ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ እንዳበተ፡ ንሓድነትን ድሕድነት ሱዳን ምስራሕ ናይ ምርጫ ጉዳይ ዘይኮነ ግድነት’ዩ፡ ስለዚ ድማ ብዝከኣለና ኩሉ ንሓንትን ስምርትን ሱዳን ክነስርሕ ኢና ማለቱ፡ ብቑጠባ ተሓኒቑ ስለ ዘሎ፡ ከምኡ ብምባሉ ገለ ግዝያዊ ረብሓታት እንተረኸብኩ
ዜና፡
ወልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንጉዳይ ሱዳን ኣመልኪቱ ዘስመዖ መደረ፡
ንዝኾነ ከደናግር ዘይኽእል ውጹእ ሓሶት ምዃኑ ተሓቢሩ።
ርእሰ ኲናት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሱዳን ዝገብሮ ዑዳት ምኽንያት ብምግባር፡ ብማዕከናት ዜንኡ ኣቢሉ ዘስመዖ መደረ፡ ናይ ዓቕሊ ጽበትን መሲልካ ንምቕራብን ደኣምበር፡ ኣብ ኤርትራ ሓዊ ኣጒዱ ህዝቢ እናጨፍጨፈን ሃብቲ ሃገር እንዳብረሰን፡ ኣብ ጎረቤት ሱዳን ከይዱ ዝገብሮ ቁም-ነገር ከም ዘየለ፡ ነዚ እቶም ወናታት’ውን ሕርሕራይ ገይሮም ዝፈልጥዎ ምዃኑን፡ በቲ ንሓድነት ሱዳን ኣመልኪቱ ዝሃቦ መደረ ከም ዝተገረሙን ምንጭታት ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ሓቢሮም።
ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ እንዳበተ፡ ንሓድነትን ድሕድነት ሱዳን ምስራሕ ናይ ምርጫ ጉዳይ ዘይኮነ ግድነት’ዩ፡ ስለዚ ድማ ብዝከኣለና ኩሉ ንሓንትን ስምርትን ሱዳን ክነስርሕ ኢና ማለቱ፡ ብቑጠባ ተሓኒቑ ስለ ዘሎ፡ ከምኡ ብምባሉ ገለ ግዝያዊ ረብሓታት እንተረኸብኩ ካብ ዝብል ጽግዕተኛ ባህሪኡ ነቒሉ ደኣምበር፡ ከምኡ ክገብር ዘኽእል ባህርን ግብርን ከም ዘይብሉ ንማንም ሕቡእ ኣይኮነን።
ትማሊ ብኹሉ ዓቕምና ንህልዊ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ክንግልብጦ ኢና ንሓው ህዝቢ ሱዳን ካብ ዘለዎ ጸገም ከነድሕኖ ኢና እንዳበለ ኣይትሓዙኒ ዝብል ዝነበረ መንግስቲ ህግደፍ፡ ተገልቢጡ ንሓድነት ሱዳን ክንሰርሕ ግዴታና’ዩ፡ ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ካብ ናብን ብዘይ ቢዛ ብነጸነት ከመላለሱ ዘኽእል ስምምዕ ከቲምና ኣለና፡ ካብን ናብ ጽርጊያ ክንሰርሕ ኢና ክብል ዝገለጾ፡ ገዓት ኣለኹ ኢላ ተተንፍስ ዝዓይነቱ ምስሉይነት ደኣምበር፡ ግብራውነት ዘለዎ ኣይኮነን ክብሉ እቶም ምንጭታት ኣገንዚቦም።
ስዑዲ ዓረብያ ካብ ኤርትራ ናብ የመን ንዝሰጋገር ኣጽዋር
ንምቁጽጻር ትሰርሕ ከም ዘላ ተገሊጹ።
ሓይሊ ባሕሪ ስዑዲ ዓረብ፡ መንግስቲ ህግደፍ ንዓል ሑቲ ንዝበሃል ኣንጻር መንግስቲ የመን ዝዋጋእ ውድብ ንምሕጋዝ ተካይዶ ንዘላ ናይ ኣጽዋር ምስግጋር ንምግታእ ይሰርሑ ከም ዘለው፡ መርበብ ሓበሬታ ኣዝማሪኖ ብዕለት 17 ሕዳር 2009 ኣብ ዘውጸኣቶ ዜና ሓቢራ።
ሓይሊ ባሕሪ ስዑዲ ዓረብ እቲ ኣብ ሰሜን የመን ዝርከብ ጎላጉል ዘካይዶ ዘሎ ምቁጽጻር ካብ ዕለት 11 ሕዳር 2009 ከም ዝጀመሮ፡ ብኤርትራ ኣቢሉ ዝካየድ ናይ ኣጽዋር ምምሕልላፍ ምሉእ ንምሉእ ንምቁጽጻር ዝዓለመ ከም ዝኾነን ተፈሊጡ ኣሎ።
ኣብ የመን ኣብ መንጎ መንግስቲ የመንን ተቓዋሚኡ ንዓል ሑቲ ዝተባህለ ወድብን ሓያል ውግእ ይካየድ ከም ዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ መንግስቲ ህግደፍ ነቲ ተቓዋሚ ሓይሊ ብምድጋፍ ዝገብሮ ዘሎ ናይ ኣጽዋር ምስግጋር፡ ብናእሽቱ ጃላቡ ከም ዝጥቀም ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝከታተሉ ወገናት ይገልጹ።
ጉዳይ ሃገሩ ገዲፉ ሰላም ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ምዝራግ ዝነጥፍ ዘሎ ጸረ-ህዝቢ መንግስቲ ህግደፍ፡ ብህዝቢ ኤርትራ ተፈንፊኑ ካብ ማሕበረ ሰብ ዓለም ተነጺሉ፡ ዕለተ ሞቱ ኣብ ዘማዕድወሉ ዘሎ መድረኽ፡ ኣብ ጉዳይ ኣሕዋት የመናውያን ዝገብሮ ዘሎ ኢድ ኣእታውነት፡ ልክዕ ከምቲ ናይ ሶማል፡ ናይ ገለ ፍሉይ ዕላማ ዘለዎም መንግስታት መጋበሪያ ኮይኑ ይፍጽሞ ከም ዘሎ፡ እዚ ድማ ብዝያዳ መሸንቅቖኡ ዘጽብብ ምዃኑ ወሲኾም ኣረዲኦም።
ብኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ዝተጸወዐ ሰላማዊ ሰልፊ
ኣብ ማንሃይም ሃገረ ጀርመን ብድምቀት ተሰላሲሉ።
እቲ ብኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ዝተኻየደ ኣንጻር ጨፍላቒ መንግስቲ ህግደፍን መጋበሪኡ ዝኾነት ስማዊት ማሕበር ህግደፋዊት ሃማደኤን ዘቕነዐ ድሙቕ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ብ21 ሕዳር 2009 ከም ዝተኻየደ፡ ካብ’ቲ ቦታ ዝተዘርገሐ ዜና ሓቢሩ።
እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብርክት ዝበሎ መንእሰያት ዝተሳተፍዎ ከም ዝነበረ፡ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝተዳለው ጭርሖታት፡ ማለት፡ እምቢ ንመላኺ እወ ንደሞክራሲ፣ ንብዓት ኣዴታትና ክድበስ ህግደፍ ይደምሰስ፣ ኣዴታትና ይነብዓ ሃማደኤ ይስዕስዓ፣ ግህሰት ኣሓትና ከብቅዕ ንሓርነት ንተዓጠቕ፣ እወ ንማሕበራዊ ፍትሒ እምቢ ንጭቆና፣ ህዝብና ንኣብድ ምስ ሃማደኤ ኣይነኹድድ፡ ዝብሉን ካልኦት ንቓልስን ለውጥን ዝጽውዑ ጭርሖታት ከም ዝነበሩ፡ እቲ ዜና ገሊጹ።
እቲ ጸረ-ኣረሜናዊ መንግስቲ ህግደፍን ህግደፋዊት ሃማደኤን ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ብፖሊስ ተዓጂቡ ኣብ ቅርዓት ናይ’ቲ ዝተመደበሉ ቦታ ምስ በጽሐ፡ ደገፍቲ ህግደፍ ብሓደ መዳይ ኣባላቶም ነቲ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ከይሪኡ፡ ብካልእ መዳይ ድማ ከም ትማሊ ይመስለክን ውሕጅ ይወስደክን ከም ዝበሃል፡ ሎሚ ትማሊ መሲልዎም ካሜራታት ሒዞም ሸበድበድ ከብሉ ከም ዝተራእዩ፡ እንተኾነ እቶም ንስለ’ቲ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት መስከደል ኮይኑ ናይ ኣድሕኒኑ ኣውያት ዘስምዕ ዘሎ ውጹዕ ወገኖም ዝተበገሱ ሰልፈኛታት፡ በቲ ህግደፋውያን ዘርእይዎ ዝነበሩ ናይ ጨንቀት ዓበድበድ ክምህ ከይበሉ፡ ብቴፕ ሪከርደር ዝተቐርጸ ድምጺ ግዳያት ህግደፍ እንዳስምዑ ሽምዓታት ወሊዖም ከም ዝቐጸሉ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ንህዝቢ ጀርመን ብሓፈሻ ነቶም ዝዕጅቡ ዝነብሩ ፖሊስ ድማ ብፍላይ ብምምስጋን ብሰላም ከም ዝተዛዘመ ተፈሊጡ።
ድ.ሰ.ደ.ኤ. ዕለት 25.11.2009




