ዝሰርሕ ሰብ ይጋገ’ዩ። ሰብኣውን ደሞክራስያውን ሓርነታዊ መሰላት ንምርግጋጽ ድዩ፡ ካብ ድሕረትን ድንቁርናን ንምውጻእ ዝቃለስ ሕብረተሰብ’ውን ኣብ ጉዕዞ ብኣረኣእያ ድዩ ብተግባር ጉድለታት የርኢ’ዩ። ከም ተርእዮ ኣብ ዝተወሰነ ኣጋጣሚታት ናይ ኣረኣእያ ዘይፍትሓውነት፡ ናይ ፖሊሲ ዘይንጹርነት፣ ናይ ተግባር ዓንቀፍቀፍ ምስ ዘጋጥም ብሓውሲ ቅቡል ዝውሰድ ደኣምበር ዘሰንብድ ኣይከውንን። እዚ ሓፈሻዊ ንኹሉ ሰብን ህዝብታትን ዝምልከት ገዛኢ ስነ-ፍልጠታዊ ሓሳብ’ዩ። ካብ ናይ ገዛእ ርእሱ ጉድለት፡ ካብ ናይ ካልኦት ዕውት መንገዲ ዘይመሃር፡ ብዓይኒ ህልኽን ጽልእን ነቲ ጌጋ ብጌጋ ክእርም ዝፍትን ውልቀ ሰብ ይኹን ህዝቢ ግን፡ ካብ ፖለቲካውን ማሕበራውን ማዕበያ ዝብገስ፡ ሱር ዝሰደደ መሰረታዊ ባዕላዊ ጸገም ከም ዘለዎ የመልክት። ባዕላዊ ድኽመቱ ከይገምገመ፡ ከይፈትሐ ብሰንኪ እከለ እናበለ ብትምክሕቲ ድዩ ጽበት ዓዊሩ፡ ጸላእቲ ዘብዝሕ  ውልቀ ሰብን ህዝብን ብርግጽ፡  ዓሚቕ መጽናዕታዊ ምርምር ኣካይድካ ቅልጡፍ ስነ ልቦናዊ ፍወሳ ዘድልዮ ኣዝዩ ዘሰክፍ ናይ ኣተሓሳስባ ጸገም ከም ዘለዎ ንምግማት ኣየጸግምን። 

ህዝቢ ኤርትራ ብዙሓት ብኣወንታ ዘግልጽዎ ዘነይቱ ክብርታት ዘለውዎ ህዝቢ’ዩ። ከምኡ’ውን ብዙሓት ብትምህርትን ፖለቲካዊ ንቕሓትን ክፍትሑ ዘለዎም መሰረታዊ ጸገማት ዘለውዎ ህዝቢ ምዃኑ ዝሕባእ ኣይኮነን። እቶም ኣወንታዊ ክብርታት ክዕቀቡን ክኽበሩን ብምዝኽኻር፡ ቀንዲ ትኹረት ናይ’ዚ ጽሑፍ ኣብ’ቲ ከም ጽላለትና ምሳና ዝኸይድ ዘሎ  ፖለቲካዊ ድኽነትን ውጽኢቱን ዘትኮረ ክኸውን’ዩ። ምኽንያቱ ፖለቲካዊ ኣገንዝቦና ከም ህዝቢ ካብ እዋን ናብ እዋን እናበኣሰ ደኣምበር እናተመሓየሸ ይኸይድ የለን። እዚ ሎሚ ብተግባር ጋህዲ ኮይኑ ዘሎ ፖለቲካዊ ውድቀት፡ ምስ’ቲ ቅድሚ 1991  ዝነበረ ተወፋይነት፡ መስተንክራዊ ግጥም ኣብ ዓውደ ውግኣት ኣዛሚድካ ንምርኣይ ምስ እትፍትን የሓፍር። ህዝባዊ ኣረኣእያ ንጹር ደሞክራስያዊ ኣሰራርሓን ገዛኢ ኣብዘይኮነሉ ቃልሲ፡ ሓርበኝነት፡ ጽንዓትን ተወፋይነትን ከመይ ክፍጠር ከኣለ ዝብል ሕቶ ይፈጥረልካ። መበገሲ ናይ’ቲ ህዝባዊ ቃልሲ ቅኑዕን ፍትሓውን’ኳ እንተነበረ፡ እቶም ውድባት ዝኽተልዎ ዝነበሩ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ምሕደራን፡ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባ ብከምቲ ዝድለ ዘይተወነነሉ፡ ብትምክሕትን ጽበትን ኣረኣእያታት ዝተበከለ፡ ግልጽነትን ሕጋዊ ተሓታትነትን ዝጎደሎ፡ ብዝተበሃልካዮ ፈጽም ስነ-መጎት ሓይሊ ዝምራሕ ብምንባሩ ብርግጽ ሕቶ ዝፈጥር ንፍርዲ ድማ ዘጸግም’ዩ።

 እዚ ብተናጸል ከም ውልቀ ሰብ፡ ፖለቲካዊ ውድባትን ግንባራትን ጥራሕ ዘይኮነ ከም ህዝቢ ክንሓስበሉ እንታይ ወሪዱና ኢልና ክንዛተየሉ ዘለና መሰረታዊ ዛዕባ ክኸውን ይግባእ፡፡ ስለምንታ’ሲ ኣብ 40ታት ዝተራእየ ግጉይ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ኣብ 50ታት ኣይተኣረመን። ኣብ 60ታት’ውን ኣተይገርሐን። ኣብ 70ታት እቲ ድኽመት መሊሱ ተሓላሊኹ ‘ምበር ኣይተፈትሐን። ኣብ 80ታት ብጨካን ደማዊ ኩናት ሕድሕድ ጸሊም ታሪኽ ተፈጺሙ ክንሱ፡ ብፖለቲካዊ ንቕሓት ብዘየዳግም ክኹነን ክእረም ኣይተራእየን። ኣብ’ቲ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ፍልልይ ዘይነበሮ ስልጣን መን በሓተ ዝመበገሲኡ ኣዕናዊ ደማዊ ኲናት ሕድሕድ ላዕለዋይ ኢድ ዝሓዘ ወገን፡ ንህዝቢ ዝጠቅም ናይ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ለውጢ ከም ዘምጸአ፡ መን ከማይ ኢሉ ኣብ ልዕሊ ሬሳ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ክፍክር ክድብል ኣይሓፈረን።

 እቲ ካብ 40ታት ዝጀመረ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ውድባት ዝነበረ  ኣብ ተራ ህልኽን ጽልእን ዝተሰረተ ግርጭታት፡ መግዛእታዊ ሰራዊት ወጺኡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኤርትራዊ ሓይሊ ምስ ኣተወት፡ ብኹሉ ሸነኹ ተኣሪሙ ኣብ’ታ ሃገር  ደሞክራስያዊ ነጥበ መቐይሮ ክመጽእ ነይርዎ። ግን ከምኡ ኣይተገብረን። እቲ ኣብ ርኻብ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝደየበ ሓይሊ፡ ካብ በሓቲ ፖለቲካዊ ተፈጥሮኡን ስነ-መጎት ሓይሊ ማዕበያኡን ክወጽእ ፍቓደኛ ኣይኮነን። ትማሊ ሻዕብያ፡ ሎሚ ሻዕብያ፡ ጽባሕ ሻዕብያ ካብ ዝብል ደንቆሮ ፖለቲካ ወጺኡ፡ ቃና ሰላም ደሞክራሲ ዘለዎ ድምጺ ከቃልሕ ኣይተሰምዐን። ብኣንጻሩ ድሕሪ ደጊም ናይ ውድባት ሓሸውየ ኣይነፍቅድን ክብል ብተዘዋዋሪ ኲናት ኣዊጁ። ብተግባር ከኣ ኣብ ጭውያን ቅትለትን መራሕትን ካድራትን ፖለቲካዊ ውድባት ተዋፊሩ። ናይ ብዙሓት ተቓለስቲ ህይወት ድማ ቀዚፉን ኣጸልሚቱን።

 እቲ ዝተሳዕረ ወገን ድማ፡ ጠንቂ ናይ ስዕረቱ እንታይ ምዃኑ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ኩነታቱ ብግቡእ ከይገምገመን ሓላፍነት ዝወስድ ኣካል ከይነጸረን፡ ንህዝቢ ብሰንኪ ካብ ቀረባን ርሑቕን ዝተበገሱ ግዳማውያን ሓይልታት ከም ዝተሳዕረ ጫሌዳ ሓበሬታ ክህብ ኣይተሰከፈን። ንጹር ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ዕላማታት ወኒኑ፡ ውሽጣዊ ፍልልያቱ ብመሰረት ዝቖመሉ ፖለቲካዊ ፕሮግራማት እናቀራረበን እናመሓደረን ተወዳደርን ተጽዕኖ ፈጣርን ኮይኑ ክርከብ ኣይከኣለን። ንገዛእ ርእሱ ኣብ ናይ ኣረኣእያ ደንበርበር ስለ ዝኣተወ መሰረታዊ ናይ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያን ኣሰርራሓን ለውጢ ኣተኣታትዩ፡ ንህዝቢ ቕኑዕ ፖለቲካዊ ኣንፈት ከትሕዝ ብርሱን ናይ ቃልሲ መንፈስ ተቓሊሱ ከቃልስ ኣይበቕዐን።

  ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ’ውን ካብ ወቐሳ ነጻ ዝወጽእ ኣይኮነን። እቲ ካብ 40ታት ዝጀመረ  ጎርብታት ዝበዝሖ ፖለቲካውን ብረታውን ቃልሲ፡ ርእሱ ዝኸኣለ ግብራዊ ትምህርቲ ስለ ዝኾነ፡ ካብ ጸቢብ ሃገራዊ ስምዒት ወጺኡ፡ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ንቕሓት ወኒኑ፡ ብመንጽር ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰሉን ነገራዊ ረብሓኡ፡ ፈታውን ጸላእን ኣለልዩ ንዝተጋገየ ክገርሕ ተጽዕኖ ክገብር  ኣይከኣለን። 

ስለዚ ከኣ እቲ ብዙሕ ዋጋ ዝተኸፍሎ ናይ መሰል ቃልሲ መወዳእታኡ ግዳማዊ ጸላኢ ብዘቤታዊ ጸላኢ ምትካእ ኮይኑ።  ኣብ ምልኪ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ዘይኮነ፡ ኣብ ፍጹም ምሕረት ሓደ ፈራሕ ጨካን ሰብ ወዲቑ።  ብርግጽ ኣንጻር ምልኪ ዝተጀመረ ቃልሲ ደው ኣይበለን። ግን ከኣ መሰረታዊ ናይ ኣረኣእያን ኣሰርራሓን ንጹርነት ስለ ዘይተወነነ ከም’ቲ ዝድለ ኣድማዒ ኣይኮነን፡፡ ምኽንያቱ  ኣብ’ቲ ናይ ለውጢ ሓይሊ ዝኾነ መንእሰይ ወለዶ ዝተዛበዓ ኣረኣእያን ድሩት ናይ ቃልሲ ተሳትፎን ስለ ዝነበረ ኣወንታዊ ውጽኢት ኣይተመዝገበን። ካብኡ ዝብገስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን መንእሰያት ብህዝቢ ብሓፈሻ፡ ብገዳይም ፖለቲካዊ ውድባት ከኣ ብፍላይ፡ ብሃናጽን ዘይሃናጽን መልክዑ ቀጻሊ ነቐፌታ ይቐርብ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

ሎሚ ግን ኩሉ ናይ ምድንጋር ሜላታቱ ጸላኢ ተመናኒሁ ዕርቃኑ  ይወጽእ ስለ ዘሎ፡  ናይ ኩሉ ሕሰም ጠንቅን ተሓታትን ንሱን ንሱን ጥራሕ ምዃኑ ኣብ ህዝቢ ሰፊሕ ኣገንዝቦ ይፍጠር ኣሎ፡፡ መፍትሒ ናይ’ዚ ከኣ ብዘረባ ጥራሕ ዘይኮነ በቲ ንዕኡ ዝርደኦ  ስነ መጎት ሓይሊ ፊት ንፊት ገጢምካ ነበረ ምግባሩ’ዩ ዝብል  ኣብ’ቲ ተረካቢ ሕድሪ ዝኾነ ሓይሊ መንእሰይ፡ ኣወንታዊ ርድኢት ዝተታሕዘሉ  ወሳኒ ናይ ለውጢ መድረኽ ንሰጋገር ኣለና።

 እንተኾነ ከም’ቲ “ዘራጊት ማይ ዘላተን ኣሓ ጽሩይ ማይ ነይሰትያ” ዝተባህለ፡ ነቲ ዝምዕብል ዘሎ ኣወንታዊ ርድኢት ዝጎደሎ እናመላእከ ንቕድሚት ኣብ ክንዲ ምድፋእ፡ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝካየድ ዘሎ ዘራጊ ጎስጓስ የጉሂ። እምበር’ዶ ብሓቂ ንሰላም ንደሞክራሲ ንማሕበራዊ ፍትሒ ንደሊ ህዝቢ ኢና ዝብል ሕቶ ከተልዕል ይደፍኣካ። ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ብፍርሒ፡ ብበለጽ፡ ብዝተዛበዐ ፖለቲካዊ ርድኢት፡ ብኣምልኾ ኢሳያስ ዝኽሰሱ ዝነበሩ መንእሰያት፡ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ መን ምዃኑ ተገንዚቦም፡ ንምውጋዱ ብተግባር ክሳብ ናይ ህይወት መስዋቲ ኣብ ዝኸፍልሉ ደረጃ ምብጻሖም ናይ ቃልሲ ፍናን ኣብ ክንዲ ዝፈጥር፡  ጸላኢ ብዝጥቀመሉ ቋንቋ  ንጀግንነታዊ ውዕለኦም ዘቆናጽብ ካብ ጉዕዘኦም ዘተዓናቕፍ ወስታታት ዝገብሩ ሰባት እንክትርኢ የተዓዛዝብ ።

  ነባራት ፖለቲካኛታትን ምሁራትን፡ ደቅና ኣብ’ቲ ንዓና ንድሕሪት ዝመለሰ ክሳራ ‘ምበር መኽሰብ ዘይብሉ ዘይ ህዝባውን ዘይደሞክራስያውን ድሑር ስምዒታት ከይኣትው ቀሪብና ንምከር ነተባብዕ። ዘቤታዊ ጸላኢ ዝመበገሲኡ  ካብ ህዝብታት ኤርትራ ንዝለዓል  ናይ መሰልና ይከበር ሕቶ፡ ብዘይ ዝኾነ ኢንታ ኣፍልጦን ክብርን ሂቦም ሓቢሮምን ተኸባቢሮምን ብምቅላስ ዕድመ ደመኛ ጸላኢ ንምሕጻር ዘገልግል ፖለቲካዊ ውድብ፡ ፖለቲካዊ ፕሮግራም፡ ሕጋውን ትካላውን ኣሰራርሓ ክኽተሉ፡ ተመክሮና ነካፍል ክብሉ’ዩ ዝግባእ። ገለ ገሊኦም ሒዘሞ ዘለው መንገዲ ግን ብኣንጻሩ’ዩ።  “ሓጋዚታ ዝረኣየት ሓማትሲ መዲዳ ትሓብእ” ከም ዝበሃል ነቲ ተስፋ ብዙሓትን ውጹዓትን ዝኾነ ናይ ዓወትን ለውጥን ሃዋህው ንዝምራግ ምስ ጸላኢ ዝጫኖ ወፍሪ ምክያድ የገርም። እዚ  ኤርትራዊ ፖለቲካ ገና ኣብ ታተ ከም ዘሎ  ካብ ዝሓለፉ ጌጋታቱ ከም ዘይተማህረ ኣመት ዝህብ’ዩ።  እዞም ናይ’ዚ መድረኽ’ዚ  ዓንቀፍቲ ኣረኣእያታት ንጻምእ ሰላምን ደሞክራስን ህዝቢ ዘርሕቑ ‘ምበር ዘቕርቡ ኣይኮኑን። ብፍላጥ ድዩ ብዘይፍላጥ ንደምበ ጸላኢ ደኣምበር ንደምበ ፈታዊ ኣየገልግሉን። ብመልክዕ ወይ ኣቀራርባኦም ግን ኣብ ሰለስተ ዝኽፈሉ’ዮም።

ቀዳማይ፡- ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈጸመ ዘርኢ ምጽናት ብዝምልከት፡- ሓደ ትርጉም ሰብን ሰብኣዊ ክብረትን ብግቡእ ዝርዳእ ንቑሕ ሕብረተሰብ፡ ኣብ ውልቀ ሰብ ኮነ ሕብረተሰብ ዝፍጸም ዝኾነ ይኹን ዓመጻዊ ስጉምቲ ኣይድግፍን።  ኣብ ልዕሊ መን ኣበይ ቦታን ሃገርን ብዘየገድስ ንዓመጻዊ ኣተሓሳስባን ተግባርን ኣጥቢቑ ክኹንን’ዩ  ዝግባእ። ንሰላምን ሰላማዊ ሕጋዊ ፍታሕን ክጽውዕ፡ ከተባብዕ ክድግፍ’ዩ ዘለዎ።  ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ዝገበርዎ ኸኣ ንሱ’ዩ። ብጉልባብ ምኽባር ልኡላውነት ሃገር ኣብ ጎኒ ጸረ-ህዝቢ፡ ፋሽሽታዊ፡ ኣጽናቲ ኣይንስለፍን’ዮም ኢሎም። እዚ ኣብ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ዝተራእየ መትከላዊ ጽንዓት የሕብን።  ኣብ ጎኒ ፋሽሽታዊ ሓይሊ ዝተሰለፉ ግን ትርጉም ሰብን ሰብኣውነትን ዘይፈልጡ’ዮም።  ናይ ምሕሳብ ተኽእሎኦም ብኣጉል ኣነነታዊ ኣስካሪ ፕሮፖጋንዳን ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ጎሬቤት ህዝብን ዝዓወሩ’ዮም’።  ካብ ንቡር ወጺኦም ዘይንቡር ኣተሓሳስባ ዝወነኑ’ዮም።

 ዘቤታዊ ገዛኢ ኤርትራ ምስ  ናይ ባህሪ መሓዝቱ ተዋድዩ፡ ልቦና ህዝቢ ትግራይ ንምስባር ጥራሕ ዘይኮነ ከም ህዝቢ ምስ ኩሉ ታሪኻዊ ሓድግታቱ ንምጽናት ዓሊሙ ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ብዝኾነ ይኹን መምዘኒ ደገፍ ህዝቢ ኤርትራ ክህልዎ ኣይክእልን። ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ኣምለኽቲ ኢሳያስ ግን፡ ብሽፋን ምኽባር ልኡላውነት ሃገር፡ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ክጠፍእ ኣለዎ። ትግረዎት ሓሳዳት’ዮም።  መንግስትና ጉዳይ ሃገራዊ ልምዓት ከይገብር ዝዕንቅፍዎ ዘለው ንሳቶም’ዮም። መንግስትና ክቕጽል ሃገርና ሰላም ክትረክብ ክትምዕብል ትግረዎት ናይ ግድን ክጠፍኡ ኣለዎም።  ምስ ትግረዎት ዘለና ባእሲ መሰረታዊ’ዩ። እቲ መፍትሒ ንሕና ወይ ንሳቶም’ዩ እናበሉ ዝባኑ ብዝቐልዐ ፖለቲካዊ ድንቁርና ብመንገዲ ጥፍኣት ይሕንበቡ ኣለው።

ካብ ኣብራኽ’ቲ ዝተገፍዐ ሕብረተሰብ ዝተወልዱ፡ ኣብ ሃገሮም ብሰላም ክነብሩ፡ ክመሃሩ፡ ክሰርሑ፡ ርጉእ ማሕበራዊ ህይወት ከሕልፉ ዘይተፈቕደሎም፡  ኣብ ገዛኦም ምድቃስ ስኢኖም ጸሓይ ምስ ዓረበ እንስሳኦም ንገዛ ንሳቶም ንበረኻ ዝኸዱ፡ በዓትን ስንጭሮታትን እናቐያየሩ ከንብሩ ዝተገደዱ፡ ከም ሳዕቤኑ ሃገሮም ገዲፎም ተሰዲዶም ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ኣትዮም፡ ትርጉም ምንባር ከስተማቕሩ ዝጀመሩ ኣምለኽቲ ኢሳያስ፡ ያኢ ፖለቲካዊ ንቕሓት ህዝባውን ሃገራውን ሓልዮትን ዘለዎም ክመስሉ ትግራይ ትስዕር ማለት ክድዓት፡ ትግረዋይነት ወያኔነት ዓጋመነት’ዩ እናበሉ ንፋሽሽታዊ ተግባር ዘለዎም ደገፍ ይገልጹ ኣለው። ንጽልእን ኲናት የተባብዑ ኣለው።  እዚኦም፡ ስጋኣም ካብ ምስባሕን ማሊያ ካብ ምቕያርን ወጻኢ፡ ካብ’ተን ዝነብሩለን ዘለው ሃገራት ዝመሓደራሉ ኣገባብ ከም ዘይተማህሩ፡ ዝኾነ ይኹን ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ከምዘየምጽኡ የመልክት።

ትርጉም ሓቀኛ ሰብን ሰብኣዊ ክብረትን፡ ደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባ፡ ሓቢርካን ተኸባቢርካን ምንባር ዝርድኡ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ድማ፡ ብስም ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብእንኮ-ሰባዊ ስርዓት ንዝተፈጸመ ምጽናት ዘርኢ ኣጥቢቖም ብምኹናን ከም ውጹዓትን ደለይቲ ፍትሕን ኣብ ጎኒ ውጹዕ ህዝቢ ትግራይ ኣለና። ህዝቢ ትግራይ ንዘካይዶ ዘሎ ናይ ህልውና ቃልስን ዘመዝግቦ ዘሎ ዓወትን ድማ ንግድፍን ነደንቕን። ስዕረትን ውርደትን ንፋሽሽታውያን። ዓወት ንውጹዓት። ግዜ ይንዋሕ ይሕጸር ውጹዕ ይስዕር። ትግራይ ትስዕር ክብሉ መርገጾም ብወግዒ ኣነጺሮም ይቃለሱ ኣለው።  ጠንቂ ስእነት ሰላም ኣብ ሃገርን ዞባናን ንዝኾነ ጸረ-ህዝቢ ስርዓት ንምውጋድ ይረባረቡ ኣለው።

ካላኣይ፡- ምስ ኣግኣዝያን ተኣሳሲሩ ተፈጢሩ ዘሎ ዝንቡዕ ኣረኣእያ ብዝምልከት፡-  ኣብ ሓደ እዋን ማለት ኣስታት ቅድሚ 20 ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ፈለጥቲ ውሽጢ፡ እንኮ-ሰባዊ ገዛኢ ኤርትራ ንደምበ ፈታዊ ንምስካፍን ንምዝራግን ዘበገሶ ከም ዝኾነ ዝዛረብሉ፡ ተስፋጽዮን ብዝተባህለ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ  ዝነብር ኤርትራዊ ኣቢሉ፡ ንሕና ኣግኣዝያን ኢና።  ዕላማና ድማ፡ ነዚ ሎሚ ተተኺሉ ዘሎ ናይ ሃገርነት ግዝኣታዊ ሓጹር ኣፍሪስና ተዛረብቲ ቋንቋ ግእዝ ንዝኾኑ ህዝብታት ናብ ሓደ ምምጻእ’ዩ ዝብል ድምጺ ይስማዕ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።  እንተኾነ ግን ተስፋጽየንን ለኣኽቱን ነዚ ጉዳይ ኣጀንዳ ንምግባሩ’ኳ ሃውቲቶም እተን ነበሩ ኣብ ባይታ ሰማዒ ኣይረኸቡን። እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘቃልሕዎ ዝነበሩ ዛዕባ፡ ክሳብ ሕጂ በቶም ተዛረብቲ ቋንቋ ግእዝ ዝኾኑ ህዝብታት ደገፍ ከም ዘለዎ ዘርኢ ጭቡጥ ምልክት የለን። ሰብ ቤት እዚ ሓሳብ’ዚ ኢና በሃልቲ’ውን ካብ ውልቀታት ናብ ደረጃ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ወይ ውድብ ዓብዮም፡ ጸለውቲ፡ ተጽዕኖ ፈጠርቲ ኣሰከፍቲ ዝኾንሉ ኩነታት የለን።

በዚ ኣብ ተዛረብቲ ቋንቋ ግእዝ ዝኾኑ ህዝብታት ሰማዕን ባይታን ዘይብሉ ርሑቕ ከይተጓዕዘ ዝበርዓነ ባዶ ህውተታ፡ ንሓደ ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ ከም ዝጎድእ ኣምሲልካ ዝኸይድ ዘሎ ጎስጓስ ንክትሓስቦ’ውን ይገርም። መሰረት ዘይብሉ፡ ብተግባር ዘይሰርሕን ዘየስርሕን ናይ ውልቀ ሰባት ሃተውተው ብኸመይ ካብ ተዛረብቲ ቋንቋ ግእዝ ወጻኢ ንዘለው ህዝብታት ኣስጋእን ኣሰካፍን  ይኸውን? እዞም ኣግኣዝያን ኣንጻርካ ይተኣኻኸቡ ኣለው ንቓሕ ተዳሎ፡ ኣስተውዕ ዝብል ኣዕናዊ መልእኽቲ ዘመሓላልፉ ዘለው ባእታታት ብንጹር ዕላማኦም እንታይ’ዩ? ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ንምዝራግ ወይስ ዕድመ ስልጣን ኢሳያስ ንምንዋሕ? እዞም ሰባት ካልእ ገጽ ተስፋጽዮን’ዶ ወይስ ንሳቶም ጥራሕ ዝሪእዎ ስውር ተጽዕኖ ፈጣሪ ፖለቲካዊ ውድብ ኣግኣዝያን ኣሎ’ዩ? ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ህዝቢ’ዩ ዝዝራእ፡ ምስ ህዝቢ ድማ ንነብር ኣለና። ከም ደቂ ኣሕድርትና ኣሎን ዝበሃል ብዓይኒን ዘይረአ ምስ መንፈስ ዝተኣሳሰር ሓይሊ እንተዘይሃልዩ ኣብ’ዚ ግሁድ ዓለም ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ኣይኮነን ዘሰክፍ፡ ካብ ኣሕዋትካን መቓልስትኻን ዝንጽል ኣግኣዝያን በቲ ዝተበገሰሉ ማሕበራዊ ሜድያ ኣለኹ ዝብል ትርጉም ዘለዎ መቓልሕ’ውን ንሰምዕ የለናን።  ስለዚ እዞም ሰባት ሓቀኛ መበገሲኦም እንታይ’ዩ?

ብዘየለ ስግኣት ንሓደ ሕብረተሰብ  ኣሰኪፎም ካብ ኣሕዋቱ ክፈልዩ፡ ነቲ ህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ሓኒኑ ንቕድሚት ከይስጉም ከጎናድቡ ዝነጥፉ ዘለው ሰባት ብርግጽ በዓል መን’ዮም ምፍላጥ ኣገዳስነት ኣለዎ። ካብ ህልኽን ተጻይ መልስን ብዝደሓነ ክቃልዑ ይግባእ። ኣዕናዊ ሕልሞም ከም ሕልሚ ተስፋጽዮንን ለኣኽቱን ኣብ መሬት ከይወረደ ኣብ ንፋስ በኒኑ ነበረ ክኸውን ኣለዎ።  እዚ ዕማም’ዚ ንኹሉ ብህዝባውን ሃገራውን ሓድነቱ ዝግደስ ተቓላሳይ ዝምልከት’ኳ እንተኾነ፡ ብወሳኒ መልክዑ ግን እቲ ናትካ ኢና እናበሉ ዘደናግርዎ ዘለው ብስሙ ዝነግድሉ ዘለው  ሸነኽ ትኹረት ሂቡ ብወግዒ ክሰርሓሉ ይግባእ።

እዞም ቅኑዕ ፖለቲካዊ መስመር ዓጢቖም ተወዳደርትን ጸለውትን ንምዃን ዘይተዓደሉ፡ ወትሩ ኣብ ተጻይ፡ ኣብ ጽልኢ ዝነብሩ ኣደናገርቲ ውልቀ ሰባት፡ ከም ኣበጋሲ፡ ቀላስን መዋልን ኣግኣዝያን ኢሎም ዝገልጽዎ፡ በቲ ናትና ዝብልዎ ህዝቢ ክጽላእ ዝጉስጉስሉ ዘለውን ህዝቢ ትግራይን መሪሕነቱን’ዩ።  መታን ሓቢርና ክንቃለሶም ክንምክቶም፡ ህላወ ስግኣት ሓደ ሕብረተሰብ ዝኾነ ኣግኣዝያን ኣርእዩና።  ህዝቢ ትግራይን መሪሕነቱን ነቲ ትብልዎ ዘለኹም ኣግኣዝያን ዝግብርሉ ፖለቲካዊ ኮነ ነገራዊ ደገፍ  ብጭቡጥ ኣቕርቡልና ተባሂልዎም፡ ካብ ዝተለምደ ጸለመን ህውተታን  ወጻኢ ዘቕርብዎ መረዳእታ የለን። ከቕርቡ ስለ ዘይደለዩ ዘይኮነስ ከቕርብዎ ዝኽእሉ ጭብጢ ስለ ዘይብሎም ከቕርቡ ኣይከኣሉን። ዛጊት ግን “ኮሓሎ መሲለን መንቆሮ” ከም ዝበሃል  ብድሕሪት ኮይኖም ለባማትን ሓለይቲ ናይ’ቲ ናትና ዝብልዎ ሕብረተሰብ ተመሲሎም ናይ ምድንጋር እኩይ ወፍሪ ይቕጽልሉ ከም ዘለው ምልክታት ኣሎ።

ናይ’ዞም ሰባት ካብ ኩሉ ዝገርም ፖለቲካዊ ፍኹሰት፡ እቲ ደጋፊ ሓደ ሕብረተሰብ፡ ስግኣት ካልእ ሕብረተሰብ ኢሎም ከደናግርሉ ዝፈተኑ ህላወ ኣግኣዝያን ኣብ ንፋስ በኒኑ ምስጠፍኦም፡ ሰማዒ ይዕዘበናን ይኽዕበናን ከይበሉ፡ ነቲ ተስፋ ውጹዓትን ብዙሓትን ብምዃን ኣንጻር ዘቤታዊ ጸላኢ ብተግባር ዝኳሻሕን ከቢድ ዋጋ ዝኸፍልን ዘሎ ብርጌድ ንሓመዱ መቐጸልታ ኣግኣዝያን’ዩ። ናይ ሓደ ወገን’ዩ። ከይትጽንበርዎ ኢድኩም ኣክቡ ዝብል ሓድሽ ግን ከኣ፡  መሰረት ዘይብሉ ፈጠራዊ ወፍሪ ጀሚሮም ምህላውም’ዩ።

 ካብ’ዞም ኣብ’ዚ ሕሱር ወፍሪ ተዋፊሮም ዘለው ሰባት ገሊኦም፡ ኣብ’ቲ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝካየድ ዝነበረ ብረታዊ ቃልሲ ተሳተፍቲ ዝነበሩ፡  ፖለቲካዊ ኣፍልጦ ኣለና  ተመክሮ ኣለና በሃልቲ’ዮም፡ ገሊኦም ከኣ ብቀለማዊ ትምህርቲ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝበጽሑ ሰባት’ዮም ክትሰምዕ እንከለኻ ትግረም። ምኽንያቱ’ሲ ናይ ነዊሕ ናይ ቃልሲ ልምዲ ዘለዎ፡ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ዝበጽሐ ሰብ ወይ ሰባት ከም’ዚ ዓይነት ሕሱር ወፍሪ ኣብ  ህዝቢ የካይድ ኢልካ ኣይሕሰብን።

ሳልሳይ፡- ኣብ ሃገረ ጀርመን ዝተኻየደ ናይ ሓደ ብርጌድ ንሓመዱ፡ ክልተ ጉባኤታት ዝምልከት፡- ብርጌድ ንሓመዱ ብወሳኔ መልክዑ ናይ ጀመርቲ ፖለቲካ መንእሰያት ምትእኽኻብ ብምዃኑ፡ ክገብር ዝብል ንጽህና ‘ምበር፡ ፖለቲካዊ ዓቕምን ልምድን ከም ዝሓጽሮ ካብ መጀመርያኡ ስኽፍታ ብዙሓት’ዩ ነይሩ። ኣብ ንጹር ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ንቕሓት ዘይተሰረተ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ንጥፈታት ድማ፡ ክንዲ ዝኾነ ቁጠዓን ተወፋይነት ይሃልዎ፡ ውሽጣዊ ሽግር ከም ዘጋጥሞ ንምግማት ኣየጸግምን። ብርጌድ ንሓመዱ ብተግባር ‘ምበር ብፖለቲካ ይዛረብ ስለ ዘየለ፡ ፖለቲካዊ ውድብ ኮይኑ፡ ናተይ ዝብሎ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ወኒኑ፡  ፈታውን ጸላእን ኣነጺሩ፡ ህዝባዊ ልኡላውነት ዘረጋግጽ ስትራተጂን ስልትን ቀሪጹ፡ ሕጋዊ ትካላዊ ተሓታትነት ከተኣታቱ ደጋፊ ሓሳብ ክወሃብ ጸኒሑ’ዩ።

 ካብ ብርጌድ ንሓመዱ ዝስማዕ ዝነበረ ዘይቀጥታዊ መልሲ ድማ፡ ብርጌድ ንሓመዱ ናይ ተግባር’ዩ። ፖለቲካዊ ውድብ ኣይኮነን። ፖለቲካ ንፖለቲከኛታት። ዕማም ብርጌድ ንሓመዱ ሓንቲ’ያ። ምውጋድ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸላኢ ዝብል’ዩ። እቲ ኣንጻር ጸላኢ ትገብሮ ዘለኻ ቃልሲ፡ ትኸፍሎ ዘለኻ መስዋእቲ መበገሲኡ ፖለቲካ’ዩ። ኣብ ፖለቲካ እናሓምበስካ ፖለቲከኛ ኣይኮንኩን ዝበሃል ርእይቶ ቅኑዕ ስለ ዘይኮነ ዳግመ ርእይቶ ግበረሉ። ብርጌድ ንሓመዱ ናይ ሰባት ብሓፈሻ፡ ናይ ጀመርቲ ፖለቲካ ምትእኽኻብ ከኣ ብፍላይ ስለ ዝኾነ፡ መጀመርያ  ኣብ ውሽጡ ምትእምማን ዝፈጥር፡  ሓድነቱ ዘደልድል፡ ነቲ ብተግባር ረኺብዎ ዘሎ ኩለ መዳያዊ ተፈላጥነት ዘቐጽል  መቃለሲ ኣሳሪ ሓሳብ ሰኣል። ቀጺልካ  ብሕጋውን ወግዓውን ጉባኤ፡ ሕጋዊ መሪሕነት ግበር። እቲ ብተግባር ትገብሮ ዘለኻ ጥምጥም  ፖለቲካ ስለ ዝኾነ፡ ብሓሳብን ብተግባርን ውድብ ምሰል ዝብል ጻውዒት ይግበረሉ ነይሩ።

 ብወድዓዊ ድዩ ባዕላዊ ምኽንያታት ግን ነቲ ኣወንታዊ ናይ ፈታዊ ምኽሪ  ክጥቀመሉ ኣይተራእየን።  ድሒሩ ገለ ናብኡ ክወስድ ዝኽእል ንጥፈታት’ኳ እንተጀመረ፡ ካብ’ቲ ፈተውቲ ዝሰግእሉ ኩነታት ግን ነጻ ክኸውን ኣይከኣለን። ሕጂ እነሆ እቲ ዝተገመተ፡ ዝተመኽረ ዝተፈርሐ ልክዕ ምንባሩ ዘነጸረ ውሽጣዊ ነቓዕ ተፈጢሩ የዛርብ ኣሎ። መበገሲ ናይ’ዚ ዘሕዝን ክስተት ብደቂቕ ንምፍላጥ ካብ’ቶም ኣብ ሓደ ዕላማ ኣለና እናበሉ ክልተ ጉባኤ ብምግባር ጽቡቕ ብስራት ሒዞም ከም ዝመጽኡ ኣብ በበይኑ ኣደራሽ ዝስዕስዑ ዝነበሩ ኣካላት ንጽበዮ’ዩ ዝኸውን። ብናይ ርሑቕ ፖለቲካዊ ገምጋምን ብሓደ ወገን ዝስማዕ ዘሎ   ሓበሬታን እንተደኣ ኮይኑ ግን፡ እቲ ምኽንያት ምስ ሕቶ ስልጣንን ገንዘብን ዝተኣሳሰረ ምዃኑ’ዩ። እዚ ብመንጽር’ቲ ናይ ህልውና ቃልሲ ክጥመት እንከሎ ኣዝዩ ዘሕፍር’ዩ። ፖለቲካዊ ዓቕምን ዓቕልን ከም ዘይተወነነ፡ ብንግበር ንገብር ስምዒታዊ ረስኒ ዝተገዝኣ ኣካይዳ ምዃኑን የመልክት። “ከይጸመደ ኣንጎደ” ከም ዝበሃል ሕቶ ፖለቲካዊ ስልጣን ሓደ ካብ መፈላላዪ ነጥቢ እንተደኣ ኮይኑ፡ ምስ’ቲ ብርጌድ ንሓመዱ ጸላኢ ንምውጋድ ደኣምበር ንፖለቲካዊ ስልጣን ኢሉ ኣይሰርሕን። ፖለቲካዊ ውድብ ኣይኮነን እናተባህለ ክግለጽ ዝጸንሐ ግልቡጥ ስነ-መጎት ኣይሰማማዕን።

እቲ ብ16 ታሕሳስ 2023 ጉባኤ ዝገበረ፡ ምኽንያታዊ ይኹን ኣይኹን ዝተፈልየ ርእይቶ ኣለና ዝብሉ ወገናት ምህላዎም ይፈልጥ እንተደኣ ነይሩ ነቲ ፍልልይ ብዘተ ንምፍታሕ፡ ወይ ከኣ ክፍታሕ ዘይከኣል ካልእ መደብ እንተለዎ ንምንጻር፡ ዓቕሊ ገይሩ ግዜ ጉባኤ ንዝተወሰነ ግዜ ክምጠጥ ክገብር ነይርዎ። ምኽንያቱ ካብ’ቲ ግዜ ጉባኤ ብምምጣጥ ዝመጽእ ክሳራ፡ ንምፍልላይ ስዒቡ ዝመጽእ ዕንወት ስለዝዓቢ። እቲ ብ20 ጥሪ 2024  ጉባኤ ዝገበረ ወገን ብተመሳሳሊ፡ ዋላ ኣብ ሕቶ መሪሕነት ትዕዝብቲ ይሃልዎ፡ ሓደ ብርጌድ ንሓመዱ ገና ብዙሕ ከማልኦ ዘለዎ ነገራት ዘየማለአ ብፖለቲካዊ ፕሮግራም ዘይኮነ ብስምዒት ብተግባር ዝምራሕ  ብምዃኑ፣ ክልተ፡ እዚ መድረኽ’ዚ ከም’ቲ ብርጌድ ንሓመዱ’ውን ደጋጊሙ ዝገልጾ ንዘቤታዊ ጸላኢ ንምውጋድ ‘ምበር ንፖለቲካዊ ስልጣን ንወዳደረሉ ሕጋውን ሰላማውን ሃዋህው ስለዘይኮነ፡ ነቲ ጉዳይ ብዓቕልን ሓላፍነትን ክሕዞ ይግባእ ነይሩ።

  እቲ ካብ ህዝቢ ዝተዋጽአ ገንዘብ ኣበይ ወዓለ ዝለዓል ዘሎ ዛዕባ’ውን ፈጺሙ ግዳም ክወጽእ ኣይነበሮን። ከይተሃወኽካ ግዜ ሂብካ፡ ጭብጢ ሒዝካ ብዓቕሊ ኣብ ውሽጥኻ ኣብ መድረኽካ ክፍታሕ ዝከኣል’ዩ ነይሩ። ብርጌድ ንሓመዱ ናተይ’ዩ እናበልካ ኣብ ሓደ ወርሒ ኣብ ሓደ ከባቢ ክልተ  ጉባኤ ምግባር ተራ ህልኽን ዘይሓላፍነታውን ደኣምበር፡ ቅንዕናን ህዝባዊ ሓላፍነትን ኣየመልክትን። ብክልቲኡ ወገን ነቲ  ከቢድ ዋጋ ዝኽፈሎ ዘሎ ዝተጠናነገ ህዝባዊ ሓርነታዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ባህሪኡ፡ ኣተሓሕዛኡን ኣፈታትሓኡን ብልክዕን ብሓላፍነትን ኣብ ምርዳእ ጸገም ከም ዘሎ ይእምት። ብመሰረቱ ውድቀት ፖለቲካ ኤርትራ ኣብ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ፍልልይ ዘይኮነስ፡ ፖለቲካዊ ድኽነት ዝወለዶ፡ ኣብ ዘይመሰረታዊ ተራ ምትህልላኽ፡ ሕሜታ፡ መዓስን ብኸመይን ዘይፈሊ ምቅድዳም ናብ ፖለቲካዊ ስልጣን ምዃኑ ብግቡእ ተረዲኦም ዝተበገሱ ኣይመስሉን። ገዛእ ርእሶም ካብ’ዚ ድሑር ስምዒታት ወጺኦም ንዝፍጠር ነገራት ብዓቕልን ብብስለትን ከመሓድርዎ ከም ዘይተዳለው የርኢ። ቀዲሞም  ካበይ ተበጊሶም ኣበይ ክበጽሑ ከም ዝደልዩ ዘምልክት ኣሳሪ ሓሳብ (ፖለቲካዊ ራእዩ) ከይሰኣሉ፡ መን ኣበየናይ ጽፍሒ ስልጣን ይኣቱ ትኹረት ይገብሩ ከም ዘለው የረድእ። እዚ ድማ ኣዝዩ ሓደገኛን ቀጻሊ ሕኑን ናይ ኣረኣእያ  ቃልሲ ዘድልዮ  ህውኽ ጸረ-ደሞክራስያዊ ኣካይዳ ምዃኑ ይሕብር።

ኣብ መወዳእታ ዝተወደበ ይኹን ዘይተወደበ ደላዩ ደሞክራስያዊ ለውጢ ኩሉ ብዕምቆት ክርደኦ ዘለዎ፡  ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ኩለ መዳያዊ ዓፈናን ስቓይን ክንወድቕ ዝኸኣልና፡ ሰራዊትን ኣጽዋርን ስለ ዘይብልና ኣይኮናን። ካብ ለውጢ ዝደሊ ንኢሳያስ ዘመልኽ ስለ ዝበዝሕ ኣይኮነን። ነካይዶ ንዘለና ህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ዝስከም ምንጪ ቁጠባ ስለ ዘይብልና’ውን ኣይኮነን። ኣብ ምሕረት ሓደ ጨካን ሰብ ክንወድቕ ዝገበረና ቀንዲ ምኽንያት ድኻ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስንባና’ዩ። ካብ ፖለቲካዊ ድኽነት ንምውጻእ ንቑሓት ፍትሓውያን ደሞክራስያውያን መትከላውያን ንምዃን ንጽዓት። ውሳኔና ምኽንያታዊ ይኹን። ሃገር ማለት ሰብ ምዃኑ ንረዳእ። እዞም ንደምበ ፍትሒ ዘስክፉ ዘለው ደረጃ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ዓቕሚ ዘማላኽቱ ሰለስተ እዋናውያን ኣሉታዊ ተርእዮታት ክረኣዩ ዘይነበሮም’ዮም። ንቀዳማይ በቲ ዝርደኦም ቋንቋ ንምውጋድ፡ ንካልኣይን ሳልሳይን ከኣ ብንቑሕ  ፖለቲካዊ ቃልሲ ናብ ንቡር ንምምላስ  ቅድሚ ኩሉ ብሓሳብ ክንሰማማዕ፡ ብሓሳብ ክንምራሕ ዓቕልን ፖለቲካዊ ዓቕምን ክንፈጥርን ብዘይ ምስልካይ ክንቃለስ ይግባእ።

ሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

                                                                      31 ጥሪ 2024