• Increase font size
  • Default font size
  • Decrease font size
Start
ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ - ደግሓኤ - ዝዝርጋሕ ርእሰ ነጻነቱ ዝተሓለወ ዌብሳይት - ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ - ንሓድነት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ብምድልዳልን ንሸቶታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ብምዕዋት - ደሞክራስን ማሕበራዊ ፍትሕን ሰላምን ራህዋን ዝሰፈና ኤርትራ ንምርግጋጽ ይቃለስ - An Independent Website Distributed by Democratic Front for Eritrean Unity –DFEU - Anti Dictatorial Regime PFDJ - Embolden Unity of Eritrean Democratic Alliance - and struggle to accomplish the aims of Eritrean National Council for Demonratic Change in order to establish an Eritrea with Democracy, Social Justice, Peace and Prosperity.

ማእከላይ ባይቶ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼብኡ ብዓወት ዛዚሙ፡

E-mail Print
User Rating: / 0
PoorBest 

ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ መሪሕ ግደ ዝጻወት ሓያል ውድብ ንምህናጽዝብል ጭርሖ ተሓንጊጡ ካብ 15-21 ጥቅምቲ 2009 ምስልሳሉን ብድምቀት ምዝዛሙን ኣብ መዓልታዊ ውዕሎ ጉባኤ ዜናዊ ፈነወታትና ክሕበር ምጽንሑ ይዝከር። ኣብ መዛዘሚ ዕለተ-ጉባኤ ከኣ ንመጻኢ ሰለስተ ዓመታት ዝመርሑ

alt

ማእከላይ ባይቶ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼብኡ ብዓወት ዛዚሙ፡

ቀዳማይ ጉባኤ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ መሪሕ ግደ ዝጻወት ሓያል ውድብ ንምህናጽዝብል ጭርሖ ተሓንጊጡ ካብ 15-21 ጥቅምቲ 2009 ምስልሳሉን ብድምቀት ምዝዛሙን ኣብ መዓልታዊ ውዕሎ ጉባኤ ዜናዊ ፈነወታትና ክሕበር ምጽንሑ ይዝከር። ኣብ መዛዘሚ ዕለተ-ጉባኤ ከኣ ንመጻኢ ሰለስተ ዓመታት ዝመርሑ 31 ምሉኣትን 3 ተጠባበቕትን ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጹ ኮይኖም ኣብ ቅድሚ ወከልቲ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራን ዕዱማት ኣጋይሽን ቀሪቦም ተላልዮም።

ድሕሪ ምዝዛም ቀዳማይ ጉባኤ ግሃድኤ፡ እቲ ብጉባኤ ዝተመርጸ ማእከላይ ባይቶ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ከኣ ካብ 23-25 ጥቅምቲ 2009 ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣሰላሲሉ። ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ ኣብዚ ንሰለስተ መዓልታት ዘካየዶ ኣኼብኡ፡ ካብ ውሽጡ ንመጻኢ መድረኽ ትመርሕ ሓዳስ መሪሕነት ብደሞክራስያዊ ኣገባብ መረጻ ኣካይዱ፡፡ እዚ ከኣ 3 ዝኣባላታ ሰክረታርያ ባይቶን 7 ዝኣባላታ ፈጻሚት ኣካልን ኣቊሙ።

ማእከላይ ባይቶ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ኣብ ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼብኡ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ግሃድኤ ብደቂቕ ዓሚቕ ገምጋም ድሕሪ ምክያዱ፡ ኣገደስቲ ፖለቲካዊ ውሳኔታትን ንመጻኢ መድረኽ ክዕመሙ ዝግብኦም ናይ ቀረባን ርሑቕን መደባት ብዝርዝር ኣነጺሩ ንተግባራውነቱ ከኣ ንፈጻሚ ኣካል መምርሒ ብምሃብ ኣኼብኡ ዛዚሙ።

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

25 ጥቅምቲ 2009

Last Updated ( Monday, 26 October 2009 12:37 )  
ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ - ደግሓኤ - ዝዝርጋሕ ርእሰ ነጻነቱ ዝተሓለወ ዌብሳይት - ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ - ንሓድነት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ብምድልዳልን ንሸቶታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ብምዕዋት - ደሞክራስን ማሕበራዊ ፍትሕን ሰላምን ራህዋን ዝሰፈና ኤርትራ ንምርግጋጽ ይቃለስ - An Independent Website Distributed by Democratic Front for Eritrean Unity –DFEU - Anti Dictatorial Regime PFDJ - Embolden Unity of Eritrean Democratic Alliance - and struggle to accomplish the aims of Eritrean National Council for Demonratic Change in order to establish an Eritrea with Democracy, Social Justice, Peace and Prosperity.

Send your articles comments or critics to webmaster@democrasia.org
Administration-Panel