27/11/2009
ስርዓት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ከባቢ ዓሰብ ማርሳ ፋጡማ ራስ ደርማ ኣብ ዝተበሃለ ቦታ ንኣባላት ኣኽራሪ ጉጅለ ኣልሸባብ
ኣብ ምዕላም ተጸሚዱ ከምዘሎ ኣብ ላዕላዋይ ጸፍሒ መንግስቲ ህግደፍ ዝርከቡ ምንጭታትና ኣቓሊዖም።
ኣብ ላዕለዋይ ጸፍሒ መንግስቲ ኢሳይያስ ዝርከቡ ነቲ ስርዓት ኣጸጽዮም ዝፈልጥዎ እሙናት ምንጭታት ማሕበረሰባዊት ሬድዮ ድምጺ ወጋሕታ ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ- ብኮነሬል ጀማል ስፍሕ ዝበለ ምድላው ግበሩ ዝብል ትእዛዝ ብጥሪኡ ዝተዋሃቦም 13 ዓለምቲ ብስቱር ኣብ ከባቢ ዓሰብ ማርሳ ፋጡማ ናብ ዝርከብ ራስ ደርማ ዝተበሃለ ቦታ ተወሲዶም ንኣባላት ኣኽራሪ ጉጅለ ኣልሸባብ ክዕልሙ ከምዝተገበረ ኣራጋጊጹ’ሎ።
ኣብ ወርሒ 6 ዓመተ 2009’ዩ ኮነሬል ጀማል ስፍሕ ዝበለ ምድላው ጌርኩም ጽንሑ ዝብል ትእዛዝ ብጥሪኡ ዝሃቦም 13 ዓለምቲ ናበይን ንምንታይን ይኸዱ ከምዘለው ከይፈለጡ ኣብ ከባቢ ዓሰብ ማርሳ ፋጡማ ፍሉይ ሽሙ ራስ ደርማ ናብ ዝተበሃላ ቦታ ዝበጽሑ።
እዞም ዓለምቲ ናብቲ ቦታ ምስበጽሑ ግን ኣስታት 100 ምስዝኾኑ ኣባላት ኣኽራሪ ጉጅለ ኣልሸባብ ተራኪቦም ንምንታይ ዕማም ከምዝመጹ ሽዑ ዝተገሃደሎም እቶም ዓለምቲ ነቶም ኣስታት 100 ዝኾኑ ኣባላት ኣልሸባብ ንሓደ ወርሕን 12 መዓልትን ዝኸውን ምስዓለምዎም ግና ዘይሓሰብዎ ነገር ገጢምዎም’ዩ ዝበለ እቲ ኣብ ላዕለዋይ ጸፍሒ መንግስቲ ኢሳይያስ ካብ ዘለው ምንጭታትና ዝመጸና ርጡብ ሓበሬታ- ሓደ ካብ ተዓለምቲ ኣባላት ኣልሸባብ ንሓንቲ ተወላዲት ብሄር ዓፋር ዝኾነት ዜጋ ክደፍራ ስለዝተረኸበ ሽዑ ኢድ ብኢድ ዝረኸቦ ምክትል ተለንተ ቴድሮስ ብጥይት ከምዝቐተሎ ከኣ ኣመልኪቱ።
ነዚ ኩነታት ስዒቡ ኣብ መንጎ እቶም ዓለምትን ኣኽረርቲ ኣባላት ኣልሸባብን ሓያል ጎንጺ ከምዝተፈጠረ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ- እቲ ህሞት ናብ ውግእ ከምርሕ ምስበለ ግን ስርዓት ኢሳይያስ ነቶም ዓለምቲ ካብቲ ቦታ ብህጹጽ ክለቁ ብምግባር ምፍንታት ብምፍጣር ነገራት ክዘሓሓል ከምዝገበረ ኣረዲኡ።
እቲ ስርዓት ነቲ ቐታሊ ብእሱር ወሲዱ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ክውዕል ተጌሩ’ዩ ኢሉ ድሕሪ ምግላጹ እቲ ኩነታት ምስሃድአ እቶም ዓለምቲ ናብቲ ቦታ ተመሊሶም ታዕሊም ክቕጽሉሉ ከምዝተገበረ ድማ እቲ ጽጹይ ሓበሬታ የረጋግጽ።
ብተመሳሳሊ 400 ዝኾኑ ONLF ናይ ዝተበሃለ ናይ ኢትዮጵያ ሶማሊ ኣኽራሪ ጉጅለ ኣባላት ኣብ ራስ ደርማ ክፍለ ሰራዊት 15 ኣብ ትርከበሉ ቦታ ብመንግስቲ ኢሳይያስ ክዕለሙ ከምዝጸንሑ ተፈሊጡ’ሎ።
ካብ ኩናትን ህውከትን ተፈልዩ ክነብር ዘይኽእል ጉጅለ ህግደፍ ንተቓወምቲ የመን፡ ኢትዮጵያ፡ ጁቡቲ፡ ሱዳን፡ ዳርፉርን ኣኽረርቲ ዕጡቓት ሶማልያን ሙሉእ ድጋፍ እናገበረ ንሃገራዊ ታዕሊም ካብ ዝገብሮ ወጻኢ ብዝዛየደ ሃብቲ ሃገር የጥፍእ ከምዘሎ ድማ እቲ ንስርዓት ኢሳይያስ ኣጸጽዮም ካብ ዝፈልጥዎ ኣብ ላዕለዋይ ጸፍሒ እቲ መንግስቲ ካብ ዝርከቡ ምንጭታት ዝመጸና ሓበሬታ ብተወሳኺ ገሊጹ’ዩ።




