ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ምሕደራን ምልካዊ ኣገዛዝኣን ከምኡ’ውን ሓርነታዊ ደሞክራስያዊ መሰላትን ባርነታዊ ምዝመዛን ከተመሳስሎም እንተፈተንካ’ውን ዘመሳሳል ዘይብሎም፡ ፈጺሞም ዘይራኸቡ ከብድን ሕቖን’ዮም። ዘይተዛበዐ ሚዛኑ ዝሓለወ ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ፡ ባዕልኻ ነብስኻ ትመርሓሉ፡ ብነጻነት ተኻቲዕካ ተዛቲኻ ብዘጽደቕካዮ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ቅዋም፡ ከይተሸቖረርካ ብናይ ምርጫ ካርድ ጌርካ ኣብ ስልጣን ብዘሰቐልካዮ ኣካል፡ ዝሃብካዮ ተልእኾ እንተዘንጊዑ፡ እንተዘይበቒዑ፡ ወይ ኮነ ኢሉ ብኣንጻሩ እንተኸይዱን ከኣ፡

ከም’ቲ ብሕጊ ዝሰቐልካዮ ብሕጊ ተውርደሉ ናተይ ኢልካ ትተኣማመነሉ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ምሕደራ’ዶ፡ ወይስ ምስ ምሉእ ሓይልኻ፡ ኣደናጊሩ ዝበሃልካ ስማዕ፡ ዝተበሃልካዮ ፈጽም፡ ዘይዓቕምኻ ኣይትሕሰብ ዝብል ምልካዊ ኣገዛዝኣ ትመርጽ ምስ ትብሎ ዝህቦ መልሲ፡ እቲ ቀዳማይ ከም ዝኸውን ኣይጠራጥርን።

ብባህሪ፡ ብሕግን ብተግባርን መሰረታዊ ሓርነታዊ ደሞክራስያዊ መሰላት ዝውንን ዝትርጉምን ህዝባዊ መንግስት’ዶ፡ ከም ሰብን ከም ዜጋን ኩለ-መዳያዊ መሰላትካ ገፊፉ፡ ብሻምብቆ ብረት ኣገዲዱ ኣካልካን ሕልናኻን ብባርነት ዝማጺ ፍጹም መላኺ መንግስቲ ትመርጽ ንዝብል ሕቶ’ውን መሰረታዊ ሓርነታዊ ደሞክራስያዊ መሰለይ ዝኽበረሉ ‘ባ ከም ዝብል ኣየማትእን። ካብ ልክዑ ዝፈልጥ ሚዛናዊ ሰብ፡ ካብ ንቡር ፖለቲካዊ ምሕደራ ዝካየደሉ ሃገር ዝግበር ትጽቢት ብርግጽ፡ ብዝኾነ መልክዕ ይምጻእ ንምልካዊ ኣገዛዝኣን ባርነታዊ ምዝመዛን እናተሰከፈ ተሓቢኡ ዘይኮነ፡ ብወግዒ ፊት ንፊት ዝቃወም ብሱል ኣተሓሳስባ’ዩ።

ሎሚ ኣብ ኤርትራውያን ንሪኦን ንሰምዖን ዘለና ግን፡ ምስቲ 78 ዓመት ዘቑጸረ ፖለቲካውን ዕጥቃውን ቃልሲ ዝመጣጠን ኣይኮነን። ምስ’ቲ ቅድሚ 1991 ኣብ ዓውደ ውግኣት ዝተመዝገበ መስተንክራዊ ሓርበኛዊ ሃገራዊ ጀግንነት፣ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ጸላእቲ ዝተራእየ ጽንዓት፣ ሕቖ ሰውራ ንምድልዳል ብጉልበት፡ ብዓይነትን ገንዘብን ዝተገብረ ዘሕብን ህዝባዊ ተወፋይነት ከተነጻጽሮ ኣይከኣልን። ፖለቲካ ኤርትራ ቀደሙ’ውን ዘኹርዕ ጥሙር ናይ ስነ-ሓሳብን ኣረኣእያን ፍሕፍሕ ይካየደሉ ከምዘይነበረ ብዙሓት ዝዛረብሉ’ኳ እንተኾኑ፡ ኣብ’ዚ ዘለናዮ መድረኽ ግን ብዘሕዝን መልክዑ ዳርጋ ምሉእ ንምሉእ ተዘሪጉ’ዩ።

ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት ብመንጽር ደርባዊ ባህሪኦም፡ ንውክሎ ዝብልዎ ኣረኣእያ፡ ሕጋዊ ውክልናን ግብራዊ ንጥፈታቶምን ብጭቡጥ ንፈታውን ጸላእን ግሉጽ ብዝኾነ ኣገባብ ኣይተቐመጠን። በዓል ቤት ናይ’ቲ ቃልሲ ዝኾነ ሓፋሽ ክፈልጦ፡ ፈሊጡ ከከም ዝንባሌኡን እምነቱን ክውደበሉን ክቃለሰሉን ዝድርኽ ናይ ዓወትን ለውጥን ኣንፈት ከም’ቲ ዝድለ ኣይተነጸረን። ከም’ዚ ዓይነት መስመራዊ ንጹርነት ከርኢ ዝኽእል፡ ናብ ዝበዝሐን ዝተወጸዐን ህዝቢ ዝወገነ፡ ኩለንተናዊ ኣተሓሳስባኡን ተግባሩን ናብኡ ዝገበረ ጸላዊ መሪሕ ደሞክራስያዊ ሓይሊ ኣይተፈጥረን ዘይኮነስ ኣይጎልበተን። ስለዝኾነ ከኣ ቃልስና ቀላሲ ስኢኑ፡ “ብዕራይ ምስ ሓራዲኡ ይኸይድ” ከም ዝበሃል፡ ፈታውን ጸላእን፣ ገዛእን ተገዛእን፣ በላዕልን ረኣይን፣ ገበነኛን ግዳይን፣ ተደባሊቖም፣ ቀታልን ተቐታልን ድሕነት ህይወት ሰብን ሰብኣዊ ክብረትን ጎስዮም፡ ድሕነት ሃገር፡ ልኡላውነት ሃገር ቅድሚ ኩሉ ዝብል ድምጺ ኣብ ዘስምዑል ኣዝዩ ኣሰካፍን ዘሕፍርን ዝተጠናነገ ፖለቲካዊ ኩነታት ንርከብ ኣለና።

እንኮ ሰብኣዊ ስማዊ ስርዓት ህግደፍ ሃሰስ ኢልካ፡ ዋላ ሓንቲ’ኳ ብሰላም ወፍሪካ ብሰላም እቶ፣ ዕድመን ጥዕናን ይሃብካ ዘብል ባህርን ተግባርን ኣይትረኽበሉን። ትሕዝቶኡ ብዘየገድስ ዝመርሓሉን ዝምረሓሉ ሃገራዊ ቅዋም የብሉን። ፖለቲካዊ ህይወት ዘለዎ መንግስታዊ ቅርጻ የብሉን። ውድባዊ፣ መንግስታዊ፣ ባይቶኣዊ ፖለቲካውን ሕጋውን መድረኻት ኣየካይድን። ናይ ውሽጢ ይኹን ናይ ደገ ፖሊሲታቱ ድሌት ሓደ ሰብን ጉጅለኡን ንምርዋይ ማእከሉ ዝገበረ ጸረ-ህዝብን ጸረ-ደሞክራስን’ዩ። ህዝቢ ከም ህዝቢ ኣድኪዩን ከፋፊሉን ኣብ ስልጣን ምቕጻል ቀንዲ ዋኒኑ ዝገበረ’ዩ። ንወተሃደራቱ ምስ ዕጥቆም ብባርነት ዘስርሕ’ዩ። ህይወት ዜጋታትን ማሕበራዊ ክፍልታትን ምብልሻው፡ ምስቓይ፡ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ጽልኢ ምጽሕታር፡ ዘይምኽንያታውን ዘይፍትሓውን ኲናት ምውላዕ፡ ብሞትን ኣካል ምጉዳልን ዜጋታት ምልጋጽ ስራሐይ ኢሉ ዝሓዘ፡ ሃገር ሰብ ኣልቦ ክተርፍ ብመደብ ዝሰርሕ ዘሎ ጸላኢ ኣብዘሓ ህዝቢታት ኤርትራ’ዩ።

ከምኡ ስለ ዝኾነ’ዮም ድማ ብዙሓት ኤርትራውያን ካብ ቤት ንብረቶም ዝፈናቐሉን ዝሰደዱን ዘለው። ኣብ ዘዝኸድዎ ኸኣ ግዳይ ዝኾኑ ዘለው። “ከብዲ ኣደ ጉራሙራ” ከም ዝተባህለ ግን፡ ገለ ወገናት ኣብ ምልኪ ዘምልኹ፡ ካብ ሓርነት ባርነት ዝናፍቑ፡ ካብ ድሕነቶምን ድሕነት ህዝብን ቀጻልነት ስልጣን ሓደ ሰብ ዘገድሶም፡ ፍሳሃ ዎ ደስታ ዝህቦም፡ ደገፍትን ሓብሓብትን እንኮ-ሰባዊ ስማዊ ስርዓት ምህላዎም’ዮ።

ድሕሪ ውልደት ኤርትራዊ ልኡላውነት፡ ኣብ ኤርትራ ብዘቤታዊ ገዛኢ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኤርትራ ብዝፍጸም ዘሎ ኢ-ሰብኣዊ ግፍዒ፡ ንደላዪ ሰላም ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዘስደመመ ዋሕዚ ስደት ተራእዩ። ዋና ዘይብላ ኤርትራዊት ነብሲ፡ ኣብ ምድረ በዳ ሰሃራ፡ ኣብ ባሕሪ ሜዲትራኒያን፣ ኣብ በረኻታት ሲና፣ ቅድሚ ሎሚ ተራእዩን ተሰሚዑን ብዘይፈልጥ ረጊፋ። ደላዪ ሰላም ማሕበረ-ሰብ ዓለም ካብ ሰብኣውነት ተበጊሱ ሓዚኑ። ንዝሞቱ ብስርዓት ክቐብር፡ ዳግም ህይወት መሳኪን ሰባት ከይጠፍእ ብዙሕ ገንዘብ መዲቡ ሓይሊ ሰብን መሳላጥያን ኣዳልዩ ኣሃዱ ህይወት ኣድሓን ኣብ ባሕርን ውቅያኖሳትን ኣዋፊሩ። እንኮ-ሰብኣዊ ስማዊ ስርዓት ህግደፍ ግን ምስ ነጋዶ ሰብ ተሻሪኹ ዶላር ክኣሪ፡ ብስቓይን ሞትን ኤርትራውያን ከላግጽ መሪጹ። ንሱን ኣምለኽቱን ከይተሰከፉ እንኳዕ ኮኑ መን ካብ ሃገር ውጽኡ ኢልዎም፡ መንግስትናን መራሒ መንግስትናን ከጽርፉ፡ ከዳዓት፡ ሽዩጣን፡ ግለት …ወዘተ ብዝብሉ ሕሱራት ቃላት ሓቀኛ መንነቶም ኣቃሊዖም። ከደዓት ምዃኖም ኣረጋጊጾም።

ብዙሓት ካብ’ቶም ተገዲዶም ካብ ማይ ቤቶም፡ ሃገሮም ዝተሰዱ ወገናት፡ ንስክላ ካብ ሞት ተሪፎም፡ ምስ ሕልናዊ በሰላኦም፡ ኣብ ተነጻጻሪ ድሕነት ህይወት ዘለዎ ቦታ በጺሖም። ንሳቶም ክስደዱ፡ ክሳቐዩ፡ ንነጋዶ ሰብ ዘይተኣደነ ገንዘብ ክኽፍሉ፡ እንተዘየለ ውሽጣዊ ኣካላቶም ክዝቆቕ ዝገበረ መን’ዩ ሕርሕራይ ገይሮም ዝፈልጡ’ዮም። እቲ ዝገርም ግን ገለ ካባታቶም፡ ብሓደ ግዜ፡ ሓደ ወረቐት ናብ ጉዳይ ስደተኛታት ዝዓረፉለን ምዕራባውያን ደሞክራስያውያን ሃገራት፡ ካብ ስርዓት ኤርትራ ተገፊዐ ህይወተይ ከድሕን ሃዲመ መጺአ ኣለኹ’ሞ ጸገመይ ተረዲእኩም ኣብ ሃገርኩም ሕግኹምን ባህልኹምን ኣኽቢረ ብሰላም ሰሪሐ ክነብር ፖለቲካዊ ዕቑባ ሃቡኒ ዝብል፡ በቲ ካልእ ከኣ ናብ ኤምባስን ቆንስላን ናይ’ቲ ጸረ-ህዝቢ ስማዊ መንግስታዊ ጉጅለ፡ ንሃገረይን መንግስተይ ከዲዐ ስለ ዝመጻእኩ፡ መንግስተይ ምሕረት ክገብረለይ እሓትት ኣለኹ ዝብል ናይ ጣዕሳ ፎርም መሊኦም ኣብ መሳርዕ ናይ’ቲ ጸረ-ህዝቢ መሓውራት ኣትዮም ተመሊሶም ትፋኦም ክልሕሱ ክንዕዘብ ጸኒሕና። ካብ’ዚ ንሰብኣዊ ክብሮም፡ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራን ዕቑባ ንዝሃባኦም ሃገራትን ዘውራድ ተግባራት ክቑጠቡ ድማ ብዙ ግዜ ምኽሪ ክልገሰሎም ጸኒሑ።

ይኹን ግን፡ ፈውሲ ከም ዝተገብረሉ ንኣወንታዊ ምኽሪ ከቆናጽቡ፡ ንባርነት ክናፍቑን ንምልካዊ ስማዊ ጉጅለ ከገለግሉን ‘ምበር ከም ሰባት ደው ኢሎም ክሓስቡን ግጉይ ርእይቶኦም ክእርሙን ኣይተራእዩ። ብዙሓት ነቲ መንግስታዊ ጉጅለ ወኪሎም ናብ ደገ ዝለኣኹ ሰብ መዚ ብዋሕስ ወይ ሰነዳቶም ብፍሉያት እሙናት ሰባት ጅሆ ብምሓዝ ከም ዝወጽኡ፡ ስፖርተኛታት፡ ኣሰልጠንቲ፡ ሓይካይም፡ ጋዜጠኛታት ንሃገር ወኪሎም ምስ ሃገራት ተወዳዲሮም ስም ሃገሮም ከጸውዑ ኣብ ዝለኣኽሉ ድማ፡ ቀዋሚ ትካል ወይ ካብ 100 ሽሕ ናቕፋ ንላዕሊ ኣትሒዞም ክወጽኡ ኣብ ዝግደዱላ፡ ናብ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝተቐየረት ሃገር፡ ኣብ ሃገረ ኖርወይ ዕቑባ ዝረኸቡ ናፈቕቲ ባርነት፡ ሓደ ወለዶ ኤርትራ ንዘጥፈአት ወተሃደራዊት ፋብሪካ ሳዋ ዝተመስረተትሉ መበል 25 ዓመት ወተሃደራዊ ክዳን ወድዮም ዘኪሮማ ውዒሎም። በዚ ድማ መንግስቲ ኖርወይ ተቖጢዑ ኣሎ።

ናይ ኩሎም ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ድሕረ ባይታ ዳግም ክፍትሽ፡ ደገፍቲ ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ ናይ ዝኾኑ 150 ሰባት ድማ ኣረጋጊጹ ከም ዘሎን ሓቢሩ ኣሎ። በዞም ትፋኦም ዝልሕሱ ናፈቕቲ ባርነት ስም ህዝቢ ኤርትራ ብኣሉታ ክለዓል ኣዝዩ ዘሕምም’ዩ። ስለዚ ንፖለቲካዊ ምንዝርና ህግደፍ ንምቅላዕን ገንዘባዊ ምንጩ ንምድራቕን ነቶም ኣምለኽቲ ሓደ ሰብ፡ ናፈቕቲ ባርነት ባዕሎም ብዘደለውዎ ፖለቲካዊ በትሪ ምቕጥቃጥ፡ ዋኒን ኩሎም ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ክኸውን ይግባእ። ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ብውሁድ ኣገባብ ምስ መንግስቲ ኖርወይ ክተሓባበሩ፡ ካልኦት መንግስታት’ውን ተመሳሳሊ ተበግሶ ክወስዱ ከተባብዑ ይግባእ። ንሃገር ዝውክሉ ስፖርተኛታት ብዋሕስ ዝወጽኡላ፡ ኣብ ውሑስ ቦታ ዝበጽሑ ገለ ዜጋታት ከኣ ባርነት ዝናፍቑላ ሃገር ኤርትራ፡ ናብ ንቡር ቦታኣ ክትምለስ ንረባረብ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 11-09-2019