• Increase font size
  • Default font size
  • Decrease font size
Start
ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ - ደግሓኤ - ዝዝርጋሕ ርእሰ ነጻነቱ ዝተሓለወ ዌብሳይት - ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ - ንሓድነት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ብምድልዳልን ንሸቶታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ብምዕዋት - ደሞክራስን ማሕበራዊ ፍትሕን ሰላምን ራህዋን ዝሰፈና ኤርትራ ንምርግጋጽ ይቃለስ - An Independent Website Distributed by Democratic Front for Eritrean Unity –DFEU - Anti Dictatorial Regime PFDJ - Embolden Unity of Eritrean Democratic Alliance - and struggle to accomplish the aims of Eritrean National Council for Demonratic Change in order to establish an Eritrea with Democracy, Social Justice, Peace and Prosperity.

ዕዉት ሰሚናር ኣባላት ግሃድኤ

E-mail Print
User Rating: / 0
PoorBest 

ዕዉት ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ግሃድኤ ዝተሳተፉ፡ ኣብ መዛዘሚ ጉባኤ ከኣ  ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ኮይኖም ካብ ዝተመዘዙ ብጾት ናብ ቦትኦም ምስተመልሱ ዘማእከልዎ፡ መላእ ኣባል ግሃድኤ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ዘሳተፈ ሰፊሕ ሓባራዊ ሰሚናር ብ21 ሕዳር 2009

alt

ዕዉት ሰሚናር ኣባላት ግሃድኤ

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡

ነባርነቶም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካብ ዝኾኑ ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ብመሰረታቶም ተወኪሎም ኣብቲ ካብ 15-21 ጥቅምቲ 2009 ዝተኻየደ ዕዉት ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ግሃድኤ ዝተሳተፉ፡ ኣብ መዛዘሚ ጉባኤ ከኣ  ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ኮይኖም ካብ ዝተመዘዙ ብጾት ናብ ቦትኦም ምስተመልሱ ዘማእከልዎ፡ መላእ ኣባል ግሃድኤ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ዘሳተፈ ሰፊሕ ሓባራዊ ሰሚናር ብ21 ሕዳር 2009 ምክያዱ፡ ክፍሊ ዜና ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ግሃድኤ ኣብ ዝልኣኾ ጸብጻብ ሓቢሩ።   

እቲ ዝበጽሓና ጸብጻብ ወሲኹ ከምዝሓበሮ፡ መላእ ኣባል ግሃድኤ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ዝተሳተፎ ድሙቕ ሰሚናር ብመሪሕነት ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ ተማእኪሉ መስርሕ ዕዉት ቀዳማይ ጉባኤ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ሳላ ዘይሕለል ሓያል ተወፋይነትን ልዑል ኣበርክቶን ጽንዓትን መሰረታቱ ንኩሉ ከጋጥም ዝኽእል ዝነበረ ጸገማት በዲሁ ብዓወት ከምዝተዛዘመን፡ መስርሕ ጉባኤ ካብ መጀመርያ ክሳብ መወዳእታ ዝተኸተሎ ደሞክራስያዊ ኣገባብ ኣሰራርሕን ኣፈጻጽማን ብዝምልከት ዝርዝር ስእላዊ መብርሂ ከምዝተዋህበ ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ ኣብቲ ውዕሎ ሰሚናር ቀንዲ ብዕምቆት ዝተራእዩ ዛዕባታት እዞም ዝስዕቡ ከምዝነበሩ እቲ ካብቲ ቦታ ዝተላእከልና ጸብጻብ ኣብሪሁ።

1-     ኣብ ድሮ ቀዳማይ ጉባኤና፡ ጉባኤ ንከይዕወትን ውድብ ንምብትታንን ንምፍራስን ብውሱናት ውልቀ ሰባት ዝተኣልመ ሸርሕታትን ኣገጣጥምኡን ዝምልከት፡

2-     ደሞክራስዊ ባህርያት ጉባኤና ኣብ ከባቢ ዘሕደሮ ኣወንታዊ ጽልዋታት ዝምልከት፡

3-     ጉባኤ ዘተኣታተዎ ሓድሽን  ምዕቡል ኣገባብ ኣሰራርሓን ውደባን ውሳኔታቱን ብዝምልከት ብዕምቆትን ብደቂቕን ዘተ ምክያዱ ተገሊጹ።

ኣብ መደምደምታ መድረኽ ሰሚናር ንሕቶን ርእይቶን ተሳተፍቲ ክፉት ከምዝኾነን ንዝቐረቡ ሕቶታት ብኣባላት ተሳተፍቲ ጉባኤ ዝነበሩ ብጾት ዘዕግብ መልሲ ከምዝተዋህበን፡ ድሕሪ’ዚ ተሳተፍቲ ሰሚናር ለበዋታቶም ናብ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ዝርከቡ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ ከምዘቕረቡን፡ ኣብ መወዳኣታ ከኣ ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ ዝብል መሪሕ ጭርሖ ግሃድኤ ተግባራዊ ንምግባርን ውድብና ንምሕያልን ኣበርቲዖም ክሰርሑ ምዃኖም፡ ጎኒ ንጎኒ ምስዚ ከኣ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ንምሕያል ብዕቱብ ክቃለሱ ምዃኖም መብጻዓ ብምሕዳስ ኣኼብኦም ከም ዝዛዘሙ ክፍሊ ዜና ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣብ ዝለኣኾ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

26 ሕዳር 2009

Last Updated ( Thursday, 26 November 2009 19:52 )  
ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ - ደግሓኤ - ዝዝርጋሕ ርእሰ ነጻነቱ ዝተሓለወ ዌብሳይት - ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ - ንሓድነት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ብምድልዳልን ንሸቶታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ብምዕዋት - ደሞክራስን ማሕበራዊ ፍትሕን ሰላምን ራህዋን ዝሰፈና ኤርትራ ንምርግጋጽ ይቃለስ - An Independent Website Distributed by Democratic Front for Eritrean Unity –DFEU - Anti Dictatorial Regime PFDJ - Embolden Unity of Eritrean Democratic Alliance - and struggle to accomplish the aims of Eritrean National Council for Demonratic Change in order to establish an Eritrea with Democracy, Social Justice, Peace and Prosperity.

Send your articles comments or critics to webmaster@democrasia.org
Administration-Panel