ህዝቢ ኤርትራ ዕረፍቲ ኣብ ዘይብሉ እህህታ ይነብር ኣሎ። ኣብ’ዚ መዛረቢ ማሕበረ ሰብ ዓለም ዝኾነ ቃንዛን እህህታን ክወድቕ ዝገብሮ ከኣ፡ ካብ ግዳም ዝተበገሰ ወራሪ ሓይሊ ኣይኮነን። ባህሪያዊ ሓደጋ’ውን ኣይኮነን። ውሽጣዊ ሓድነት ህዝቢ ከፋፊሉ፡ ኣርዒዱ፣ ማሕበራዊ ባህላዊ ሃይማኖታዊ ክብርታት ኣናጊዑ፡ ኢደ ወነናዊ ፖለቲካዊ ስልጣኑ ከቐጽል ዝደሊ ፋሽሽታዊ ጉጅለ ብውሳኔ ዝኽተሎ ዘሎ ኣዕናዊ ፖሊሲ’ዩ። እዚ ህዝቢ ከም ጥሙር ህዝቢ፡ ሃገር ከም ልኡላዊት ሃገር ከይቕጽል ብዝተናወሐ ግዜ እቲ ህዝቢ ክጸንት፡ እታ ሃገር ክትፈርስ ዝዓለመ ጸረ-ህዝቢ ኣረኣእያን ተግባርን’ዩ። እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ካልኣይ ሳልሳይ ደረጃ ዘይኮነ ቀዳማይ ጸላኢ’ዩ።  ቀዳማይ ጸላኢ ድማ ናይ ግድን ብንቑሕ ህዝባዊ ቃልሲ ክምከት፡ ክሰዓር፡ ናብ ነበረ ክቕየር ደኣዩ ዘለዎ ‘ምበር ብጉልባብ “ድሕነት ሃገር” ክንክን ክግበረሉ  ኣይግባእን።

 እዚ መድረኽ’ዚ ወሳኒ መድረኽ’ዩ። ወገን ህዝቢ ወይስ ወገን ጸላኢ ፖለቲካዊ ደምበ ዝንጸረሉ መድረኽ’ዩ። ህዝቢ ህልውናኡ ንምውሓስን ቀጻልነቱ ንምርግጋጽን፡ ጸላኢ ከኣ ህዝቢ ንምጽናት ኣብ ዝካየድ ዘሎ ምርብራብ፡ “ክውዕየካን ብማንካ ክዝሕለካን ብኢድካ” ዓይነት ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ኣካይዳን ቅኑዕ ኣይኮነን።  ናብ ደምበ ጸላኢ ወጊንካ ብባህርን ብተግባርን ንፋሽሽታዊ ፖሊሲ ምግልጋል ወይ ከኣ ናብ ግፉዓትን ብዙሓትን ወጊንካ ብምሉእ ዓቕምኻ ንደምበ ፈታዊ ምግልጋል ‘ምበር ብጉልባብ ነጻ ሓሳብ ነጻ ሜድያ፡ ናይ ክልተ ደምበ ወገን ፈታውን ኣገልጋልን ምዃን ኣይከኣልን።   ሜድያ ካብ ኩሉ ነጻ’ዩ። ነጻ ድማ ክኸውን ኣለዎ ዝብል  ኣብ ወረቐት ዝሰፈረ ኣስተምህሮ ከም ዘሎ ኣይከሓድን።  ብተግባር ግን ውግንና ዘይብሉ ሜድያ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ኣይኮነን ኣብ ሃገርናን ኣህጉርና ኣፍሪቃን ኣብ’ተን ምዕቡላት ዝበሃላ ብኽብረት መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ብህላወ ነጻ ሜድያ ብዙሕ ክብላ ዝሰመዓ ሃገራት ምዕራብ’ውን ሜድያ ውግንና ኣለዎ።

ስለዚ ከኣ ኣብ’ዚ  ህዝቢ ካብ ምጽናት ንምድሓን ብሓደ ወገን፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ብጉልባብ “ድሕነት ሃገር”  ህዝቢ ንምጽናት ዝካየድ ዘሎ ናይ ክልተ ዓይኒን ሓመድን ዝኾነ ደምበ ወሳኒ ጥምጥም፡ ኣብ ማዕከናት ዜናን ሓበሬታን ዝነጥፉ ኤርትራውያን ብዘየደናግር መርገጾም ከነጽሩ ይግባእ። ናይ ህዝቢ ሜድያ’የ ዝብል ትካል ብምስምስ ነጻ ሓሳብ ነጻ ሜድያ ንጸላኢ ህዝቢ ዘገልግል መደብ ከቕርብ የብሉን። ብንጹር ንምቕማጥ ንደምበ ፈታውን ደምበ ጸላእን ብማዕረ ወዲኑ ከገልግል ክብገስ ኣይግባእን። ኣብ ደምበ ፈታዊ ኣለኹ ዝብል ሜድያ ብምሉእ ዓቕሙ ኣንጻር ደምኛ ጸላኢ’ዩ ክሰርሕ ዘለዎ።

ንኣብነት ማዕከናት ዜና ደምበ ጸላኢ ብስመ ነጻ ሜድያ ሓቂ ኣይዛረባን ምስ ደምበ ፈታዊ ኣይደናገጻን። ስለምንታይ?  ብባህርን ዝቖማሉ ዕላማን ኣገልገልቲ መቀናጀውቲ ውልቀ ምልኪ ‘ምበር ድምጺ ዕቡሳት ኣገልገልቲ ህዝቢ ስለ ዘይኮና። ኣብ ደምበ ፈታዊ ዝርከቡ ማዕከናት ዜና ድማ፡ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ንፖለቲካዊ ምስሊ ጸላኢ ዘመላኽዕ፡ ንዘይሕጋዊ ተግባሩ ሕጋዊ፣ ንዘይፍትሓዊ ኣረኣእያኡ ፍትሓዊ፣ ንኣገልገልቲ ሓደ ሰብ ዝኾኑ ቀተልቲ፡ ጅግና ሓርበኛ እናበሉ ክጽብጽቡ ቅኑዕ ኣይኮነን። ከምኡ እንተደኣ ገይሮም ምስ’ቲ ወገና ደምበና ዝብልዎ ህዝባዊ ቃልሲ ብቐጥታ’ዩ ዝራጸም።  ብስም ሃገር፡ ወራሪ ጸረ-ህዝቢ  ባህርን ተግባርን ደመኛ ጸላኢ ከይቃላዕ፡ ብኣካል ኣብ ስደት ደምበ ፈታዊ፤  ብባህሪ ምስ ደምበ ጸላኢ ኣብ ኣስመራ ኮይንካ፡  ከም ባህሪያት ሕንቁቕ ቆልዓ  ኣብ ክልቲኡ ደምበ ክትህሉ ምፍታን  ባህርን ተግባርን ናይ ህዝቢ ሜድያ ኣይኮነን። ብኣካል ኣብ ደምበ ፈታዊ ኮይንካ ናይ ህዝቢ ሜድያ’የ እናበልካን ብገንዘብ ህዝቢ እናነበርካን ብባህሪያዊ ሕማም ድዩ ብሓደጋ ንዝመቱ ኣገልገልቲ ሓደ ሰብ ንዝኾኑ ስማውያን ሚኒስተራት፡ ኣምባሳደራት፡ ኣመሓደርቲ፡ ጀነራላት ናይ ሃገራዊ ጀግንነትን ሓርበኝነትን ካባ ከዲንካ ክትደናገጸሎም፡ ኣብ ዳስ ሓዘኖም ህዝባዊ ንብዓት ክፈሰሎም ክትጉስጉሰሎም እንከለኻ፡ ሓቀኛ ደምበኻ ኣበይ ምዃኑ ዘረጋግጽ ‘ምበር ነጻ ሜድያ ናይ ህዝቢ ሜድያ ምዃንካ ኣየመልክትን።

 ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት፡ ብምኽንያት ሞት ሃይለ ሳሙኤል (ቻይና)  ኣብ መንጎ ኣካየዲ ስራሕን ጋዜጠኛን ሄኖክ ተኽለን ቦርድ ኢሪሳትን ሓደ ሕቡእ ዝነበረ ባህሪ ተጋሂዱ። ኣካያዲ ስራሕን ጋዜጠኛን ሄኖክ ተኽለ  ንሞት ሃይለ ሳሙኤል መበገሲ ብምግባር፡ ኣብ ኤርትራ ኣለው ዝበሃሉ ጀነራላት 32 ዓመት ንስልጣን ሓደ ሰብ ክሕልው ንህዝቢ ዝጭፍጭፉ ዘለው ቅድሚ ብኣካል ብሕልና ዝሞቱ’ዮም። ሃይለ ሳሙኤል ድማ ብመንጽር ዝተሰከሞ መዓርግ ናቱ ፖለቲካዊ ኮነ ወተሃደራዊ ሩሕ ዘይነበሮ ሕጂ ንካልኣይ ግዜ ብስጋ ዝመውት ዘሎ ሰብ’ዩ።  ኣቐዲሙ ብሕልና ዝሞተ ሕጂ ድማ ብስጋ ዝመውት ዘሎ’ዩ ክብል ንተራ ስማውያን ጀነራል ብብሩህ ዘርኢ፡ ቅኑዕ፣ ብሱል፣ ጽኑዕ ህዝባዊ ፖለቲካዊ መትከል ዘለዎ ባእታ ምዃኑ ዘረጋገጸ ተንታን ሂቡ። ነዚ መግለጺ’ዚ ስዒቡ፡ ገለ ብግርህና ነቲ ፖለቲካዊ ተንታን ምስ ማሕበራውን ከባብያውን ዝምድና ብምድውዋስ፡ ገለ ከኣ፡ ምስ ጸላኢ ዕትብቱ ዘይተበትከ ምትእስሳር ከም ዘለዎ ዘመልክት ርእይቶታት ክወጽእ ጀሚሩ። ሃይለ ሳሙኤል ጀግናና’ዩ። ሃገራዊ ጀግና’ዩ። ክምጎስ ክውደስ ‘ምበር ክንቀፍ ኣይግባእን።  ስውእ ‘ምበር ምውት ኣይጽዋዕን። ሓደ ግዜ ‘ምበር ክልተ ግዜ ኣይሞተን ዝብል ጫውጫውታ ፈጢሩን ይቕጽል ኣሎን።

ሃይለ ሳሙኤል ኮነ ካልኦት መሳርሕቱ ዝውቀሱን ዝውደሱን ምስ’ቲ ዘቖምዎ ጸረ-ህዝቢ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት፡ ባህሪኦምን ተግባሮምን ብምትእስሳር ደኣምበር፡ ትማሊ ኣብ መድረኽ ብረታዊ ቃልሲ ንዝነበሮም ኣወንታዊ ተራ ብምኽሓድ፣ ብሰብነቶም ወይ ብከባቢኦም ኣይኮነን። ሃይለን ብጾቱን ጨና ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ኣብ ዘይነበሮ፡ ብዝተበሃልካዮ ግበር ቀጢን ትእዛዝ እናተመርሑን እናመርሑን ኣብ ምውጋድ መግዛእታዊ ሰራዊት  ዝነበሮም ኣወንታዊ ተራ ዝርሳዕ ኣይኮነን። እዚ ከይሃስስ ኢሉ’ውን ከይድምሰስ ብግቡእ ተሰኒዱ ክዕቀብ ዘለዎ ኣወንታዊ ሃገራዊ ታሪኽና’ዩ። ናቶም ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብ’ቲ ህዝቢ ኤርትራ 20 ዓመት ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ፣  30 ዓመት ከኣ ጽዕጹዕ ደማዊ ብረታዊ ቃልሲ ዘካየደሉ ብድምር 50 ዓመት ዝወሰደ፡ ታሪኻዊ፣ ሕጋዊ፣ ፖለቲካዊ መረዳእታ ዝነበሮ ሕቶ ሃገራዊ ነጻነትን ህዝባዊ ሓርነትን ዝጠልብ ነዊሕ ጉዕዞ፡ ካብ ዝሓጸረ ክሳብ ዝነውሐ ግዜ፡ ካብ ዝነኣሰ ክሳብ ዝዓበየ ናይ ፍልጠት፡ ጉልበት፡ ገንዘብ   ደም፡ ኣካል፡ ህይወት ዋጋ ዝኸፈሉ ዜጋታት ኩሎም፡ ኣበርክቶኦም  ብግቡእ ተጸኒዑ፡ ተኣኪቡ፡ ኩነታት ክንዲ ዘፍቀደ ብጽሑፍን ምልስን ተቐሪጹ መምሃሪ መጻኢ ወለዶታት ክኸውን ኣለዎ።  ንህዝቢ ክበሃል ዝተኸፍለ ዋጋ  ስለ ዝኾነ ብሃገር ደረጃ ክኽበር፡ ኣብ ሃገራዊ መዘኽር ክዕቀብ ዝብል መልእኽቲ ኣብ ዝቐደመ  ናብ ህዝቢ ዝተዘርገሐ ጽሑፍ ተገሊጹ ምንባሩ ብምዝኽኻር፡ ሎሚ ይኹን ጽባሕ ክኸውን ዘለዎ ሓቂ ንሱ ምዃኑ ምርዳእ የድሊ።

ቅድሚ 1991 ዝነበረ ይዕበ ይንኣስ ኣወንታዊ ኣበርክቶን፡ ድሕሪ 1991 ጎሊሁ ዝወጸ ጸረ-ህዝቢ ኣረኣእያን ፋሽሽታዊ ተግባርን ደዋዊስካ ብምቕራብ፡ እከለ ትማሊ ጅግና ሃገራዊ ሓርበኛ ስለ ዝነበረ ሎሚ’ውን ጀግና ሃገራዊ ሓርበኛ’ዩ እናበልካ ምውዳስ ግን፡ ብዝነኣሰ መግለጺ ዝተዛበዐ ፖለቲካ ኣረኣእያ፡ ብዝዓበየ ከኣ ምልክት ናይ ዘይተበትከ ዕትብቲ’ዩ።  ኣብ ፖለቲካ ንሰባት ኣብ ክንዲ ብኣረኣእያኦም ተግባሮም መዚንካ ገምጊምካ ምንቃፍን ምድጋፍን፣ ብሕግን ብታሪኽን ከይሕተቱ፡ ኣብ ካልእ መድረኽ ዝነበሮም ተራ፡ ትውልዲ ዓዶም ከባቢኦም ሃይማኖቶም ብሄሮም ወገን ኮይንካ ክትከላኸለሎም ምፍታን መሰረታዊ ጌጋ’ዩ። ስለምንታይ’ሲ ሃይለ ሳሙኤል ሃገራዊ ጅግና ሓርበኛ፡ ሃገራዊ ስውእ እንተተባሂሉ፡ መራሒ ሓይልታት ምክልኻል ስልጣን ኢሳያስ ፍሊጶስ ወልደየውሃንስ’ውን ሃገራዊ ጅግናን ሓርበኛን’ዩ ማለት’ዩ። ሓላፊ ድሕነት ስልጣን ኢሳያስ ኣብራሃ ካሳ’ውን ሃገራዊ ጅግናን ሓርበኛን’ዩ ማለት’ዩ። ኢሳያስ ኣፈወርቂ’ውን ጅግናን ሓርበኛን’ዩ ማለት’ዩ። ነዚ ስዒቡ ስመጽእ መን ደኣዩ እቲ ጸላኢ? መንደኣዩ ሃገራዊ ሰላም፡ ደሞክራሲ፡ ልምዓት ከይመጽእ ዓጊቱ ዘሎ? መን ደኣዩ እቲ ህዝቢ ዘሳቒ ዘሎ? መን ደኣዩ ናይ’ቲ ኣብ 32 ዓመት ዝተፈጸመ ህዝባዊ ግፍዒ ተሓታቲ? መን ደኣዩ እቲ ክውገድ ዝድለ ዘሎ ሓይሊ? ዝብል መሰረታዊ ሕቶታት’ዩ።

  ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ኣብ ኤርትራዊ መንእሰይ ከኣ ብፍላይ ብምእዙዛት ኢሳያስ ዝኾኑ ስማውያን ጀነራላት ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎን ዘስካሕክሕ ገበናዊ ተግባራት ብፖለቲካውን ዜግነታውን ዓይኒ መርገጽካ ከተነጽር እንተዘይከኣልካ፡ ብሰብኣውነት ወገን ግዳያት ክትከውን ይግባእ።  ብወገን ቦርድ ኢሪሳት ዝተሰምዐ ግን ብግልባጥ ናይ’ቲ ክኸውን ዝነበሮ ሚዛናዊ ፍርድን ሰብኣዊ ሓልዮትን’ዩ። ፈጸምቲ ገበን ሓራ ክኾኑ፡ ግፉዓት ብዝተበደልዎ ክኸዱ ዝፈረደ ዝንቡዕ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ’ዩ። ኣብ መንጎ  ሃገር ከደን ህዝባዊ ፍትሒ፡ ህዝባዊ ደሞክራሲ፡ ህዝባዊ ሰላም፡ ህዝባዊ ልምዓት ካብ ምንጋጋ ጸረ-ህዝቢ ሓይሊ ኣውጺእካ ህዝባዊ ንምግባር ዝፍጸም ጀግንነትን፡ ህዝቢ ኣድኪኻ ኣርዒድካ ኢደ ወነናዊ ስልጣን ሓደ ሰብ ንምቕጻል ዝገበር ፋሽሽታዊ ተግባርን ዘሎ መሰረታዊ ዶብ ፈላሊኻ ክትመዝን ዘይምኽኣል ዘይኮነስ ዘይምድላይ የተዓዛዝብ።

ምኽንያቱ ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ኣጋጢምዎ ዘሎ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊ ዓፈና፡ በቶም ቅድሚ 1991 ተጋደልቲ ዝነበሩ፡ ሎሚ ምሉእ ንምሉእ ናብ ጸረ-ህዝብነት ተቐይሮም ፋሽሽታዊ ተግባራት ዝፍጽሙን ዘፈጽሙን ዘለው ስማውያን ጀነራላት ምዃኑ ከይኣመንካ ህዝባዊ ሜድያ ማለት ንዕቀት ህዝቢ’ዩ። ኤርትራ ናብ ምድራዊት ሲኦል ኣብ ምቕያር ኣዕናዊ ተሳተፎ ዝነበሮምን ዘለዎምን ጀነራላት ሚኒስተራት ኣምባሳዳራት ኮነ ኣመሓደርቲ ኩሎም፡ ከም’ቲ ጋዜጠኛ ሂኖክ ተኽለ ዝበሎ ብህይወት እናሃለው ብሕልና ዝሞቱ’ዮም።  ብሕልና ወይ ብስጋ ኣብ ዝሞትሉ ከኣ ናይ ክብሪ ስውኣት ዘይኮኑ ጸሊም ታሪኽ ገዲፎም ክልተ ግዜ ዝሞቱ ኣገልገልቲ ሓደ ሰብ ምዃኖም ምቕባል የድሊ።  ሞት ሃይለ ሳሙኤል ከም መበገሲ ምውታት ስማውያን ጀነራላት ምዃኑ እንተዘይኮይኑ፡ እቲ መልእኽቲ  ንዕኡ ንበይኑ ዝምልከት ኣይኮነን።

   ሃይለ ቅድሚ 1991 ካብ’ቶም ኣብ ምጽራግ ሰራዊት መግዛእቲ ልሉይ ተራ ዝነበሮም ወተሃደራውያን መራሕቲ ሓደ ምንባሩ ቅኑዕ ሕልና ዘለዎ ኩሉ ንኣወንታዊ ውዕለኡ ዝኽሕዶ ኣይኮነን።  ኣብ መድረኽ ዘቤታዊ መግዛእቲ  ግን፡ ንበይኑ ዘይኮነ ምስ’ቶም ከምኡ ዝበሉ ኣገልገልቲ ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ይቕረ ዘይበሃሎ ብሕጊ ዘሕትት ተግባር ከም ዝፈጸመ ኣየካትዕን። ስለዚ ከኣ ብፖለቲካዊ ሚዛን ምውት ‘ምበር ስውእ ክበሃል ቅኑዕ ኣይኸውንን። ክውቀስ ‘ምበር ክምጎስ ኣይግባእን። ስለምንታይ’ሲ ኣብ’ዚ ዘመነ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት ንስለ ህዝቢ ክብል ዝተበጀወ ጀግና ዘብሎ ተግባር የብሉን። ትማሊ ጥዑይ ዝነበረ ሰብ ሎሚ ኣእምሮኡ ተመዛቢሉ እምኒ ክድርቢ እንተጀሚሩ ትማሊኮ ጥዑይ’ዩ ነይሩ  ኢልካ ስለ ዝመስከርካሉ ጥዑይ ክኸውን ኣይክእልን።  ንዝዓበደ ዕቡድ፡ ብስልጣን ሰኺሩ ህዝቢ ንዘሳራጢ ከኣ ጸረ-ህዝቢ ‘ምበር ጅግናን ስውእን ክበሃል ርትዓዊ ኣይኮነን። ዘረፍቲ ቀተልቲ ጀጋኑ’ዮም፡ ስውኣት’ዮም ዝብል ተረድኦ፡ በቶም ብሰንኪ ዘቤታዊ ገዛኢ፡ ህይወቶም ዝሰኣኑ፣ ኣካሎም ዝጎደሎ፣ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝበልዩ ዘለው፣ ዝተበታተና ስድራ ቤታት፣ ኣብ ጉዕዞ ስደት ዝጠፍኡ ወገናት ምልጋጽ’ዩ ዝኸውን። እዚ ንኹሎም ተመሳሳሊ ባህርን ተግባርን ዝነበሮምን ዘለዎምን ኣገልገልቲ ኢሳያስ ዝምልከት መግለጺ’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ 32 ዓመት  ግን፡ ኣብ ኤርትራ ጸረ-ህዝቢ ኣረኣእያን ፋሽሽታዊ ተግባርን ጥራሕ ኣይኮነን ተፈጺሙ። ንስለ ድሕነት ህዝቢ፡ ምርግጋጽ ሰላምን ፍትሕን ክበሃል፡ ፈጺሙ ዘይሃስስ ድሙቕ ጀግንነታዊ ታሪኽ ዝፈጸሙ ብዙሓት ዜጋታት ተራእዮም’ዮም። ነቲ ብወግዒ ደምበኡ ኣብ ዝፈለየ ብፖለቲካዊ ውድባት ማለት ደምበ ፈታዊ ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎን ታሪኻዊ ጀግንነትን ሓርበኝነትን ከይሓወስና፡ ኣብ ውሽጢ ማይ ቤት እንኮ-ሰባዊ ስርዓት (ደምበ ጸላኢ) ብደረጃ ውልቀ ሰብን ብሓባርን ህዝባዊ ሓበን ዝኾነ ጀግንነት ከም ዝተፈጸመ ክዝንጋዕ የብሉን። ካብ’ቶም ብዙሓት  ንስለ ህዝቢ ጀግንነታዊ ቅያ ዝፈጸሙ ዜጋታት ንኣብነት፡-

ቀዳማይ፡- ሓርበኛ ቢት ወደድ ኣብራሃ’ዩ። ቢት ወደድ ኣብራሃ ጸረ-ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብ ዝተኻየደ ብረታዊ ቃልሲ ተሳቲፉ፡ ክሳብ ብደረጃ ላዕለዋይ ጽፍሒ መሪሕነት ኮይኑ ዘገልገለ ጀግና’ዩ። ናይ ቀረባ መሳርሕቱ ዝነበሩ ከም ዝምስክርሉ ካብ ሕጋውን ስርዒታውን ኣሰራርሓ ወጻኢ ብስመ ሓላፊ ንልዕሊኡ ዘሎ ሰብ ዝምብርከክ ኣይነበረን። ከምኡ ዓይነት ናይ ተንበርካኽነት ባህሪ ስለ ዘይነበሮን ግልጽነት፡ ህዝባውነት ዝወነነ ሓቀኛ ተጋዳላይ ስለ ዝነበረ ከኣ፡ ብኢሳያስን ኣገልገልቲ ኢሳያስን ወትሩ ብሕማቕ ዓይኒ ይጥመት ከም ዝነበረ ይሕብሩ። መሰረታዊ ምኽንያት ናይ መእሰሪኡ፡ ምእዙዝ ኣይኮነን ዝብል  ምዃኑ’ውን የረጋግጹ።

ቤት ወደድ ብውዲት ዝምብርከኽ ርእሱ ዘድንን ባህርን ሕልናን ዘይብሉ ተባዕ ተቓላሳይ ምዃኑ፡ ኣብ’ታ ንሓጺር ግዜ ካብ ጸልማት ቤት ማእሰርቲ ወጺኡ ጸሓይ ብርሃን ዝረኣየላ’ሞ ምስ ህዝቢ ዝተራኸበላ እዋን ብግልጺ ንህዝቢ ዘመሓላላፎም መልእኽቲ ኣመስኪሩ’ዩ። “ ሰብ’ሲ ካብ ፈጣሪ ክፈርሕ ኣለዎ፡ ካብ ሕጊ ክፈርሕ ኣለዎ፡ ካብ ህዝቢ ክፈርሕ ኣለዎ ‘ምበር ንሰብ ክፈርሕ የብሉን። ንሓላፊ ክፈርሕ የብሉን። ብቑዕ መራሒ ዝበሃል ኣብ ኲናት ዝነብር፡ ጸላኢ ዘብዝሕ ዘይኮነ፡ ሰላም ዘረጋግጽ ጸላእቲ ዘውሕድ ፈተውቲ ዘብዝሕ’ዩ። ክንደይ ቀቲልካ ዘይኮነ ክንደይ ምሒርካ’ዩ።” ...ወዘተ ክብል ዝገለጾ ዝኾነ ኢንታ ዘይወጽኦ መግለጺ ጀግንነቱ’ዩ። ቢት ወደድ ተራ ወተሃደራዊ ጀግና ዘይኮነ ብሱል ፖለቲከኛ ምንባሩ’ውን እቲ ኣብ ትሕቲ ጽጉም ኩነታት ኮይኑ ዘመሓላለፎ ታሪኻዊ ፖለቲካዊ መልእኽቲ የረጋግጽ። ህዝባዊ ኣረኣእያ፣ ፖለቲካዊ ክለሰ-ሓሳባዊ ርዝነት፣ ፈሪሓ እንግዝኣብሄር፣ ኣድላይነት ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ፣ ሰላም ኣብ ምዕባለ ሕብረተሰብ ዘለዎ መሰረታዊ ተደላይነት፣ ጸላእቲ ምብዛሕ ዘለዎ ክሳራ፣ ፈተውቲ ምብዛሕ ዘለዎ ጠቕሚ፣ ጀግንነት ማለት ክንደይ ቀቲልካ ዘይኮነ ክንደይ ምሒርካ’ዩ  ዝርዝሩ ብዙሕ’ዩ  ብግዜ ርሕቀት ዘይሃስስ ረዚን መልእኽቱ ብዙሕ መጻሕፍቲ ክጸሓፈሉ ዝኽእል ታሪኻዊ ሰነድ ዝሰነደ ህዝባዊ ሃገራዊ ጀግና’ዩ።

ቢት ወደድ ብዓመጽ’ዩ ተኣሲሩ። ካብ ዝእሰር እነሆ ኣስታት 30 ዓመት ኮይኑ።  ንሕልናኡ ንህዝብን ሕግን ዝነብር ሰብ ስለ ዝኾነ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይበሊ ኣሎ። ስለዚ ቤት ወደድ ኣብራሃ ንዓና ነቶም ግፉዓትን ብዙሓትን ኤርትራውያን ናይ ወትሩ ጅግናና’ዩ። ንሕበነሉ ሃገራዊ ምልክትና’ዩ። ናይ ህዝባውነትን መትከላዊ ጽንዓት ኣብነት’ዩ። ዳግማይ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ጅግና ኔንሰል ማንዴላ ኣብ ሃገረ ኤርትራ’ዩ።

ካልኣይ፡- ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ከመይ ኩነታት ኣለው ዘይተፈልጡ፡ ብወግዒ ስለምንታይ ኣብ ኲናት ባድመ ኣቲና፣ ኣብ ህይወት ህዝብን ሃብቲ ሃገርን ዝበጽሐ ዕንወት ክግምገም ኣለዎ፣ ተሓታቲ ክህልዎ ኣለዎ፣  ቅዋም ይተግባር፣ ስልጣን ናብ ህዝቢ ይመለስ፣ ዓለም ብትምረሓሉ ሕጊ ንመራሕ ...ወዘተ ዝብል ጽገናዊ ለውጢ ክተኣታቶ ዝጠለቡ ፖለቲከኛታትን ነዚ ዘቃልሑ ጋዜጠኛታትን ብርግጽ ጀጋኑና’ዮም። ብህይወት እንተዘይሃልዮም ከኣ ብኽብሪ እናተዘከሩ ዝነብሩ ንስለ መሰል ህዝቢ ግዳይ ዝኾኑ ሰማእታትና’ዮም።

ሳልሳይ፡- ኣብ 2013 ዘይዕውት ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ኣካይዱ ብኽብሪ ዝተሰወአ ኮሌኔል ስዒድ ዓሊ ሕጃይ (ወዲ ዓሊ)  ኣብ ውሽጢ’ዚ 32 ዓመታት  ንስለ ህዝቢ ኣንጻር ዘቤታዊ ጸላኢ ካብ ዝተፈጸሙ ጀግንነታዊ ፍጻሜታት ሓደ’ዩ።  ስለዚ ከኣ ህዝባዊ ጀግና’ዩ። ንስለ ድሕነት ህዝቢ ህይወቱ ዝገበረ ስውእ’ዩ።

ራብዓይ፡- ንትእዛዝን ኢድ ምትእትታው ኣብ ጉዳይ ስርዓተ ሃይማኖትን ብምቅዋም ኣብ መትከሎም ጸኒዖም  ክሳብ ሕልፈተ ህይወቶም ዝተኣስሩ ፓትሪያርክ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ እንጦንዮስ ናይ ጽንዓት ኣብነት’ዮም። ጀግና’ዮም። ሰማእቲ’ዮም።

ሓምሻይ፡- ካብ ግዜ ማሕበር ሸውዓተ (ሓረካ) ክሳብ ምውጋድ ባዕዳዊ መግዛእታዊ ስርዓት ደርግ፡ ንህዝቦምን ሃገሮምን ከቢድ ዋጋ ዝኸፈሉ ኣቦና ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር ናይ ሰለስተ መድረኻት ሃገራዊ ጀግና’ዮም። ብእንኮ-ሰባዊ ስርዓት ኣብ ኣስመራ ከባቢ ኣኽሪያ ኣብ ዝርከብ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ቤት ትምህርቲ ክዕጾ ንዝቐረበሎም ዓማጺ ትእዛዝ ብምቕዋም፡ ንሕና ናብ’ዚ ምድሪ ክንመጽእ እንከለና ክንመውት ኢና መጺእና፡ ንመሰል ንፍትሒ ንእምነት ክበሃል ዝኽፈል ዋጋ ንኸፍል ደኣምበር ቤት ትምህርትና ኣይዕጾን ናብ ናይ መንግስቲ ትካል ኣይዛወርን ኢሎም ኣብ መርገጾም ስለ ዝጸንዑ ህይወቶም ብግፍዒ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሓለፈ ኣብነታዊ ሃገራዊ  ጅግና’ዮም።

ሻድሻይ፡-  ኣብ ትሕቲ ጸላኢ ኮይኑ ብመጽሓፍ ደረጃ ንተግባራት ጸላኢ ዘቃለዐ፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ ብዓመጽ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ኣቶ ብርሃነ ኣብረሃ ብተመሳሳሊ ኣብነታዊ ሃገራዊ ጀግና’ዩ።

ሻብዓይ፡- ብዘይ ፖለቲካዊ ኮነ ገበናዊ ምኽንያት ንነዊሕ ግዜ ተኣስረን ሕጂ ድማ ኣብ ደምበ ፈታዊ ኮይነን ጸረ ምልኪ  ዝቃለሳ ዘለዋ ዘማሪት ሄለን ብርሃነን ኣልጋነሽ ፍሳሃን ጀጋኑና’የን። ኣብነት ናይ ብዙሓት ጀጋኑ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ’የን።

እዚኦምን ኣስማቶምን ውዕለኦም  ዘይተገልጹ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ንውልቀ ምልክነት ተቓዊሞም፡ ንፍትሕን ልዕልና ግዝኣተ ሕግን ክብሉ ኣካሎም ዝጎደሉ፣ ህይወቶም ዝኸፈሉ፣ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ጸላኢ ዝማስኑ ዘለው ዜጋታት ኩሎም ጀጋኑ’ዮም።  ህዝቢ ብህይወት ክሳብ ዝሃለው ብጀግንነት ከኽብሮም፡ ንዝተሰውኡ ከኣ ብስውኣቱ ክዝክሮም ክነብር’ዩ፡፡  ብስመ ነጻ ሓሳብ፡ ነጻ ሜድያ፡ ህዝባዊ ሜድያ፡ ጀግናን ህዝባዊ ጀግንነታዊ ፍጻሜታትን ምስ ገበነኛታትን ገበናዊ ተግባራትን ደዋዊስካ ብምቕራብ ሓቀኛ ትርጉም ጀግንነት ሓርበኝነት ስውእ ንምዝባዕ ዝዓለመ ኣረኣእያን ጎስጓስን ግን መሰረታዊ ናይ ፖለቲካውን ሕጋውን ሚዛን ጌጋ’ዩ።

ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ኩሉ ሰብ ብግቡእ ክርደኦ ዝግባእ  መሰረታዊ  ዛዕባ ኣሎ። እንታይ ስለ ዝጎደለዩ ፖለቲካ ኤርትራ ተዘሪጉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝብተን ዘሎ? እንታይ ንምርካብ ከ’ዩ እቲ ህዝባዊ ቃልሲ ዝካየድ ዘሎ?  ኤርትራ ከም ሃገር ነጻ ልኡላዊትን ካብ እትኸውን ልዕሊ 30 ዓመት ገይራ ኣላ። ዛጊት ግን ክልተ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ዛዕባ ኣይተመለሰን ኣሎ። ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋምን ልኡላውነት ህዝብን። እዚ መሰረታዊ ጉዳይ’ዚ ከይምለስ፡ ህዝቢ ወናኒ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋምን ፖለቲካዊ ስልጣኑን ከይኸውን ሓኒቑ ዝሓዘ እንኮ-ሰባዊ ስርዓት’ዩ። ከም ህዝቢ ከም ሃገር ናትና ንብሎ ንምረሓሉ ቅዋም የብልናን። ዘካየድናዮ ህዝባዊ መረጻን ይርሓሰና ኢልና ዝመረጽናዮ መንግስትን መራሒ መንግስትን ድማ የብልናን። ንምረሓሉ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ካብ ዘይሃለወና፡ ምርጫ ካብ ዘየካድና፡ ዝመረጽናዮ ውድብ፡ መንግስትን መራሒ መንግስትን ከም ዘየለ እናፈለጥና፡ ሓደ ሰብ ከም ቃሕታኡ ዝልእኮም፡ እንተደልዩ ስልጣን ዝህቦም፡ እንተደልዮ ዘውርዶም፡ ደስ ኣብ ዝበሎ ዘደስክሎም፡ ምስምስ ፈጢሩ ዝኣስሮም ዝቐትሎም ዝኾነ ፖለቲካዊ ሩሕ ዘይብሎም ስማውያን ሚኒስተራት፣ ወተሃደራዊ መኮነናት፣ ኣምባሳደራት፣ ኣመሓደርቲ ዞባታትን ክፍልታትን ከም ሕጋውያን ክንጽወዖም ከነኽብሮም ክሳብ’ውን ንህዝቢ የገልግሉ ከም ዘለው ጀገኑና ስውኣትና ክንብሎም በየናይ ፖለቲካውን ሕጋውን መረዳእታ?

ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ስለ ዘይብልና ክህልወና፡ ብህዝቢ ዝተመርጸ መንግስቲ ስለ ዘይብልና ክህልወና፡ ልኡላውነትን ወሳንነትን ህዝቢ ስለ ዝተሃርመ ናብ ንቡር ክምለስ፡ ውልቀ ምልኪ ኣገዛዝኣ ንምፍራስ፡ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ ንምንጋስ ኣብ ዝቃለስ ዘሎ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ፡ ኣብ ደምበና ንዓመጽቲ ሕጋውያን፣ ንጸረ-ህዝቢ ህዝባውያን፣ ንፋሽሽታውያን ደሞክራስያውያን ኣምሲሉ ዘቕርብ ርእይቶ ምስማዕ፡ መግለጺ ዝርገተ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ጥራሕ’ዩ። ኣብ’ተን ዝምረሓሉ ሓባራዊ ሕጊ ዘለወን፡ መንግስትን መራሒ መንግስትን ብናይ ምርጫ ካርድ ዝድይበለን ዝወርደለን ደሞክራስያውያን ሃገራት፡ ሽመት ሚኒስተራት፣ ጀነራላት፣ ኣምባሳደራት፣ ኣመሓደርቲ ...ወዘተ ብኸመይ ዝበለ መስርሕ ክሓልፍ ከም ዘለዎ ብግልጺ ኣብ ቅዋም ዝሰፈረ’ዩ። እቲ ሰባት ንሽመት ዝሓጺ ሕጋዊ፡ እቲ ዘጽድቕ ሕጋዊ፡ ዓቕምን ህዝባዊ ተኣማንነትን ናይ’ቶም ንሽመት ዝሕጸዩ ሰባት ብግቡእ ተመዚኑን ተገምጊሙን’ዩ ዝወሃብ።

 ኣባና ግን ብድሌት ሓደ ሰብ ዝወሃብን ዝኽልከልን ስልጣን ‘ምበር ብመሰረት ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ዘፍቅዶ ሕጋዊ መስርሕ ሓሊፉ ዝወሃብ ፖለቲካዊ፡ ኮነ ወተሃደራዊ ስልጣን የለን። ስለዚ ከኣ ደመኛ ጸላኢ ህዝቢ ዝኾነ እንኮ-ሰብ ፊን ብዘበሎ ከም እንጀራ ትኳቦ ዝህቦ ዝኾነ ይኹን ስልጣን ቅቡል ኣይኮነን ሕጋዊ ኣይኮነን። ስለዚ ከኣ ብህዝቢ ዝተዋህበ ስልጣን ኣይኮነን። ብዝኾነ ኣጋጣሚ ብባህሪያዊ ሕማም ድዩ፡ ብሓደጋ ዝሞቱ ኣገልገልቲ ወልቀ ሰብ ብዝኾኑ ሚኒስተራት ድዮም ጀነራላት ኣብ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ እንታይ መዓርግ ንሃቦም መዛረቢ ዛዕባ ክኸውን ውድቀት ፖለቲካዊ ንቕሓትና’ዩ ዘረጋግጽ። እቲ ነካይዶ ዘለና ናይ መሰል ቃልሲ’ኮ ጸረ-ባዕዲ ዘይኮነ ጸረ-ዘቤታዊ ጸላኢ’ዩ። እቶም ዓፈንቲ ቀተልቲ ኤርትራውያን እቶም ተዓፈንቲ ተቐተልቲ ኤርትራውያን ኢና። እቲ ጥምጥም ምስ ኣሕዋትና ኣሓትና፣ ምስ ኣደታትና ኣቦታትና፣ ምስ መተዓቢትና ዓርኪ መሓዛና ዝካየድ ዘሎ ህልውና ናይ ምውሓስ ህዝባዊ ቃልሲ ምዃኑ ክዝጋዕ የብሉን። እዚ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ሕጋዊ ኣሰራርሓን መሰረት ዝገበረ ናይ መሰል ቃልሲ ‘ምበር፡ ናይ ወገነይ ወገንካ ማሕበራዊ ምትእስሳር ንቆራቖሰሉ ሜዳ ኣይኮነን። ርድኢትና ኣጠማምታን ፖለቲካዊ መርገጽና ህዝባዊ ክኸውን ኣለዎ። ፍትሓውን ደሞክራስያውን ክኸውን ኣለዎ። ንዘይ ጀጋኑ ጀጋኑ ንዘይ ስውኣት ስውኣት ምባል ይተኣረም። ንመን እንታይ ንዝገበረ ጅግናን ስውኡን ይበሃል ካብ ድሑር ስምዒታት ውጽእ ኢልና ንምዘን። ንከም በዓል ቤት ወደድ ኣብራሃ ዝበሉ ናይ ክልተ ፈታኒ መድረኻት ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ ተግባር ኣይነራኽስ። ብባህሪኡን ተግባሩን ንዝንቀፍ ንንቀፍ። ንምውጋዱ ንቃለስ። ብባህሪኦም ፖለቲካዊ ብስለቶም ህዝባዊ ወግንናኦም ተግባሮም ዋጋ ንዝኸፈሉ በጃ ንዝኾኑ ዜጋታት ከኣ ጀጋኑና ስውኣትና ምባል ንልመድ። መስመሮም ተኸቲልና ንምዕዋቱ ሓቢርናን ተኸባቢርናን ንረባረብ። ስለዚ ከኣ  ብሽፋን ነጻ ሓሳብ ነጻ ሜድያ ንክልተ ደምበ ከተገልግል ምፍታን ብህዝቢ ምልጋጽ’ዩ።  

                                      ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

                                                         22 ጥሪ 2024