ጭቁናትን ግፉዓትን ሕብረተ-ሰባት ካብ ዝተፈላለዩ መልክዓት ናይ ጭቆናን ሓሳረ-መከራ ነጻ ንምውጻእ ኣብ ዝገብርዎ መስርሕ ቃልሲ፡ ብቐዳምነት ካብ ዝህቡዎ ጉዳይ፡ ዕላመኦም ኣነጺሮም ምቕማጥ፡ ፈተውቶምን ጸላቶምን ፈላልዮም ምርዳእን ምቕማጥን እዩ፡፡ ስዒቡ ዝመጽእ ድማ ፍልጠቶምን ሓይሎምን ኣወሃሂዶም ውድብ /መሳርሒ ናይ ቃልሲ/ብምፍጣር ተወዲቦም ምቅላስ እዩ፡፡ ንጹር ዕላማን ዝጭበጥ እስትራተጅን ፖሊሲን ናይ ቃልሲ ከይጨበጡን ከይሰኣሉን ካብ ጭቆና ዝፈጠሮ ምረትን ስምዒትን.. ወዘተ ተበጊሶም ጸላእቶምን ፈተውቶምን ብግቡእ ብምልላይ ቃልሲ ምክያድ እንተመሪጾም ግን ጸላእቶም ብቓልሲ ስዒሮም ናብ ዛዛሚ ዓወት ክበጽሑ ኣይክእሉን እዮም፡፡ ብኣንጻሩ ዘበገስዎ ቃልሲ እናወደቐን እናተንሰአን ብዙሕ ክሳራታትን ዕንቅፋታትን እናኣጋጠሞ ኣብ መስርሕ ናይ ምፍሻልን ምብትታንን ዕድሉ ዓቢ እዩ ዝኸውን፡፡

 

ምኽንያቱ ፖለቲካዊ ጭቆና፡ ቁጠባዊ ምዝመዛን ካለኦት ኣድልዎታትን ዝፈጠርዎ ሓባራዊ መረረን ስምዒታት ናይ ምቅላስ ድሌትን ቅሩብነትን ተጠቒሞም ክቃለሱ ዝተበገሱ ዳኣ ይኹኑ‘ምበር፡ ሓደ ዝተነጸረ ፖለቲካዊ ዕላማን ብግቡእ ዝተሃንጸ ውደባን ስለ ዘየራጋገጹ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዝተፈላለዩ እምነታትን ኣካይዳታትን እናተንጸባረቑ ነቲ ብሓባር ክቃለስ ዝተበገሰ ሓይሊ ተኣማሚኑን ተወሃሂዱን ንከይቃለስ ዘዐንቅፍዎ ተርእዮታትን ምፍንጫልን ክኽሰት ግድን እዩ፡፡ ስለ ዝኾነ እቲ ሓይሊ ናብ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት እናተመቓቐለ ክሳብ ክዕወት ዘይምኽኣልን መሊኡ ምፍሻልን ኩነታት ክበጽሕ ይኽእል እዩ፡፡

ናይ‘ዚ ጭቡጥ ኣብነት ተገይሩ ክውሰድ ዝካኣል፡ ኣብ ደምበ ተቓውሞና ካብ ጽባሕ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነትና ጀሚሩ፡ ካብ ጭቆና ዝፈጠሮ ምረትን ናይ ቃልሲ ስምዒትን እናተበገሱ፡ ንጹር ዕላማን ዝጭበጥ ውዳባን ከየረጋገጹ ብስምዒት ክቃለሱ ዝፈተኑ፡ ኣብ መስርሕ ሓጺር ግዜ ብናይ ምምቕቓል ተርእዮ ዝፈሸሉን ውድባዊ ህልውነኦም ዝሰኣኑን ምንቅስቓሳት ኣስማቶም ብዘየገድስ ነይሮም እዮም፡፡ ናይዞም ምንቅስቓት ተሞኩሮ ድማ ነቶም ኣብ ቃልሲ ዘለዉን ካልኦት ክስዕቡ ዝኽእሉ ተቓለስቲ ኣካላትን መሃሪ ተመኩሮን ሓጋዚ ተርእዮን እዩ፡፡

ምኽንያቱ ዕላማኻ ብንጻር፡ መቃለሲ ዝኸውን ውዱብ ሒዝካን ፖ/ዊ መሪሕነት ወኒንካን ናይ ዘይምቅላስ ተርእዮ ኣብ ደንበ ተቓውሞና ገና ይቕጽል ብምህላዉ ንህዝባዊ ቃልስና ድማ ኣሉታዊ ተጽዕኖ ይፈጥር ስለዘሎን፡ ነዚ ድኽመት‘ዚ ንምውጋድ ናይ ኩሉ ተቓዋሚ ተሳትፎ ዝሓትት እዩ፡፡ ብርግጽ ነቶም ብግቡእ ከይተወደቡ ክቃለሱ ዝጸንሑን ገና ዝቃለሱ ዘለዉን ክቃለሱ ዝመርጹ ዘለዉን ብቐዳምነት ዝምልከት እኳ እንትዀነ፡ ብዕላማን ሃገራዊ ግቡኣትን ዓይኒ ክረአ እንከሎ ግን ንነፍስ ወከፍ ህዝባዊ ቃልስና ንምዕዋት ኣንጻር ኣረሜናዊ መ/ህግደፍ ዝቃለሱ ዘለዉ ሓይልታት ዝምልከቶምን ከም ሃገራዊ ግብኦም ወሲዶም ክቃለስሉ ዘለዎም ሃገራዊ ዕማሞም‘ውን እዩ፡፡ እዚ ሃገራዊ ዕማሞ እዚ ከይተፈጸመ እንተዳኣ ተሪፉ ግን፡ ነቲ ኣብ ደምበ ተቓውሞና ሰፊኑ ዘሎ ፖለቲካዊ ድኽመታትን ጸገማትን መመሊሱ ዝድርዕን ዘስፍሕን፡ ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዕድመ ስልጣኑ ንከናውሕ ዓቢ ዕድል ዝህብን፡ኣብ ልዕሊ ህዝብታትና ዝወርድ ዘሎ ኩሉ-መዳዊ ወጽዓን ክኸብድን ዝቕጽልን እዩ ዝኸውን፡፡

 

ቅድሚ ዝተወሰኑ ዓመታት ብስም «ይኣክል» ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ህዝባዊ ናዕቢ፡ ዝተነጸረ ፖለቲካዊ ዕላማን ኢስትራተጂን፡ ብግቡእ ዝተወደበ ዘቃልስ ውድብን ከይወነነ፡ ዘበገሶ ናይ ቃልሲ ማዕበል፡ ንሃገራውያን ተቓለስቲ ሓይልታት ናይ ቃልሲ ዕማመን ከም ዘብቃዓን ዝፈሸላን ገይሩ ብምውሳድ ምሰኣተን ሓቢሩ ክቃለስ ፍቓደኛ ብዘይምዃን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዘበገሶ ፖለቲካዊ ማዕበል ቀሊል ኣይነበረን፡፡ ይኹን ዳኣምበር ጉዕዞ ቃልሱ ዝተነጸረ ዕላማን ኢስትራተጅን መቓልስቲ መሓዙትን ከየነጸረ፡ ነብሱን ነብሱን ጥራሕ ብምእማን ክቃለስ ስለ ዝፈተነ፡ ኣብ ሓጺር እዋን ደርገፍገፍ ኣብ ምባልን ናይ ምምቕቓል ኩነታትን እናዓሰሎ ክዳኸምን ናብ ንኡሳን ናይ ውደባ ጉጅለታት ክመቓቐል ተገዲዱ እዩ፡፡ ብኡ መጠን ካኣ ሰውራና ካብ ምንቅስቓስ ይኣክል ክረኽቦ ዝነበሮ ናይ ቃልሲ ኣበርክቶ ብከምቲ ዝድለ  ክረክብ ኣይከኣለን ክበሃል ዝካኣል እዩ፡፡ እዚ ተሞኩሮ እዚ  ከም ሓጋዚ ኣብነት ክንጥቀመሉ ዘለና እዩ፡፡

 

ካልእ ኣብ ውሽጢ ከባቢ ሓደ ዓመት ዝተራእየ ብ«ብርጌድ ንሓመዱ» ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ዝተነጸረ ፖ/ዊ ዕላማ ከይጨበጠ፡ ንጹር ኢስትራተጂን ፍሉጥ መሪሕነትን ውደባን ወዘተ.. ከይወነነን ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ደገፍትን ኣባላትን መ/ህግደፍ ዓመጻዊ ስጉምቲ እናወሰደ ዝመጸን፡ ገና ኣብ ምውሳድ ዝርከብ ዘሎን ናዕባዊ ምንቅስቓስ እዩ፡፡ ብምዃኑ ድማ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ኩሉ መዳያዊ ክሳራ፡ ፍርሕን ራዕድን ሽቝረራን ዲፕሎማስያዊ ክሳራን ኣብ ንጥፈታቱ ከቢድ ምትዕንቓፍ ክፍጠር ዝሰርሕ ዘሎ ምንቅሽቓስ እዩ፡፡ እዚ ምንቅስቓስ እዚ ኣብ ሓጺር ግዜን ኩነታትን፡ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ቆላሕታን ተፈላጥነትን ዝረክብ ዘሎ እዩ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ንእግረ መንገዱ /ብወድዕነቱ/ ንተቓወምቲ ውድባትናን ቃልስናን‘ውን ናይ ዝተፈላለዩ መንግስታት ቆላሕታ ክረክብ ዝገብር ናይ ቃልሲ ተራ ዘበርክት ዘሎ እዩ፡፡ ዝተፈላለያ ተቓወምቲ ውድባት ነዚ ኣወንታዊ ተርእዮ እዚ ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ብምውሳድ ንምንቅስቓስ ብሪጌድ ንሓመዱ ደገፈን ክልግሳሉን ምስኡ ሓቢረን ክቃለሳን ቅሩብነተን ዘርኣያሉን ሓጋዚ ኣወንታዊ ኩነታት እዩ ተፈጢሩ ዘሎ፡፡ ይኹን ዳኣምበር፡ ምንቅስቓስ ብሪጌድ ንሓመዱ ክሳብ ሕጂ እናራጋገጾ ዝመጸ ዕዉት ምንቅስቓሳት ናብ ዝተጨጠ ዓወት ንክበጽሕ ዝሕግዙ ኣገደስቲ ረቛሒታት ዝበዀርዎ ስለ ዝኾነ ማለት /ንጹር ፖለቲካዊ ዕላማ ዘይምሓዝ፤ ናይ ቃልሲ ኢስትራጂን ፖሊስን ዘይምስኣል፤ ምስ ፈተውቱን መቓልስቱን ሓቢሩ ንምቅላስ ዝሕግዞ ንጹር ናይ ምሕዝነት ፖሊሲ ኣነጺሩ ከቐምጥ ዘይምኽል..ወዘተ/ ምጥቃስ ዝካኣል እዩ፡፡

ስለ ዝዀነ ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ እናሓፈሶ ዝመጸን ዝሓፍሶ ዘሎን ዓወታት ብምዕቃብ ናብ ዝተጨበጠን ዝበረኸን ዓወት ክበጽሕ እንተዳኣ ኮይኑ፡ እዞም ዝጥቀሱ ዘለዉ ዝጎደልዎ ኣገደስቲ ነጥብታት ክምልስን ክጭብጥን ግድን እዩ ዝኸውን፡፡ እዚ ከይገበረ ምስ ዝተርፍ ግን ንጥፈታቱ ይኹኑ ዓወታቱ ስንክልክል እናበሉ ናብ ዘይምዕዋት ኩነታት ከሳጣሕ ባህርያዊ እዩ ዝኸውን፡፡ ኣብዚ ከይተጠቕ ክሓልፍ ዘይድሊ ኣገዳሲ ነገር እንተሃለወ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ንምቅስቓስ ብሪጌድ ንሓመዱ ክድግፍ እየ ዝብል ሓይሊ፡ ካብ ደምበ ፈተውትን ደምበ ጸላእትን ዝሓወሰ ክኸውን ስለ ዝኽእል፡ ኣብዚ ዕላምኡ ንምንጻርን ነብሱ ንምውዳብን ዘካይዶ ዘሎ ውሽጣዊ ቃልሲ፡ ንወድባዊ ጽሬቱን ድሕነቱን ቀዳምነት ሂቡ ክዓሞን ክወፍረሉን ከም ዘለዎ ብንቕሓት ርእዩ ክረባረብን ዝግበኦ ምዃኑ ከነተሓሳስብ ንደሊ፡፡

 

ምኽንያቱ ብስም ደጋፍን ኣባልን ብሪጌድ ንሓመዱ ምዃኖም እናጠቐሱን ብእኡ እናተኸወሉን ንብሪጌድ ንሓመዱ ሕንፍሽፍሽ ክኣትዎን ክበታተንን ዝዓለሙ ብጸላእትን ተጻባእትን ዝዋፈሩ ወይጦታት ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ዘየካትዕ ተርእዮ እዩ፡፡ ብምዃኑ ድማ ጸላኢ ብዝተፈላለየ ምስምሳትን ሜላን ንዘይወዱብ ሃለዋት ናይ ብሪጌድ ንሓመዱ እናመዝመዘ ናይ ምዝራግ ዕላመኡ ንምስኻዕ ዝፍትነሉ ዘሎ ተሃዋሲ ወቕቲ ስለ ዝዀነ፡፡ ብተወሳኺ ብሪጌድ ንሓመዱ ነብሱ ኣብ ዝውድበሉ ዘሎ ኩነታት፡ መልክዕ ውደብኡ ብሓደ ስም ክጽዋዕ ግን ካኣ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት /ሃገራት/ ዝርከብ ኣባል ምንቅስቓስ ብሪጌድ ንሓመዱ «ነናይ ባዕሉ ውደባ ክህልዎ ኣለዎ» ዝብል ርእቶታት ይስማዕን ይንጸባረቐን ስለ ዘሎ እዚ ካኣ ምልክት ናይ ምፍልላይ ከይከውን ብግቡእ ክርእዮን ሓደ ተረደኦ ክታሓዝ ብምጽዓር ሓደን ዝደልደለን ውደባ ንምርግጋጽ ክረባረብ ኣለዎ ንብል፡፡

 

ኣብ መወዳእታ፡ ምንቅስቓስ ብሪጌድ ንሓመዱ «ዘይተወደበ ሓይሊ ተቓሊሱ ክዕወት ኣይክእልን እዩ» ዝብል መሰረታዊ ጭርሖ ብምሕንጋጥ ዕላምኡ ብምልኣት ብምንጻር ከስርሕ ዘኽእል ውደባ ብምፍጣር፡ ዝተነጸረ ስልትን ኢስትራተጅን ብምሕንጻጽ ፈተውቱን ጸላእቱን ኣነጺሩ ብምቕማጥ፡ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ /ህግደፍ/ ከቃልሶ ዝኽእል ፖሊሲታት ብምሕንጻጽ፡ ሓባራዊ ግንባርን ቃልስን ክህሉ ብምእማን ሓቢሩ ክቃለስ ድልውነቱ ከረጋግጽን ናብ ዓውደ ተግባር ክዋፈርን ዘብቅዕ ናይ ዕቤቱን ህልውንኡን መሰረት ስለ ዝኾነ ኣቓልቦ ሂቡ ንምጭባጡ ብልቢ ክረባረበሉ ዘለዎ ዕማም እዩ ዝመስለና፡፡

 

ከምዚ ክገብር ምስ ዝበቅዕ ካኣ እቲ ዝርከብ ጠቕሚ ናይ ውልቁን ንውልቁን ጥራሕ ዝጠቅምን ዘይኮነስ ናይ ህዝብታትናን ተቓለስቲ ውድባቶምን ረብሓ ኣብ ምርግጋጽን ዓወትና ኣብ ምቅልጣፍን ሓጋዚ ተራ ስለ ዘለዎ፡ ነዚ ግቡእን ሓላፍነትን እዚ ብንቕሓት ርእዩ፡ ምስ ተቓወምቲ ሓልታትና ሓቢሩ ክቃለስ ዘኽእል ናይ ቃልሲ ሜላን ሓቦን-ኒሕን ወኒኑ ውድቡን ቃልሱን ከጠናኽር ከም ዘለዎ ናይ ቃልሲ ለበዋን ከነቕርበሉ ንፈቱ፡፡  

 

                       ስጡም ውደባን ዓወትን ንብሪጌድ ንሓመዱ!!

           

                     ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደ.ግ.ሓ.ኤ/