ገዲም ተጋዳላይ ሓርበኛ ፍቕረማርያም ወልደሚካኤል ብዓርቢ ዕለት 15.05.2020 ኣብ ከተማ ኣትላንታ (ጆርጅያ) ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካብ’ዛ ዓለም ብሞት ተፈሊዩና።

2020 05 15 Fkremariam Weldemikaelሓርበኛ ፍቕረማርያም ወልደሚካኤል ብዝነበሮ ልዑል ሃገራዊ ንቕሓትን ፈታው ህዝቡን ሃገሩን ብምንባሩ፣ ኣብ መጨረሽታ ናይ 1974 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ ካብ’ቶም ሃገራዊ ጉቡኦም ዘበርከቱ ሃገራውያን ነበረ።

ኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ተ.ሓ.ኤ. ከም ስክረተር ኮይኑ ቀንዲ መሳርሕቲ ስዉእ መራሒና ኣሕመድ መሓመድ ናስር ኮይኑ ዓቢ ገድላዊ ግደ ተጻወተ። ሓርበኛ ፍቕረማርያም ሙቕሉልን ፈተው ብጾትን ከም ዝነበረ ኩሎም መቓልስቱ ዝምስክርዎ ሓቂ ኢዩ።  

           

                        

ብሞት ገዲም ተጋዳላይ ፍቕረማርያም ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን ብምግላጽ፣ ብስም መላእ ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን፣ ንኩሎም ቤተ ሰቡን ከምኡ’ውን ንኹሎም ናይ ቃልሲ ብጾቱን ጽንዓትን ኣኻእሉን ክህበናን፣ ንሓርበኛ ብጻይና ድማ ልዑል ፈጣሪ ኢዱ ዘርጊሑ ክቅበሉን ናይ ዘልኣለም ጸሎትና ኢዩ።

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና !!

ፈጻሚ ኣካል

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

22/05/2020