27/11/2009
ኣብ የመን ኣብ ዝተካየደ ኩናት ምስ ዓመጽቲ እታ ሃገር ወጊኖም ክዋግኡ ናይ ዝሞቱ ብዓሰርተታት ዝቁጸሩ ኣባላት ሚሊሺያ ሂዝቦላህ ሬሳ ብኤርትራ ኣቢሉ ናብ ሊባኖስ ከምዝተሰደደ ተፈሊጡ።
ኣብ ሱዳን ዝርከብ ጨንፈር ቤትጽሕፈት ማሕበረሰባዊት ሬድዮ ድምጺ ወጋሕታ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኦማል ንዝተቃልሐ ዜና ብምጥቃስ ኣብ ዝሰደደልና ሓበሬታ- ናብ ዶብ ስዑዲ ዓረብያ ሰሊኾም ብምእታው ኣልሓውሲን ምስዝተበሃሉ ዓመጽቲ የመን ወጊኖም ክዋግኡ ናይ ዝተቐተሉ ብዓሰርተታት ዝቁጸሩ ኣባላት ሂዝቦላህ ሬሳ ብኤርትራ ጌሩ ናብ ሊባኖስ ከይዱ ክቕበር ከምዝተገበረ ኣረጋጊጹ’ሎ።
ሬሳ ናይዞም ኣባላት ሂዝቦላህ ካብ ዶብ ስዑዲ ዓረብያ ብስቱር መገዲ ናብ ኤርትራ ምስኣተወ ብነፋሪት ኢራን ጌሩ ፈለማ ናብ ደማስቆ ደሓር ድማ ናብ ሊባኖስ ከምዘምርሓን ብድሕሪኡ ኣብ ሊባኖስ ስነ-ስርዓት ቀብሮም ከምዝተፈጸመን እታ መርበብ ሓበሬታ ኣልሺራዕ ንዝተበሃለት ናይ ሊባኖስ መጽሄት ኣብ ዝጠቀሶ ጽሑፋ ሓቢራ’ያ።
ፕረዝደንት የመን ዓሊ ዓብደላ ሳላሕ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብቲ ከባቢ እምነት ሺዓ ከተስፋሕፍሕን ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ትሕዝቶኣ ከተሐይልን ባህጊ ዝሓደራ ኢራን ነዚ ሕልሚ ተመርኩሳ ንዓመጽቲ ሆውጢ ኩለመዳያዊ ድጋፍ ብምግባር ጸጥታ የመንን ስዑዲ ዓረብያን ክዝረግ ትገብር ኣላ ክብል ከምዝወቀሰ ድማ እቲ ሓበሬታ ገሊጹ’ዩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኤርትራውያን ዜጋታት ናብ ጎረቤት ሱዳን ይገብርዎ ዘለው ዋሕዚ ተኣምራዊ ወሰኽ ብምርኣይ ኣብ ውሽጢ 3ተ መዓልታት ጥራይ 375 ዜጋታት ናብ መደበር ስደተኛታት ከምዝኣተው ኣብታ ሃገር ዝርከብ ጨንፈር ቤትጽሕፈትና ኣፍሊጡ’ሎ።
ስርዓት ኢሳይያስ ንዋሕዚ ዜጋታት ንምዕጋት ኢሉ ኣብ ዶባት ሓለዋ ክጠናኸር ዝገበረ’ኳ እንተኮነ እቲ ሕሱም ምሕደራን ሕማቕ ሃለዋትን ዘበገሶ ዋሕዚ በዚ ከይተዓገተ ይቕጽል ኣሎ ዝበለ እቲ ሓበሬታ ብ17 ሕዳር 80 ኤርትራውያን፡ ብ18 ሕዳር 175 ኤርትራውያን፡ ብ19 ሕዳር ድማ 120 ኤርትራውያን ናብ መደበር ስደተኛታት ከምዝኣተው ኣረጋጊጹ።
ካልኦት ብዙሓት ኤርትራውያን ዜጋታት ድማ ናብ መደበር ስደተኛታት ከይኣተው ናብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሱዳን ይበታተኑ ከምዘለው እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣመልኪቱ።




