሩ ክቃለሰሉ ዝኽእል ኩነታት ንክፍጠር ምስ ካልኦት ተሻረኽቲ ኣካላት ንሱ እውን ናይ ገዛእ ርእሱ ኣስተዋጽኦ ክገብር ጸኒሑ እዩ።

ኪዳን፣ኤ.ዲ.ኪ. ዝገብሮ ዘሎ ንጥፈታት’ከ ብፍላይ ምሓበርካና’ዶ?፣

ተጋ..ጀማል ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ከካይዶ ዝጸንሐን ዘካይዶ ዘሎን ናይ ቃልሲ ንጥፈታት እቲ ልዕል ክብል ዝተጠቕሰ ንጥፈታቱ ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ብተወሳኺ ንምጥቃስ ዝኣክል፡ ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝሓለፈ ዓመት፡ ዋላኳ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ከምቲ ዝተወጠነ እንተዘይተጓዓዘ ሰፊሕ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ጽላል ንክምስረት ብዓቕሙ ጽዕቱ እዩ። ሕጂ’ውን ፖለቲካዊ ውድባት ተቐራሪበን ክቃለሳን፣ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባርና ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ ንምድልዳሉ ዓቕሙ ብዝፈቕዶ ክሰርሕ እዩ። ኣብ ግንባራዊ ንጥፈታቱ ዝምልከት ድማ፡ ብዝውንኖ ናይ መራኸቢ-ብዙሓን መሳርሒታት ማለት፡ ብሬድዮ፡ ዌብሳይትን ልሳኑ “መጽሔት ኪዳን” ብምጥቃም ብመጠኑ ፕሮፖጋንዳውን ዜናውን ስራሓት ከካይድ ጸኒሑን የካይድ ኣሎን እዩ። ኣብ ዓቕሚ ኣባላቱ ካድራቱ ምዕባይ ዝምልከት ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ውጽኢት ኣኼባታት ማእከላይ መሪሕነትን ፖለቲካዊ ቤት-ጽሕፈትን መደባቶምን መበገሲ ብምግባር ዓቕሞም ክዓቢ ዝሕግዝ ኣኼባታት ትምህርቲ ሂቡ እዩ። ብፍላይ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2014ን ኣብ መጋቢት 2014ን ዝተዋህበ ኤ.ዲ.ኪ. ንዝሰርሖም ስራሕትን ዝመደቦም መጻኢ መደባትን ብዝርዝር ዘስነቐን፡ ንመጻኢ ኣብ ግንባራዊ ስራሕቲ ዝጠቅም ሓጋዚ ሓበሬታን መምርሕን ትምህርቲ /ኦሬንተሽን/ ስለ ዝነበረ ኣብ ዝቐጸለ ስራሓት ሓጋዚ እዩ ነይሩ። ከምኡ’ውን ንካድራት ኣብ ምምሕዳራዊ መዳይ ዝጠቅም ሓጺር ኮርስ /ትምህርቲ/ ሂቡ እዩ። ኣብቲ ናይ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ድኽመታት ንምውጋድ ክካየድ ዝጸንሐ ቃልሲ’ውን ናቱ ኣወንታዊ ተራ ነይሩዎ እዩ።ይኹን ዳኣምበር ኣብቶም ዝነበሩ ድኽመታት ንሱ እውን ብሸነኹ ዝስከሞ ናቱ ውሽጣዊ ድኽመታት ነይሩምዎ እዮም።

ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ ኤ.ዲ.ኪ ወታደራዊ ክንፊ ዘለወ ኣባላት ውድባቱ ብምውህሃድ ሓደ ናይ ሓባር ዝተወሃሃደ ወታሃደራዊ ዕማም ክካየድ ክካኣል፡ ስሚናራት ብምግባር ናይ ምውህሃድ ስራሕቲ ከካይድ ጸኒሑ እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ሓደ ናይ ሓባር ወታሃደራዊ ኮሚቴ ብምውዳብ፡ ዝተወሃሃደ ዕማም ዝተወሰኑ /ናእሽቱ/ ወታሃደራዊ ስርሒታት ናብ ልዕሊ ናይ ሓባር ጸላኢ ክካይዱ ጸኒሖም እዮም።እዚ ንኡስ ስርሒታት’ዚ ድማ ንፖለቲካውን ፕሮፖጋንዳውን ስራሓት ሓጋዚ ባይታ ክፈጥር ጸኒሑን ኣሎን እዩ። ብተመሳሳሊ ምስ ካብ ኤ.ዲ.ኪ ውጻኢ ዘለዋ ወታሃደራዊ ክንፊ ዘለወን ዝተወሰና ውድባት’ውን ብመትከል ናይ ተወሃሂድካ ምስራሕ ዝብል መበገሲ ብምግባር ኣብ ወታሃደራዊ መዳይ ብደረጃ ባይቶ ኣብ ዝተወጠነ ሰሚናር ብምስታፍ ብደረጃ ኣባላት ውድባቱ ኣብ ናይ ሓባር ነጥበ ስምምዕ ንምብጻሕ ልሉይ ተራ ተጻዊቱ እዩ። እዚ ስምምዕ’ዚ ከም ስምምዕ ህልዊ ኮይኑ፡ ኣብ ዓውደ ተግባር ግን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ብተግባር ክስራሓሉ ዝተበቕዐ እኳ እንተዘይኮነ፡ ንመጻኢ ግብራዊ ንምግባሩ ኤ.ዲ.ኪ. ክጽዕረሉ እዩ።

ኪዳን ውድባት ኣባላት ኤ.ዲ.ኪ፡ ኣብ ምድልዳልን ምሕያልን ኤርትራዊ ሃ/ዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣበርክቶአን ከመይ ይመስል?

ተጋ..ጀማል ውድባት ኣባላት ኤ.ዲ.ኪ. ኣብ ምድልዳልን ምሕያልን ሃገራዊ ባይቶ ኣበርክቶአን ዝብል ሕቶ ልዕል ክብል ዝጠቐስኩዎ ተራ ናይ ኤ.ዲ.ኪ ኣብ ምሕያል ኤርትራዊ ሃ/ዊ ባይቶ ብጥሙር ዝገልጽኩዎ ስለዝኾነ፡ ብዙሕ ሓድሽ ዝውስኸሉ ኣይክልወንን እዩ። ኣብዚ ዝጠቕሶ ነገር እንተሃለወ፡ ኤ.ዲ.ኪ ከም ግንባር፡ ኣባላቱ ዝኾና ውድባት ድማ ብተናጸል ስፊሕ ሃ/ዊ ግንባርና ሃ/ዊ ባይቶ ኣብ ምድልዳል ብከምቲ ዓቕመን ካብኣተን ትጽቢት ዝግበረለን ተራ ኣወፍየን እየን ክበሃል ዝካኣል እኳ እንተዘይኮነ ብሓፈሻ ግን ኣስማት ምዝርዝር ከየድለየ ተረኤን ከበርክታ ጸኒሐንን የበርክታ ኣለዋን እየን። ብካልእ ኣገላልጻ፡ ኤ.ዲ.ኪ ከም ግንባር ይኹን ኣባላቱ ብተናጸል፡ ኣብ ዙርያ’ቲ ኣወንታዊ ተረኤን ከምቲ ካልእ ተላፋኒ ሓይልታት /ፖለቲካዊ ውድባትን ስቪክ-ማሕበራትን/ ድኽመታት’ውን ጸኒሑወንን ኣለወንን እዩ።

ኪዳን ኤ.ድ.ኪ ካብዚ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ዝያዳ ኣድማዒ ምእንቲ ክኸውን ብቐዳምነት እንታይ ሰሪዑ ዝሓዞ መደብ /እስትራተጂ/ ኣሎ?

ተጋ..ጀማል ኤ.ዲ.ኪ ብሓጺሩ ኣብ ቃልሲ ዝያዳ ኣድማዒ መታን ክኸውን ዝሓዞ መደብ /እስትራተጂ/ ኣብቶም ክሳብ ሕጂ እናኣሰላሰሎም ዝመጸ ኩሉ-መዳያዊ ቃልስን፡ ኣብ ነብሱን ዓሚቑን ሃናጽን ገምጋም ብምግባር ናይ መጻኢ ኣንፈት ናይ ቃልሱ ክርእን ክምድብን እዩ። ካብዚ ተበጊሱ ድማ ኩሉ ነቲ ቃልሲ ከሐይል ዝኽእል፡ ውህደት ናይ ተቓወምቲ ሓይልታትና ከረጋግጽ ዝኽእል ኩነታት ንክፍጠር ናይ ገዛእ ርእሱ ኣወንታዊ ናይ ቃልሲተራ ንክጻወት ክቃለስ እዩ። እዚ ዝተጠቕሰ ገምጋምን ሓድሽ መደባትን ክሳብ ዝዳሎ ኣብ ዘሎ ግዜ ድማ በቲ እናተቓለሰሉ ዝመጸን ዝቃለሰሉ ዘሎን መደባት እናተመርሐ ካብኡ ዝጥለብ ናይ ቃልሲ ኣስተዋጽኦ እናገበረ ቃልሱ ክቕጽል እዩ።

ኪዳን፡ ኤርትራዊ ደሞ/ዊ ኪዳን፡ ካብኡ ወጻኢ ንዘለዉ ሓይልታት/ውድባት ማዕረ ክንደይ ክፉት እዩ?

ተጋ..ጀማል ኤ.ዲ.ኪ ዝኾነ ውድብ/ሰልፊ/ ናይ ግንባሩ ረቛሒታት ዘማለኤ ኣባልነት ረኺቡ ክቃለስ ኩሉ ግዜ ማዕጽኡ ክፉት እዩ። ኤ.ዲ.ኪ እዚ ጥራሕ ዘይኮነስ ኤ.ዲ,ክን ካለኦት ፖለቲካዊ ውድባትን/ ስፊሕ ሃገራዊ ዓቕሚ/ ዝሓቖፈ ናይ ፖለቲካዊ ውድባት ጽላል ንክምስረት’ውን ዝድግፍን ኮይኑ ንምምስራቱ እውን ብዓቕሙ ክነጥፍ ጸንሑ እዩ። እዚ ጉዕዞ እዚ ብመሰረት ክሳብ ሕጂ ዝተጓዕዘ ኣብ ጸብጻብ ብምእታው ከመይ ክኸውን’ዩ ኤ.ዲ.ኪ ንቕድሚት ናይ ገዛእ ርእሱ ገምጋም ክገብረሉ ብመደብ ተታሒዙ ዘሎ እዩ።

ኪዳን ንስርዓት ህግደፍ ብምእላይ ኣብ ኤርትራ ሰላምን ራህዋን ንምውሓስ ብደምበ-ተቓውሞ ኮነ፡ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብቐዳማይ ደረጃ እንታይ ዓይነት ስራሕ/ቃልሲ/ ክዓምም ኣለዎ ትብል?

ተጋ..ጀማልኩሉ ኣብ ሰላም፡ ፍትሕን ልምዓትን ጠቕሚ ዘለዎም ተቓላሳይ ኣብዚ ግዜ’ዚ ንዘለዎ /ክህልዎ ዝኽእል/ ካላኣዊ ፍልልይ ብደሞ/ዊ ኣገባብ እናማሓደረ፡ ኣብ መድረኻዊ ዕማማት /ምውጋድ ሓባራዊ ጸላኢ መ/ህግደፍ/ ዘትከለ ዝተወሃሃደን ዝተዋደደን፡ ኣብ ምትእምማንን ምድግጋፍን ዝተሰረተ ውዑይ ቃልሲ ከካይዱ ክበቕዑ /ክንበቕዕ/ ኣለና እብል። ብተወሳኺ ዝኾነ ውድብ /ሰልፊ/ ካብ ዝኾነ ህርፋን ናይ ስልጣንን ጉጅላዊ ምንቅስቓስን ድሒኑ፡ ንሓባራዊ ዕላማን ዕማማትን ብዘይተጉላባነት እናኣሰላሰለ ህዝብን ሃገርን ኣብ ምድሓን ክንቃለስን ክንረባረብን ኣለና ብምባል ለበዋይ ክቕርብ እፎቱ።

ኪዳን ኣብ መጨረሽታ ብወገንካ ትብሎ ነገር እንተልዩ ዕድል ክህበካ/ ናብኻ ብገድፎ/?

ተጋ..ጀማል ክብሎ ዝደሊ ርእይቶ ኣብ ዝተላዕሉ ዝተፈለለዩ ሕቶታትን መልሶምን ኣዛሚደ መብዛሕቲኦም ኢለዮም እየ።ንምዝዛም ዝኣክል ግን፡ ዘለናዮ ህሞት፡ ከም ህዝብን ሃገርን ኣብ ኣዝዩ ዘስግእ ተኣፋፊ ኩነታት ንርከብ ከም ምህላውና መጠን፡ ንኣዕናዊ ስርዓት ህግደፍ ብሓባር ተቓሊስና ብምውጋድ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ዘንጸላሉ ዘሎ ናይ ውድቀትን ምብትታንን ሓደጋ ዓጺፍና፡ ከም ህዝብን ሃገርን ህልውናናን ቀጻልነትናን ንምርግጋጽ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ሓሪንና ክንቃለስ ኣለና እብል። ከምኡ እውን ሓድነት ደንበ ተቓውሞ ንምዝራግን ኣንፈቱ ንምዕጻፍን ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ መንገዲ ዝካየዱ ጸለመታትን ወስታታትን ብሓበራዊ ቃልስታት ክግትኡ እንተዘይክኢሎም በብግዜኡ ሸለል እንዳበልካ ክሕለፉ እንተድኣ ኮይኑ ከምዚ ዝኣመሰለ እከይ ተግባራት ዘካይዱ ኣካላት ብዝያዳ ክሻድኑን ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ክሰጋገሩን እንተዘይኮይኖም ክእረሙ ኣይክእሉን። ስለ ዝኾነ ከኣ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ስቪካዊ ማሕበረሰባትን ህዝብን ሓድነቶም ኣደልዲሎም ንኸምዚ ዝኣመሰለ ከፋፋልን ኣፍራስን ተግባራት ዘካይዱ ኣካላት ካብ ኣዕናዊ ተግባራቶም ንኽቑጠቡ ዓገብ ክብልዎም ይግባእ እብል። ካብዚ ሓሊፉ ኣብዚ መድረኽ’ዚ ከም ህጹጽ እዋናዊ ዕማምና ንምዕዋት 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ንሸባሸብ ከም ዘለና መጠን ኩሉ ዕማማት ፈ.ቤ.ጽ ኣሰናዳኢት ሽማግለን ብዓወት ክዛዘም ምእንቲ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታትን ስቪካዊ ማሕበረ ሰባትን ህዝብን ኣብ ጎኒ እዚ ቅኑዕ ዓላማታት’ዚ ጠጠው ኢሉ ኩሉ ሸነኻዊ ምድግጋፍ ክገብሩ ጸዋዒተይ የቕርብ። ኣብዚ መዳይ’ዚ ከኣ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ምስ ኩሉ ዘጋጥምዎ ባዕላውን ወድዓውን ጸገማት ብቓልሲ ብምስጋር ብዝተኻእለ መጠን ምስ ኩሎም ነዚ ቅዱስ ዕላማ ዝድግፉ መሻርኽቲ ኣካላት ባይቶ፡ ደለይቲ ለውጢ ዝኾኑ ሓይልታት ደምበ ተቓውሞ፡ ስቪካውያን ማሕበራት፡ ምሁራን፡ መንእሰያትን ደቂ ኣነስትዮን ኮይኑ ንምዕዋት ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ዕዙዝ ተርኡ ክጻወት ከዘኻኽር እፈቱ።

ኣብ መወዳእታ ከመሓላልፎ ዝደሊ መልእኽቲ እንተሎ ንዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ነቲ ብጨቋኒ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ተማሪሩ ካብ ሃገሩ ተሰዲዱ ኣብ ፈቖዶ ሃገራት ዓለምን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዝርከባ መዓስከር ስደተኛታትን ንዝርከብ ህዝብና ድማ ብፍላይ ኣብ ምድግጋፍ ዝርከቡ መንግስታትን ግብረ ሰናይ ትካላትን ብሓፈሻ ንህዝብናን ተቓወምቲ ሓይልታቱን ስቪካት ማሕበረሰብናን ንስደተኛታት ዜጋታትናን ኣብ ምሕጋዝን ምድግጋፍን ብፍላይ ከኣ ንስደተኛታት ዜጋታትና ኣብ ሃገሮም ዘይረኸብዎ ዕድላት ትምህርቲ ካብ ዝተሓተ ደረጃ ክሳብ ዝለዓለ ናይ ዩኒቨርስቲ ትምህርትን ዝተፈላለየ ሞያዊ ስልጠናታትን ኣብ ምሃብ ንዝርከቡ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ብሽም ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን ብሽም እቲ ውጽዕ ህዝቢ ኤርትራን ከመስግን እፈቱ።

ክፍሊ ዜና ኤርትራዊ ዲሞክርሲያዊ ኪዳን

18 ለካቲት 2015

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሓተታታት

Show Panel