• Increase font size
  • Default font size
  • Decrease font size
Start
ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ - ደግሓኤ - ዝዝርጋሕ ርእሰ ነጻነቱ ዝተሓለወ ዌብሳይት - ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ - ንሓድነት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ብምድልዳልን ንሸቶታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ብምዕዋት - ደሞክራስን ማሕበራዊ ፍትሕን ሰላምን ራህዋን ዝሰፈና ኤርትራ ንምርግጋጽ ይቃለስ - An Independent Website Distributed by Democratic Front for Eritrean Unity –DFEU - Anti Dictatorial Regime PFDJ - Embolden Unity of Eritrean Democratic Alliance - and struggle to accomplish the aims of Eritrean National Council for Demonratic Change in order to establish an Eritrea with Democracy, Social Justice, Peace and Prosperity.

ብተኽለሰንበት ተኽላይ ኣብ ፓልቶልክ ዝቐረበ መደረ

E-mail Print
User Rating: / 0
PoorBest 

ኣብ Paltalk “Eritrean Room for Strong & United Opposition” ዚቐረበ መደረ ብTeclesenbet Teclai Bonn, 29 August 2009

ካብ ፍልልያትካ ኪቕሰም ዚከኣል ትምህርቲ ማሕበራዊ-ሓድነት

ምህናጽ ሃገር ከቢድ ስለ ዚዀነ፣ ንሕና ኤርትራውያን ከአ ተመክሮና ናብኡ ጌና ውልዶ ብምዃኑ፣ እዚ ኣርእስቲ እዚ ብዙሕ ከዛርበና ባህርያዊ እመስለኒ፡፡ ምህናጽ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ እሞከአ ብዚያዳ፡፡ ምህናጽ ሃገር ብማንካ ከይተላዕሎ፣ ሃገር ብዓንዳርእሳ ብምልኪ ስለ ዚተዓፈነት ከአ፣ ምህናጽ ኤርትራውነት/ኤርትራ ኣዝዩ ተሐላሊኹ አሎ፡፡ ምልኪ ንምስዓር ይኹን መስርሕ ምህናጽ ሃገር ንምቕጻል ኵሉ ክንረኽቦ እንኽእል ኤርትራዊ ኃይሊ ከም ዘድሊ ብሩህ ክነሱ፣ ብኣንጻሩ ከምዚ ናይ ሎሚ ናይ ተቓውሞ ውድባትና ዘሎ በበይንኻ ጕዕዞ ምውሳድ ከአ፣ መዋጽኦን ምኽርን ዜድልዮ ስጊንጢር ነገር ኰይኑና አሎ፡፡ ከምኡ ስለ ዚዀነ ከአ እዚ ጕዳዩ ንብዙሓት ደቂ-ሃገር ኪሳቒ ይርከብ፡፡

ንቊርቊሳት ፍልልያትና ብኣብነት ንምብራህ መታን ኪክአል - ማለት ከም መእተዊ ናብ ኣርእስትና - ሓደ ድግም--ድግም ክዝርዝር መዲበ ስለ ዘሎኹ፣ ምሳይ ሐቢርኩም ብጽሞና ኪትከታተሉ ከአ ብትሕትና አማሕጽን፡፡

ክልተ ዚተፋቐሩ ወዲን-ጓልን፣ ወለዶም እውን ንፍቕሮም ስለ ዚሐበርዎ፣ ብቃል-ኪዳን ክጽምበሉ አብ ምድላው ውራዮም ነበሩ፡፡ እዞም ፍቑራት መንእሰያት ንበብውሽጦም ዚነበሮም ምስ መጻኢ ዚተአሳሰረ ሰሃሮ፣ ዋል ብሐደ ኮፍ ኢሎም አይመያየጥሉ ድአምበር፣ ማለት ነፍሲ ወከፎም ብውሽጡ ሳሃሮ ስለ ዚሐደሮ፣ ብተናጹል እቲ ወዲ ነብኡ፣ እታ ጓል ከአ ነዲአ ፍቕሮም ክዳብረሎም መታን፣ ምኽርን ማዕዳን ካብ ዚተጠቕሱ ወለዶም ተወከሱ ይበሀል፡፡ ወለዶም ዚለገስሎም ማዕዳን ምኽርን ከአ ከምዚ ዚስዕብ ይመስል ነበረ፡፡

 ማዕዳ ኣቦ ንወዶም፦ ባህረ-ጓል ከም ናይ ኣዴታታ፣ ናይ ወዲ ከአ ከም ናይ ኣቦታቱ እንድዩ ወደይሲ! እሞ ሓንትስ አጽኒዕካ ድአ ሐዞ እምበር ምኽረይን፣ ምኽሪ ቅድመይን፣ ምኽሪ ቅድሚ-ቅድመይንሲ  እንሆ - ርኸብ አይትስአን - ክብሉ ወላዲኡ ዘረባኦም ጀመሩ፡፡  ብምቕጻል ከአ በሉ አቶም ኣቦ፤ እሞ ከምቲ ኣዴኻ ምሳይ፣ ኣደይ ከአ ምስ ኣባሓጎኻ ዚነበረ ወግዒ፣ ሰበይትኻ  እውን ከምኡ ምሳኻ ተመሳሳሊ ባህሪ ከተርኢ ግድን ኢዩ፡፡ ነዚ ባህሪ’ዚ ብድሌት ዚቕይሮ ከአ ዋላ ሐደ ካባና’ኳ የሎን፤ ብጥበብን ብዓቕልን ግና ንባህረ-ጠባይ ብጸይትኻ ክትርድኦ ይከአል’ዩ፡፡ ንኣብነት በሉ ወዮም ወላዲ፣ ንኣብነት ሰበይትኻ ሃንደበት ብብኽያት እንተ ተነኽነኸት፣ ንስኻ አይትሰምብድ፡፡ ብቀጥታ ምስ ተግባርካ  ዚተአሳሰር ጕዳይ የብክያ ከም ዘየሎ ከአ አስተውዕለሉ፡፡ ልዕሊ ዅሉ ከአ ምኽንያቱ ክትፈልጥ ኢልካ አይትደፋፍአያ፤ መልሲ አይክትረኽበሉን ኢኻ፡፡ ንባዕላ’ውን ነቲ ቀጨውጨው እንታይ አምጺኡዎ አይትፈልጦን ኢያ፡፡  ብዝበለጸ ፍቕርኻን ሙቖትካን ጥራይ አርእያ ...ወዘተ ክብሉ ተመክሮኦምን ምኽሮምን ንወዶም ለገስሉ፡፡

ማዕዳ ኣደ ከአ ንጓለን፦ ሰብኡት በጠማምታ ኣንስቲ ሲግንጥር ኰይኖም ዚርአይሉ ሓያሎ ነገራት አሎ፡፡ ብርግጽ ከአ እቲ ሓደ ወይ ካልእ ባህርያት ናትና-ናይ ኣንስቲ እውን ንኣታቶም ግር የብሎም የኸውን’ዩ፡፡ መቸም „ሰብኣይን ደሊኽን ጭሕምን ጸሊእክን“ ተባሂሉ ተመሲሉ እንድ’ዩ ጓለይሲ! እሞ ከም ዘለዎ ተቐበልዮ እየ ዝብለኪ ዘሎኹ፡፡ ሓሐሊፎም ሰብኡት ከም ዝመነኑ ባሕታውያን ንበይነይ ዘብል ነብሳት ዚሰፍሮም ዚመስለካ ግዜ አሎ’ዩ፡፡ ብርግጽ ከአ ሰብአይኪ „ሰላመይ ሃብኒ!“ ኢሉ ከም ባሕታዊ ምስ ነብሱ እንተ ተቖራቖሰ፤ ከቶ ንስኺ ገለ ነገር ስለ ዚገበርኪ ወይ ካብ ክትገብርዮ ዚነበረኪ ነገር ስለ ዘጕደልኪ አይኰነን፡፡ ብዚዀነ ካብ ንፍቕርስ ንጽሞና ናጽነቱ ገይሩ ካብ ወሰዳ፣ ንጽሞና እውን ግዜ ምሀባ ንፍቕሪ ብርግጽ ዕድል ይኸስት ኢዩ፡፡ ኵሎም ክብርታት ኣንስቲ ክብርታት ሰብኡት አይኮኑን፤ ክብርታት ሰብኡት እውን ንኣንስቲ ከምኡ ግድን ክብርታተን አይኮኑን፡፡ እሞ ንበዓልቤትኪ -ንአኺ ብዚመስለኪ - ክትቅይርዮ ከይተመጣጠርኪ ከም ዘለዎ፣ ማለት ምስ ነጥበ-ብርትዐን  ድኽመቱን ተቐበልዮ ... ክብላ ንጓለን ምኽረን ለገሳ፡፡

ቀጺልና ካብ ንጽል ኣብነት ናብ ማሕበራዊ ብምኻድን ብምትዕጽጻፍን፣ ማለት ካብዚ ናይ ሐደ-ስድራቤት መረዳእታ ነቒልና፣ ኵነታት ህዝብና ክንርኢ ኢና፡፡ እሞ እስኪ ካብዚ እዞም ክልተ ለባማትን ምኩራትን ወለዲ ዚሀቡና ምኽርን ማዕዳን ገለ ንማሕበራዊ ጸገማት ኤርተራና ዚጠቅም ጥበብ ንምርካብ ሐቢርና ሀሰስ ንበል፡፡ ሽግር ዘምጻአልና ዚመስል ልምዲ እንታይ ኢዩ? ልሙድ ክንገብሮ ዝድለ ዘሎ ጠባይከ እንታይ ይመስል? ብቀዳምነት፣ ከም ውልቀሰባት ይኹን ከም ኣባለት እንዳ ንነብስናን ንተግባርናን ብሸለልትነት ዘይምርአይ፤ ወይ ጕድለትካ አቐሚጥካ ናይ እንዳማትካ ዘይምጥማት፡፡ ካልአይ፣ መንቀል-ሓሳባትና እገለ ወይ እገሊት ዘይኰነስ ዕላማ ይኹን፡፡ እምበአር አብዚ ከም ኣብነት ዝሬአናዮ ናይ ሐደ-ስድራቤት ኣብነት እቲ ሓደ ናይቲ ካልእ ሕጽረታት ንምጽብጻብ አይነበረን፡፡ ሰብአይ ካብ ሰበይቲ፣ ወይ እውን ሰበይቲ ካብ ሰብአይ፣ ዚተፈልየ ስነ-ኣእምሮኣዊ-ኵነት ከም ዘለዎም ንምብራህ እውን አይነበረን፡፡ የግዳስ (፩) ሕጽረት ኣመለኻኽታኻ ንምእራም (፪) ነቲ መንጽርካ ወገን ከም ዘለዎ ንምቕባል (፫) አብ ዘራኽበካ ቊምነገራት ሐቢርካ ንምስጓምን ገግዴኻ ንምግባርን (፬) ኵሉ ነገር አብ ጽቡቕ ድሌት ጥራይ ንዘይምግዳፍ፣ የግዳስ ብጻዕሪ ዚተዓቚቡ ቊምነገራት/መኽሰባት ከም ብሌን-ዓይንኻ ንምሕላው ...ወዘተ ኢዩ፡፡ እቲ ዚዐበየ ኤርትራዊ መኽሰብ ሎሚ እስከ ንበል ናጽነትና ኢዩ፡፡ ውሕስና ናጽነትና ከአ ቅዋምነት ምዃኑ ውሁብ ንውሰዶ፡፡ ብሓባር እነማዕድዎ ላዕላይ ዕላማ ሕጋዊትን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ምህናጽ ምዃና ከአ ኩላትና ንሰማማዕ፡፡ ብርግጽ ከአ አብ ትሕቲ ሕጋዊትን ዲሞክራስያዊትን ሃገር ዚሽቚረር ወገን ካባና ከም ዘይህሉ ቅቡል ነገር ጌርና ክንወስዶ ጸገም ዘምጽአልና አይመስለንን፡፡ ካብዚ ቀጺልና እምበአር፣ ሎሚ ኵሉ ሸነኻት ኤርትራ ቆሲሉን ረቒቑን ምህላዉ በዚ ኸአ ተነቃፊ ምዃኑ ከይረሳዕና፣ ናብ ማሕበራዊ ኵነታትና አቢልና ጋእ ንበል፡፡

ሽግር ኤርትራ ቀደም ይኹን ሎሚ ሓድሕድካ ካብ ዘይምፍላጥ ዚምንጩ’ዩ እንተበልኩ ካብ ሓቂ ዝረሐቕኩ አይመስለንን፡፡ ከምቲ ዝበሃል፣ ሓንቲ ካብ ኢትዮጵያ ዝነቐለት ጋንታ ናይ ጦር-ሠራዊት ነቲ ዚነበረ (ፈደራላዊ) ቤተ-መንግስቲ ኤርትራ አብ መወዳእታ 50ታት ብምኽባብ „እምቢ ያለ ሰው ጥይት አጕሩሰው“ ብምባል ሀዲዳቶ ይብሃል፤ ግደ ሓቂ ግና፣ ከምዚ ካብ ምባልሲ ሽዑ ኤርትራውያን ተዘራሪቦም ዚረዳድእሉ ቋንቋ አይነበሮምን ክትብል ምቐለለ እመስለኒ፡፡ ምናዳ’ኳ ኤርትራ ብብዝሒ ይኹን ብተመክሮ፣ ማለት ብተዘምዶ፣ ካብታ ጋንታ-ጦር ዚዓቢ ሓይሊ-ፖሊስ ከም ዚነበራ ክትዝክር ከሎኻ፣ ጸገምና ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይምንባራ ይበርሀልካ ኢዩ፡፡ ጠንቂ ናይታ ጋንታ ንኽንእርም ስዒቡ ኣማኢት ኣሽሐት ዜጋታት ከም ዘሰዋእና ክትዝክር ከሎኻ ከአ ጸጸኒሑ አብ ልዕሊ ኵሩዕ ህዝቢኻ ዘሎካ እምነት ሰንከልከል ዘብል ኢዩ፡፡ ብፍላይ’ኳ ድሕሪ እዚ ኵሉ ዋጋ ምኽፋል፣ ኤርትራ ብገለ ጸቢብ አጠማምታ ዘለዎ ጕጅለ ህግዲፍ ጅሆ ተታሐዛ ምህላዋ በቲ ሐደ ወገን፣ ህላወ ድኹም ተቓውሞ ከአ በቲ ካልእ፣ ክትርኢ፣ ብዘይ ቀል’ዓለም ሞራልካ ዚጽንቅቕ ኵነት’ዩ፡፡  ብሐደ ብምስዋእን ብምስንካልን ዚስገር ዚመስለና ዚነበረ ፍልልያት ደቂ-ሃገር፤ ኮታ ከም ተጋደልቲ መጠን ቁሸትናን አዝማድናን ዕሺሽ ብምባል፣ ማለት „ዓድናን ቤተ-ሰብናን ኤርትራ’ያ“ እንዳጨራሕና ክንነጥሮ ዚፈተና ህቡብ ተመክሮ፣ ሎሚ ውጽኢቱ አረበሽቶ ኰይኑ ተሪፉ’ሎ፡፡ ክሳዕ ዕለተ-ሎሚ እታ ናጻ ዘውጻእናያ ሃገር ገለ-ገሌናስ ተመሊስና ከይርአናያ ንእስነትናን ሓይልናን ተሐሺሹ ክተርፍ ከአ ሲግንጢር ነገር ኢዩ፡፡ ብሐፈሻኡ ድማ እቶም በዝን ከምኡን ብዝያዳ ውላዶምን ዓዶምን ዚነደዩ ሸነኻት ኤርትራና ገና ድሕሪ ስዕረት መግዛእቲ ኢትዮጵያ እንተኰነ’ውን ስደተኛታት ኮይኖም ምትራፎም፣ ንሕልና ዘለዎ ሰብ ሰላም ዚኸልእ ኢዩ፡፡ እሞ

1.      ስለምንታይ ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱ ብስርዓት ህግድፍ ተመንዚዑ …?

2.     ስለምንታይ እዩ’ኸ ሓያል ተቓውሞ ክንተክል ገና ሸጊሩና ዘሎ …?

3.     መላኺ ስርዓት (ህግደፍ) ብፍኑው ኣገባብ ቃልሲ ክሳዓር ይካኣል ዶ …?

ብወገነይ ነዚአቶምን ንካልኦትን ሕቶታት ንምምላስ ብዕምቆት አብ ማሕበራዊ-ቅርጻ (ከበሳን መታሕትን) ኤርትራ ወሪድካ ምትንታን ኣቋሪጽካ ዘይትሰግሮ ጕዳይ ኰይኑ ረኺበዮ፡፡ እዚ ክልተ ወገናት ንባዕሉ አብ ወውሽጡ ዚነብሮ ፍሉይነት/ ፍልልያት ግና ደቀቕቲ ብምዃኖም ክንሰግሮም ኢና፡፡ ስለምንታይ ነቲ ጀብሃን ሻዕብያን ዚብል በዳሂ ተመክሮ አኳሊመ ናብ ከበሳን መታሕትን ይአቱ አሎኹ ናብ መደምደምታ ከብርሆ ክፍትን’የ፡፡

ማሕበራዊ ቅርጻ ከበሳ/ክርስትያን ኤርትራ

1. ሕቶ ዋንነት፦ ከበሳ ኤርትራ መነባብሮኡ ምስ ሕርሻ ዚተአሳሰረ ኢዩ፡፡ ግራቱን ቊሸቱን ከአ ብወረጦ ካብ ህይወቱ ክተፈልየን አሸጋሪ ኢዩ፡፡ ብካልእ ኣዘራርባ ሕቶ ዋንነት ዓንዲ-ማእከል ናይ ህይወቱ ብምዃኑ፣ ካብ ዓዱን ቊሸቱን ወይ ከም እተባህለ ካብ ንብረቱ ክትንጽሎ ምናልባት ሬሳኡ ክትሳገር ክህልወካ ኢዩ፡፡ እዚ ማለት ከአ አብ ከበሳና ካልእ ፍርዙን ጸጋታት ከም ሰብአዊ-መሰል፣ ፍትሒ ...ወዘተ ድሕሪ ንዋታዊ ነገራት ኢዮም ዚስርዑ፡፡ ሓረስታይ ከበሳ ብመሰረቱ መታን አብ ቊሾቱን ግራቱን ክሰፍር፣ ዚነገሠ ንጉሥና ዚበረቐ ጸሓይና ብምባል ተመሳሲሉ ክሐድር ይፍትን ኢዩ፡፡ ንህዝቢ ከበሳ ክለተ ደቁ ከም መጠን ናይ ሽዑ ተጋደልቲ „ጀብሃዶ ሻዕብያ ትመርጽ“ ብምባል አብ መቓቕሮ ነእትዎ ኣብ ዚነበርናሉ ህሞት፣ ተገዲዱ ዚህቦ ዚነበረ መልሲ፡ „ሰሜናዊ ባሕሪ ዚሐዘ ንአና ብክጎረሮና ሐዘ ኢዩ’ሞ ምስ ሰብ-ባሕሪ ወጊና አሎና“ ዚብሉ ሓያሎ ዓድታት ካብኣቶም የጋጥሙና ነይሮም፡፡ አብቲ ባህሊ ዕምቆት ንዘለዎ ካባና ከአ መልእኽቲ ከበሳ ፍሉጥ ኢዩ፡፡ ክልቴና ደቁ ስለ ዝዄናዮ’ውን አይነበረን፤ ከምኡ እንተዚነብርሲ ንንጉሠ እልፉ ዚተባህለ ሹመኛኦም አብ ሕሉፍ ታሪኾም ባዕሎም አይምቐተሉን ነይሮም፡፡ ንሶም ከም ዚተባህለ ምሰታ መሬት ተረፍቲ ብምዃኖም፣ ሕጂ እውን ይጥዓም ይሕሰም ምስቲ መሬቶም ዚሐዘ ክመሳሰሉ ምዃኖም ኢዮም ሐቢሮም፡፡

2. ሕቶ ዕጥቂ፦ ከበሳ ካልእ ከም ሕርሻ ብወኒ ዘፍርይሉ ሸነኽ ውትህድርና ኢዩ፡፡ ኣብዚ ከበሳና ንዕላማ-ዕጥቂዶ ንዕጥቂ ዘሎዎ ኣድናቖት ይዐቢ ፈላሊኻ ምቕራቡ አሸጋሪ ኢዩ፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ሓደ ዛንታ ክነግረኩም፡፡ ካብ ባርካ (ማለት ካብ ተክሬረት) ንከበሳ ኣግማል ከሰንዩ ብኡ አቢሎም ከአ ስድራቤቶም ክርእዩ ዚተላእኩ ሓረስቶት-ተጋደልቲ ዕጥቆም ብጀካ ገለ ከላሽናት ካልእ አረገውቲ ጓንዴታት አብ መገዲ ቀቢሮሞ ከም ዚደየቡ ተፈሊጡ፣ ምስ ተመልሱ ተሐቲቶም ክምልሱ ከለዉ፤ ንመርዑትናን ቊሾትናን ድሕሪ ክንደዚ ዓመታት ጠፊእናዮም ጸኒሕና ከነብቅዕ ከምቲ ናይቶም አብ ወውሻጤኦም ከለዉ ብጃንሆይ ዚተሐንገጡዎ - ማለት አፈድስቲ  - ሒዝና ነንቊሸትና ክንቃላዕ አይደሌናን፣ ዚብል መልሲ ኣቕረቡ፡፡ እዞም ዚተጠቕሱ ተጋደልቲ ካብ ቃሎም ከም ዚበርሀ፣ ስምምዖም፡ ከይተፈላለዩ ብሐደ ዓዲ-ዓዲ ክአትዉን ነቲ ዓዱ ዚአትውዎ ዘሎዉ ተጋዳላይ ካብአቶም ናይ ግድን ከላሽን ከዕጠቕዎን ጌሮም፡፡ አብዚ እተን ንድሕሪት ቀቢሮም ዘትረፍወን ጓንዴታት አብ ኢዶም ዘይብሎም ጸላኢ እንተዘጋጥሞም ናይ ሞትን ሕየትን ጌጋ ከም ዚገበሩን፣ ናብ ቦትኦም ምስ ተመልሱ ሥነ-ሥርዓታዊ መቕጻዕቲ ከም ዚወርዶምን አይነቕሑሉን ነይሮም ማለት አይኰነን፡፡ የግዳስ ስነ-ኣእምሮአዊ ዕግበቶምን ዕግበት ኣቚሻቶምን ከምኡ ስለ ዚዀነ ኢዩ፡፡ እቲ መራሕ መስርዖም ንግዜኡ ስሙ ዘይዝክሮ (ወዲ ሃዘጋ) ከአ ይብል፤ ንሰበይቱ አብ ግዜ ድቃሶም እታ አብ ትርአስ ንእዲ ተጋዲማ ዚነበረት ካላሽን 30 ጠያይት ኣድራጋ ከም ትፍኑ፣ እሞ ንሰብአይ አብ ክልተ ጨንዲሐ ከም ዓንደ-ገመል ንክልተ መኣዝን ከም ትዝርግሖ ምስ ነገራ፣ ሰበይቱ ኵሉ ሽግራታ ተረሲዑ ከም ዚዓለለትሉን ብዘይ ቊጭምጭም ናብ መደቡ ከም ዘፋነወቶን ሐቢሩ፡፡

3. ሕቶ ጠርቂ፦ ንከበሳዊ ካብ ንቤተ-ክርስትያኑ ክሳዕ ንጥሪቱ ጠርቂ ንሹመኛ ከፊልካ ምንባር ውሁብ ነገር ኢዩ፡፡ ካብዝን ካልእን ምኽንያታት ከበሳ ንመራሕቶም ዘለዎም ከበሬታ ካብ መታሕት ሰማይን መሬትን ኢዩ፡፡ አብ ተመክሮይ ምስ ገባር ባርካ ይኹን ምስ ገባር ከበሳ ብጕዳይ ምጕዕዓዝ እኽሊ ሠሪሐ፡፡ ምስቶም ቀዳሞት ካብ ግርማይካ ንተክሬረት ምስቶም ካልኦት ከአ ካብ ተክሬረት ንዓንሰባ ኣሽሐት ኮነትል ናብ ብጥሜት ዚተጠቕዐ ህዝብና ንምብጻሕ ብሐላፍነት ተኸታቲለ፡፡ ነዚ ዕላማዚ አብ ግብሪ ንምውዓል ከአ ንገመል 15 ጅነ ሱዳን እናኸፈልኩ፣ ኣግማልን ዋናታተንን ካብ ባርካ ይኹን ካብ ዓንሰባ (ካብ ከባቢ ሸበቕ) ብምክራይ፣ አብ ዳሕረዋይ ክፍላ 1975 ምስ ዚተጠቕሱ ገባር ብዕዮ ተዛሚደ፡፡ ንተሓኤ ናይ ሽዑ መንግሥቲ እንተወሲድናያ ከአ ገባር ከበሳ ነቲ ገባር ባርካ እናፍሰስዎ ዚመጹ አኻይሽ ሸረቦምን ረቂዖምን ክሰቕልዎ ክትርኢ ከሎኻ ንባዕሉ ክልተ ዓለማት ከም ምርአይ ኢዩ፡፡ ብዝዀነ ንስለ ኣብነት ምጥቃስ ዚአክል እዩ እምበር ብዓቢኡ ክንአትዎ ኢና፡፡ ናይ ባህሊ ጽልዋ አብ ልዕሊ ሥራሕ ንምርዳእ ግና ንኣይ ሓጋዚ ተመክሮ ነይሩ፡፡

ማሕበራዊ ቅርጻ መታሕት/ኢስላም ኤርትራ

1.     ሕቶ ዋንነት፦ መታሕትና ብፍላይ ኢስላማዊ ሸነኻትና መነባብሮኡ ምስ ጕስነትን ጥንታዊ ንግድን ዚተአሳሰረ ኢዩ፡፡ ጥሪትካ ከብኪብካ አብ ዚለምዐን ዚጠጥዕን ወይ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምዝውዋር ከአ መሠረት ኣነባብረኡ የቕውም፡፡ ብመንጽር ከበሳ እንተሬአናዮ ከአ ኣነባብራኡ ምስ ግራትን ቊሸትን ዚተአስረ ዘይምዃኑ ኢዩ፡፡

2.    ሕቶ ዕጥቂ፦ ዕጥቂ አብ መታሕት ብዙሓት አድነቕቲ የብላን፡፡ ዕጥቃዊ ተመኵሮታት እንተነይሩ’ውን ካብ ምክልኻል እንዳ ዚሐልፍ አይመስለንን፡፡ ካብኡ ናብኡ እቲ ምስ ከበሳ ዚዳወብ ሸነኻት ብዝያዳ ጕዳይ ዕጥቅን ዲስፕሊናዊ ጥርናፈን ከም ዘገድሶ ከአ ርኡይ ነገር ኢዩ፡፡

3.    ሕቶ ጠርቂ፦ አብ መንጎ ሩባ ባርካን ዓንሰባን (ሸነኽ ዶብ-ሱዳን) አብ ዘሎ ከባቢታት ዚነብሩ ጓሶት-ሰብኡት ግደፍዶ ክግብሩስ ምእታው ኢትዮጵያ አብ ኤርትራ’ውን ፍጹም ዘይፈልጡ ምንባሮም ንካልአይ ውድባዊ ጕባኤ ተሓኤ አብ 1975 እናተጓዐዝና ንአይ ብኣካል አጓኒፎምኒ፡፡ መታሕትና ካብ ትካላት-ሥልጣን ክግበረሎም ትጽቢት ከም ዘለዎም እውን ብዓቢኡ አብ ተመክሮ ተ.ሓ.ኤ. ርኡይ ነይሩ፡፡ ብእኡ ደረጃ አብ ውድባዊ ስርርዓትና እውን አብቲ ንውድብ ዚኽፈል ወርሓዊ ውጽኢት ዋላ አብቶም ከተመኛታት ከከም ዚመጽሉ ከባቢ ፍልልይ ከም ዘሎ ትርኢ፡፡ እቲ ታሕተዋይ ጽፍሒ ንመሳጊዱ ይኹን ንሹመኛታቱ ናይ ምኽፋል ተመክሮ ድሩት ክኸውን አለዎ፡፡ እዚ ናይ ባዕለይ ሥነ-መጎታዊ መደምደምታ ኢዩ፤ ግና ናብ ከምኡ መደምደምታ ዚደፍአካ ብዙሕ ኣብነታት አሎ፡፡

ወዲ ሰብ ድኽመታቱ ክትሕብሮ ከም ዘይፈትወልካ ብሓፈሻኡ ውሁብ ንውሰዶ፡፡ ሕ/ሰብ እውን ከምኡ’ዩ፡፡ ግና ሓያል ሰብ፣ ከምኡ’ውን ሓያል ሕ/ሰብ ከአ አሎ፤ ማለት ንነጥበ-ድኽመቱ ተቐቢሉን አለልዩን ናብ ብርትዐ ዚሰግር፡፡ አብዚ ናተይ ሃረርታ ከአ ኤርትራን ኤርትራውያንን ኃይልን ጽንዓትን ረኺቦም ናብ መገዲ ሓድነትን ምዕባለን አቢሎም ብሓደ ክምርሹ ኢዩ፡፡

አብ ላዕሊ ብዝተፈላለዩ መርትዖታት ከም ዝረኤናዮ ህዝቢ ከበሳ ብቐሊሉ ንሹመኛ ክስዕብን ክእከብን ክኽእል ከሎ፣ ህዝቢ መታሕት ግና አብኡ ሽግር ከም ዘለዎ ርኢና፡፡ አብ ከበሳ ካብ ማእከልነት ወጺኡ ዚሐስብን ክጓዓዝ ዚፍትንን ሸነኽ ዕድል ከም ዘይብሉ ንርኢ፡፡ ማለት ውልቀ-መሰል ዕድል የብሉን፡፡ ነዚ መጎት እዚ አብ ጥርዚ ከነብጽሖ እንተተደልዩ ከአ፣ አብ ከበሳ ንዋንነትን ንማእከልነትን ናጽነትካ ክትስለብ ቀረባ ክኸውን ከሎ፣ ኣብ መታሕታዊ ሸነኽ ከአ ነኒውልቀ ናጽነት ክትጠማመት ክትብል መሬትካን ዓድኻን - ምናልባት’ውን ሃገር ብዓባያ - ክትስእን ከም ዚከአል ንርኢ፡፡ መቸም ንምልኪ ብፍንዉነት አይትቃለሶን ኢኻ፤ ስለዚ ክልቲኡ ጥርዚታት ክንሃርሞን መንጎኛ መገዲ ክንረኽበሉን ክህልወና ኢዩ፡፡

መታሕትና ይኹን ከበሳና ብቐዳምነት ነናይ ወገኑ ድኽመት ከለሊ ከምኡ ሓደ ካብአቶም ንዕኡ ሲግንጢር ብዝመስሎ ኣገባብ እቲ ካልእ ክኸይድ ከሎ ንሱ ብዅሉ ትዕግስቲ ክርዳእ ክፍትን አድላዪን ጠቓምን መገዲ ኢዩ፡፡ ሰብ ወይ ሕ/ሰብ ሳሕቲ ከም ተጻይ-መልሲ’ኳ ህልኻዊ ስጕምቲ ዚወስድ እንተዀነ ከም ሥርዓቱስ ባህርያቱን ዕግበቱን ስለ ዚዀነ ኢዩ ከምቲ ዚኸዶ ዚኸይድ፡፡ ስለዚ ነቶም ዚዓስሎም እንተዐሰለ ወይ ብአንጻሩ ዕሰል ኢልካዮ እንተአበየ እቲ ጕዳይ ብዛዕባኻ ዘይኰነስ ብዛዕባኡ ምዃኑ ፈሊጥካ ምርጫኡ ከተኽብረሉ ኣገዳሲ ኢዩ፡፡ ንስኻ“ወን ነዚ አለሊኻ ጥቕምታትካ አትኣሳሲረካ ኣብ ፍርቂ መንገዲ ክትራኸቦ አሎዃ። ዋላ አብቲ  ሓደ ዓሌትን ሃይማኖትን ዘለዎም ሃገራት ከም በዓል ሶማልያ እንተወሲድና ንተናጹል ሓለፋታት (መሰል) ክመጣጠሩ ሃገር የጥፍኡ ምህላዎም ምርዳእ ከቢድ አይመስለንን፡፡ ብዘሎን ብዘየሎን ዓረም-ጸላኢ ፈጢርካ’ውን ነዊሕ ብሐደ ትጓዐዝ አይመስለንን፡፡ ስለዚ ብቕዓት ምስ እተጥሪ ጥራይ ኢዩ ዝዀነ ነገር መድኃኒት ዝርከቦ፡፡

መደምደምታ፦ ምልኪ፣ ከምቲ ገለ ድሒሮም ካብ ከቢድ ድቃሶም ዚተባራበሩ ኣባላት ህግዲፍ ነበር ከእምኑና ዚፍትንዎ፣ ብ2000 ዓመት-ምኅረት ብሃንደበት አይተወልደን፡፡ ድሕሪ ምጭባጥ ናጽነትና አብ 1991 እውን አይጀመረን፡፡ የግዳስ ንነዊሕ ክጸፊ ዚጸንሐን ነዊሕ ሰራውር ዚተኸለን ባህሊ ኢዩ፡፡ እዚ ብዓንተብኡ ናይ ኣባጽሕ ገማግም ሰሜናዊ ባሕሪ ናይ ተረጋም ልምዲታት፣ ማለት ናይ ምቊንጻብን ምድሃልን ባህሊ፣ አጽኒዑ ዚተበገሰ ኃይሊ ኢዩ፡፡ ነዚ ነዚ ናይ ደቀ-ደቂ ወግዒታት መሊኹን ቃንዩን ስለ ዚኸአለ ከአ ናይ ሽዑ መሳቱና ናቶም ኃይሊ ጌሮም ክርዕምዎ ግዜ አይወሰዱን፡፡ ጕጅለ ኢሰያስ አብቲ ውድብ ካብ ፈለማ አትሒዙ ይሸይምን ይሸምምን ምንባሩ ክርሳዕ የብሉን፡፡ ቅድም ቀዳድም በቲ ጕጅለ ስሬኦም ዘዝለቑን ንብረቶም ዚተዘምቱን ሸነኻት ህዝብና ከአ ተወላዶ ናይዚ ንጠቕሶ ዘሎና ከባቢ ኢዮም፡፡ ብደቀ-ደቂ ጌርካ ንዓበይቲ ናይ ምጅጃው - እንተደሌኹም ከአ „ባህላዊ ሰውራ“ - አብ ክፍላ 70ታት ብርኡይ ይካየድ ነይሩ’ዩ፡፡ ዋላ ዓበይቲ መራሕቲ ከይተረፉ ብኢሰያስ ኣፈወርቂ ይግረፉ ምንባሮም ከአ ቅድሚ ደጊም ኣምባሳደር ናይ ኤርትራ ዚነበረ ኃው ኣድሓኖም ገ/ማርያም አብ ሕሉፍ ጽሑፋት ሐቢሩና ነይሩ፡፡ ብሰንኪ ምልኪ አብ ኤርትራ ኃው ምስ ኃዉ፣ ውላድ ምስ ወላዲኡ ዘይተሃላለኽን ዘይካሰስን ከአ ሎሚ ዳርጋ ይከሰስ’ዩ፡፡ ይኹን እምበር ህዝብና ክብሩን ዝምድንኡን ምብልሻዉ ምስ ምምጻእ ምልኪ አተአሳሲሩ ብንቕሓት ክርኢ ዚኽእል ግና አይመስለንን፡፡ ብዝዀነ ባህሉ ብባህሊ ህግደፍ ተዋሒጡ ኢዩ፤ ባህሊ ህግዲፍ ከአ ባህሊ ሓሶትን ቅጥፈትን ኢዩ፡፡

ንአይ አብ ተጋድሎ ሓርነትን ህዝባዊ ግምባርን ዚባሃላ ውድባት ተኸፋፊልና ምቅላስና ንቃልስና አካቢዱ’ኳ እንተዀነ፣ ምንጪ ሽግራትና ኰይኑ ግና አይስምዓንን፡፡ ንዕኡ ዘሻደነ ካልእ ፍልልያትና ኢዩ፡፡ ስለዚ ሎሚ ዋላ’ኳ ገለ በበይኑ ተመክሮ ዚጸንሖም ውድባት ብሐደ ክሠርሑ ምጽዓሮም ዚነአድ እንተዀነ፣ በዚ አቢልካ ፍልልያት ክጸብብዩ ኢልካ ክውሰድ እንተዀይኑ ግና፣ ንዲያብሎስ አቐሚጥካስ ንዕፋፎቱ ከም ምቅላስ ኢዩ፡፡ ስለዚ ደጊምና ጌጋ ንባብ ከይወሰድና ናብ ዘሕመና አቲና ንዛረብ፡፡ ስለ ዚዀነ ብዕግበተይ ሎሚ ንህግዲፋዊ ምልኪ ንምውዳቕ፣ ኩሉ ገዲፍናን ኢደይ ኢድካ ተበሃሂልናን ክንቃለሶ ክህልወና’ዩ፡፡  ከምቲ ዚተባህለ ግና ንምልኪ ብፍኑውነት አይትቃለሶን ኢኻ፡፡ ስለዚ ሎሚ ወውድብካ ከተዕቢ ምፍታን ናይ ሶማልን ኣፍጋኒስታንን ኣፋፍኖት ምሐዝ’ዩ፡፡ ናይ ውድባትና ናይ ሥልጣን ምውድዳር ግዜን ቦታን ክሕሉ አለዎ፡፡ ቅድም ብሐደ ተጠሚርና - ንኣብነት ብኤዲኪ ተማእኪልና - ንምልኪ ነሳጒግ፤ ከምዚ ብምልፋን፣ ማለት ከምቲ ብአፍን ብወረቐትን እንብሎ ብሐደ ሰፊሕ ሃገራዊ ግምባር ተማእኪልና ከአ ሥልጣን ናብቲ ዋንኡ ዚዀነ ህዝቢ ንምለሶ፡፡ ምስ ህዝብና ሐቢርና ከአ ሃገራዊ ቅዋም ነጋብእ፡፡ ማእከላውን ዲሞክራስያውን ሕጊ ተጠቒምና ከአ ድሒርና ውራይ ሰልፊታትና/ውድባትና ንገብር፡፡ ውድባትን መሪሕነታትን ኣብዚ መስርሕ ይኹን ድሕሪኡ ጽልዋታቶም ኣድላዪ ኢዩ፤ ሎሚ ግና ሕቶ-ቀዳምነት አለልዮም ሓደ ምእኩል ግምባር ክጽውዑ ይሕተቱ አለዉ ማለት ኢዩ፡፡

ከምቲ ኣርእስተይ ዚብሎ ካብ ሓድሕድ ተማሂርናን ብልጫታት ህዝብና አማዕቢልናን ምሥራሕ ኢዩ ዚድለ ዘሎ፡፡ እሞ ብሰላም አብ ቊሸትካ ክትሐድር ኢልካ ከምዚ ናይ ከበሳና ነገር - ማለት መሰልካ እናተጋህሰን ሰብካ እናተዳህከን ንመድረኻት ርእስኻ አብ ሑጻ ደፊንካ ክትሰግሮ ምህቃን - አብ መወዳእትኡ መሰልን ቊሸትን ብድምር ዘጥፍእ ድኹም ጎኒ ምዃኑ አለሊኻ ምቅላሱ፡፡ ስለዚ ካብቲ ናይ መታሕትና ናይ ሰብአዊ መሰል ብልጫ ምቕዳሕ፡፡ ብተመሰሳሊ አብ መወዳእታ-ኣልቦ ተመክሮ ምብዛሕ ውድባት ከምዚ ናይ መታሕትና ዘሎ ድኹም ጎኒ ሰጊርካ፣ ዓቢ ስእሊ ብምርአይ አብ ሃገር ምጥርናፍ፡፡ ስለዚ ካብቲ ናይ ከበሳ ብልጫታት  ናይ ጥርናፈን ፍቕሪ ሃገርን ልምዲ ምቕዳሕ፡፡ ብሐጺሩ ቆንጠጥ ኢልካ ዘዐወትካዮ ቻርተር ክትቅየደሉን ክትምእከለሉን ክት^ትግብሮን እንተ ዘይበቒዕካ ወጽኢቱ ንህዝብን ሃገርን ምርማስ ኢዩ፡፡ ትርፉ ከአ ንዕድመ ምልኪ አብ ኤርትራ ምግልጋል ኢዩ፡፡

እዚ ዎድሐንኩም!

ብዓቕልን ጽሞናን ዚሰማዕኩምኒ የቐንየለይ፡፡

መተሓሳሰቢ፦

ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ አብ ምብትታና ግዜ (1981) ክሳዕ 85% ካብ ተጋደልታ ክርስትያን ምንባሮም ብምዝኽካር፣ ንናይ ሽዑ ውድባትና ምስ መግለጽየይ ከም ዘይሳነ አብ ግዜ ሕቶን መልስን ንዘዛኸረኒ በሊሕ ብጻይ ንተሳፍነቱ ደጊመ አመስግን፡፡ ይኹን እምበር ከምቲ አብቲ ምሸት’ውን ዝበልክዎ፦ እቲ ውድባት ዘተአታተዎም ክልተ በበይኖም ባህልታት አሎዉ፡፡ ትሕትና ዝመልኦ ባህሊ ብመንጽር ደረቐኛ ባህሊ፡፡ አብ ህዝቢ ብአብነት ሓቂ ክምህር ዝህቅን ብመንጽር ምእንቲ ውድቡ ብሓሶት ክምሕል ጣጣ ዘይነበሮ ሸነኽ፤ ንሃገራዊ ስምረት ኵሉ ዓይነት ምቊንጻባት ዝጽመም ብመንጽር ንዘየሎ ፍልልያት ንህዝቢ ከመንግግ ብሓለንጊ ሓሶት ዝጭጕርፍ ኣምስሉ ፖለቲካ፡፡ እዚ ክልተ ኣንደበት ተጋድልቲ ብተራ መዓልታዊ ኣብነት ከብርሆ እንተተደልዩ ከአ፦ ዝዀነ ሽጋራ ዘትክኽ ተጋዳላይ ህ/ግነባር ሕልፍ ክብል ብጻይ ችካ (ጥፋእ ሸጋራ) እንተሎካ ክብል ንተጋዳላይ ተሓኤ ምሕታት ልሙድ ተግባር ነይሩ፡፡ እቲ ናይ ተሓኤ ከአ ካብ ዝነብርኦ ንበል 3 ሽጋራ 1 ይህቦ፡፡ ክንዲ ምስጋና ግና „መሳፍንቲ ደይ ካብ ሓፋሽ ዚሰረቕኩሞ’ዩ“ ዚብል መልሲ እዩ ዚስዕብ፡፡ እዚ ናይ ደረቐና ለማኒ ባህሊ መዓልታዊ ዚደጋገም፣ እቲ ዚህብ ይኹን ዚልምን ዘይፈግድሉ ነገር ነይሩ፡፡ እዚ ናይዚ ሕጂ ዘሎ መንግሥቲ ተግባር አብ ልዕሊ ህዝቢ የዘኻኽረኒ እዩ፡፡ ንህዝብና፣ ንዓለምና ወዘተ... አበይ ዝነበርኩም ዚብል፣ ለጊስኩም ከምዛ ዘይገበርኩም ጥፍኡልና ዚብል፣ ተመሊሱ ንሕና ብነብስና ኢና ንሐድር ኢሊ ንነገራት ብግምጥልሽ ዘረድእ ...ወዘተ፡፡

እሞ አብዚ ንኣይ ዘገድሰኒ ዘሎ እቲ ንክልተ ተጋደልቲ ዚወለደ ባይታ ልኡምነት  ወይ ብመንጽሩ ባይታ ተረጋምነት ድአምበር አብ መወዳእታ ዚነበረ ናይ ክልተ ውድባት %ቊጽሪ (composition) ወለዶታት ተጋደልቲ  ንምጽብጻብ አይነበረን፡፡ እንተ’ቲ ካባኻ ብርእይቶ ንዝፍለየካ ኣካል ንኸተክፍእ ንህዝቢ ሓሶት ምምሃር ጠባይ ግና ስርዓት ህግዲፍ ወሰኸሉ እምበር ኣይነከየን፡፡ ሎሚ ንተቓወምቱ ኤርትራውያን ከጸልም ወያነ፣ ጅሃድ፣ ሓምሻይ መስርዕ ወዘተ ክብል ንፋስ ወሲድዎ ዘሎ ከአ ዘዕበዮ ባህሊ ንሱ ስለ ዚዀነ ኢዩ፡፡

ብተወሳኺ ንውድብ ተሓኤ ዚመርሕ ዚነበረ አካል በቐንዱ እቲ ተወላዲ መታሕታዊ ሸነኽና ኢዩ፡፡ ጽልዋ ናይቲ ዝበልናዮ ዘይጥሙር ኣሠራርሐ እንተዘይነብር ከአ ተዓዊቶም ከዐዉቱና ዕድል ነይርዎም ኢዩ፡፡ መራሕትና ብሰንኪ ዘይብቕዓቶም ንዘሕለፍዎ ናይ ምምራሕ ዕድላት ዘንጊዖም ከአ ተመሊሶም ንመሠረታቶም ብምኽሳስ - ንበዓል ነጎዳ ሓዊ ተዅሶ ከም ዚበሃል - አብ ራሳይ ኵዴታ ገበርሉ፡፡

 
ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ - ደግሓኤ - ዝዝርጋሕ ርእሰ ነጻነቱ ዝተሓለወ ዌብሳይት - ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ - ንሓድነት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ብምድልዳልን ንሸቶታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ብምዕዋት - ደሞክራስን ማሕበራዊ ፍትሕን ሰላምን ራህዋን ዝሰፈና ኤርትራ ንምርግጋጽ ይቃለስ - An Independent Website Distributed by Democratic Front for Eritrean Unity –DFEU - Anti Dictatorial Regime PFDJ - Embolden Unity of Eritrean Democratic Alliance - and struggle to accomplish the aims of Eritrean National Council for Demonratic Change in order to establish an Eritrea with Democracy, Social Justice, Peace and Prosperity.

Send your articles comments or critics to webmaster@democrasia.org
Administration-Panel