• Increase font size
  • Default font size
  • Decrease font size
Start
ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ - ደግሓኤ - ዝዝርጋሕ ርእሰ ነጻነቱ ዝተሓለወ ዌብሳይት - ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ - ንሓድነት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ብምድልዳልን ንሸቶታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ብምዕዋት - ደሞክራስን ማሕበራዊ ፍትሕን ሰላምን ራህዋን ዝሰፈና ኤርትራ ንምርግጋጽ ይቃለስ - An Independent Website Distributed by Democratic Front for Eritrean Unity –DFEU - Anti Dictatorial Regime PFDJ - Embolden Unity of Eritrean Democratic Alliance - and struggle to accomplish the aims of Eritrean National Council for Demonratic Change in order to establish an Eritrea with Democracy, Social Justice, Peace and Prosperity.

ውሑስ ናይ ወፍሪ ሂወት ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ስርዓት ይምለስ?

E-mail Print
User Rating: / 0
PoorBest 

ድ.ሰ.ደ.ኤ. 

ውሑስ ናይ ወፍሪ ሂወት

ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ስርዓት ይምለስ? 

ውሑስ ናይ ወፍሪ ሂወት ኣብ ከመይ ዝበለ ስርዓት ይምለስ ወይ ይረጋገጽ ርዱእ’ኳ እንተኾነ ብዝያዳ ንምብርሁ ግን፡ ኣብዛ  

 ንነብረላ ዘለና ዓለም ዘሎ ፖለቲካዊ፡ ምጣኔ ሃብታዊ፡ ማሕበራውን ካልኦት ምምሕዳራዊ ስራሓትን ከከም ባህሪያት ናይ’ቶም ስርዓታት ዝፈላለ ምዃኑ ምርዳእ ኣገዳሲ’ዩ።  ብፖሊሲ ነጻ ዕዳጋ ዝምርሑ ስርዓታት፡ ብዛዕባ ነጻ ዕዳጋ እንታይ ይብሉን ብኸመይ መልክዕ የተግብርዎን ንርአ።

ኣብ ፖሊሲ ነጻ ዕዳጋ ካብ ዘለዎም እምነት ተበጊሶም፡ ምስ ህልዊ ዓለማዊ ኩነታት ተሳንዩ ክኸይድ ዝኽእል ብደረጃ ሕገ-መንግስቲ ወይ ቅዋም ክጸድቕ ይገብሩን ናይ ህዝብን መንግስትን ሃገራዊ እምነት ንሱ ምዃኑ ይሰብኩን፡ ንዓለም ለኻዊ ናይ ነጻ ዕዳጋ ፖሊሲ ተገዛእቲ ምዃኖም ብወግዓዊ ፖሊሲታትን ኣሰራርሓን የረጋግጹ። ይኹን ደኣምበር ኣብ ዓውደ ተግባር ከከም ኩነታት ናይ’ተን ሃገራት፡ ንደቂ ሃገርን ወጻእተኛታትን ኣውፈርቲ ፈላልዮም ደረጃን ቀዳምነታትን ብምሃብ ክሰርሑ ይገብሩ። ንኣብነት ብዓቕሚ ደቒ ሃገር ክዕመም ዝከኣል ኩሉ ብቐዳምነት ንደቂ ሃገር ኣውፈርቲ ክወሃብ ይገብሩ። ብደቂ ሃገር ኣውፈርቲ ክዕመም ዘይከኣልን እንተዳኣ ኮይኑ ድማ፡ እቲ ዝግበር ወፍሪ ንሃገርን ህዝብን ዝጠቅም ምዃኑ ብመጽናዕቲ፡ እንዳተራኣየ ብወጻዕተኛታት ክዕመም ይግበር። ወይ እውን ደቂ ሃገር ምስ ወጻእተኛታት ተሻሪኾም ክነጥፉ ዘኽእል ዕድላት ይፈጥሩ። ኣብ’ዚ ብቑም-ነገሩ ክንግንዘቦ ዘለና፡ ደቂ-ሃገር ይኹኑ ወጽእተኛታት ሰብ-ሃብቲ ገንዘቦም ንኸፍስሱ፡ ዝተረጋግአ ሰላምን ጸጥታን ካብ ግዕዝይና ነጻ ዝኾነ ምሕደራን ክህሉ ኣለዎ። ኣብ’ዚ ብንጹር ክቕመጥ ዘለዎ ‘ምበኣር፡ ንህዝቢ ዘየርብሑን ኣብ ጥዕና ሕብረ-ተሰብ ሃሰያታት ዘስዕቡን ንሃገራዊ ቁጠባ ዝጉድኡን እንተኾይኖም፡ ካብ መፈለምትኡ’ውን ዘይፍቀድ ምዃኑ’ዩ። በዚ መሰረት ድማ ንኹሎም ነቶም ኣብ’ታ ሃገር ገንዘቦምን ንብረቶምን ዘፍሰሱ ኣውፈርቲ፡ ብዘይ ብቑዕ ምኽንያትን እኹል ካሕሳን ከምዘይውረሱ ውሕስነት ይኣትውሎም። ብቐዳምነት ክረጋግጽዎ  ዘለዎም ሓደ ምርግጋጽ ሃገራዊ ሰላም ስለ ዝኾነ፡ ኣብ’ታ ሃገር ዘተኣማምን ሰላም ንምስፋን ይጽዕሩ።

እዚኦምን ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ንወፍሪ ዝዕድም ጥጡሕ ባይታ ምስ ዝረጋገጽ’ዮም፡ ኣውፈርቲ ካብትን ካብትን ዝውሕዙን ገንዘቦም ብዘይስግኣት ከዋፍሩ ዝኽእሉን። ኣብ’ዚ ተሓታትነት ዘለዎም፡ ብሕጊ ኣብ ስልጣን ወጺኦም ብሕጊ ዝመርሑን ዝምርሑን  ደሞክራስያውያን ናይ ህዝቢ መንግስታት ነዚ ዝተጠቕሰ ጥጡሕ ባይታ ንምፍጣር ወርትግ ክጽዕሩ ይረኣዩ።

 

ነጻ ዕዳጋ ነጨቆንትን መዝመዝትን ሓይልታት ኣይንታዮምን’ዩ። ኮይኑ ግን፡ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ከም ፋሽን ተገይሩ ይውሰድ ስለ ዘሎ ጥራይ፡  ዘይእምነቶም ክነሱ፡ ዓለም ከይትንጽለና ካብ ዝብል መበገሲ ሒደት ከም መማእረሪ ልመና ገይሮም ዝወስድዎን ዝቕበልዎን ሓይልታት’ውን ኣለው።  እዚ ማለት ግን ኣብ ፕሮግራሞም የለን። ንነጻ ዕዳጋ ዝጸውር ኣተሓሳስባ’ውን ኣይውንኑን። ነገር ግን፡  ካብ ግዳም ክርከብ ዝኽእል  ረዲኤት ክረኽቡ ክብሉ፡ ብስም ነጻ ኦዳጋን ወፍርን ይሽሕጡ። ኣብ ውሽጦም ዘይርጉእ ኩነታት እንዳሃለወ፡ ህዝቦም ከርፋሕ ናብራ እንዳሕለፈ እንከሎ፡ ዝተረጋገአ ሂወት የሕልፉ ከም ዘለው ንምምሳል ይፍትኑ። ነቲ ኣብ’ታ ሃገር ክህሉ ዝነበሮ ናይ ነጻ ዕዳጋን ቅሱን ኩነታትን ደሞክራስያዊ ምሕደራን ዘይኣምኑን ክነሶም፡ ንርኡይ ሓቅታት ብምጥዋይ፡ መራኸቢ ብዙሓን ስለ ዝወነኑ ዘይኮንዎ ኮይኖም ክረእዩ ይፍትኑ።

መዓስ እዚ ጥራሕ፡ ጸረ-ሰላምን ጸረ-ደሞክራስን ምሕደራ እዳተከተሉ እንከለው፡ ሰላምን ምርግጋኣን ዝሰኣነ ሕብረተሰብ እንዳሃለዎም፡ ህዝቢ ዝብላዕን ዝስተን ስኢኑ መሪርዎ እንዳሃለወ፡ ተገምጢሎም ኣብ ዝሓሸ ባይታ ከም ዘለው ንምምሳል፡ ኣብ ቀረባኦም ኮነ ኣብ ርሑቕ  ንዘለዋ ሃገራት፡  ንመስርሕ ደሞክራሲ ኣብ ምጉልባት ባይታ ኣንጺፈን ክነሰን ኣብዙሪያ’ቲ ዝተተኽለ ፈልሲ ናይ ደሞክራሲ ዝረአ መባእታዊ ግጭታት ከም ኣብነት እንዳተቐሱ ጻድቓት ንምምሳል ይህውትቱ።

እሞ ኸ ደኣ፡ ህዝብታት ኤርትራ፡ ብስእነት ሰላም፡ ክብሪ መነባብሮ፡ ማሕበራዊ ቅልውላው፡ ደርባውን ብሄራውን ጸቕጢ እንዳተሳቐየን፡ ካብ’ዚ ንምምላጥ እግሩ ናብ ዝመርሖ ኣብ ዝስደደሉ፡ ኣውፈርትን ነጋዶን ደቂ-ሃገር፡ ኣብ ሃገሮም ዘስርሕ ፖሊሲ ስኢኖም ገንዘቦም ዕረ እንዳተዓሞም ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ዘፍስስሉ፡ ተረከብቲ ሃገር ዝኾኑ መንእሰያትና ካብ ጨፍላቒ ምሕደራን ትርጉም ኣልቦ ሞትን ስንክልናን ባርነታዊ ዕዮን መታን ክድሕኑ፡ “ ኣብ ኤርትራ ምቕማጥ ትጽበየካ ሓንቲ’ያ ንሳ ድማ ሞት፡ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ግን ክልተ ዕድል ኣሎ ሞት ወይ ብሂወት ምቕናይ፡ ዝብል ናይ ክብ ወይ ግብ ጭንቀት ዘወለዶ መማረጺ ሒዞም ኣብ ኩሉ መኣዝናት ዓለም ኣብ ዝብተንሉ ዘለው እዋን፡ መንግስቲ ህግደፍ ደኣ እንታይ’ዩ ከስመዓና ዝቐነየ?

መራኸቢታት ህግደፍ፡ ኣብ ኤርትራ ንወፍሪ ዝጥዕም ባይታ ኣለና፡ ገንዘቦም ኣብ ኤርትራ ከውፍሩ ንዝደልዩ ድማ እቲ ዕድል ክፉት’ዩ ክብላ ሰሚዕና። ንውሑስ ሰላምና ስዑዳውያን ኣውፈርቲ መስኪረሙልና፡ ካብ’ቲ ኣብ ኤርትራ ብኣካል ዝተዓዘብዎ ርጉእ ሰላም ተበጊሶም ኣብ ኤርትራ ንወፍሪ ዝምችእ ባይታ ከም ዘሎ ንሱዑዳውያን ኣውፈርቲ ክንገልጸሎም ኢና ኢሎም፡ ገንዘቦም ኣብ ኤርትራ ከውፍሩ ምዃኖም ገሊጾም እንዳበሉ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ነቲ ዝሓልፎ ዘሎ ናይ ሕማቕ ሕማቕ ኩነታት፡  ብወጻእተኛታት ኣመስኪሮም ጽቡቕ ኣለኻ ኢሎም ያኢ ከደናግርዎ ብመራኸቢታቶም ክነብሑ ቀኒዮም። እዚ ግን ካብ ዘለዎም ምሒር ንዕቀት ዝብገስ ኮይኑ፡ ንቐባሪ ከም ምርዳእ ዝቑጸር’ዩ። ናይ ገዛእ ርእሰን ሕጊ መራኸቢታትን መሰል ጋዜጠኛታትን ዘይብለን ኣብ ምቅንጃው ሓደ ውድብን ምምጓስ ሓደ ሰብኣይን ዝተጸምዳ ትንፋስ ጨፍላቒ ስርዓት ዝኾና መራኸቢታት ህግደፍ፡  ነቲ ዘይኮነ ነገር ኮይኑ፡  ነቲ ዘየለ ነገር ኣሎ፡  ንዝይተፈጥረ ነገር ተፈጢሩ፡ ዝብል መቓልሕ ከስመዓ ምስማዕ ከም ወዲ ሃገር ዘሕዝን ከም ተቓላሳይ ዘሕርን ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣሎ። እንተኾነ ከም ቀደም ይመስለክን ውሕጅ ይወስደክን ከም ዝተባህለ፡ ሎሚ ዘይከም ትማሊ መራኸቢታት ህግደፍ ክንዲ ዝኾነ ኣስካሪ ፕሮፖጋንዳዊ ጎስጓሳት እንተካየዳ ብዘይካ ባዕለን ካልእ ክብደት ሂቡ ዘዳምጸንን ዝደናገረለንን ከም ዘየለ እሙን’ዩ። ብርግጽ ድማ መንግስቲ ህግደፍን ትካላቱን ውሽጣዊ ኒያት ሃልይወን ዝቕኒ ሩሕ ረኺበን ዘይኮና፡ ከም ባህሪ መለኽቲ ስርዓቶም ተገኒዙ ኣብ ጉድጓድ ክሳብ ዝኣቱ ኣለና ኣይሞትናን እንዳበሉ ክግዕሩ ምስማዕ ልሙድ ስለ ዝኾነ፡ እዚ ኣብ ኤርትራ ንሰምዖ ዘለና ድማ ናይ’ዚ ግልባጥ ደኣምበር ካልእ ኣይኮነን።

ብመሰረቱ’ኸ እዞም ስዑዳውያን ኣውፈርቲ ኣብ ኤርትራ ገንዘቦም ከፍስሱ  ክመጹ እንተደኣ ኮይኖም ነየናይ ሕጊ ተኣማሚኢኖም’ዮም? ንወፍሪ ዝዕድም ጥጡሕ ኩነታት ኣብ ዘይብላ ሃገር፡ ዘፍሰስዎ ገንዘቦም ኣብ ሓደ እዋን  ክዓኑ እንተኽኢሉ ‘ኸ እንታይ ውሕስነት ኣለዎም? ብልዕልና ግዝኣተ ሕጊ ኣብ ዘይትምራሕ ሃገር፡ ፋሉላት ኢደ-ወነናውያን ኣብ ዝዝውርዋ ሃገር፡ ገንዘብካን ምፍሳስ “ ከም’ቲ ንኸልቢ ብእግርኻ ምውቃዕ ህንካ ስጋ ዝበሃል ምስላ’ዶ ኣይቑጸርን። ዝኾነ ኮይኑ ስዑዳውያን ሰብ ሃብቲ ይኹኑ ካልኦት ገንዘቦም ኣብ ኤርትራ ኣብ ተግባር እንተወፊሮም ግን ተጎዳእቲ ካብ ምዃን ዓዲ ኣይክውዕሉን’ዮም።

ካልእ ስዑዳውያን ኣውፈርቲ ኣብ ኤርትራ ተዘዋዊሮም ኣብ ዝተዓዘብሉ እዋን፡  ፍጹማዊ ዝኾነ ሰላም ኣሎ ኢሎም ብዝብል ብሰፊሑ ክጎሳጉስሉ ምስማዕና’ዩ። እዚ ብተግባር ኣብ መሬት ዘየለ ነገር’ዩ። ስዑዳውያን ኣውፈርቲ ይበልዎ ኣይበልዎ ብዘየገድስ፡ ማዕከናት ዜና ህግደፍ፡ ዝኾነ ምስምሳት ብምፍጣር ነቲ ኣብ ባይታ ኤርትራ ዘሎ ክውንነት ንምሕባእ ዝከኣለን ኩሉ ይገብራ ምህላወን’ዩ ዘመልክት። ህግደፍ ኣይኮነን’ዶ ንወጻእተኛታት ኣውፈርቲ ዝስሕብ ተግባራት ክህልዎስ፡ ነቶም ውሱን ዓቕሚ ዘለዎም ኤርትራውያን’ውን ብሰፍ ዘይብል ቀረጽን ግብርን ቀያዲ ኣሰራርሓታትን ኣይንዓዲ ኣይንዓውዲ’ዩ ገይርዎም ዘሎ።

ኣወፍርትን ነጋዶን ኤርትራውያን ካብ ወጻኢ ንዘእትውዎ ኣቑሑት ሰፍ ዘይብል ቀረጽ ክኸፍሉ ክስለዓሎም እንከሎ፡ ኩባኒያታት መንግስቲ ብኢዱ ብኣንጻሩ፡ እቲ መንግስቲ ዝሃበን ዕድል ተጠቒመን ብዘይ ቀረጽ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብዘይ ናይ ጉልበት ዋጋ ካብን ናብ ኣንቀሳቒሰን ስለ ዝነግዳ፡ ኮነ ተባሂሉ ካብ ናይ’ቶም ነጋዶ ብዝተሓተ ዋጋ ስለ ዝሸጣ፡ ሕቖ ዘይብሎም ኣውፈርትን ነጋዶን ካብ ውድድር ወጽኢ ክኾኑ ንዕዘብ ኣለና። መንግስቲ ህግደፍ ብሕጊ ነጻ ዕዳጋ ኢዱ ካብ ከም’ዚ ዓይነት ከውጽእ’ኳ ዝገባእ እንተነበረ፡ ህግደፋውያን ግን ብባህሪውን ስለ ዘይቕበልዎ፡  ብገባቲ ፖሊሲ ኩሉ ንግዳዊ ንጥፋታት ምቁጽጻር፡ ኣብ ኮንትሮባንዳዊ ስራሓት ተዋፊሩ ዘይግቡር ክገብር’ዩ ዝረአ ዘሎ።

 ስለዚ ድማ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዝሃለወ ኣብ ኤርትራ ክረጋገጽ ዝኽእል ኣሳታፊ ዝኾነ ብሕጊ ዝግዛእ ወፍርን ንግድን ክህሉ ዘይሕለም’ዩ። ኣብ ኤርትራ ነቲ ስሩ ዝሰደደ ድሕረትን ድኸነት ኣብ ምቕራጽ ናቱ ኣወንታዊ ብጽሒት ዝገብር ምዕሩይ ነጻ ዕዳጋ ክጥጥዕ ዝኽእል፡  ንጸረ-ህዝቢ መንግስቲ ህግደፍ ኣልጊስካ ኣብ ቦትኡ፡ ብህዝቢ ዝተወከለን ብህዝባዊ ደሞክራስያዊ ቅዋም ዝምራሕን ዝመርሕን ህዝባዊ መንግስቲ ምስ ዝትከል ጥራሕ’ዩ። እዚ ንምግባር ድማ ብሄራትን ብሄረ-ሰባት ህዝብታት ኤርትራ ብዘይኣፈላላይ ንመንግስቲ ህግደፍ ብዘይሕለል ቃልሲ ካብ መንበረ ስልጣኑ ብምልጋስ ህዝባዊት ደሞክራስያዊት ኤርትራ ክውን ምስ ዝገብራ’ዩ። ብምዃኑ ድማ ህግደፍ ካብ’ዚ ሕጂ ዝገብሮ ዘሎ ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎ በደላት፡ ናብ’ቲ መጻኢ ወለዶ ከይበጽሐ እንከሎ፡ ይኣክል ክበሃል ኣለዎ። ስለ ዝኾነ ኣብ ሃገረ ኤርትራ ሰላምን ምርግጋእን ሰፊኑ፡ ሕግን ሕጋውነትን ተረጋጊጹ ህዝባዊ ልምዓትን ዕቤትን ክውን ክኸውን ነዚ መንሽሮ ህዝብን ሃገርን ዝኾነ ስርዓት ንምልጋስ ሃየ ንበገስ።

 

                ዕለት 26.10.2009

 

 

Last Updated ( Monday, 26 October 2009 12:52 )  
ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ - ደግሓኤ - ዝዝርጋሕ ርእሰ ነጻነቱ ዝተሓለወ ዌብሳይት - ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ - ንሓድነት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ብምድልዳልን ንሸቶታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ብምዕዋት - ደሞክራስን ማሕበራዊ ፍትሕን ሰላምን ራህዋን ዝሰፈና ኤርትራ ንምርግጋጽ ይቃለስ - An Independent Website Distributed by Democratic Front for Eritrean Unity –DFEU - Anti Dictatorial Regime PFDJ - Embolden Unity of Eritrean Democratic Alliance - and struggle to accomplish the aims of Eritrean National Council for Demonratic Change in order to establish an Eritrea with Democracy, Social Justice, Peace and Prosperity.

Send your articles comments or critics to webmaster@democrasia.org
Administration-Panel