ብፖለቲካዊ ሳንቡ ሓደ ሰብ ዘስተንፍስ፡ ጃንዳዊ ውዲታዊ መሪሕነት ህግደፍ፡ ኣረኣእያኡ ካብ ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠት ብግልባጡ ስለ ዝኾነ፡ ህዝቢ መሳርሒኡ ‘ምበር፡ በዓል ቤትን ወሳኒን ናይ ሃገርን ሃገራዊ ጸጋታት ምዃኑ ኣይኣምንን። ንህዝቢ ከፋፊሉ ኣድኪዩ ኣርዒዱ፡ “ሃገር” ኣብ ትሕቲ ዝብል ባዶ ጭርሖ ኣገዲዱ ክገዝእ ‘ምበር፡ ንህዝቢ ኣእሚኑ፡

ኣኽቢሩ ብሕግን ብስርዓትን ከመሓድር ጸረ-ህዝቢ ፖለቲካዊ ተፈጥሮኡ ኣይፍቕደሉን።

ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ባህሪ ዝውንኑ ፖለቲካዊ ሓይልታት ቅድሚ ሃገር ዝብል ግእዙ ነገር፡ ድሕነት ህዝብን ህዝባዊ ክብርን’ዮም ዝሰርዑ። ሓንሳብ ብኢደ ወነኑ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ምስ ደየበ ከም ናይ ኣቦኡ ርስቲ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ዓትዒቱ ብደምን ስቓይን ደቂ-ውጹዓት ዝገዝእ ዘሎ ነውራም ጉጅለ ህግደፍ ግን፡ ኣይኮነን ድምጺ ህዝቢ ክሰምዕን ህዝባዊ ክብሪ ቅድሚት ክሰርዕን፡ ምንጪ ናይ ኩሉ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ሓይሊ ህዝቢ ምዃኑ’ውን ብፍጹም ኣይኣምንን። ስለዚ ከኣ ንህዝቢ ይንዕቕ ‘ምበር፡ ንህዝቢ ኣይፈርሕን።

ህዝቢ ንዘርእዮ ትዕግስቲ ብዕሽነት ‘ምበር ብልቦና ብሓላፍነት ኣጠማምታ ምዃኑ ኣይስቆሮን። ካበይ መጺኡን ኣበይ ተማሂሩን እንድዒ፡ ንሱ ፍሉይ ልቦናን ትብዓት ዘለዎ፡ እቲ ንዕኡ ዝፈጠረን ሓብሒቡ ዘዕበየን ህዝቢ ከኣ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ደሞክራስያዊ ምሕደራ መባእታዊ ኣፍልጦ ዘይብሉ፡ ዝተባህሎ ጥራሕ ክሰምዕን ክፍጽምን ዘለዎ ድሑር ዝብል ዝንቡዕ ሚዛን የቐምጥ። ብኡ ድማ ይምራሕ። ካብ ከም’ዚ ዝበለ ንህዝቢ ዘይፈርሕን ዘየኽብርን ጉጅለ ከኣ ዝኾነ ኣወንታዊ ትጽቢት ኣይግበርን።

ናይ ቅድሚ 1991 ኣብ በበይኑ መድረኻት ዝለዓለ ዝነበረ ደሞክራስያዊ መሰልን ሓባራዊ ደሞክራስያዊ ትካላዊ ኣሰራርሓን ይሃልወና፡ ንህዝቢ ኣይነጋፍዕ፡ ሰብኣዊ መሰል ተጋደልቲ ይከበር፡ ከመይነት ደሞክራስያዊ ምሕደራ ህዝቢ ድሕሪ ምብራር ሰራዊት መግዛእትን ምርግጋጽ ልኡላውነት ሃገርን …ወዘተ ዝብል ዝነበረ ኣርሒቑ ዝጥምት ኣረኣእያን ከይደመርና፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ልዕሊ 28 ዓመት ኣቚጺሩ ዘሎ፡ ዘስክሕ ዘቤታዊ መግዛእታዊ ምሕደራ፡ መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ይከበር ዝመሰረቱ ዝተላዕለ ሕቶን ዝተዋህቦ ግብረ መልስን ኣኽል ታሪፍ ትምህርቲ ክኾነና ይግባእ።

ንህዝቢ ኣርዒዱ፡ ኣንድኪዩን ከፋፊሉን ‘ምበር፡ ብፖለቲካ ኣንቂሑ ኣእሚኑን ኣኽቢሩን ክኸይድ ከም ዘለዎ ዘይእምን፡ ጠላም ግን ከኣ ፈራሕ ጨካን ጉጅለ፡ ብስልጡን ኣገባብ “ ይኣክል” ዝብል ጭርሖ ሒዝካ ኣብ ጎደናታት፡ ኣፍ ደገ ኤምባሲታት ብምውጻእ ብተስመዖ ድምጺ ይሰምዕ፡ ካብ ገበናዊ ተግባራቱ ይእርነብ፡ ካብ ህዝቢ ይፈርሕን ንህዝቢ የኽብርን ኢልካ ምጽባይ ምሒር የዋህነት’ዩ።

ልዕል ኢሉ ከም ዝተገልጸ ቅድም ዝጀመረ ህይወት ብዙሓት ዝተቖጽየሉ ተቓውሞ፡ ህዝቢ ይከበር፡ ይኣክል ብህዝብን ሃገርን ምሽቃጥ፡ ይኣክል ብዘይ ጭቡጥ ምኽንያትን ብዘይ ፍቓድ ቤት ፍርድን ዜጋታት ምእሳር፡ ምጭዋይ፡ ምቕታል’ዩ ዝብል ነይሩ። ድሕሪ 20 ሰነ ናይ 2018 ንነጀው “ኣይከሰርናን” ንዝብል መደረ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ተኸቲሉ ዝተሰምዐን ዝስማዕ ዘሎን ናይ ይኣክል ድምጺ፡ ብዝገንፈለ ስምዒት፡ ብዙሓት ዝተሳተፍሉን ተሓቢኦም ዘይኮነ መንነቶም ቀሊዖም ዝዋስእሉ ዘለውን ብምዃኑ እንተዘይኮይኑ፡ መቐጸልታ ቅድሚኡ ናይ ዝጸንሐ ‘ምበር መጀመርታ ኣይኮነን።

ኤርትራዊ ደም ብኤርትራዊ ከይፈስስ፡ ዘቤታዊ ጸገምና ብሰላማዊ ዘተ ክንፈትሕን ብህዝብን ብሕግን ከነውሕስን ብዙሕ ግዜ፡ ምኽሪ ተለጊሱ፣ ምሕጽንታ ቀሪቡ፣ ጻውዒት ተገይሩ፣ ብኣንጻሩ ብክድዓትን ትሕቲ ሃገርነትን ክኽሰስን ክህደንን ‘ምበር ሰማዒ እዚ ረኺቡ ናብ ኣራሚ ግብራዊ ስጉምቲ ገጹ ክኸይድ ኣይተራእየን። ካልእ ይትረፍ ሃይማኖታዊ ነጻነት ይተሓሎ ተባሂሉ መሊሱ ክድፍረ ‘ምበር ክኽበር ኣይተራእየን። ዜጋታት ብዘይ ኣገባብ ኣይተኣሰሩ፡ ዝተኣስሩ ይፈትሑ ወይ ናብ ቤት ፍርዲ ይቕረቡ ብዙሕ ግዜ ጻውዒት ተገይሩ። ካብ 1991 ጀሚሮም ካብ ጎረባብቲ ሃገራትን ካብ ውሽጢ ኤርትራን ንዜጋታት ብምስቓይን ምቕታልን ንሓደ ሰብ ምሕጓስ ብዝንቕሓቶም ኣባላት ጸጥታ ምስተወስዱ ክሳብ ሕጂ ሃለዋቶም ዘይፍለጡ ዜጋታት ክፍትሑ ኣይተራእዩ።

ኣብ ትሕቲ ዘይደሞክራስያዊ ሃዋህው ጸዲቑ ዝተባህለ ቅዋም ህግደፍ፡ ብገለ ወገናት ቅዋም 97 ይተግበር ዝብል ተደጋጋሚ ሰላማዊ ሰልፍታት ተገይሩ። ቅዋምኩም መይቱ’ዩ ዝብል ሃላይ መልሲ ተዋሂብዎ። ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ኣብዘይብላ ሃገር ካብ ዕግበት ህዝቢ ወጻኢ በስገዳድ ብግፋ ንዝካየድ ዘሎ ዕድል ልዕሊ ሓደ ወለዶ ዘጸልመተ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተጎልበበ ጸረ-ህዝቢ መደብ፡ ብገደብ ግዜ ክቕጽል ዝብል ጻውዒት’ውን ቀሪቡ ኣብ ትበጽሕዎ የብልኩምን ብዘምዕ ደኣ ይቅጽል ኣሎ ‘ምበር ሰማዒ ረኺቡ ኣይተኣረመን።

እዚ ዝተጠቕሰን ካልእን በቲ ጉጅለ ክእረም ብዙሕ መዘክራት ተጻሒፉ፣ ብዙሕ ሰላማዊ ሰልፍታት ተገይሩ፡ ብዙሕ ኣኼባታት ተኻይዱ፣ የስምዑን ይጸልውን’ዮም ናይ ዝተባህሉ ኣህጉራዊ ውድባትን ሓያላን መንግስታትን ኣፍ ደገ ኤምባሲታት ተዃሕኲሑ ዛጊት ግን ኣየፍረየን። እዚ ኩሉ “ይኣክል” ብዘይ ሕጊ ህዝቢ ምግዛእ፡ ይኣክል ኣሽካዕላል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡ ይኣክል ብህዝብን ብልኡላዊ መሬትን ምጥላዕ፡ “ሕጊ ይንገስ ምልካዊ ምሕደራን ምልካዊ ኣተሓሳስባን ይፍረስ ዝብል’ዩ ነይሩ። ከምኡ ምባል ቅኑዕ ስልጡን ኣተሓሳስባ’ዩ። ዝተዋህቦ ግብረ መልሲ ግን ብግልባጡ’ዩ። ውጽኢት ኣይመጸአን። ውጽኢት ስለ ዘየምጸአን፡ “ኣይከሰርናን” ስለ ዝተባህለን ሃገራዊ ልኡላውነትና ናብ ዋጋ ዕዳጋ ክወርድ ስለ ዝተራእየን’ዩ ድማ ነቲ ይኣክል ክግንፍል ገይርዎ።

ከምቲ “ ኣብዘይሰምዐካ ደብሪ ኣይትማህለል” ዝበሃል ምስላ፡ ድምጺ ይኣክል ይቐጽል፡ በዚ ጭርሖ’ዚ ዝደቀሰ ይበራበር፡ ህዝባዊ ምልዕዓል ይስፋሕ። እንተኾነ ግን፡ እዚ ብደም ንጹሃት ዝጨቀወ ናይ ጥፍኣት ጉጅለ ይኣክል ሰሚዑ ክእረም ትጽቢት ዝገብር የዋህ ከይህሉ ምጥንቃቕ ኣገዳሲ’ዩ። ጭርሖ “ይኣክል” ምስ ደምበ ጸላኢ ክደናገጽ የብሉን። ካብ ናይ ኣረኣእያ ምድውዋስ ክነጽህ ኣለዎ። ኣብ መትከላዊ እምነቱን ጽፉፍ ውደባኡን ዝተኣማመን ደምበ ፈታዊ ኮይኑ ክርከብ ኣለዎ። ህይወት ዘለዎ ተዓዋታይ ዝኾነ ናይ ውጹዓት ፖለቲካዊ ቃልሲ፡ ካብ መላኺ ጉጅለ ትካቦ መሰል ኣይጽበን። ዝተነፍጎ መሰል ብቃልሱ ከም ዘረጋግጾ ኣሚኑ’ዩ ክረባረብ ዘለዎ። ስለዚ፡ ንቀዳማይ ጸላኢና ጉጅለ ህግደፍ ብበትሪ ዘይተደገፈ ናይ ቃል ይኣክል፡ ከም ዘይኣክል፡ ትርጉም ከምዘየምጽእን ዝተረደአ፡ ምስ’ቲ ጉጅለ ዝጸንሐ ዝተፈላለየ ዝምነቀሊኡ ምትእስሳር ፈጺሙ ዝበተኸ፡ ናተይ ዝብሎ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ውደባን ዝወነነ፡ ኣብ ገዛእ ርእሱ ድማ ዝተኣማመን ፖለቲካዊ ንጥፈታት ምፍጣር ቅኑዕ ሜላ መንገዲ ዓወት’ዩ።

ብሓይልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 09-09-2019