• Increase font size
  • Default font size
  • Decrease font size
Start
ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ - ደግሓኤ - ዝዝርጋሕ ርእሰ ነጻነቱ ዝተሓለወ ዌብሳይት - ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ - ንሓድነት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ብምድልዳልን ንሸቶታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ብምዕዋት - ደሞክራስን ማሕበራዊ ፍትሕን ሰላምን ራህዋን ዝሰፈና ኤርትራ ንምርግጋጽ ይቃለስ - An Independent Website Distributed by Democratic Front for Eritrean Unity –DFEU - Anti Dictatorial Regime PFDJ - Embolden Unity of Eritrean Democratic Alliance - and struggle to accomplish the aims of Eritrean National Council for Demonratic Change in order to establish an Eritrea with Democracy, Social Justice, Peace and Prosperity.

ውዲት ብዓል ወዲ በዓታይ ናበይ ንምብጻሕ እዩ፡ ክሳዕ እንታይ

E-mail Print
User Rating: / 0
PoorBest 

ውዲት ብዓል ወዲ በዓታይ

ናበይ ንምብጻሕ እዩ፡ ክሳዕ እንታይ

 ብወደባት፡ ግርማይ ኪዳነ (ወዲ ፊሊፖ)

ሚላኖ-ኢጣልያ

ሸለልትነት ምንቅስቓስ ተቓውሞ ንህዝቢ ዘይኮነ ንእኩባን ሸፋቱ ህግደፍ ምስ ወይጦታቶም እዩ ዝጠቕሞ ካብ ሰንኪሉዎ ዘሎ ዝፍውሶ፡ ነዚ ሓቂ እዚ ንኣምን እንተኼንና ኸኣ ብዘይወዓል ሕደር ክንዓሞን ስጉምቲ ክንወስዶን ዘሎና ክንጸር ናይ ግድን እዩ፡፡ 

 ብዙሕ ግዜ!

ኣብ ደምበ ተቓውሞ ይኹን ኣብ ሲቪካዊ ማሕበራት ምንጽጹላያት ህግደፍ ተዋፊሮም ከም ዘለው ብወገነይ ሓቢረ እየ፡፡ እቲ ዘዝሓበርኩዎ ብቓልዕ እንደተራእየ እናመጸ ግን ሓቁ እባ እዩ እቲ ከምተዚ ዝበሎ ዝብሉ እንተዘይኮይኑ ብወግዒ ስጉምቲ ክውሰድ ዘይምርኣየይ ብዙሕ የተሓሳስበንን የሰክፈንን፡፡ 

ደምበ ተቓውሞ!

ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ብዙሕ ተስፋ ይህበና፡ እቲ ተስፋ ግን ዘይምሉእ ኮይኑ ሸንኮለል ካብ ምባል ህግደፍ ከኣ ሎሚ ሓንከስከስ ጽባሕ ደው ምባል ኮይኑ ሎምስ ኣብቲ ውሽጢ ኣቲኻ ምጽራይ እንተዘይኮይኑ ካልእ መዋጽኦ ከም ዘይብልና ክግምገም ጀሚሩ፡፡ 

ሊቃውንቲ ዝምታ!

እቲ ምዝማትን ትፍንንነትን ተገቲሮም ኣብ ቃልዕ ክወጹ ኣብ ልዕሊ ሬሳተትና ከላግጹ ዝነበሩ ዘለው ናትና ዘይምንፋዕን ዘይምቅላዕን ዘረጋግጹዎ ኩነታት ስለ ዘሎ ድኣ እምበር ኩሉ እቲ ዝፍጽምዎ ዘለው ዲያብሎሳዊ (ሰይጣናዊ) ተግባር ከም ዝኾነ ዘይፈልጥዎ ኾይኖም ኣይኮኑን፡፡ 

ሰውራ ኤርትራ ብሸንኮለል፡

ደምበ ተቓውሞ ብሸንኮለል እናበለ ሎኽመኛታት (ፈገራግር) እናአገበለ ይኸይድ ከምዘሎ እቲ ፍሉጥን ርጉጽን ዝነበረ ቀጥ ዝበለ ስረ ኤርትራዊ መጅሪጉ ዘለቕለቕ ዝበላ ዝመስል ዘሎ ከይተሓፍረ ክእመንን ክንገርን ዘለዎ ሕምቀትና ርጡብነት ተቓውሞና ስለዘይተራእየ ድኣ እምበር ካልእ ኣይኮነን፡፡ 

ተቓወምቲ ዲና ኣይኮንናን ?

ነዛ ሕቶ እዚኣ ቃልዓለም ዘይብሉ ቅንዕቲ መልሲ ክንህብ ንግደድ፡፡ መልሲ ክበሃል እንከሎ ኸኣ ግብሪ ዝተሓወሶ ክኽውን ድኣ ኣለዎ እምበር እወ ኢልካ ዝሕለፍ ኣይኮነን ክንደይ ግዜ እሞ እወ ዘይተባህለ፡፡ 

እቲ ክግበር ዘለዎ!

ዝኾነ ይኹን ሕማም ካብ ኣመጻጽኡኡ መርሚርካ ክትፍውሶ እንተዘይክኢልካ መድሃኒት ወሲደ ኢልካ ንርጉጽ ጥዕና ኣይትርከብን ኢኻ፡፡ መሰረቱ ንኣመጻጽኣኡን እንተፈሊጥካ ክትፍውሶ እንተኺኢልካ ግን ሕማም ይነፍር ጥዕና ይነብር ከኣ፡፡ 

እዚ እንታይ ማለተይ እዩ?

 

1.     ደምበ ተቓውሞና ብመን ይምራሕን እንታዎትነት እቶም ዝመርሕዎን ታሪኾምን ኣብ ካብ ዘመነ ብረታዊ ቃልሲ ክሳዕ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝመጹ ዝነበሮም ሓላፍነትን ተራታትን ብንጹር ክግለጽ ዘለዎ ቅድመ ኩነት እዩ፡

2.     ተጋዳላይ ነይረ፡ ተጋዲለ ዓቕመይ ብዝፈቕዶ ኣበርኪተ ኣብ ምንቅስቓስ ሰውራ ነይረ ዓቕመይ ብዝፈቕዶ ኣበርኪተ ክበሃል እንተኾይኑ፡ እቲ ትርጉም ገድሊ መጀመርያ ክንጸር ዘለዎ፡ ምግዳል ዓመጽ ንኸይህሉ ምክልኻል ድኣ እምበር ሃገርን ህዝብን ቋንቋ ለዊጡ ክብደል ሱቕ ምባል ኣይኮነን፡፡ 

ትፈልጥዎ ተዛረቡ፡

ዘብለና ክንሰምዕ ከነዕልል ኣይኮነን፡ ኩሉ ነገር ኣመጻጽኣኡ ስለ ዘለዎ፡፡ ኣብ ዓለም ነቢርካ ምምዕባል ቀሲንካ ምንባር ከኣ ናይ ኩሉ ባህጊ ስለ ዝኾነ ዝሓለፈ ንነበርቲ እቲ ዝመጽእን ንወረስቲ ስለ ዝኾነ መጻኢ ወለዶ እቲ ኣብ ዘበንና ዝሓለፈ ሕሰም ኣብኦም ንኸይድገም ንማለት እዩ፡ እተፈል ዓቒርካ ህዝቢ ንኸይፈልጥ እንተዓጊትካ ግን ካብቲ ዝተፈጸመ ግፍዒ መጋበርያ ምንባርካ እሞ ክፍለጠልካ ዘይትደልዮ ኣበር ስለ ዘሎካ ኢኻ ተመስክር፡፡ 

እኩባን ሸፋቱ ህግደፍ

ኣመሳርታኦም ጉዕዞኦም ካብ ቶንኮል ንቶንኮል ስለ ዝነበረን ዘሎን ኣብቲ መኣዶም ክትጽንበር እንተኼንካ ዝጥቀሙለን ሜላታት ስክፍታ ዘሎካ ኽትከውን እቲ መባእታን ፈላምን ምርምሮም እዩ፡፡ 

ንሱ ኸኣ

ናይ መንነት ቅልውላው

ኣብ ዘስሓቱኻ ዕንወት ምእታው

ሓቂ ደፊንካ ምሕሳው

ኣሕሊፍካ ምሃብ ወዘተ… ወዘተ

 

እዘን ሰነዳት ከም እተማልእ ርግጸኛታት ምስ ኮኑ ንስኻ ዘይኮንካ ንሶም ስለ ዝቐስኑ ልኡኹም! ዕሱቦም ኬንካ ተገዲድካ ዝለኣኹኻ ክትፍጽም ትግደድ፡፡ 

ከም ኣብነት ይዘከር

ጃሱስ መሐየዲን ሸንገብ ኣብቲ ቆፎ እኩባን ሸፋቱ ህግደፍ እንታይ ተራ ከም ዝነበሮ ብዙሓት እንፈልጥ ብዙሓት ከኣ እትፈልጡ ኣሎናን ኣለኹምን፡፡ እዚ ሰብ እዚ ሃዲሙ ተባሂሉ ተዘሪቡሉ፡ ካበይን ካብ መንን ሃዲሙ? ወይስ እንታይ ተልእኾ ንኽፍጽም (ብዓብደላ ጃብር) ተማዒዱ ኸይዱ? እዛ ሕቶ እዚኣ ብዙሕ ከተመራምረናን ክትነግረናን ትኽእል እያ፡፡ 

ብወገነይ ከይተረፈ፡

ሃዲሙ ኣብ ዝተባህለሉ እዋን “ሸንገብ! ትፈልጦ ተዛረብ፡ ብዝተረፈ ኣብ ጥቃ ኤርትራውያን ኣይትቕረብ ኢለ ጻዋዒት ገይረሉ ነይረ፡፡ እታ እንኮ ኩልና ዝሰማዕናያ መልሱ ኸኣ “ እቲ መንግስቲ ብኣይ ይዛረብ ወይ ከኣ ስድራቤተይ ይተንክፍ ኣነ ንኽዛረብ” ምባሉ እቲ ኣብ መጋበርያ እኩባን ሸፋቱ ህግደፍ ነቢሩ ዝተመልመለሉ ንዕቀት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ጽንተትናን ንድሕሪት ምስርዑ፡ ከም ተጋዳላይ ተቓላሳይ ኣብ ኮረሻ ሓላፍነት ነባራይ ዝተፈልጠሉ ናይ ህዝቢ መጉዳእቲ ዘይግድሶ ንዑኡ ንውልቁ ዘርብሕ ዝዓጠጠ ምዃኑን ምንባሩን ካብዚ ንላዕሊ ክሕብረና ኣይክእልን፡፡ 

ሃይለ መንቀርዮስ!

ስሩዕ ውሽልኽና ናይ በዓል ኢሳያስ ኣፈወርቅ ምንባሩ ብዙሓት ትፈልጡዎን እንፈልጦን ኣሎና፡፡ ክኒኡ ኸኣ እቶም ክቡራትን ንጹሃት ደሞክራሲያውያን ምሁራት ተጋደልቲ “መንካዕ” ተጸዊዖም ዝተረሸኑ “ፈራዳይ ኮይኑ ዝፈረደ ክሱስ ታሪኽ ገድሊ ኤርትራ ምዃኑ ርጡብ ጭብጥታት ኣሎ፡፡ እዚ ሰብ እዚ ምስ እቶም ንምዕላው መሪሕነት እኩባን ሸፋቱ ህግደፍ ዝተሰማምዑ ዝፈረሙ ዝፈረመ እዩ፡፡ ካብ እቲ መኣዲ እኩባን ሸፋቱ ወጺኤ ኢሉ ናብራኡ ዘጣጥሕ ዘሎ ከምዛ ዘይነበረ ኣብ ናይ ክፋእ መጋበርያታት ከም ዘይወዓለ ኣስቂጡ እውን ኣሎ፡፡ 

ኣንጭዋ ኣብ ማይ ከም ዝኣተወት

ሱቕ ኢሎም ተሓቲሞም ዘለው ከም በዓል ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ መሓመድ ብርሃን ብላታ፡ ተስፋይ ጨጋዕ መፋትሒኦም ካብ እቲ ጉጅለ ጥልመት ሸፋቱ ህግደፍ ክሳዕ ሕጂ ንህዝቢ ክነግሩ ዘይመኽሊኦም እንታይ እዩ ጸገሞም ምስ እንብል፡

“ ጸገሞም ደምበ ተቓውሞ ከይሕይልን፡ ከይድልድልን ኩሉ ጉዳቶም ከየቃልዕን” 

ኣብ ወዲ በዓታይ ንምጻእ!

እዚ ምኩር ውኻርያ እኩባን ሸፋቱ ህግደፍ ብውዲት በዓል ኢሳያስ ኣፈወርቅ ተመልሚሉ ዝገበለ ብሰንኪ ስለያኡ ንብዙሓት ንጹሃት ዘቐንጸለ ምዃኑ ከምቲ ብዙሕ ግዜ ዝሓበርኩኹም ኣብ ዘይሃስስ ድሙዕ መዝጋብ ተመዝጊቡ ዘሎ እዩ፡፡ 

ክዝከርን ክረጋገጽን ዘለዎ፡

ስርርዕ ሸፍትነት ህግደፍ ማዕረ ማዕረ ኢሳያስ ኣፈወርቅ፣ መስፈን ሓጎስ ምሉእ ኣፍልጦ ዘለዎ ሰብ እዩ፡ ካብቲ ቆፎ ወጺኤ ኢሉ ናይ ብሓተ ረብሓኡ “HUMAN RIGHTS” ሰብኣዊ ድሕነት ትካል ገይረ ካብ ዝብል እው ንውሑድ ዓመታት ኣይኮነን፡ በቲ ንሱ ኤመሓድሮ እየ ዝብሎ ዘሎ ትካል ዝቕበለሉ ዘሎ ሓገዛት ናብ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ዝግባእ ክወሃብ ዝግበኦ ዝሃቦ ዘበርከቶ የብሉን እዚኸኣ ምስ እቲ ነባርን ቀጻልን ገበናታቱ ዝድመር ምዃኑ ፍጹም ጥርጥር የልቦን፡ እቲ ዘዛርበኒ ዘሎ ግን፡

እቲ ትካል

ሰብኣዊ ድሕነት ዝበሃል እንተድኣ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ወጽዓ ንኽጣበቕ ኮይኑ ነቶም ብውዲት ዘዋፈርዎ እኳ ከመይ ገይሩ ክኸሶም ንነብሱዶ ክኸስስ ኮይኑ እቲ ዕለታዊ ኣብ ፍቖዶ ምድረ በዳን ባሕርን ዝስጣሕ ዘሎ ክቡር ወለዶና ጸገማቱ ክጣራዓሉ ዘይከኣለ ዘይደለየ ምነገረናዶ? 

ክኒኡ ኸኣ!

ኣብ ኤርትራ ዕለታዊ መሰል ግህሰት ህዝባዊ ጽንተት እናሃለወ ብዛዕባኡ ምስ እቲ ንሱ ዝራኸበሉ ቤት ጽሕፈታት ረድኤታት ዝቕበለሉ ጸረ እቲ ግፍዕታት ፍትሒ ከናዲ ዘይመፈተኒኡ እንታይ ምዃኑ ምነገረናዶ? 

ቀታሊ ኣቕታሊ፡

ፈራዶን ፍትሓውያን ኮይኖም ተሰሚዑ ኣይፈልጥን እዚ ስለ ዝኾነ ኸኣ ከም በዓል ጳውሎስ ተስፋጊዮርጊስ (ወዲ በዓታይ) ዝገበርዎ ዝወዓልዎ ነፍሰ ሕልፈታት እናሃለወ ከመይ ኢሎም እዮም ንመሰል ሰብኣዊ ድሕነት ክንጣበቕ ዝብሉ? ዘበን ግርምቢጥ ማይ ንዓቐብ ከም ዝበሃል ፈገራግር፣ ሸፋቱ ጸረ ቅጥፈት ጸረ ቅትለት ፈራዶ ተጣበቕቲ ኮይኖም ምስማዕ ዘተሓሳስብ እዩ፡፡ 

“ ናይ….. እዝጊ ክፍሉ ብዝገበሮ ግፍዕታት ክሲ ክምስረተሉ ከሲስና ምስክር ስኢንና ዝብል ሓበሬታ ተሰሚዑ ነይሩ፡ እዚ እናሰመዔ ጳውሎስ ተስፋጊዮርጊስ በዓታይ ሱቕ ምባሉ ከም ምስክር ክቐርብ ዘይምኽኣሉ ንናይ… እዝጊ ዘይፈልጦ ዘይፈልጠሉ ኾይኑ ድዩ?”

“ግርም እባ ሰብኣዊ ድሕነት ናይ በዓል ወዲበዓታይ ጥልመት”

“ማዕረ ማዕረኡ ሰይጣን ቤት መቕደስ መጺኡ ቅዳሴ ቀዲሱ ዘስምዕ ሃንደበት” 

ተቓውሞና ክሕይል ዘይከኣለ፡

እቶም ንኸይሕይል ዓጊቶም ዕንክሊል ዘብልዎ ዘለው ኩሎም እቶም ዝፈልጥዎ ከይዛረቡ ኣፎም ሓቲሞም፡ ዝሰምዕዎ ከየስምዑ ከይሰምዑ እዝኖም ኣጽሚሞም ርእዮም ከም ዘይረኣዩን ንኸይርእ የዒንቶም ዓሚቶም ሎሚ ካብቲ ሽፍታ ስርዓት ሓዲግናዮ ኢሎም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ህይወቶም ናብራኦም ዘጣጥሑ ዘለው እዮም፡፡ 

ዝፈልጥዎ እንተዝዛረቡ፡

ደምበ ተቓውሞታት ኣብ ምምርሑ ሰሪዖም ተሰራሪዖም ዘለው ሕሱማት ገበነኛታት ገበኖም ንኸይፍለጥ ዓወት ህዝቢ ዝዓናቕፉ ሓቂ ዘህፍፍ ህላዌ ህግደፍ ዘጻፍፉ ዘለው ኣሽናኳይዶ መሪሕ ተቓውሞ ሓይልታት ኮይኖም ክቐርቡ ኣብ ኤርትራዊ ዝርከቦ ቦታ ንኸይረኣዩ ምዓረቡ ነይሮም፡፡ እቲ ሕሩር መዓንጣ ተቓወምቲ ኸኣ ብጽፈት መኸትኡ መዔወተ፡፡ 

ካብዚ ሓቂ እዚ ነቕከይበልና፡

እቲ ምረትን ሕስመትን ህዝብና ብሓቂ ተሰሚዑና ብድሕሬና ዝወርሱ ወለዶ ክቐስኑ እቲ ንሕና ዝጠፍኣና ፍሽኽታ ፍሽኽ ክብሉ ንምነ እንተድኣኼንና ክግበር ዘለዎ፡ ኩሉ እቲ ክፍለጥ ዘለዎ ንኽፍለጥ ኣብ ቃልዕ ክውጻእ ኣለዎ፡፡ 

ብዝተረፈ፡

ወላ እቲ ተበርኪቱ ዝበሃል ኣብ ገድሊ ምስታፍ ንሃገርን ህዝብን ረብሓ ዘይኮነ ንውልቃዊ ረብሓ ነይሩ ከምቲ በዓል ድኳን (ነጋዳይ) ሸቐጥ ኣብዩዎ ከሲሩ ንረብሓኡ ሃሰው ክብል ዝኾልል እቲ ተጋዲልናዮ ተቓሊስናዮ ዝበሃል ከንቱ ጥራሕ ዘይኮነ ከምቲ ርእሰ ሸፋቱ ኢሳያስ ኣፈወርቅ “ሜዳ ኤርትራ ብዙሓት ውልቀ ረብሓኦም ዝሰኑ፡ ኣብ መናባብሮ ሓዳሮም ዘይቀሰኑ፡ ብቕትለት ሰብ ዝተሃድኑ ብሓፈሽኡ ኣሰካፊ ኢንታታት ዘለዎም ሓቒፉ እዩ ተጓዒዙ እሞ ነቲ ናይ ብሓቂ ጅግና ህይወቱ ዝወፈየን ነዚኦምን ማዕረ ማዕረ ጌርካ ጀጋኑ ክትጽውዕሲ ኣጸጋሚ እዩ” ዝበሎ ነቲ ኣበሃህላኡ ምእማንን ሓቁ እዩ ምባልን ጥራሕ እዩ ዘስምዕ፡፡ 

እቲ ዝፈለጥ

ክንገር እንተዝጅምር “ዕድመ ይወስኮ መምህር ተስፉ ዘውደ ጀሚሩዎ ኣሎ” መጀመርያ እዞም ዕንቅፋት ተቓውሞና ኾይኖም ሸንኮለል ዘብሉና ዘለው ወኻሩ ህግደፍ ምረሓቑልና ንቐጻሊ ህግደፍ ክልእኮም ዝመደበ ምጠፍኡልና ክኒኡን ዋናን ከኣ እዚ ብነጸላ ናጽነት ተጎልቢቡ ዝመጸ ሽፍትነት ሎምስ ተፈሊጠ እየ ኢሉ ህልም ምበለልና ነይሩ፡፡ 

ኩስቶ ዘይተዛረቦ፡

ኣነ እንታይ ገዲሱኒ ዝዛረብ ዝብል ስክፍታታት ከም ዘሎ እውን ኣይሰሓትን እዩ፡፡ እዚ ስክፍታ እዚ ግን ምስ እቲ ቀደም ምእንቲ ሃገር ምእንቲ ህዝቢ በጃ ክሓልፍ እየ ተባሂሉ ዝተወፍረ ወፍሪ ኣይመጣጠንን እዩ፡፡ 

ሎሚ ከም ኣብነት ከቅርቦ ሓበን ዝስመዓኒ

ስውእ ጅግና ስዒድ በሺር (ገሲር)

ካብ ብሕጻንነትና ኣብ ሓደ ገዘውቲ ኣኽርያ መታዓብይቲ መፈለምታ ምህሮ መማህርቲ ዝነበርና ኣብ ናይ ሃገራዊ ምንቅስቓሳት ብሓደ ዝነበርና፡ ቤት ማእሰርትታት መዳቕስቲ ዝነበርና ብረት ዓጢቑ እናተጋደለ ኣብ ኲናታዊ ረጽሚ መውጋእቲ ኣጋጢሙዎ ኣብ ስቱር እናተሓከመ ተሓሲውሉ ብወታሃደራት ጸላኢ ተታሒዙ ናብ ፍርዲ ምስ ቀረበ፡ 

“ናይ ሞት ብይን ተወሲኑሉ እቲ ፈራዳይ ፍርድኻ ንሞት ኮይኑ ኣብዚ እዋን እዚ ክቡር ጃንሆይ ንዘውዲ ኢትዮጵያ ኣዲኦም ክሒዶም ዝሸፈቱ ምሕረት ፈቒዶም ስለ ዘለው ይግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ”  ምስ በሎ

ጀግና ስውእ ስዒድ በሺር (ገሲር)ዝመለሾ፡ 

“ኣነ ኤርትራዊ እየ፡ ሃገረይ ኤርትራ ክስወኣላ ዝመሓልኩ እየ፡ ኣብ ዓድኻ ኣይመጻእኩን ኣይመጽእን ከኣ፡ ንስኹም ኢኹም ኣብ መሬተይ መጺእኩም ሸፊትኩም ዘለኹም እሞ ምሕረት ዝሓትት እንተኣሎ ንስኻ፣ ከማኻ ሃይለስላሴኻ” ኢሉ ዝወሰንካ ወስን ጀብሃ (ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ) ካብዚ ሓጹርካ ከም እተውጽኣኒ ኣይጠራጠርን እዩ ንሳኻትኩም ከኣ ኣይትጠራጠሩ፡፡ 

“እዚ ጅግንነት፣ ቆራጽነት፣ ጽንዓት ኣበይ ተሓቢኡ? ወይስ መዓስ ጠፊኡ? ከም ስዒድ በሺር (ገሲር) ብዙሓት ጀጋኑ ዝነበራ ሃገር እቲ ካብኦም ጅግንነት ወሪሱ ዝተባህለ ሎሚ ፈራህን ፈታዊ ነብሱን ኮይኑ ዘሎ እንታይ ዓሺሩዎ? ካብ መዓስ ኣብ ካብዱ ማይ ኣትዩ በጮቕጮቕ ኣቢሉዎ?

“ብሓቂ ዘሕዝንን ዘሕፍርን ከኣ”

እንታይ ኮይኑ እንታይ ኮይኖም፡

እናበልካ ምዝራብ ምውቃስ ምኽሳስን ንኻልኦት ተሪፉ፡ እንታይ ኮይነ ኢልካ ንነብስ ሕልናኻ ሓቲትካ መልሲ ምሃብ እንዶ ኣይቀልልን፡፡ ንብረት ኣጥሪኻ ተዘሚትካ ሱቕ ምባል ኣብ ፍልስፍና ምውዓል ንሕልናኻ ይኹን ንእቲ ኣጥሪየዮ እትብሎ ኣሉ ምባል ምዃኑ ብዘይንሕፈት ክእመን ዘለዎ ሓቂ እዩ፡፡ 

ቃልስና!

እዚ ተጠማጢምናዮ ዘሎና ጉዕዞ ብሰንኪ ዓንቀፍቲ ዕንግሽግሽ ይብል ስለ ዘሎ ንእዞም ከም ጥሪቶም ገይሮምና ዝዓናግሹ ዘለው ወኻሩ ካብ ክልና ካብ ከባቢና ከነህድሞም ኣኣብ ዘለውዎ ክንሃድኖም ጽንዓት ቃልስናን ሕድሪ ስውኣትናን ይጠልበናን ይጽውዓናን ስለ ዘሎ ወግዓዊ ሓላፍነትና ምዃኑ ኣይዘንጋዕ፡፡ 

ብዓል ጳውሎስ ተስፋጊዮርጊስ (ወዲ በዓታይ)

ንሱን ተምሳሉን ብርሃጸ ደምና ዝገሓመጡ ዝነበሩን ዘለውን ብዛዕባኦም ዝፈልጥ ሱቕ ስለ ዝተባህለ እዩ፡፡ ንሶም ይኹኑ መንቀላወጥቶም ከኣ እዛ ሱቕ እትበሃል ከቢራ ንኽትነብር እዮም ዝጽልዩ፡፡

“ከም ድልየቶምዶ ንኹን ወይስ ዕላማ ስውኣንናን ህዝብናን ከም ድላዩ?” 

መልሲ ንኹሉ ሕልናታት 

ንእቶም ተሰናቢዶም

ካብ ምዝራብ ካብ ዝፈልጥዎ ሓቂ ምቕራብ ተቖጢቦም ዘለው ግዚያዊ መራኸቢ “ምርምር ታሪኽ” ዝብል መልኣኺ ሓበሬታኦም ኢ-መይል ኽንከፍት ምስ ተባዕ መምህር ተስፉ ዘውደ ተሰማሚዕና ስለ ዘሎና ናብዚ መኣዲ እዚ ክትሳተፉ እትደልዩ ኢ-መይልኩም ወይ ኣድራሻኹም ንግዜኡ ኣብ This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it ልኣኹለይ ክንራኸበኩም፡፡ 

ዘለናዮ ሰዓት

ንኸይንጠፍእ ነጥፍእ ስለ ዝኾነ፡ መሓውር እኩባን ሸፋቱ ህግደፍ ኣብ ክልልና እናተዛወሩ ዘኳድዱ ዘለው ኣቐዲምና ክንሕምትሎ ሓላፍነትና ስለ ዝኾነ ጻዋዒት ዘድልዮ ሓቂ እዩ እሞ ንቀላጠፍ ተቓወምቲ ሰኒፎም እናበልና ኣይንፈላሰፍ፡ ብሰንኪ ሱቕ ምባል እዩ ተቓውሞና ዝዕንቀፍ ዘሎ እቲ ጉድለትና ኣብ ዝባን ካልኦት ኣይንስቀሎ፡፡ ሞት ዘይትተርፍ እቲ ምስጢር ምሳኹም ከይቕበር፣ ሃገር ተሓሚሳ ንኸይትቕበር ሕጂ እዩ ሰዓቱ፡፡ 

ብድሕሬኹም ደቅኹም መቕርብኩም ሰኣን ምፍላጦም ከይህውተቱ ሓደራ ኢላ ተግባርኩም ኣብ ምጽባይ ንሎሚ ብርዔይ ኤልዕል፡፡

 

ሰናይ ቅነ

ብወደባት፡ ግርማይ ኪዳነ (ወዲ ፊሊፖ)

ሚላኖ-ኢጣልያ

 

Last Updated ( Saturday, 31 October 2009 12:09 )  
ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ - ደግሓኤ - ዝዝርጋሕ ርእሰ ነጻነቱ ዝተሓለወ ዌብሳይት - ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ - ንሓድነት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ብምድልዳልን ንሸቶታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ብምዕዋት - ደሞክራስን ማሕበራዊ ፍትሕን ሰላምን ራህዋን ዝሰፈና ኤርትራ ንምርግጋጽ ይቃለስ - An Independent Website Distributed by Democratic Front for Eritrean Unity –DFEU - Anti Dictatorial Regime PFDJ - Embolden Unity of Eritrean Democratic Alliance - and struggle to accomplish the aims of Eritrean National Council for Demonratic Change in order to establish an Eritrea with Democracy, Social Justice, Peace and Prosperity.

Send your articles comments or critics to webmaster@democrasia.org
Administration-Panel