ተናዘዛ ተናዘዙ ‘‘ኣቢዪ ኣሕመድ ቀይር ማርሻ‘‘ ኤርትራ ኣይትኸውንንያ ናትኩም ውርሻ‘‘

እቶም ትዳወቡና ብምድሪ‘‘ ኣይትጻሕትሩ ጓህሪ‘‘ብስኒት ከፊልኩም ግብሪ‘‘ክትጥቀምሉ ናይ ኤርትራ ባሕሪ‘‘ምክልኻል ሐይልታት‘‘ካብ ጀነራላት ህግደፍ‘‘ዕጫ ቀዳሞት ከይበጽሐኩም‘‘ኤርትራ ጀነራላት የብላን‘‘ሐለውቲ ሃገር‘ዋርድያታት ኢሰያስ እንበር‘‘ ጀነራላቱ ምኒስተራቱ‘‘ካብ ላዕሊ ንታሕቲ‘‘ምሱኡ እዮም ዝሕተቱ።

መኒኹም ኣታ ጀነራላት ጃንዳ

ህዝቢ ብጥምዩ ትበልዑ ኣድራጋ

ብሰንክኹም ሃገር ወሪዳ ናብ ዕዳጋ

ንስኻትኩም ዶ ትኾኑ ኤርትራዊ ዜጋ‘‘

ኤርትራዊያን ተጸንቂቑ ድዩ ሕልናና

ንጭፍራ ህግደፍ ኢደይ ኢድካ ኢልና

ምእላዮም ሲኢናስ ሐገዝ ክልኦት ደሊና

ህግደፍ ዶ ይበዝሑ ብደገን ብውሽጥን ዘለና

ካብኦም ኤርትራዊያን ዶ ኣይንበዝሕን ንሕና‘‘

ውዲት ኢሰያስን ኣቢዪን‘‘ካበይ ናበይ‘‘ባእሲ ኢሰያስን ኣቢዪን ደብረጽዮን ከ,ከመይ‘‘ህዝቢ ኤርትራ ዓይንኻ ቋሕ ኣብሎ‘‘ሕጂ ውን ንጥፍኣትካ‘‘ውዲት ይእለም ኣሎ‘‘ ንነጻነትና ክንደይ መስዋእቲ ከም ዝተኸፈሎ‘‘መዓልቱ ቆጺሩ ይዝንቶሎ‘‘መስዋእትኻ ፍርቂ ምልዮን እዩ‘‘ዝበሃል ዘሎ።

ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ‘‘ንነጻነት ንሐርነት ተቓሊሳ‘‘ ስምረት ስምረት ክትብል ፈሪሳ‘‘ከም ኢሰያስን ጉጅሉኡን‘‘ ንህዝብን ሃገርን‘‘ መዓስ ኣብሪሳ‘‘ህዝቢ ኤርትራ‘‘መግዛእትኻ ካብ ሃጸይ ሃይለ ስላሴ‘‘ናብ መንግስቱ ዝመራሒኦም ደርጊ‘‘ ሕጂ ድማ‘‘ብኢሰያስ ዝመራሒኦም ጭፍራ‘‘ኢትዮጵያዋኢያ ክባራረዩሉ ንህዝቢ ኤርትራ‘‘ክሳራ ዩ ክሳራ።

ንልእላዊት ኤርትራ ከይተድፈሪ

ነፋሪት ኣስመራ ኣውቲስታ ቀይሪ

ነፋሪት ኣዲስ ኣይተብዝሒ ባሕሪ ባሕሪ

ምስ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ዘተ ነውሪዩ ነውሪ

ናይ ፍርቂ ምልዮን መስዋእቲ ኣኽብሪ‘‘

ምስ ኢሰያስ ዕርክነት ግደፊ ኢልና

ንኣቢዪ ዓገብ በልዎ ኢልና ጨርሕና

ንኢትዮጵያዊያ ከይብትና ኣንጊህና

ኣብ ፍራንክፈርት ሐቢርናኩም ኢና

ሰማዒ ኣይረኸብን ኣውያትና‘‘

ሃግደፋዊያን ሎምስ ኣግሂድክምዎዶ

ኣብ ሃገር ኖርወይ ተዓዚብኩም ዶ

ብህግደፍ እናት ኢትዮጵያ ብግህዶ

ንህዝቢ ኣጥምዩ ንኣቢዪ ዝእንግዶ

ብውዲት ኢሰያስ ህድሞ ነዲዱ ምስ ኣጉዶ‘‘

ፖሎቲኛ ካሕዳይ ዝበሃልስ ለካ ሐቂ

ንድኽመትና መዝሚዙ ምስ ኢሰያስ ሰራቒ

ኣቢዪ ኣሕመድ ንህዝብና ወዲቕዎ ወድቂ‘‘

ሎሚ ኮነ ሐምለ ኮነ

ኣብ ፌስቡክ ወጻኢኻ ፈኸራ ኣነ ኣነ

ዝሸምገለ መንእሰይ ጥራይ ዘረባ ምስ ኮነ

ሽዑዩ መድሕን ህዝብን ሃገርን ተሳእነ

ኣብ ዘመነ ህግደፍ

እንታይ ረኺቡ ትም ዝበለ

ጎረቤት ፈታዊ እንዳ ተመሰለ

መንድዩ ብበሄራት ክንማቓቐል ዝደለ‘‘

ህግደፋዊያን ተናዘዛ ተናዘዙ

ንበትሪ ኣብ ፍርቃ ኣይትሐዙ

ህዝቢ ኤርትራ ክምለስ ወዙ‘‘

መን ተሪፍኩም ንውግእ ትዳለዉ

ተናዘዛ ተናዘዙ ግሉጽነት ፍተዉ

ተናዘዙ ብተደጋጋሚ ሐዊ ኣይትእጉዱ

ብህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ንዕዳጋ ወሪዱ‘‘

ዝቐደመ በሰላ ቁስሊ ከይሐወየ

ንህዝቢ ከጽነት ሐዊ ክኣጉድ ዝጓየ

ያኣክል ተቃዋሚ ደላይ ፍትሒ እየ

ንቀድሞ እባ ህዝቢ ኤርትራ ከይጸሐየ

ንጉዳይና መዛዘሚ ክንግብረሉ ንጓየ‘‘

ኣቶ ስዩም መስፍን‘‘ኢሰያስ ብጉዳይ ዶብ ክዛረብ ኣይደልን እዩ‘‘ነገርካ ዝደለየ ጓል ላምካ,ፍቅርኻ ዝደለየ ጓልካ‘‘ናይ ኢሰያስስ ኩልና ንፈልጣ‘‘ንስኹም ከ,ጉዳይ ዶብ ክላዓል ትደልዩ ዶ‘‘ኣብ ኢሮብ ባድመ ሆ, ኣቢልኩም ኣላዓዒሎም ንህዝቢ‘‘ዶብ ከይሕንጸጽ ኣቢልኩም እንቢ‘‘ስዩም መስፍን‘‘ ኣእምሮ መን ክትደፍን‘‘ንሐቂ ኣይተብሎ ድፍን‘‘ርስቲ ንደቂ ርስቲ‘‘ግፍዔኛታት ሐለፍቲ‘‘ከም ጎረባብቲ‘‘ኣህዛብ እዮም መታርፍቲ‘‘ተናዘዙ ግልጹነት ፍተዉ‘‘ዝቐደመ ውዲትኩም ንመን ጠቒምዎ‘‘ተናዘዙ ንህዝብታት‘‘ቀርኒ ኣፍሪቃ ክርህዎ።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ‘‘ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና‘‘ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን‘‘

ብኣባል ተ,ሐ,ኤ, በርሀ ዑቅባዝጊ ኣብ ሃገር ጀርመን።