ሕጂኸ በሪሁልኩምዶ?
ውዲት በዓል በጋሚንዶ
ብወደባት፡ ግርማይ ኪዳነ (ወዲ ፊሊፖ)
ሚላኖ-ኢጣልያ
ድሕሪ እዚ ኣብ ጉባኤ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዝተገብረ ገርጨውጨው ተስፋ እገብር ኣንቱም ንመሰረታዊ ለውጢ ጸረ ሽፍትነት ህግደፍ ንምክት ክንምክት እትብሉ ኣእዳው ሸፋቱ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ተሰኺዑ ከም ዝነበረ ብቓልዕ ተረዲኡኩም ክኸውን፡፡
ነዚ እውን!
ዕሽሽ ሸለል ክበሃል እንተኾይኑ፡ ዓገብ ጥራሕ ዘይኮነ ብዘይቃልዓለም ክበሃል ዘለዎ፡ ደምበ ተቓውሞ ንህዝቢ ፋሕፋሕነት ድኣ እምበር ናይ ህዝቢ ድሕነት ኸከናውን ፍጹም ዕላማ የብሉን፡ ብስምነ መልክዕን ተቓዋምነት ምሽክዕላል ሃለው ምባል እዩ፡፡
ነዊሕ ግዜ!
ኣነ እኹን ከማይ ኣረኣእያን ኣመራምራን ዘለዎም ንእቶም ካብ ደምበ ሸፋቱ ህግደፍ ተፋቲሕና ተባቲኽና እናበሉ በብግዜኡ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝመጹ ኣርሕቕዎም ስጎጉዎም ኢልና ክንጣራዕ መልሓስና ዳርጋ ደም ክነትዕ ቀሪቡ ኣእዳውና ከጋልጾም ክጽሕፍ ረብሪቡ እዩ፡፡ እዚ ኸኣ ኣጋንኖ ዘይኮነ ኩሉኹም እትፈልጥዎ ሓቂ እዩ፡፡
ትፈልጥዎ ተዛረቡ፡
ተባሂሎም ዕጭ ምስ በሉ ንኹሉ ክርድኦ ዝነበሮ እዞም ልኡኻት እዚኣቶም ኣብ ደምበ ተቓውሞ መጺኦም ተልእኾኦም ንኽፍጽሙ ዝተላእኩ እቲ መዔስከር ሽፍትነት ኣልዕል ኣቢሉ ኣይኮነን ልኢኹዎም፡ ብዙሓት ዝፈልጡዎም እንታይ ግርነት ፍርሂ ወይ ኣየናይ ሽርሒ ድኣ ዓብሊሉዎም ኣርዒድዎም እምበር መን ብዓል መን ኣብ ዘመነ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ዝተፈጸመ ግፍዕታት እንታይ ተራ ከም ዝነበሮም ፍሉጥ እዩ፡፡
መራሕ ሸፋቱ ህግደፍ፡
ተጋዳላይን ገድሊ ኣማናይን ኮይኑ ኽንቀሳቐስ እንከሎ ብዙሓት እሙናቱ ኣጥሪዩ እዩ፡፡ ንሱ ኸኣ፡-
1. ናይ ወለዶ መቦቆል
2. ዝምድና ኣነባብራን መነባብሮን
3. ብደም ምጥልቓይ
4. ብብልሽውናታት ምጥልቓይ
ነዚኤን ዘማለኤ፡
ኣብታ ክሊ ቶንኮላቱ ክትነብር የኽእለካ ክሳዕ ተጠቒሙ ተጠቓቒሙ ዝስንድወካ ወይ ኣሕ ህህ ኣቢሉ መዓንጣኻ ኣሕሪሩ ዝቐትለካ መስርሑ እዩ ነዚኦም ከዋፍር እንከሎ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ጥራሕ ዘይኮኑ ዝተናኾሉ ኣብ ነንሕድሕዶም እውን ምኽክር ከም ዘይቀባበሉ ይገብሮም እዩ፡፡
ብዙሕ ግዜ ሓቢረዮ ዝነበርኩ፡
ፈለምቲ ጃህራታት ኢሳያስ ኣፈወርቅ “ጀብሃ ክትሓቅቕ እያ” ምንባራ ይዘከር፡ ብኸመይን ስለምንታይን ከም እትሓቅቕ ተመርሚሩ መልሲ እንተዝወሃበሉ ከምኡ ዓይነታት ጃህራ ንኽጀሃር ዘተኣማምኖ ኣብ ውሽጢ እቲ ውድብ እሙናቱ ኣጣጢሑ ስለ ዝነበረ እዩ፡፡
ተቓወምቲ ዝበሃሉ
የለውን ሰሚዔ ኸኣ ኣይፈልጥን ዝብሎ ኩሉ ግዜ ኸኣ ንደምበ ተቓውሞ ዓብሊሎም ፈናቒሎም ሕልምታቱ ዘከናውኑ እሙናት ስለ ዝለኣኸን ዘተኣታተወን፡ እቲ ዝንቀሳቐስ ተቓውሞ ውድባት ሰልፍታት ብኦኦም ክሳዕ ዝምራሕ ደምበ ተቓውሞ ዕማሙ ክዓምም ከም ዘይክእል ስለ ዝተኣማመነ እዩ፡፡
ካብ ነዊሕ ዓመታት!
ብሽርሒ ዝተላእኩ ድዮም ከምቲ ዝብልዎን ዘሎ ግፍዕታት ምጽዋር ስለ ዝሰኣኑዎ ድዮም ካብ ዓንከል ሽፍትነት ተነጺልና ፎእ ኢልናዮ ዝብሉ ብዙሓት እዮም፡፡ ብዘይካ ሓድሓደ ተባዓት ከም በዓል መምህር ተስፉ ዘውደ ወልደማርያም ኣብርሃ እንተዘይኮይኖም ትዕበይ ትንኣስ ዝፈልጡዎ ዝረኣዩዎ ወይ እቲ ምጽዋር ዝሰኣንዎ ግፍዕታት ብጩቕ ኢሎም ክዛረቡ ኣይተሰምዑ ኣይተራእዩ ኸኣ፡፡
እንታይ ኮይኖም?
ዝፈልጥዎ የብሎምን ከይንብሎም እንተድኣ ከምኡ ክንብሎም ኬንና እዞም ሰባት ኣብ ገድሊ ኣይነበሩ ብዛዕባ ገድሊ ኣይፈልጡ ክንብሎም ኣሎና ማለት እዩ፡፡ ብዝተረፈ እቲ ምዃድ ኪድ እሞ፡ ዝረኣኻዮ ዓፍኖ ዝስማዕካዮ እዝንኻ ኣጽምሞ ተባሂሎም ተማዓዶም ዝወጹ ክኾኑ ይኽእሉ፡፡ ዝፈልጥዎ እንተተዛሪቦም ዝፍለጠሎም ከይዝረብ ዝስከፉ እውን ክኾኑ ስለ ዝኽእሉ ደምበ ተቓውሞ ካብ እዞም ሰባት እዚኣቶም ክጥንቀቕ ናይ ግድን እዩ፡፡
ምስላ ኣቦታት፡
ካብ ጸላእየይ ባዕለይ ክጥንቀቕ ካብ ፈታዊየይ መሳሊ ኸኣ ሓልወኒ ዝበሃል ኣብዚ ናትና ኩነታት ክትትርጎሞ እንከሎኻ እኩባን ሸፋቱ ህግደፍ ሎሚ ዘይኮኑ ኣብ ገድልና እትው ምስ በሉ እዮም ጸላእትና ከጽንቱና ሰብ መደብ ምንባሮም ተፈሊጡ፡፡ ስለዚ ምስኣቶም ዘሎና ጽልኢ ገቲሩ ኣፋጢጡና ኣሎ፡፡ እዚ እናኾነ ግን እቲ ዝዓጠቕናዮ ዕጥቂ ሸቶኡ ከይወቅዕ ክሳዕ ሕጂ ሰንከልከል ዝብል ዘሎ ዘይተጠንቀቕናሎም ፈተውትና መተሓምምትና መሰል እንደላሓቕቲ ጠላማት ኣብ ሞንጎና ተሶኺዖም ስለ ዘለው ነዚኦም ክሳዕ ዘይንጸራረግ ጸሓይ ዓወትና ዕልግልግ ምባላ ኣይተርፍን፡፡
ከተሓሳስበና ዝግበኦ፡
መስፍን ሓጎስ፣ ዓብደላ ኣዳም እቶም ዝለዓሉ እሙናት ናይ መራሕ ሸፋቱ ኢሳያስ ኣፈወርቅ ምዃኖም ታሪኽ ገድልና ኣጻዕድዩ ዝምስክሮ እዩ፡፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም እቲ ሓቂ ብዛዕባ እንታዋይነት ኢሳያስ ኣፈወርቅ ክነግሩ ክሕብሩ ዝጸበ ዘሎ ኣይመስለንን ኣብ ብዙሕ መጋበርያታት ክፍኣት ኢሳያስ ኣፈወርቅ እሉኻት ከም ዝኾኑ ዘይፈልጥ የልቦን፡፡ እቲ ቁሩብ ዘሔዝን ኣድሓኖም ገብረማርያም እውን ማናንታኦም ምዃኑ እዩ፡፡
እዚ ኸኣ!
ካብ ዕንክሊሎም ከይወጽእ ዝውጥሮ ምጥልቓይ ስለ ዘሎ ድኣ እምበር ዘይፈለጦም ኮይኑ ኣይኮነን፡፡ ብሕልፊ ብሕልፊ ኣብ መንካዕ፣ የሚን ዝጸነቱሉ እዋን ተራኡ ዝነበረ ፍሉጥ እዩ፡፡ እዚ ስለ ዝኾነ እዩ ምስ እዞም መዋፍርቱ ሑሕ ክበሃሃል ድሕሪ ምቕናይ ሕጂ ምስኦም ክሰምር መሪጹ፡፡
ካብ ኩሉ ዘገርም ከኣ!
እዞም ልኡኻት እዚኣቶም ዘመነ ገድሊ ኣብ ልዕሊ መጋድልቶም ኣብ ዘመነ ናጽነት ክሳዕ ናብ ደምበ ተቓውሞ መጺኦም ዘርክቡና ጥጡሕ ባይታ ነይሩዎም ኣባትር ሸፋቱ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ እናደረዔ፡ ኣ ናይ ስልጣን ኮረሻ ተወጢሖም እቲ እህህታን ምረትን ፈጺሙ ኣይተሰመዖም ኣይዓጀቦምን ከኣ፡፡ ድሕሪ እዚ ኹሉ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ተሰኺዖም ከም ተቓወምቲ ሓቂ ዘይነገርቲ ግንከ? ናይ ሰልፊ ተቓውሞ መራሕቲ ኾይኖም ኣገባብ ኣቃውዋምና ፈለምቲ ኾይኖም ክትሪኦም እንከሎኻ ኤርትራ ሃገርና ሰብ ከምዘይብላ ንሶም ባዕሎም ሊቃውንቲ ንስርዓት ሸፋቱ ህግደፍ ኣዕነውቲ ክትመዞም እንከሎኻ ንገዛእ ገጽካ ብገዛእ ኢድካ ምጽፋዕ ምዃኑ ስለምንታይ ኢዩ ዘይርድኣና?
ቀደም ኣሕሊፎም ሂቦም፡
ብኢድ ኣጽነትና ተቐሊቦም ሓላፍነት ሃገር ተቐቢሎም እሞ፡ ኣብታ ኮረሻ ስልጣን እንከለው ህዝቢ ተጎዲኡ ህዝቢ ተወጺዑ ክብሉ ዘይተሰምዑ ዘይተረኽቡ ሎሚ ከም ሓንጸጽቲ መድሕንና ክጽውዑስ ንዓቕምታትና ምንሻውን ህይወትና ምዕሻውንዶ ኣይኮነን?
በሉ እነሄልኩም!
ሕሱር ወዲ ጓል ባርባ (ዓብደላ ኣዳም) ኣብ ከሰላ፣ ኣብ ካርቱም ልዑል ሰላያይ ሸፋቱ ህግደፍ ኮይኑ ድሕሪ ምግልጋል ብዓሳክር ሱዳን ኣግፊፍካ ናብ ኢድ ሸፋቱ ምርካብ ኤርትራውያን ከምኡ እውን ንቕትለት እቶም ንሽፍትነት ህግደፍ ሓንጻጻይን ጸኒሑ፡፡ ንኸምስል ኣብ ደምበ ተቓውሞ ተስኺዑ ንደምበ ተቓውሞ ሕንፍሽፍሻት ምትእትታውን ተልእኾኡ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብቂዑ ስለ ዝወደኤ ምስ መናትኡ ኣንደላሓቕቲ ሰሚሩ ናብ ኢድ ጎይታኡ ንኽምላስ ይቀራረብ ኣሎ፡፡
1. “እዚ ሰብ እዚ ናይ ውድብ ሓላፍነት ክወሃቦ ዝኸኣለ መንን በዓል እንታይ ምንድላሓቕ ስለ ዝኾነ እዩ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ከም ተቓዋማይ ሰራዓይ ፈንጣሓይ ክኸውን ክኢሉ?
2. እምበርዶ፡ እቲ መሰረታዊ ለውጢ ክግበር ኣለዎ ዝበሃል ዕላማ ይኽበር እዩ?
3. ኣየናይን ስለምንታይን እዩ እቲ ተቓውሞ ዝበሃል?
4. ጸፋዕትና ኣጽፋዕትና መሪሕ ተቓውሞ ዝኾኑስ ካብ ምንታይ ንኸድሕኑና?
5. ዘትከልናዮ ተኽሊ ተቓውሞ ስለምንታይ ምዃኑ ንፈልጦዲና?
6. ህዝቢ ዘይውደብ ዘይቃወም ዝበሃልሲ ተወዲቡ ተቓዊሙ ንመን እዩ ክርከብ?
“ዝኣኽለን ምስ ጠሓና በዓል ኮይኑ ይብላ”
እቲ ሕጂ ተሪፉና ዘሎ፡
ኣገባብ ኣቃዋውማና እዚ እንተድኣ ኾይኑ ዘዝመጹ ፈረድትናን ኣፍረድትናን ካብ ሓቖፍና ኣብ ክንዲ ብተምሳል ብቓልዕ ኢሳያስ ኣፈወርቅ መጺኡ ኣነ እውን ተቓዋማይ እየ፤ ክብለና እሞ ንዓ ምራሕ ክንብሎ ጥራሕ እዩ፡፡ ብድሕሪ እዚ ኩሉ እቲ ንቃወም ኣሎና ዝበልናዮ ከንቱ ምዃኑ ይረጋገጽ፡፡
ብዝተረፈ፡
ተጠማጢምናዮ ዘሎና ዕማም ብዝኽየድ ዘሎ ኣገባብ ኣይኣብቲ ኣይኣብቲ ኾይኑ ዕንኪሊል ስለ ዘብለና ንህላዌ ኤርትራውነትና ብሓቂ ኣስጋኢ ስለ ዝኾነ ብሕልና ብንጽህና ክንንቀሳቐስ ኣሎና፡፡
እኩባን ሸፋቱ ኤርትራ!
መሰረት ዕላማኦም ጽንተት ኤርትራውነት ከም ዝኾነ ብኹሉ መለክዕታትን መልክዓትን ሓቢሮም የረጋግጹልና ኣለው፡፡ ንሕና ክንቡንቁሶም ኢና ካብ ንብል ሓጺር እዋን ኣይኮነን፡፡ ክንቡንቁሶም ዘይመኽኣሊና ኸኣ ሓይሎምና ወይ ካባና በሊሖም ዘይኮነ ኣገባብ ቃልስና ዘይምእራምና እዩ፡፡ ምእራም ማለት ከኣ ኣብ ዙርያና ዘለው ንሓድነትና ከይጥጥዕ ዝቐላልው ምሒና ከነውጽኦም ዘይመኽኣሊና ወይ ዘይምድላይና እዩ፡፡
ካብዘን ውሑዳት ኣዋርሕ፡
ዝገዝፍ ብርሃን ንምርኣይ ዘሕስብ ኣእምሮ ምልክታት ኣይረኸብናን፡ እዚ ኾይኑ ብህጹጽ ስጉምቲ ዘይምውሳድና እንታይ እዩ እቲ ጸገም?
ሰውራዊ ባይቶ፡
ድሕሪ ብስውር እቲ ጀብሃዊ (ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ) ምንቅስቓስ ምዕንቃፍን ምፍሕፋሕን ላምሲ ብኢዳ እናቐረባ ብእግራ ትሓክኽ ከም ዝበሃል፡ ምስ መቓልስታ ነበር ጀብሃውያን ኣብ ክንዲ ምርድዳእን ምስማርን ምስ ልኡኽ ሸፋቱ ህግደፍ (መስፈን ሓጎስ) ዝመርሖ ሰልፊ ተጸንቢራ ጥራሕ ዘይኮነ ንእታ ብባዕሎም ዝመሃዝዋ ስውኣንና ዘይፈልጥዋ ባንዴራ ሸፋቱ ህግደፍ ተቐቢሎም ንእታ መስዋእትታት ዝተኸፍለላ ውግዓዊት ባንዴራ ኤርትራ ንዓመታት ዘንበልብልዋ ዝነበሩ ኣሉ ኢሎምዋ፡፡
ሰልፊ ደሞክራሲ
ብኣጋኡ ውልደ እኩባን ሸፋቱ ህግደፍ ብበዓል መስፍን ሓጎስ ዝተመስረተት ከም ተቓዋሚት ኣዋጃ ምስ ኣወጀት ብዘይካ ምስ ሰውራዊ ባይቶ ምስ ካልኦት ተቓወምቲ ሓይልታት ርክብ ዝነጸገት እቲ ሕጂ ኣዊጃቶ ዘላ ኣዋጅ ሓድነት እንታይ ምዃኑ ውጥና ግሉጽ ዕላማኣ ኾይኑ ኣሎ፡፡
ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ!
እዚ ምንቅስቓስ እዚ ድሕሪ እቲ ብሓደ ዝተመሰረተ ሰልፊ ደሞክራሲ ኣብ ሞንጎ መስፍን ሓጎስን ኣድሓኖም ገብረማርያምን ዝተባህለ ምፍሕፋሕን ኣሰራርሓ ርእይቶን ካብ ሰልፊ ደሞክራሲ ተነጺሉ ዝተመስረተ ኾይኑ ክሳዕ እዛ ምስ ሰውራዊ ባይቶን ሰልፊ ደሞክራሲን ሰሚርና ዝበለላ ኣድሓኖም ገብረማርያምን ዝዛለፉዎ ዝወቓቐስዎ ዝነበሩ ይዘከር፡፡
“እዛ ሓድነታዊት ውዑል ግን ብኢደዋኒኑ ኣድሓኖም እዩ ተፈራሪሙ ዝብሉ ስለ ዘለው ኣድሓኖም ግን ንእቲ ሰልፊ ወኪሉ ስለ ዝጸምበሮ እቶም ዓገብ ኢሎም ዘይተሰማምዑን ነቲ ሓሹላኽ ሓድነት (ዕማም ህግደፍ) ዝቃወሙ ክሳዕ ብወግዒ ንኣፍልጦ ኩልና ኣዋጅ ዘመሓላልፉ እቲ ምንቅስቓሶምን ንሶምን ከም ዝተጸንበሩ ጥራሕ ኢና እንወስዶም”
ሕጂኸ!
እዞም ሰለስተ ልኡኻን ህግደፍ ንወርሒ ታሕሳስ ሓድነታዊ ጉባኤ (ጉባኤ ኣህባይ ይግበረሎም) ክንገብር ኢና ይብሉ ስለ ዘለው ደድሕሪ ጉባኤኦም ከኣ ብስም ህዝቢ (ኣብ ክንዲ ብስም ኣህባይ) ናብ ትሕቲ ዱኳ ኢሳያሰ ኣፈወርቅ ተጎንቢሖም ክሰግዱ ኣስመራ ክኸዱ መደብ ስለ ዘለዎም፡ መላእኽቶምን መዋኽርቶምን (ወዲ ጓል ባርባ) ዓብደላ ኣደም ኣነ ምሳኹም ክቃለስ እየ ቦታ መቃለሲ ሃቡኒ ይብል ከም ዘይነበረ ምስ ዓስራይ ርእሱ (ምንጹጹላያት) ኣብታ ትጣጣሕ ዘላ ብስም “ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ” ወፍሪ ጃሱሳት ህግደፍ ተጸንቢሩ ሸተት ኢሉ ንኣስመራ ክኸይድ ዕላማ ስለ ዘለዎ፡፡
ኣብቲ ጉባኤ!
ብዕለት 15/10/2009 ናይ እቲ ዝነበረሉ ውድብ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ድሕሪ ነዊሕ ምክትታሉ ዝተረኽበ ጭብጢ ውኽርነቱ ምእንቲ ከይቃላዕ ምክፋል ኣብዩ ጥራሕ ዘይኮነ ንብረት ውድብ ክዘምት ከዝምት ፈቲኑ እውን፡፡
እሞ!
እዚ ኹሉ ቶንኮላት እዚ ክንዕዘቦ ምኽኣል ዲና ስኢንና አይደለናን ዲና እቲ ሓቂ ብቕንዕና ክንገር ኣለዎ፡፡ ኣትማን ካብ ፈለጥናዮም ከኣ ዕንቅሪባታቶም ኣቐሚጦም ኾይኮኑ ሃሰስ ምባልን ብዕቱብ ምክትታልን ናይ ኩልና እቶም ንእኩባን ሸፋቱ ህግደፍ ክመሓው ኣለዎም እንብል ሓላፍነትን ግቡእን ምዃኑ ክንዝንግዖ የብልናን፡፡
“ግዜ እንከሎካ- ግዜ ኣይትጸበ”
ይብሉ ኣቦታት እሞ ኣብዚ እዋን እዚ መን ተቓወምቲ መንከ ናይ ተቓወምቲ ተቓወምቲ እናተገልሄ (እናበርሄ) ይረኣይ ስለ ዘሎ ነታ ከም መወዳእታ ጠላዕ ሸፋቱ ህግደፍ ክጣልዕዋ ዝደልዩ መንውሕ ህላዌ ዕድሜኦም ብዘይወዓል ሕደር ከነተግብራ ንግደድ፡፡
ንሳ ኸኣ!
እዚ ኹሉ ሃሮምሮማትን ቅድድማትን እኩባን ሸፋቱ ህግደፍ ህላዌኦም ኣብ ምብቃዕ በጺሑ ከም ዘሎ ርዒዶም ዘብልዎ ጠፊኡዎም ስለ ዘሎ ካብ ተቓውሞና ዘይኮነ ካብ ዓለማት ናይ ጥፍኡ ጸቕጥታት ክሳዕ ፍጹም እገዳ ይወሰነሎም ስለ ዘሎ፡ ኣብ ዝሃደሙ ሃዲሞም መዕለቢ ስለ ዘይረኽቡ እታ እንኮ ምርጫኦም ብዝሔ ሰልፊ ፈቒድና ኢሎም ንጽላሎቶም እዛ ሕጂ በብሸነኻ ጸኒሐ ኣብ ሓደ ትጥርነፍ ዘላ ውላዶም “ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ” እንተኣሽረፍካያ ኸኣ (ሰውራዊ ባይቶ- ሰልፊ ደሞክራሲ- ህዝባዊ ምንቅስቓስ እታ ጉርሽርሽ ዝበለት ብወዲ ጓል ባርባ እትምራሕ ኣብ ውሽጢ ግንባር ሃገርዊ ድሕነት ኤርትራ ተሸጎራ ዝጸንሔት) ከም ተቓዋሚ ውድብ ኮይኖም ክኣትው እሞ እስኪ ይፈተኑ ተባሂሉ መጽንሒኦም ንምኽኣል እዩ፡፡
እዚ ፈሊጥና፡
ንሕና እቶም ንሸፋቱ ህግደፍ ብቋንቋኦም (ብምዝባጥ) ክንኣልዮም እንደሊ ኣብ ሓደ ተርኒፍና ፖለቲካዊ ኣረኣእያና ኣወንዚፍና ንእተን ሰራዊታት ዕለት ብዕለት ብምዝባ ዓሳክር ሸፋቱ ጸባ ዘስትያና ዘለዋ ኣብ ሓደ ስትራተጅካዊ መርሖ ተጠርኒፈን ብሓባር ጸረ ሸፋቱ ዝምክታሉ ከይተዓማመጸ ከይተጓናነጸ ማዕረማዕረ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዘን ዝጓዓዛሉ ባይታ እቲ ብዕለት 18/07/2009 ዝተኣወጀ ቅዱስ ኣዋጅ “ደሞክራሲያዊ ግንባር ብሄራት ኤርትራ” ጠርናፊና ኾይኑ ዘመክተና ዘቃልሰና ክኸውን ፍሉጥ ኣድራሻና ምዃኑ ዘረጋግጸሉ ብዘይ ወዓል ሕደር ግዱሳትን መራሕቲ ውድባትን ሓለፍቲ ሰራዊትን ተኣኪብና ቅኑዕ ሓበራዊ ረብሓ እንእውጀሉ ጉባኤ ንጸውዕ፡፡
እቲ ተላፋዓይ ሓይሊ፡
ናይ ደምበና ደምበ ተቓውሞ ኾይኑ ምስ ዝድንፍዕ፡ እዚ ውጥን ደዋያት ጥውይዋያት ምስ ጃንዳ ሸፋቱ ህግደፍ ሕሹኽሹኽ እናተበሃሃለ ኣዘንጊዑ ከረክበና ዝሓልም ዘሎ ስርርዕ ከኣ ምስ ጎይቶቱ ተጸፊዑ ዝሓቀሉ ውጽኢት ከም ንገብር ጥርጥር የልቦን፡
ተለዓል ኩናማ
ተለዓል ናረ
ተለዓል ዓፋር
ተለዓል ትግረ
ተለዓል ቢለን
ተለዓል ሳሆ
ተለዓል መንሳዕ
ተለዓል ትግርኛ
ተለዓል ግንባር ድሕነት፣ ተለዓል ሳግም፣ ተለዓል ኣስላማዊ ምንቅስቓስ ተለዓል ኩልኻ ወዲ ሃገር ኢልና ንጠርነፍ ንምጉሓፍ ወይጦታቱን ንባዕሉን ህግደፍ ግዜ ኣይነጥፍእ ብቕልጡፍ ንተሓቛቖፍ፡፡
ብስራትኩም እናተጸበኹ
ሰናይ ቅነ
ብወደባት፡ ግርማይ ኪዳነ (ወዲ ፊሊፖ)
ሚላኖ-ኢጣልያ
ርእይቶታትኩም ኣብ ኢ-መይል
This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it ልኣኹ፡፡




