• Increase font size
  • Default font size
  • Decrease font size
Start
ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ - ደግሓኤ - ዝዝርጋሕ ርእሰ ነጻነቱ ዝተሓለወ ዌብሳይት - ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ - ንሓድነት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ብምድልዳልን ንሸቶታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ብምዕዋት - ደሞክራስን ማሕበራዊ ፍትሕን ሰላምን ራህዋን ዝሰፈና ኤርትራ ንምርግጋጽ ይቃለስ - An Independent Website Distributed by Democratic Front for Eritrean Unity –DFEU - Anti Dictatorial Regime PFDJ - Embolden Unity of Eritrean Democratic Alliance - and struggle to accomplish the aims of Eritrean National Council for Demonratic Change in order to establish an Eritrea with Democracy, Social Justice, Peace and Prosperity.

ሓንቲ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣብ ከባቢ ጸሮና እንዳ-ሓጂ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ከም ዝተቐትለት ተፈሊጡ

E-mail Print
User Rating: / 0
PoorBest 

                                 ዜና፡ድ.ሰ.ደ.ኤ.

 ሓንቲ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣብ ከባቢ ጸሮና

 እንዳ-ሓጂ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ከም ዝተቐትለት ተፈሊጡ።

ሓንቲ ንግዝይኡ ስማ ከነረጋግጽ ዘይከኣልና ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ፡  ብዕለት 20 ሓምለ 2009 ካብ ኤርትራ ክትወጽኢ ሓሲብኪ ብዝብል ምኽንያት ኣብ ከባቢ ጸሮና ብእንዳሓጂ ኣብ ዝፍለጥ ቦታ ብጭካኔ ከም ዝተረሸነት

 

 

  ደንጒዩ ዝመጻና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ነታ ጓል ካብ ኤርትራ ንኽትወጽእ ተሓባቢርካ ብዝብል ተወልደ መድህን ኣበራሃ ዝተባህለ ትውልዲ ዓዱ ቆሓይን ዝኾነ  መራሒ ጋንታ ከም ዝተታሕዘን ተፈሊጡ ኣሎ።

 

እቲ መራሒ ጋንታ ካብ ኣሃድኡ ምስ ተወስደ ኣበይ ከም ዘሎ ከም ዘይፍለጥ ዝገለጹ እቶም ምንጭታት፡ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝለሓኸ ዕላላት ግን፡ እቲ ተወልደ መድህን ኣብራሃ ዝተባህለ መራሒ ጋንታ፡ ካብ’ታ ዝተረእሸነት ጓል-ኣንስተይቲ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ንከስግራ ብ35000 ናቕፋ ከም ዝተሰማመዐ ከም ዝኣመነ፡ ስለምንታይ ከምኡ ትገብር ምስ ተባህለ ድማ ኣነ ካብ 1989 ጀሚረ ዘገልገልኩ ገዲም ወተሃደር እንዳሃለኹ፡ ኣብ መነባብሮይ ዝኾነ ይኹን ለውጢ ከርኢ ኣይከኣልኩን ብ700 ናቕፋ ተደርቢየ ዝበልዖ ምስ ሰኣንኩ ኣብ ከም’ዚ ወዲቐ ከም ዝበለን ሓቢሮም።

 

ብሰንኪ እቲ መንግስቲ ህግደፍ ዝኽተሎ ዘሎ በይናውን ኣዕናውን ፖሊሲ ዜጋታት ግዳይ ስደት ማእሰርትን ሞትን ይኾኑ ከም ዘለው ዝፍለጥ ኮይኑ፡  እዚ ናይ ሕጂ ፍጻሜ፡ ታሕተዎት ይኹኑ ላዕለዎት ወተሃደራውያን መራሕቲ ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ብሂወትን ሃብትን ኤርትራውያን ይጻወቱ ከም ዘለዎ ጭቡጥ መረጋገጺ’ዩ ክብሉ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ ኣገንዚቦም።

 

ኣብ ኤርትራ ከቢድ ናይ ጥሜት ሓደጋ ከም ዝተኸስተ ተገሊጹ

 

ኣብ ኤርትራ ብስንክ’ቲ ንተኸታታሊ ዓመታት ዝተኸስተ ባህርያዊ ደርቅን፡ መዝማዚ ቁጠባዊ ፖልሲ ናይ መንግስቲ ህግደፍን፡ ህዝቢ ንከቢድ ሓደጋ ጥሜት ተሳጢሑ ምህላዉ፡ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ናብ ኢትዮጵያ ዝሰገረ  ወተሃደር ህግደፍ ነበር ኣቃሊዑ። እዚ ግርማይ ኪዳነ ዝተባህለ ኣባል ወተሃደር ነበር፡ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ብስንኪ’ቲ ኣብ ኤርትራ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ጥሜት፡ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ጸገም ወዲቑ ከም ዘሎን፡ ከም ሳዕቤኑ ከኣ፡ ከም ሕበጥ እግሪ፡ ማይ ምቑጻርን ኣብ ገጽ ዝረአ ሕበጥን ዳርጋ ኣብ ብዙሓት ህጻውንትን ሽማግለታትን ይኽሰት ምህላዉን፡ ብዙሓት ከኣ ንሞት ከም ዝተቓልዑን ገሊጹ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብቲ ንሱ ዝነበረሉ ከባቢ፡ ማለት ኣብ ከባቢ ደቀምሓረ፡ እኽሊ ንሓንቲ ታኒካ 150 ናቕፋ ክሽየጥ ከም ዝኸረመን፡ ኣብ’ቲ ከባቢ እኹል ዝናብ ስለዘይነበረ ድማ፡ ሕጂ እቲ ጸገም መሊሱ ከይብእስ፡ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ከምዝርከብን ሓቢሩ።

 

ግርማይ ኪዳነ ምስ’ዚ ብምትሕሓዝ፡ ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ህግደፍ’ውን ጥሜት ኣዝዩ እናበኣሰ ይመጽእ ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ ብፍላይ ድማ፡ ኣብ መደብር ታዕሊም ዊዓ፡ ኣባላት ሰራዊት ንመዓልቲ 3 ባኒ ከም ዝፍቀደሎምን፡ ንሱ’ውን ብዓቐኑ ኣዝዩ ናሽቶ ናይ ምሸላ ባኒ ምዃኑ ገሊጹ። ኣብ ዊዓ ኣብ ዝርከብ ክፍሊ ታዕሊም፡ እቲ ሰራዊት፡ ሓልሓል፡ ዓራግን ፈንቅልን ብዝብል፡ ኣብ ሰለስተ ብሎካት ዝተኸፋፈለ ኮይኑ፡ ኣባላት ሰራዊት ብሰንኪ ጥሜት ኣብ ከቢድ ጸገም ከም ዝርከቡ፡ ብዙሓት’ውን ዝሞቱ ከምዘለዉ ኣቃሊዑ። ንኣብነት፡ ኣብ’ታ ብሓልሓል እትፍለጥ ብሎክ ካብ’ቲ ንሱ ዝነበራ ሓይሊ ጥራሕ ሰልስተ ብቐረባ ዝፈልጦም ተዓለምቲ ብሰንኪ ትሜት ሂወቶም ከምዝሰኣኑ ገሊጹ ክብሉ፡ ዕጡቓት ናይ ውደባን ፕሮፓጋንዳን ኣሃዱታት ህደግኤ፡ ብ26 ጥቅምቲ 2009 ኣብ ዝሰደዱልና መልእኽቲ ኣረጋጊጾም።

 

ብተመሳሳሊ መንገዲ ኣብ’ዚ ቅንያት’ዚ ናብ ኢትዮጵያ ዝሰገረ፡ ኣባል ስለያ ምክልኻል ናይ ህግደፍ ዝነበረ፡ ተኽለብርሃን ተስፋይ ዝተባህለ ዜጋ፡ ብኮለኔል ሽፋ እትምራሕ ኣሃዱ ስለያ ናይ ስርዓት ህግደፍ፡ ከካብ ዝነበረሉ ቦታታት ሕሽፈራይ ናብ ዝተባህለ ቦታ ብምእካብ፡ ታዕሊም ክወስድ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ድሕሪ ናይ ክልተ ወርሒ ስልጠና፡ ኣብ ምብራቓዊ ኣጻድፍ ዘለው ሸፋቱ  ክትሃድኑ ኢኹም፡ እንተኽኢልኩም ብኢዶም ሂዝኩም እንተዘይክኢልኩም ድማ፡ ቀቲልኩም ከተምጽእዎም ኣለኩም ብምባል  ሰፊሕ ዝርገሐ ዘለዎ ኣጋር ሰራዊት ኣሰንዮም ናብ ከባቢ ሩባ ሓዳስ ከም ዘዋፈርዎም ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብ ውሽጢ 2 ወርሒ ጥራሕ ሽዱሽተ ግዜ ውግእ ከም ዘጋጠሞምን፡ ብዙሓት ኣባላት ናይ’ታ ናይ ስለያ ኣሃዱ ድማ ናይ ሞትን መቑሰልትን ሓደጋ ከም ዘጋጠሞም ናይ ዓይኒ ምስክርነቱ ሂቡ።

 

 

ብኣስገዳድ ካብ መረበቶም ዝተፈናቐሉ ዜጋታት፡

5000 ናቕፋ ክኸፍሉ ይገደዱ ኣለው።

 

ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣከለ-ጉዛይ ብጉልባብ ጸበትን ርቀትን መሬት ብሓይሊ ናብ ጋሽ-ባርካ ክግዕዙ ዝተገብሩ ዜጋታት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዝርከቡ ካብ ሱዳን ዝመጸና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

 

እቶም ዜጋታት ኣብኡ ካብ ዝኣተውሉ ግዜ ጀሚሮም፡ ንሕና ናብ ቦታና ክንምለስ ኢና፡ ኣብ’ዚ ዝኾነ ይኹን ደገፋት ኣብ ዘይብሉ፡ ኣብ ማእከል ጎልጎል ተደርቢና ክነብር ኣይኮናን ዝብል ጥርዓናት ከቕርቡ ከም ዝጸንሑ፡ እንተኾነ በቶም ናይ ከባቢ ሰበ-ስልጣናት ልዕሊ ንስኹም ልዕሊ መንግስቲ ብዛዕባ ነብስኹም ክትፈልጡ ኣይትኽእሉን ዓሪፍኩም ተቐመጡ ዝብል መልሲ ይወሃቦም ከም ዝነበረ፡ ሕጂ ግን ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ እናኾነ ምስ መጻ፡ ናብ ትውልዲ ዓዱ ክምለስ ዝደሊ ኣቐዲሙ 5000 ናቕፋ ክኸፍል ኣለዎ ዝብል መምርሒ ኣውሪዶም ከም ዘለው ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

 

                            ዕለት 28.10.2009

 

 

Last Updated ( Wednesday, 28 October 2009 13:11 )  
ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ - ደግሓኤ - ዝዝርጋሕ ርእሰ ነጻነቱ ዝተሓለወ ዌብሳይት - ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ - ንሓድነት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ብምድልዳልን ንሸቶታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ብምዕዋት - ደሞክራስን ማሕበራዊ ፍትሕን ሰላምን ራህዋን ዝሰፈና ኤርትራ ንምርግጋጽ ይቃለስ - An Independent Website Distributed by Democratic Front for Eritrean Unity –DFEU - Anti Dictatorial Regime PFDJ - Embolden Unity of Eritrean Democratic Alliance - and struggle to accomplish the aims of Eritrean National Council for Demonratic Change in order to establish an Eritrea with Democracy, Social Justice, Peace and Prosperity.

Send your articles comments or critics to webmaster@democrasia.org
Administration-Panel