ብ61,ባሕቲ,መስከረም መንዩ ኣብ ኣዳል ዝኸተተ

በዓል ኣንበላይ ፈረስ ጅግና ሐምድ እድሪስ ዓዋተ

ምስ ብጾቱ ምስ ሐርበኛታት ሰብ ድርብ ሐሞተ

ማፍያዊ ጉጅለ ህግደፍ ዶ ብነጻነትና ምተጻወተ‘‘

ኣሰር ጅግና ድሎ ተዳሎ

መጸዋዓቲ ካብ 10ይ ጉባኤ ተሐኤ

ንድሕነት ህዝቢ ንዳግማይ ትንሳኤ

ህዝቢ ኤርትራ ዩ ንሃገሩ ነጻ ዘውጸኤ

ቅሳነት የለን ህግደፍ ብደቀባት ከይተተከኤ‘‘

መበል 59 ዓመት መጸዋዕታ መስከረም

ኤርትራዊ ትዕድም ንመሰልካ ንሪምካ

ከም ሐርበኛ ዓዋተ ኣብ እንባ ደይብካ

ጸረ ጃንዳ ህግደፍ ኣብ እንባ ዓስኪርካ

ንጸረ ህዝቢ ናብ ሕጊ ክተቕርቦም ኣሲርካ‘‘

ዓስራይ ጉባኤ ተሐኤ ናብ ስርሑ

ጉባኤና ንዳግማይ ትንሳኤ ጨሪሑ

ብኮሮና ቫይረስ ዕምሪ ጃንዳ ተናዊሑ

ዕድል ረኺቦም ህግደፍ ንኽጸንሑ‘‘

ምልኪ ህግደፍ ምስ ኣብቀዔ

ናይ ሐርነት ሽግ ምስ ተወለዔ

ህዝቢ ኤርትራ ክበልዩ ዕልግዔ‘‘

ብውዲት ተንቤናይ ካብ ትዋረዲ

መስከረም ሕጂስ ሐዲኡ ውለዲ

ፍትሒ ነጊሱ ክንምለስ ንዓዲ

ጃንዳ ህግደፍ ክቀርቡ ናብ ፍርዲ‘‘

ሃገራዊ ባይቶ ጽላልዩ ንኹልና

ኣብ ጽላል ሃገራዊ ባይቶ ዓሲልና

ኤርትራ ንኤርትራዊያንዩ ጭርሖና

ግብራዊ ክኸውን ሕድሪ ሰማእታትና‘‘

ኤረና ምስ ተቐንጠጠ ሕማማ

ብፍትሒ ክትልለ ከም ዓለማ

ኢደይ ኢድካ ንበል ሻማ ሻማ

ኣብ ሕጊ ክቀርቡ ሰብ ደማ‘‘

ከም ጅግና ሐምድ እድሪስ ዓዋተ ወስኑ

ተሳነዩ ይብሉ ኣለዉ ሰማእታተና ጀጋኑ

ምስ ንሳነ ጉጅለ ኢሰያስ ይባታተኑ‘‘

ያኣክል በበይንኻ ጭርሖ

ህግደፍ ካብ ሱሩ ክመሖ

መራሕቲ ሰልፍታት ውድባት

መርገጽኩም ነጽሩ ኣቱም ሰባት

ጀብሃ ግንባር ነበር ከመይ ዘይሕተት

መፍተት ኢሰያስ ዘበልኩሙና ከርተት

ያኣክል ማልያ ክራባታ ቀይርካ ንዕቀት‘‘

ናይ ቃልስና ዕንቅፋት ዝኾንኩም ነቀዝ

ያኣክል ውዲት ኣሊምካ በቋራጭ ምሐዝ

ከምቲ ናይ ዓራግ ጉያ ንፎርቶ ንሐዝሐዝ‘‘

ብዘረባዩ ዝወድቕ ያኣክል ሎምስ

ንህዝባዊ ግንባር ዝመርሔ ጃሱስ

ትማሊ ሎሚ ወትሩ ንሱ ኢሰያስ

ብህግደፍ ሽም ለዊጡ መሰልና ዝግህስ

ንልዕሊ,50,ዓመታት ደምና የፍስስ‘‘

ኣይናትናን ዩ ንታሪኽ መስከረም ዝጻባእ

ያኣክል ደላይ ፍትሒ ተመሲልካ ምክፋእ

ንዲሞክራስን ንፍትሒን ከም ማይ ንጽማእ

ዋጋ ከፊልካ ዩ ካብ ባርነት ሐራ ዝውጻእ‘‘

ኣሰር ጅግና ድሎ ተዳሎ

ንጃሱስ ስዩም ክነብሎ

ህግደፍ ብበትሪ ዩ ዝዕሎ‘‘

ታሪኻዊት ባሕቲ መስከረም

ህያውዩ ታሪኽኪ ንዘለኣለም

ብናይ ጀጋኑ ሰመእታትና ደም

ተሰኒዱ ኣሎ ብሰማያዊ ቀለም‘‘

ን59 ዓመት ኣብ ቃልሲ

ኣብ ሃገርና ክነግስ ዲሞክራሲ

መደምደምታ ክንገብረሉ ሎምሲ‘‘

ብ61 መስከረም ኣብ ኣዳል,ብጅግና ስዉእ ሐምድ እድሪስ ዓዋተን ብጾቱን,ዝተተኮሰት ጥይት,ንነጻነትን ንሐርነትን እንበር,ንባርነት ኣይነበረትን‘‘ብዘረባ ዘይኮነ ብግብሪ,ሕጂ ውን ከም ትማሊ‘‘ተዳሊና ኣለና‘‘ንጃንዳ ህግደፍ ክንኣሊ።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ‘‘ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና,ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን‘‘ ብኣባል ተ,ሐ,ኤ, በርሀ ዑቅባዝጊ ኣብ ሃገር ጀርመን።