እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 63 guests and no members online

መንግስቲ ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታትን ህዝብታትን ኤርትራ፡ እናፈጸሞ ዝመጸን ገና ዝቕጽለሉ ዘሎን መሰረታዊ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘበገሶ፡ ዝቕጽል ዘሎ ዋሕዚ ስደት፡ ኣብ’ተን ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝዓርፉለን ሃገራት ኤውሮጳ፡ ቁጠባዊ ተጽዕኖን ጸጥታዊ ስኽፍታን ይፈጥር ከም ዘሎ በቶም መንግስታት ክግለጽ ጸኒሑ።

ቅድም ክብል ሕብረት ኤውሮጳ ኮነ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኤውሮጳ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣተሓሓዛ ሰብኣዊ መሰላት ብግቡእ ከየጽንዑ፡ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ጭቆና ዘይኮነ፡ ቁጠባዊ ድኽነት’ዩ ዝብል ተረድኦ ኔርዎም። ካብ’ዚ ግጉይ ተረድኦ’ዚ ተበጊሶም ድማ፡ ናይ ኤርትራውያን ናይ ስደተኛ መሰል ኣብ ምኽባር ኮነ፡ ኣብ ጉዕዞ ዘጋጥሞም ሓደጋታት ኣብ ምክልኻል ከም’ቲ ዝድለ ይተሓጋገዙ ኣይነበሩን። ኤርትራውያን ካብ ሃልሃልታ ሓዊ ወጺኦም፡ ተመሊሶም ኣውያት እናስምዑ፡ ካብ በዓል ማልታ፣ ግብጺ፣ ሊቢያ፣ እስራኤል ብሓይሊ ንኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ ክርከቡ እንከለው ካብ ምሕጽንታን ፈኲስ መግለጽን ዝሓልፍ ድምጺ የስምዑ ኣይነበሩን።

ብኣንጻሩ ድኽነቶም ኣብ ሃገሮም ሰሪሖም ይፍትሑ። ተጽዕኖ ኣይግበርሉና ብዝመጽእዎ ይመለሱ ይብሉ ኔሮም። ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት’ውን ብተመሳሳሊ ኣብ እዋኑ ኣመት ድሕነት ስደተኛታት ይገብር ኣይጸንሐን። ብውላድኩም’የ መንግስትኹም’የ በሃሊ፡ ዝተሳቐዩ ዝተገፍዑ ኤርትራውያን ግን ኣብ ኤርትራ ዘላትና ዕድል ሓንቲ’ያ ንሳ ድማ ሞት። ኣብ ስደት ዘለና ዕድል ግን ክልተ’ዩ ህይወት ወይ ሞት ዝብል ንክትኣምኖ ዘጸግም ምርጫን ውሳነን፡ ዋሕዚ ስደት ብደረጃ ስድራ ቤትን ብተዓጻጻፊ ቁጽርን ቀጸልሉ ደኣ። ሓደጋታት ድማ ብብዝሕን ብዓይነት ወሲኹ። ቀልቢ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ከኣ ስሒቡ። ብፍላይ ድሕሪ’ቲ ብ3 ጥቕምቲ 2013 ኣብ ደሴት ላምፐዱዛ ዘጋጠመ ህይወት ልዕሊ 360 ሰባት ዝወሰደ ጃምላዊ መቕዘፍቲ።

ጃምላዊ መቕዘፍቲ 3 ጥቕምቲ 2013 ንብዙሓት ኣሰንቢዱ። ዳግማይ ከም’ዚ ዓይነት ሰብኣዊ ህልቂት ኣብ’ዚ ስልጡን ዘመን ከይድገም፡ ሰብኣዊ ሓላፍነት ንዝስመዖም ክገብሩ ንዝኽእሉ ወገናት ተሪር ምሕጽንታ ቀሪቡ። ብማሩኖስትሩም ወይ ባሕሪ ዓደቦ ዝፍለጥ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ኣብ ማያት ባሕሪ መዲትራኒያን ክዋፈር ተጊሩ። ልዕሊ ኩሉ ግን ክሳብ ክንድ’ዚ ዘጨክን ህይወትካ ዘረክስ ምኽንያት እንታይ’ዩ? መፍትሒኡ’ኸ ዝብል መዛረቢ ዛዕባ ኮይኑ። ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኣጽኒዓ ጽጹይ ሓበሬታ ተቕርብ ጉጅለ መዚዙ። እታ ዝተመዘት ጉጅለ ኣብ ኤርትራ ኣትያ ከተጽንዕ መእተዊ ፍቓድ ሓቲታ፡ ብመንግስቲ ህግደፍ ተኸልኪላ። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዘራሪባ ዝረኸበቶ ቃለ-ምስክርነት መሰረት ብምግባር ድማ፡ ሓንሳእ ዘይኮነ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ኣብ ኤርትራ ኣብ’ዚ መዋእል’ዚ ይፍጸም ኢልካ ዘይትኣምኖ ሰብኣዊ ጥሕሰት ይፍጸም ከም ዘሎ፡ ብጭብጢ ብሰነድ ነቲ ዝመዘዛ ኮሚሽን ኣቕሪባ። ሕብረት ኤውሮጳ’ውን ናቱ መጽናዕቲ ጌሩ። ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ቁጠባዊ ድኽነት ዘይኮነ ካብ ፖለቲካዊ ጭቆና ዝብገስ ምዃኑ ኣረጋጊጹ። ስለዚ ከኣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ይመለሱ ዝብል ግጉይ ምዃኑ ተቐቢሉ። መፍትሒ’ሞ እንታይ ይኹን ዝብል ዝተፈላለዩ ወገናት ዝተፈላለዩ ሓሳባት ከቕርቡ ጸኒሖም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ግን፡ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኤርትራ ዝባኑ ዝቐልዐ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ከምዘሎ ኣሚኑ ክነሱ፡ ዋሕዚ ስደት ንምዕጋት፡ ንኤርትራ ሰብኣውን ልምዓታውን ሓገዛት ምግባር እቲ ዝሓሸ መንገዲ ምዃኑ ከም ዝረኣየ ሓቢሩ ኣሎ። ነቲ ብኩለንተንኡ ኣብ ከቢድ ጸገም ዝርከብ ህዝቢ ሰብኣውን ልምዓታውን ሓገዝ ምግባር ብመትከል ቅቡል’ዩ። ግን ጠንቂ ናይ’ቲ ዋሕዚ ስደት ቁጠባዊ ድኽነት ዘይኮነ፡ ኣብ’ታ ሃገር ዘሎ ስርዓት ዝፍጽሞ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ኢሉ ከብቅዕ፡ እቲ ጠንቂ እናሃለወ ሰብኣውን ልምዓታውን ደገፍ ብምግባር ክዕገስ ይኽእል’ዩ ምባሉ ሕድሕዱ ዝላተም መርገጽ’ዩ። ሕብረት ኤውሮጳ መጀመርያ፡ ኤርትራውያን ኣብ ሃገሮም እናሃለው፡ ነገራውን ገንዘባውን ደገፍ ብምግባር ዋሕዚ ስደት ደው ክብል ይኽእል’ዩ ምባሉ፡ ጠንቂ ስደት ፖለቲካዊ ጨቆና ዘይኮነ ቁጠባዊ ድኽነት’ዩ ዝብል ግጉይ መልእኽቲ ኣሕሊፉ ኣሎ። ካልኣይ ከኣ፡ እቲ ዝበሃል ዘሎ ደገፋት ብኸመይን ብመንን’ዩ ኣብ ህዝቢ ክበጽሕ? ስርዓት ህግደፍ ረጋጺ መሰል’ዩ። ጸረ-ልምዓት’ዩ። ነዚ ሕብረት ኤውሮጳ ኮነ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብናቶም መንገዲ ዘረጋገጽዎን ብወግዒ ዝገለጽዎን ሓቂ’ዩ። ስለዚ እቲ ዝወሃብ ደገፍ ብመንገዲ ህግደፍ ኣቢሉ ኣብ ህዝቢ ክበጽሕ ይኽእል’ዩ ከይበሃል ዝሕሰብ ኣይኮነን። ህግደፍ ኣብ ስልጣን እናሃለወ ብካልእ መንገዲ ከይበሃል ብመንን ብኸመይን? ኣዝዩ ተገራጫዊ’ዩ።

ስለዚ ሕብረት ኤውሮጳ መፍትሒ ኮይኑ ዝተሰመዖ ክብል ክገብር ምርጫኡ’ዩ። ወሲኑ ድማ ኣሎ። ናብ’ቲ ሕብረት ቅርበትን ዓቕምን ዘለዎም ኤርትራውያን ግዱሳት ድማ፡ ጠንቂ ስደት ኣነጺሮም፡ ንህዝቢ ኤርትራ ሰብኣውን ልምዓታውን ደገፋት ምግባር ጽቡቕ ግን፡ ብመንን ብኸመይን? ዝሓሸ መፍትሒ ሓሳብ ሒዞም መረዳእታ ከቕርቡ ኣለዎምን ይግባእን።

ድ,ሰ,ደ,ኤ, 30-03-2015

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel