* ዲፕሎማስያዊ ቃልሲ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ይኹን፡ ኣብ መስርሕ ናጽነት ምስ እተዛምዶም ኣካላት፣ውድባት፣ ሰልፍታት፣ መንግሰታት ወዘተ ሕድ-ሕድ ካብ ምፋላጥ ሓሊፉ ኣብ ሓበራዊ ጥቕሚ (ኣብ ህልውን መጻእን) ኣብ ፖለቲካዊ፣ቁጠባዊ፣ባህላውን ወዘተ ኣብ ምርግጋጽን ምውሓስን ልዑል ኣገዳስነት ዘለዎ ዓውደ ቃልሲ (ዝምድና) እዩ፡፡ ስለዝኾነ ዲሎማሲያዊ ቃልሲ ዝተነጸረ ዕላማ ክህልዎን ብኣግባብ ተታሒዙ፣ንክምስረትን፣ ተመስሪቱ ፍርያት ክርከበሉን ንምብቃዕን፣ ዲፕሎማሲ ዝጠልቦ ሕግታትን ጥበባትን ብምኽታል ዘየቋርጽ ሓላፍነታዊ ቃልሲ ዝሓትት መዳይ ናይ ቃልሲ’ውን እዩ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ መስርሕ ምጅማር ዕጥቃዊ ቃልስና ሰውራና ዝተነጸረን ዝተማልአን ስትራተጂ ጨቢጡ ስለዘይተበገሰ፣ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ክካየድ ዝግበኦ ዝነበረ፣ቃልሲ እናቦኸረ ድንግርግር ብዝበለ ምልከታን ኣንፈቱን ክጓዓዝ ይግደድ ስለዝነበረ፣ህዝባዊ ቃልስና ኣብ ዲፕሎማሲያዊ መዳይ ከረጋግጾ ዝግባእ ዝነበረ ዓወታት ከይጭብጥ፣ ዝምድንኡ’ውን ብሰነከልከል ዝበዝሖ ዝፍተን ዝነበረ ዲፕሎማስያዊ ስርሓት መትከል ዘይረገጸን፣ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝለዋወጥን፡ካብ ኮይንካ ምቕራብ መሲልካ ዘይተፈልዮ ኣቀራርባን ሜላን ይዝውተር ስለዝነበረ፡ ህዝባዊ ቃልስና ንንውሕ ዝበለ ዓመታት ግቡእ ኣፍልጦን ደገፍን ንኸይረከብ ዝገበረ ታሪኽ እዩ ነይሩ፡፡

ናይዚ ጸገም እዚ ምንጪ ድማ ሰውራና ካብ ዘሕልፎ ዝነበረ ፖለቲካዊ ጸገማትን ድንግርግር ምባልን ዝብገስ እዩ፡፡ ስለዝኾነ እዩ ድማ ኣብቲ ግዜ እቲ ቃልስና ካብ ዝተወሰነ ዲፕሎማስያዊ ኣፍልጦን ደገፍን ምርካብ ሓሊፉ፡ ቀጻልን ዘተኣማምንን ዲፕሎማስያዊ ኣፍልጦን ደገፍን ከየረጋገጸ  ንሓጺር ዘይኮነ ግዜ ናይ ተነጽሎ ኩነታት እናፈታተኖ ከምርሽ ተገዲዱ እዩ፡፡ይኹን ድኣምበር ህዝባዊ ቃልስና ንኩሉ ውሽጣውን ግዳማውን ጸገማትን ዕንቅፋታትን እናተጻወረ፡ብዝኸፈሎ ኩሉ-መዳያዊ መስዋእቲ እናደልደለን እናዓበየን ምስመጸ ፡ ቀልቢ ሕ/ሰብ ዓለም ክስሕብን ኣብ ዲፕሎማስያዊ ዓለም ቆላሕታ ክረክብን በቒዑ እዩ፡፡ካብዚ ዝጥቀስ ዘሎ ሓጺር ሓርፋፍ ተሞክሮ ክንግንዘብ እንኽእል ቁም-ነገር እንተሃለወ ፡ ዲፕሎማስያዊ ቃልሲ ዝተነጸረ ዕላማን ንተዛመድቲ ኣካላት ዘገልግል ናይ ሓባር ጠቕሚ ዝሓዘን፡ብሕግን ጥበብን ዝዕመም ዓውዲ ቃልሲ ምዃኑ እዩ ዝሕብረና፡፡

እዚ ኣብ መስርሕ ቃልስና ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ዝነበረና ድኽመታት መሊኡ ስለዘተይተለወጠ ኣብ ሃገርና ክሳብ ሎሚ ሰለሉኡ / ሳዕቤኑ ብመልክዕ ተነጽሎ ዝግለጽ ድኽመታት ህልዊ እዩ፡፡ እዚ ኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ ድማ ብናይ ህዝብን ሃገርን ተነጽሎን ሜላ ብምጥቃም ዓፊኑ ብምሓዝ ዝጥቀመሉ ዘሎ ኣሉታዊ መዳይ እዩ፡፡

* ኣብ ሕሉፍ መስርሕ ዕጥቃዊ ቃልሲ ይኹን ድሕሪ ሃገራዊ ናጽነትና ምስ ኣረጋገጽና ከም ህዝብን ሃገርን ወድዓዊ ዓለማዊ ኣፍልጦ ረኺብና ኣብ ዝመጻናሉን ዘለናሉን ኣብ ናይ ዲፕሎማስያዊ ቃልሲ ድኽመታት ከም ዘለዎም ወሲድና፡ ድሕሪኡ ኣብ ዘሎ ግዘያት ኣብ ደምበ-ተቓውሞና ኸ  ዲፕሎማስያዊ ቃልሲ ብብቕዓት ከነካይዶ ዶ ጸኒሕናን ኣሎናን ኢልና ንነብስና ክንሓትትን ኣገዳሲ ስለ ዝኾነ ምርኣዩ ኣገዳሲ እዩ ዝኸውን ፡፡

ኣብ 1999 ዓ.ም. ንመጀመርያ  ግዜ ብርክት ዝበላ ተቓወምቲ  ውድባት ዝሓቖፈ ሃገራዊ ምሕዝነት ዝባሃል ምስተመስረተ ፡ ዝተፈላለዩ ፖለተካዊ ውድባት ብቐጻሊ እናተጸንበሮኦ ምስ መጻን፡ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ዝተፈላለዩ መንግስታት/ ስርዓታት/ «እዚ ተመስሪቱ ዘሎ ግንባር መተካእታ ናይ’ቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት/ ህግደፍ/ዶ ክኸውን ይኽእል » ዝብል  ኣውንታዊ ሓሳብ ብማሓዝ ኣውንታዊ ሓሳባት ክቃላቐሉ ጀሚሮም ነይሮም እዮም፡፡ እዚ መንፈሳት እዚ ብምጥቃም  እቲ ዝተመስረተ ግንባር ዝተወሰኑ ዲፕሎማስያዊ ክካየድ ጀሚሩ ነይሩ እዩ፡ጥራሕ ዘይኮነስ «ሓድነትኩም ዓቂብኩም እንተበቒዕኩም ክንሕግዘኩም ኢና»ዝብል ተስፋ ዝህብ ቃላት’ውን  ካብ  ዝተወሰኑ  መንግስታት ክወሃብ ጀሚሩ  ነይሩ እዩ፡፡ይኹን እምበር ሓይልታት ደምበ-ተቓውሞና ኣብ ዝተሳማምዓሎም ዕላማታትን ዝመደቦም መደባትን ረጊጹ ምሕዝነቱ ኣደልዲሉን ክቃለስ ብዘይምብቕዑ ማለት ብኣንጻሩ ናብ ምፍልላይን መስሕሓብን ስለ ዝተጻጥሐ፡ ኣብ ዲፖሎማስያዊ ዓለም /መዳይ/ በበቕዓትን ብቐጻልን ክነጥፍን ተቐባልነት ከረክብን ኣይካኣለን ፡፡እቶም ዝተፈላለዩ ብትኹረት ዝካታተልዎ ዝነበሩ፡ይኹኑ ተስፋ ዝህብዎ ዝነበሩን፡ሓይልታት /መንግስታት ካብ ጭቡጥ ኩነታት ናይ ሓይልታት ደምበ-ተቓውሞ ተበጊሶም ተስፍኦም ክቕህምን ናብ ናይ ትዕዝብቲ ኩነታት ክወርድን እናኾኑ መጺኦም እዮምን ኣለዉን፡፡ ናይ’ዚ ድኽመታት ምንጪ ድማ፡ ደምበ-ተቓውሞና ብዘራኽቦ ፖለቲካዊ ዕላማታት/እምነታት/ ግንባሩ ኣደልዲሉ ብሓደ ክነጥፍን ኣብ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ’ውን ብዝተወደበ ኣገባብ ክወፍርን ክሰርሕን ዘይምብቅዑ ብኣንጻሩ ምፍልላይን ምጉጅጃልን፡ በብውልቅና ዝግበር ምንቅስቓስን ስለ ዘዘውተረ፡ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ኣቓልቦን ቖላሕታን ክስእን ዝገብሮ ዘሎ ተርእዮ እዩ ፡፡ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ውድባት፡እናመስረቱ ዲፕሎማስያዊ ቃልሲ ከካይዱ ኣብ ዝተፈላለዩ /መንግስታት፡ምሉእ መሰልን ፍቓድን ረኺቦም ዝነጥፉ ዘለዉ እዮም፡፡ይኹንዳ’ምበር ዲፕሎማስያዊ ተቐባልነት ንምርካብ ክካየድ ዝግበኦ ዝተወደበ ቃልሲ ምክያድ ስለዘይተበቕዐ ፡ ቃልስና ብናይ ባዕሉ ፖለቲካዊ ሕመቕ ዲፕሎማስያዊ ኣፈልጦን ደገፍን ከየረጋገጸ ፡ብዝተነጻጸለ ኣገባብ ብተስፋ ኣብ ምቕላስ ይርከብ ኣሎ፡፡

ኣብ ወጻኢ ሃገራት / ዲያስፖራ /ሎሚ እውን እንተኾነ፡ ክንውደብ ይኹን ተወዲብና ክንንቀሳቐስ፡ ዝተፈላለየ ጉባኤታት፡ ሲምፖዝዮማት፡ ዋዕላታት፡ ኮንፈረንሳት…ወዘተ ከነካይድ ነጻ መድረኽ ክንጥቀምን ከምዘለና ሓንሳብ ምስተኸፍተ ዝተዓጽወ ዕድል ኣይኮነን ዘሎ፡፡እኳዳኣስ፡ ብዝያዳ ተወዲብና ተኣማሚናን ንድሕነት ህዝብታትናን ሃገርናን ክንቃለስ ዘተባብዕ ፖለቲካዊ ሃዋሁ እዩ ዘሎ፡፡ስለ ዝኾነ ተቐባልነትን ደገፍን ከይንረክብ ዝዕንቅፍ ዘሎ፡፡ ስለ ዝኾነ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ቃልስና ኣፍልጦ ተቐባልነትን ደገፍን ከይንረክብ ዝዕንቅፍ ዘሎ ባዕላዊ ጸገማትን ድኽመታትን ደምበ-ተቓውሞ’ምበር፡ ኣብ ስደት /ድያስፖራ/ስ ኣውንታዊ ዝኾነ ዝበሰለ ወድዕነት’ዩ ተረጋጊጹ ዘሎ፡፡ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ዕዉት ስርሓት ንምክያድ ምብቃዕ ይኹን ተንቃሳቒስና ኣፍልጦን ተቐባልነትን ደገፍን ንምርካብ ዝካኣል ብመሰረቱ ፖለቲካዊ ፍልልያትና ከም ዘለዎ እናሃለወ ፡ ኣብ ናጽነትን ድሕንነት ሃገርናን ህዝብናን ዝተሰረተ ሓደ እምነት ብምሓዝ ንሕብረተ-ሰብ ዓለም /መንግስታት/ ብሓደ ውደባን ኣገባብን ክንቀርብን ጸገምና /ወጽዓና/ ከነረድእን ምስ እንኽእል ጥራሕ ስለ ዝኾነ ፡ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ዘሎና ድኽመታትን ጸገማትን ፡ ኣካል ኣምሳል ናይቲ ኣብ ቃልሲ ዘለና ድኽመታትን ጸገማትን ስለዝኾነ መፍትሒ ክረክብ ዝኽእል’ውን ምስኡ ስለ ዝኾነ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ በበይንኻ ዝካየድ ቃልሲ ዘየዕውት ምዃኑ፡ ምርዳእ ምኽኣል ድኽመታትና ንምእራም ኣገዳሲ እዩ ዝኸውን፡፡

ስለዚ ዲፕሎማስያዊ ቃልሲ ኣካል ኣምሳል ናይቲ ንምዕዋቱ እንቃለሰሉ ዘለና መሰረታዊ ህዝባውን ሃገራውን ዕላማ ስለዝኾነ ምስኡ ዝጠናኸርን ዝዕወትን ምዃኑ ፈሊጥና ምቅላስ ካብ ድኽመታትና ንምልቃቕ ኣብ እንገብሮ ቃልሲ ሓጋዚ እዩ ዝኸውን ከምዚ ዓይነት ተረድኦ ከይሓዝና ኣብ ዲያስፖራ እነካይዶ ቃልሲ ዝተነጻጻለ ቃልሲ ካብ ፈተነ ካብ ምዃን ሓሊፉ ናብ ዓወት ዘብጻሓና ኣይኮነን፡፡

ካልእ ኣብዚ ከይተጠቅሰ ክሓልፍ ዘይብሉ ነጥቢ እንተሃለወ ፡ ኣብ ዲያስፖራ ኣንጻር ጸላኢ (መ/ህግደፍ ) ክካየድ ዝግበኦ ተቓውሞ ሕግን ስርዓትን ናይተን ሃገራት /መንግስታት/ ብምኽባርን ናይ ዲፕሎማስያውን ሕግን ጥበብን ዝተኸተለን ኣገባብ ክንክተል እዩ ዝግባኣና፡፡ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ዲያስፖራ እንገብሮ ቃልሲ፡ ናብ ኣካላዊ ግጭት ዝወስድን ልእላውነትን ናይቶም መፍቀድቲ ስርዓታት ዝደፍርን ዝግህስን ከይከውን ብጥንቃቐን ክንርእዮን ከነካይዶን ዘለና ጉዳይ እዩ፡፡ ምኽንያቱ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ካብ ምረት ዝፈጠሮ ስሚዒት ተዳፋፊእና እንፍጽሞ ጌጋ ተመሊሱ ኣብተን ሃገራት ናይ ምቅላስ ዕድልና ክጸብብን ክስእንን ስለዝኽእል፡፡ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተኻይዶም ዘለዉ ተቓውሞታት ውጽኢታውያንን ንቃልስና ዝጠቅሙን ምዃኖም ዘይካሓድ ሓቂ እዩ፡፡ይኹን ዳኣ’ምበር እንገብሮ ተቓውሞ ኣብ ሓይልን ጎነጽን ዝተሞርኮሰ ኮይኑ እንተዳኣ ቀጺሉ፡ ካብ ዕለታት ሓደ ግዜ ናብ ኣሉታ ከምርሕን ንጥፈታትና ኣብ ዲያስፖራ ክዓግት ዝኽእል ኩነታት ክፍጠር ስለዝኽእል ብጥንቓቐን ምስትውዓልን ዝተሰነየ ሜላን ኣገባብን ክንጥፍ እዩ ዝህልወና፡፡

ኣብ መደምደምታ፤ ዲፕሎማስያዊ ቃልሲ ካብ ዝሓዝናዮምን ከነዕውቶም አንቃለሰሎም ዘለና ዕላማታት እናተበገስና፡ ዝስርሓሉ መዳይ ናይ ቃልሲ ምዃኑ፡ተኣማሚንና ፡ተኣማሚኑን ተዋሃሂዱን ኣንጻር መንግስቲ ህግደፍ ከቃልስ ዝኽእል ሃገራዊ ሓይሊ ክንውደብ ዘይበቓዕና ዲፕሎማስያዊ ቃልሲ ንበይኑ ክዕወት ስለዘይክእል ፡ትኹረትና ናብቲ ዝጭበጥን ዘስርሕን ሃገራዊ ምሕዝነት ናይ ቃልሲ ክህልወና ንምርግጋጹ ፡ ክንቃለስን፤ካብ ዘለና ሓባራዊ ዕላማን ናይ ሃገርናን ህዝብታትናን መጻኢ ዕድልን ናይ ምርግጋጽን ምውሓስን ዕማም እናተበገስና፡ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ክንቃለስ ምስ እንበቕዕ ፡ ከም ጅማሮ ዋላ ብመጠኑ’ውን ይኹን ኣገዳሲ ስለዝኾነ ግቡእ ፖለቲካዊ ኣቓልቦ ሂብና ክንረባረበሉ ዘለና መዳይ ናይ ቃልሲ እዩ፡፡ስለዚ ኣብዚ መዳይ ናይ ቃልሲ’ዚ እውን ሃገራዊ ዓቕምታትና እናወደብናን እናጠመርናን ክንቃለስ ንምብቃዕ ሓያል ምርብራብ ከነካይድ እዩ ዝህልወና፡፡

                      ዓወት ንሓርነታዊ ቃልስና!