እታ ኤርትራዊት ዋዕሮ

ሐማደኤ ምስ ኮና ሃረምቲ ኮቦሮ

ብምሕደራ ጃንዳ ህግደፍ ዜሮ

ሩባ ወሪዳ ማይ ብዝባና ትጾሮ

ሐራ ኣይወጸትን ካብ ሐርቢ ዕትሮ‘‘

እቲ ሐደ ክሰብሕ ክግብል

ደቀባት ክብሉ ተኣለ ያኣክል

ድሕሪ ስዕረት ህግደፍ ክንድብል

ኣብ ዓድና መስከረም ክንጽንብል‘‘

መሬቱን ህዝቢ ኤርትራን ነባሪ

ዘይመሬቱን ዝደሊ ጨዳሪ

ብህዝባዊ ባርዕ ጽባሕ ሐራሪ

ክትግበር ናይ ሰማእታትና ሕድሪ

ንከዳኣት ይጽበየኩም ኣሎ በትሪ‘‘

ንጭፍራ ህግደፍ እግሪ እግሮም

ሃባ እንበር እንካ ዘይልማዶም

ቀሪቡዩ ውድቀቶም ፍርዶም‘‘

ደቂ ኤረይ ኣብ ባይታ ወሪድና ንኸተተ

ቃልሲ ጅግና ስዉእ ሐምድ እድሪስ ዓዋተ

ኣብ መስከረም ክዛዘም ሕድሪ ሰማእታተ‘‘

ሰራቒ ሞባእ ባዕሉ ይላፋለፍ

ነባሪ ኣይኮነን መራሒ ጃንዳ ህግደፍ

ብኤርትራ ዘይኣምን ንወያነ ዝድግፍ

ዶብ ሰጊሩ ንትግራይ ይመርቀፍ‘‘

ክዝሕለካን ቢኢድካ

ክውዕየካ ብማንካ

ኤርትራዊ ብሻዓኻ

ጸላእትኻ ስለ ዘየለለኻ

ን28 ዓመት ትነብዕ ኣለኻ‘‘

ብመስከረም ዘይሕበን ዘይኮርዕ

ኤርትራዊ ተመሲሉ መዘንግዕ

መንዩ ንብዓት ሐርገጽ ዝነብዕ‘‘

በቶም ኣንፈቶም ዝሰሐቱ

ካብ ትግራይ መንነት ዝሸመቱ

ብኸብዶም ናብቲ ናብቲ ዝጉተቱ

ኤርትራዊ ማይ ቤት ሃውቲቱ‘‘

ህዝቢ ሲኢኑ ተባዕ ጓሳ

ኤርትራዊያን ድራር ዓሳ

ሰማእታትና ሲኢንም ሞሳ‘‘

ምድረ በዳ ሰጊሩ ኣጻምእ

በትሪ ደርብዩ ሰብ በትሪ ዝጸልእ

ናብ ሰብ ኒሕ ኣጻብዕቱ ዘውጽእ‘‘

ኤርትራዊያን ገለ ዲሒኖም

ገለ ድራር ዓሳ ኮይኖም

ድሒሪ ምድሐኖም

ገለ ተቓወምቲ ህግደፍ

ገለ ንህግደፍ ደገፍ‘‘

በዓል ሐዲሽ መተርኣስ

ኣብ መንገዲ ይትርኣስ

ንህዝቢ ኤርትራ ብምንእኣስ

ንስግር መረብ ድማ ምውዳስ

ብዕላማ ኣልቦ ሲኢና ድቃስ‘‘

ኣቱም ትግራይ ትብሉ ካብ ማዕዶ

ከክንደይ ከፈሎምኹም እቶም ነጋዶ

ናይ ኣንድነት ክሕደት ደጊሱኩም ዶ

ህዝቢ ኤርትራ ረኺቡ እንበር ጋዶ‘‘

ኣይንተሃመል ውዲት ከይድገም

ቃልሲ ንሐርነት ኣብ መስከረም

ብስዕረት ጃንዳ ህግደፍ ክዛዘም‘‘

ድሕሪ ስዕረት ጃንዳ ህግደፍ

ብሐንጎልና ብተልኖሎጂ ደገፍ

ብምዕባለ ንቕድሚት ክንውንጨፍ‘‘

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ;ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፣ ካብ ዉሽጡ ሑሩር ኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን።