ፖለቲካ ኤርትራ ኣብ’ዚ መድረኽ፡ ህዝቢ ብብልሓትን ብዘገምታን ተበታቲኑ ክጠፍእ ዓቕሙ ጸንቂቁ ዝሰርሕ ዘቤታዊ ጸላኢ ብሓደ መዳይ፡ ነቲ ጠንቂ ኣሊኻ ናብ ንቡር ፖለቲካዊ ምሕደራ ንምምላስ ኣብ ዝጠልብ ወሳኒ  ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ከኣ በቲ ካልእ መዳይ ይርከብ ኣሎ። ኣብ’ዚ ወሳኒ መድረኽ’ዚ ሓደ ንነብሱ ከም ኣካል ደምበ ተቓውሞ ዝፈልጥ ፖለቲካዊ ውድብ እንታይ ኣማሊኡ’ዩ ክዋሳእ ዘለዎ? “ካብ ሳዕሳዕካስ ተቖጻጸ” ከም ዝበሃል፡ ኣብ ፖለቲካ ካብ ተኣትወ፡ ናተይ ዝብሎ ኣማራጺ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ኣረኣእያ ክህልዎ ይግባእ። ሕጋዊ ትካላዊ ተሓታትነት ዘለዎ መሪሕነት ፈጢሩ ብደረጃ ርሑቕ ርሕቀትን ቀረባ ርሕቀትን ከዐውቶም ዘለዎ መደባት ሓንጺጹ ክነጥፍ ኣለዎ። ብኣረኣእያ፡ ብሕግን ብተግባርን ነዚ ዘየማለአ ክንሱ፡ ንነብሱ ከም ምሉእ ፖለቲካዊ ውድብ ዝርኢ እንተኾይኑ ጌጋ ዩ። ተራ ማሕበራዊ  ምትእኽኻብ ‘ምበር ንጹር ዕላማ ናይ ዘለዎ ፖለቲካ ውድብ ምዃኑ ኣየመልክትን።

ኣብ ሕጋዊ መድረኽ ዝጸደቐ ፖለቲካዊ መደብ-ዕዮ፡ ኣብ ሕጋዊ ጉባኤ ዝተመርጸ መሪሕነት ሃልይዎ፡ ንፖለቲካዊ መደብ-ዕዮኡ ብስትራተጂን ስልትን ፈላልዩ፡ ውድባዊ ኣሰራርሓኡን መሪሕነቱን ብዝተቐመጠሉ ውድባዊ ሕግታት መሰረት እናገምገመ፡ ዝመሓየሽ እናመሓየሸ፡ ዝግለፍ እናገለፈ፡ ፈታውን ጸላእን መሰረታውን ዘይመስረታውን ጠንቅን ሳዕቤንን እናነጻጸረ ኣብ ህዝቢ ወሪዱ ዘይዋሳእ ፖለቲካዊ ውድብ ወይ ግንባር’ውን  ምልኣተ ህላወ ኣለዎ ክበሃል ኣይከኣልን። ሓደ ውድብ ምሉእ ፖለቲካዊ ውድብ’ዩ ክበሃል እንተደኣ ኮይኑ፡ መጀመርታ እቲ ናይ ፖለቲካዊ ውድብ ሕጋዊ ትካላዊ ሕቶ ክምልስ ኣለዎ። እቲ ሕቶ ሕጋውነት መሊሱ ክንሱ ብተግባር ዘይሰርሓሉ ከኣ ውጥን ኣውጺኡ ቀጻልነትን ተሓታትነትን ብዘለዎ ኣገባብ ክሰርሓሉ ይግባእ።

ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ሕቶ ሕጋዊ ፖለቲካዊ ትካላዊ ህላወ ዘይመለሱ ግን ከኣ ንነብሶም ከም ፖለቲካዊ ውድባት ዝፈልጡ ምትእኽኻባትን  ሕጋዊ ፖለቲካዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ዘርጊሖም ግን ከኣ ግብራዊ ንጥፈታት ዘይብሎም፡ ኣብ ሕሉፍ ታሪኽ ኣብ ነበርና ዝነብሩን ውሑዳት ኣይኮኑን። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ብደርብን ኣካለ ደርብን ተነጺሩ፡ ስልጡን ናይ ሓሳብ ብሓሳብ ፍሕፍሕ ከይካየድ’ሞ ህዝቢ ከይነቅሕ ይውክለኒ ምስ ዝብሎ ውድብ ተሰሊፉ፡ ኣብ ምውጋድ ዘቤታዊ ገዛኢ ብምሉእ ወነን ዓቕምን ከይሳተፍ ዕንቅፋት ፈጢሩ ይርከብ።

ተልእኾ ንጹር ህዝባዊ ዕላማ ዘለዎ ፖለቲካዊ ውድብ ወይ ግንባር፡  መደባቱ ብግቡእ ሰሪዑ፡ ብኣካል ምስ ህዝቢ ብሓሳብ ቅድሚት ሰጒሙ፡ ነቲ ተዓፊኑ መዋጽኦ ሓርቢትዎ ኣብ ስቓይ ዝርከብ ህዝቢ፡ ጠንቅን ሳዕቤንን ኣነጺሩ፡ ቅኑዕ መፍትሒ ሓሳባት ቀሪጹ ምምራሕ’ዩ። ብኣካል ምስኡ በተሓሳስባ ቅድሚኡ ብምስጓም፡ ብባዕላዊ ድዩ ወድዓዊ ጸገማት ንዘጋጥሙ ብደሆታት ብብልሓትን ጽንዓትን እናመከተ ንህዝቢ ካብ ዝተዛበዐ ኣረኣእያ ኣውጺኡ  ኣነፈት ዓወት ኣነጺሩ ብንቕሓት ከም ዝቃለስ ምግባር’ዩ። ህዝቢ ብግዜያዊ ስምዒት ማዕበላዊ ምንቅስቓስ ኣብ ዘርእየሉ ብሃናጺ ሓሳብ ዝገርሕ፡ ናይ ቃልሲ ኒያቱ ኣብ ዝዳኸመሉ ከኣ፡ እንኮ መፍትሓዊ ናይ’ቲ ጸገም ተስፋ ሰኒቕኻ ተወዲብካን ተናቢብካን ምቃላስ ምዃኑ ኣረዲኡ ተቓሊሱ ዘቃልስን ዩ።

ኣብ ዓውደ ፖለቲካ ነናቱ ሓሳባት ንዘለዎ ዘይተወደበ ህዝቢ ብድሕሪት ኮይንካ ምኹብኳብ ዘይኮነ ብሓሳብ ቀዲምካ ቀልቡ ናብ ቃልስን ዓወትን ክጥምት ምግባር’ዩ። ዘይተወደበ ህዝቢ መዓልታዊ ኣብ ዘልዕሎ ምረት ተሓቢእካ ንዕኡ እናደጋገምካ ምኩምሳዕ ዕማም ሓቀኛ ፖለቲካዊ ውድብ  ኣይኮነን። ህዝቢ ብሓሳብ እናመራሕካ ‘ምበር፡ ከም እንስሳ ብድሕሪት እናኾብኮብካ ሽግሩ ኣይፈትሕን። መጓሰ እንስሳ ብድሕሪት፡ መጓሰ ህዝቢ ብቕድሚት ኮይንካ’ዩ እቲ ንቡር ኣካይዳ። ኣብ ውሑዳት ዘይኮኑ ነባራትን ሓደሽትን ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ተግባራት ኣይንቡርን ጥራሕ ዘይኮነ ኣሰካፊ ዩ። ምኽንያቱ ደድሕሪ ህዝቢ ምኻድ ወይ ድማ ኣብ ሕቑፊ ህዝቢ ተጸፊኻ ንስምዒት ህዝቢ  ምንብድባድ ቀንዲ ዋኒን መሲሉ ኣሎ። እዚ  ካብ ፖለቲካዊ ጨብረቕረቕ ዝምንጩ መስመሩ ዘየነጸረን ዘይሰልጠንን ድሑር  ኣካይዳ ዩ።

ፖለቲካዊ ውድብ፡ ህዝቢ ካብ ፖለቲካዊ ዓፈና ቁጠባዊ ምዝመዛ ባህላዊ ጸቕጥን ተነጽሎን ንምድሓን፡ ብፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ኣረኣእያ፡ ብሕጋዊ ኣሰራርሓ፡ ብማዕርነታዊ ደሞክራስያዊ ተሳትፎ፡ ፍትሓዊ ስርዓተ ምሕደራ ከምጽ ኢሉ’ዩ ዝምስረት። ህዝቢ ዝደልዮ ግን ከኣ፡ ብገዛኢ ሓይሊ ዝተሓረሞ መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ብምልኣት ንምምላስ’ዩ ዕማሙ፡፡ ከምኡ ክገብር ድማ፡ ጸገም ህዝቢ ብግቡእ ከለሊ፡ ብባህሪኡ ወገን ህዝቢ ክኸውን ኣለዎ። ፖለቲካዊ ንቕሓቱ ብምዕባይ ናይ ሓሳብ ልዕልና  ክውንን ክጽዕት ይግባእ። ቀጺሉ ተሓታትነት ዘለዎ ሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ብምዝርጋሕ፡ ካብ እሱር ተራ ፕሮፖጋንዳ፡ በለጽ፡ ምድንጋር ዝደሓነ ንመሰረታዊ ለውጢ ድልዊ ክኸውን ይግባእ።

ዘቤታዊ ገዛኢ ንዝኽተሎ ዘሎ ጸረ-ህዝቢ ፖሊሲ ዘፍርስ ካብ መሰረቱ ዝቕይር ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ከይወነንካ፡ ብድሕሪ ህዝቢ ኮንካ ዕለታዊ ተረኽቦታት እናጸብጸብካ ኣነ ደላዪ ፍትሒ’የ፡ ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ኢና ማለት ግን፡ ብፍላጥ ድዩ ብዘይፍላጥ ቀንዲ ዋኒንካ ምዝንጋዕ’ዩ ዝሕብር። ዘይተወደበ ህዝቢ ክንዲ ዝኾነ ጸገማት ይሃልዎ ብዘይ መሪሕ ውድብ ዝተነጸረ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ክኽተል ኣይክእልን። ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢኡ ተወዲቡ ኣይቃለስን።  ብዝተበታተነ መልክዕ ኣብ ዕለታዊ ማሕበራዊ ህይወት ስለ ዝጽመድ ጠንቂ ጸገሙ ዘርእዮ፡ ከመይ ተቓሊሱ ክስዕር ከም ዘለዎ መንገዲ ዝሕብሮ ዝውድቦ ናብኡ ቀሪቡ ዝምህሮ ሓሳቡ ዝትግብር ደሞክራስያዊ ውድብን መሪሕነትን የድልዮ።

ደድሕሪኡ ዝስዕብ ኣብ ዕለታዊ ተረኽቦታት ተጸሚዱ ዘዳምቕ ዘረሳስን መርሖ ኣልቦ ስማዊ ፖለቲካዊ ውድብ ኣየድልዮን። ንገዛእ ርእሱ ብፖለቲካ ዘይነቕሐ ህዝባዊ ሓላፍነት ጽንዓትን ዓቕልን ዘይብሉ ውድብን መሪሕነትን ኣይጠቕሞን። ነገራት ካበይ ናበይ እናገምገመ፡ መፍትሒ ጸገማት ዝእምት ተቓሊሱ ዘቃልስ መሪሕ ደሞክራስያዊ ውድብ ‘ምበር፡ ነቲ ባዕሉ ዝነብረሉ ዘሎ ዕለታዊ ስቓይ ዘቃልሕ ነጋሪ መርድእ ብርግጽ ኣየድልዮን። ናይ ፖለቲካዊ ውድብ መምዘኒታት ዘየማልኡን ፖለቲካዊ መደብ-ዕዮን መሪሕነትን ሃልይዎም  ብውጥን ትርጉም ዘለዎ ግብራዊ ንጥፈታት ዘየካይዱ፡ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ካብ ዘለው ገለ ውድባት ካብ ዘቃልሕዎ ድሑር ፕሮፖጋንዳ ገለ ኣብነታት ንመልከት፡-

ሀ. ብኣፍካ ህዝቢ ኤርትራ ብዘቤታዊ ጸላኢ ናይ ህልውና ሓደጋ ገጢምዎ ኣሎ። ካብ’ዚ ሓደጋ’ዚ ሓራ ወጺኡ ውሕስነት ዘለዎ ቀጻልነት ክህልዎ ይቃለስ ኣለኹ፡ ንቃለስ ኣለና እናበልካ፡ ነቲ ጸገም ዘናውሕን ዘጋድድን ‘ምበር ዘየሕጽር ዘይፈትሕ፡ ጸላኢ ብዝጥቀመሉ ድሑር ናይ ከፋፊልካ ግዛእ ሜላ ከባብያዊ ወይ ኣውራጃዊ ስምዒታት ምንብድባድ፣

ለ. ኤርትራ ሕብረ ብሄራዊ፡ ሕብረ ሃይማኖታዊ፡ ሕብረ ውድባዊ፡ ሕብረ ባህላዊ ብዙሕነት ዝሓቖፈት፡ ግን ከኣ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ውልቀ ምልኪ ከም ዘላ እናፈለጥካ፡ ናይ’ቲ ሓደ ቃንዛ ከም ቃንዛኻ ዘይምውሳድ፡ ሕድሕድ ኣፍልጦን ክብርን ዘይምውህሃብ፡ ከላእ እዚካ ከላእ እዚኦም ከኣ እናበልካ ምንእኣስ ምንጽጻግ፣ ነቲ ሓደ ደምበ ተቓውሞ ክልተ ደምበ ከተምስሎ ምፍታን፣

ሐ. ቅድሚ ድሕነትን ረብሓን ህዝቢ ግድምና ገድሊ ከም ፖለቲካዊ ፕሮግራም ብምውሳድ፡ ሎሚ ክትሰርሖ ዝግባእ ከይገበርካ ቅኑዕ ይኹን ኣይኹን እሱር ናይ ሕሉፍ ታሪኽ ብምዃን ወርቃዊ ግዜን ዕድመን ኣብ ነበርና ገበርና ምብኻን፣

መ.  ዝበለጸ ብሱል መተካእታ ሓሳብ ከይሓዝካ፡ ደድሕሪ ዘይተወደበ ህዝቢ ጎተት እናበልካ፡ ስትራተጂካዊ መፍትሒ ንዝኾነ፡ ረዚን ፖለቲካዊ መልእኽቲ ንዘለዎ ህዝባዊ ደሞክራሲ፡ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ልኡላዊ ስልጣን ዝጠልብ ኣረኣእያ ኣብ ህዝቢ ከይሰርጽ እዚ ዝወደቐ ኣተሓሳስባ’ዩ እናበልካ ምጽባእ ምቅዋም፣

ሰ. ኮሚኒስታዊ (ርእሰ ዴሳዊ) ስርዓት፡ እቲ ብትምቢት ደረጃ ክኸውን’ዩ ተባሂሉ ዝትንተን ዝግለጽ ክለሰ-ሓሳባዊ እንተታት  ምስ’ዚ ኣብ ርኻብ ፋሽሽትነት ደይቡ ዝርከብ እንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ ገዛኢ ፈጺሙ ኣይመሳሰልን፡፡  ህግደፍ ኮሚኒስቲ ዩ እናበልካ፡ ንመሰረታዊ ፖለቲካዊ ተፈጥሮኡ፡ ፖሊስኡን ተግባሩን  ካብ ዘይ ምርዳእ ድዩ ወይስ ኮነ ኢልካ ነገራት ንምዝባዕ፡ ከም ቀንዲ ዋኒን ወሲድካ ካባ ኮሚኒስትነት ክትከድኖ ምሕላን።

 እዚ ኣረኣእያን ኣካይዳን’ዚ ግቡእ ጠመተ ተገይርሉ ብቕልጡፍ ክእረም እንተዘይክኢሉ ኣብ’ቲ ህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ዝጻወቶ ኣሉታዊ ተራ ዓቢዪ’ዩ። “ብቐትሩ ዝነቀወ ዝብኢ ነየሕደረኒ” ከም ዝበሃል፡ ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ውድብ ዝብል ስም ሒዝካ፡ ከም’ቲ ዘይተወደበ ህዝቢ ኣብ ኩሉ ሸነኻዊ ናይ ድሕረት ዝንባሌታት ተኣሊኽካ፡ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ዝወደቐ ኣተሓሳስባ’ዩ ማለት እንታይ ማለት ዩ? ህዝባዊ ሰላም፣ ህዝባዊ ደሞክራሲ፣  ህዝባዊ ልምዓት፣ ህዝባዊ ልኡላዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ብውልቀ መለኽትን ፋሽሽታውያን ስርዓታትን  ንግዜኡ ብኣሉታ ክግለጽ ክዕፈን ይኽእልን’ዩ። ከም ኣረኣእያ ጠለብ ብዙሓትን ግዙኣትን ካብ ምዃን ግን መዓስን ኣበይ ሃገርን’ዩ ወዲቑ?  እንተወዲቑ’ኸ ብምንታይ ተተኪኡ?  ብጸረ-ህዝቢ፣   ብራዕዲ፣ ብፋሽሽትነት ወይስ ብኻልእ? ዘቤታዊ ጸላኢ ኮሚኒስቲ’ዩ ክብሉ እንከለው’ኸ ጭቡጥ ፖለቲካዊ መረዳእታኦም እንታይ’ዩ? በሃልቱ መብርሂ ክህብሉ ይግባእ።

ኣንጻር’ዚ ብፖለቲካ ዓፊኑ፡ ብቑጠባ ኣድኪዩ፣ ማሕበራዊ ክብርታት ኣራኺሱ፣ ብጸጥታ ኣርዒዱ፣ ካብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ነጺሉ፡ ንህዝቢ ከም ዝሃጎጎ እኽሊ በታቲኑ ነበረ ክኸውን ዝሰርሕ ዘሎ ዘቤታዊ ጸላኢ ምቅላስ ቅኑዕ’ዩ። ትብዓት’ዩ። ግን ከመይ ኢኻ ትቃለሶ?  ደርባዊ መሰረቱን ኣንፈቱን ብዘይተነጸረ ፖለቲካ፡ ብድሕሪ ህዝቢ ኮይንካ ብንኺድ ጥራሕ፡ ንግበር ጥራሕ፡ እዚ ቅኑዕ ኣገባብ ኣይኮነን። መናውሒ ጸገም ደኣምበር ፈታሒ ጸገም ክኸውን ኣይክእልን።

ፖለቲካዊ ወጽዓ መጀመርታ ብፖለቲካዊ ኣረኣእያ’ዩ ዝግምገም። ነቲ ወጽዓ ዘንገስ ግጉይ ሓሳብ ብቕኑዕ ሓሳብ ከመይ ይተካእ’ዩ ቀዳምነት ክስራዕን ክውነንን ዘለዎ። መሰረታዊ ፍታሕ ዘምጽእ ህዝቢ ብንቕሓት ፈታውን ጸላእን ኣለልዩ ንመሰሉ ተወዲቡ ዝቃለሰሉ ደርባዊ መሰረት ዘለዎ ሓይሊ ሓሳብ ብምውናን’ዩ ክጅምር ዝግባእ።  ኣብ ባሕሪ ፖለቲካዊ ድሕረት ጥሒልካ፡ ዕለታዊ ፋሽሽታዊ ተግባራት ጸላኢ ብምጽብጻብ፡ ብሃገር ደረጃ መሰረታዊ ለውጢ ከምጽእየ ዝብል ርድኢት  ህዝቢ ምድንጋር’ዩ።

  ምኽንያቱ ብዝተነጸረ ደርባዊ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ዘይምራሕ ቃልሲ ዘምጸኦ ለውጢ “መለሳ ቆሎ ጥጥቖ” ዩ ዝኸውን። ህዝባዊ ወጽዓ ህዝባዊ ሕቶ ብንቑሕ ህዝባዊ ቃልሲ’ዩ ዝዕወት። ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ፕሮግራም ስትራተጂን ታክቲክን ሓንጺጹ ብብቕዓት ብዝዋሳእ ፖለቲካዊ መሪሕነት’ዩ ዝምራሕ። ሸቶኡ ከኣ መሰረታዊ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል፡ ናይ ህዝቢ ልኡላዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ብሓሳብ ብሕግን ብተግባርን ምምላስ ዩ።

  ካብ ፍጹም እንኮ ሰባዊ ዘቤታዊ ኣገዛዝኣ ናብ ሕጋውን ደሞክራስያውን ስርዓት  ንምስግጋር ደምን ህይወትን ዝሓትት ርሱን ቃልሲ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ መድረኽ፡ ብድሕሪ ህዝቢ ኮይንካ  ብዝኾነ ይኹን ጸላኢ ጥራሕ ይወገድ  ተራ ፕሮፖጋንዳ ምቅላሕ ልክዕ ኣይኮነን። ንህዝቢ ዝጠቅም ውጽኢት  ኣይምጽእን።  ህዝባዊ ደሞክራስን ህዝባዊ ልኡላውነትን ዘይቅበል ኣረኣእያ፡ ኣብ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ፡ መስፋናዊ ስርዓት ሃ/ስላሴ ወዲቑ  ብስርዓት ደርግ ዝተተከኣሉ፡ ከምኡ’ውን ስርዓት ደርግ ካብ ምድሪ ኤርትራ ተባሪሩ፡ ብእንኮ-ሰባዊ ዘቤታዊ ጸላኢ ምትካኡን  ትምህርቲ ክኾነና ይግባእ። ስለዚ ግዝያውን ኩነታታውን ኣካይዳ ጉድኣት ደኣምበር ጠቕሚ ስለ ዘይብሉ ይተኣረም። ኣካል ደምበ ተቓውሞ’የ ዝብል ፖለቲካዊ ውድብ ወይ ግንባር፡ ኣብ ልዕሊ ዘቤታዊ ገዛኢ ዘለዎ መርገጽ ብንጹር ብመትከል ብሰነድ ከረጋግጽ ኣለዎ። ጽባሕ ኣብ ኤርትራ ክትከል ዝደልዮ ስርዓት፡ ጸጋማዊ ድዩ የማናዊ፣  ኮሚኒስታዊ ድዩ ትሒዘ ጸኒሓዊ፣  ማሕበራዊ ደሞክራሲ ድዩ ሊቨራላዊ ደሞክራሲ …ወዘተ ኣነጺሩ ክቃለስ ይግባእ። እንተዘይኮነ ኣማራጺ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብካ ከየነጸርካ፡ ብካልኦት ንዝቐርብ መትከላዊ ኣረኣእያ ብዓይኒ ዕሙት እናተቓወምካ፡ ህግደፍ ጥራሕ ይወገድ ማለት ዕንቅፋት ደኣምበር ንለውጢ ዝድርኽ ትሕዝቶ የብሉን።  ለውጢ ብኸመይ  ኣየርእን።

 ኣብ መወዳእታ፡ ደራሲ ክብረኣብ ተ/ሚካኤል ኣብ’ታ ብ1993 ንቅዋም ኣመልኪቱ ካብ እንግሊዝኛ ናብ ትግርኛ ዝተርጎማ  መጽሑፉ  ኣብ ገጽ 59 ኣስፊርዎ ዘሎ ቁም-ነገር ክንጠቅስ፡- ኣብ ትሕቲ ውሕስነት ፖለቲካዊ ተሳትፎ ዝብል ኣርእስቲ “ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ከም ደሞክራስን ህዝባዊ ልኡላውነትን ርእሰ-ውሳኔን ዝኣመሰሉ ናይ ቅዋም መትከላት ርግጸኛታት መታን ክኾኑ፡ ናይ ህዝቢ ንጡፍ ፖለቲካዊ ተሳተፎ የድሊ።”  “ ናይ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ተሳተፎ ብመልክዕ ብረታዊ ቃልሲ’ዩ ዝተጋህደ። እዚ ዓቢ  ናይ ብረታዊ ቃልሲ ተሳትፎ ሕጂ ናብ ምሉእ ፖለቲካዊ ተሳተፎ ዝመርሕ ድልዱል ቅርጺ ክልወጥ ይግባእ” ይብል። ኣብ ደምበ ተቓውሞ ኣለኹ ዝብል ፖለቲካዊ ውድብ ይኹን ግንባር ‘ምበኣር ነዚ ረዚን መልእኽቲ’ዚ ንምምላስ፡ ሕቶ ሕጋውነት፡ መትከላዊ ህዝባዊ ንጹርነት፡ ግብራዊ ስራሕ፡ ጽንዓትን ተወፋይነት ከረጋግጽ ይግባእ። ከምኡ ከይገበርካ ኣነ ውድብ’የ ናይ ለውጢ ሓይሊ’የ ማለት ግን እኹል ኣይኮነን፡ ስለምንታይ? ደድሕሪ ህዝቢ ዝኸይድ ውድብ፡ ፖለቲካዊ ውድብ ኣይኮነን።

                                                                 

                                                 ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ(ደግሓኤ)

                                                                        ሚያዝያ 5 2024