ፍትሐዊ ቃልሲ ክተዕውት‘‘ዓይኒ ከዳዓት‘‘ኣተኲርካ ጠምት‘ መንዩ ገዛና ከይነጽሪ ዝኸልከለ‘‘መንዩ ሐቀኛ‘‘ መንዩ መዳናገሪ‘‘ክበርህዩ ፍትሒ ነጊሱ ምስ ወግሔ‘‘ትጽቢት ገዲፍና‘‘ንድሕነት ህዝቢ ንበገስ‘‘ኣቦይን ኣደይን በበይኑ ሕልሞም‘‘ብዙሐት እዮም‘‘ ደለይቲ ፍትሒ ሽሞም‘‘ልሳን እንበር ግብሪ ዘይዓደሎም።

መራሒ ማፍያዊ ጉጅለን‘‘ስድራቤቱን‘‘ብኣማኢት ምልዮናት ዶላር‘‘ገንዘብ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዘሚትካስ‘‘ ሐሶትን ጃንዳ ህግደፍን‘‘ስድራ ድያብሎስ‘‘ሐምሳ ሺሕ ናቅፋ ኣወፍዮም‘‘ ግርም ዘረባ‘‘ሳባ ተናዘዙ እባ።

መራሕቲ ዓለምና ጸረ ቫይርስ ኮሮና‘‘ህዝቦም ከድሕኑ ይጓየዩ ንርኢ ኣለና‘‘መራሕቲ ጃንዳ ህግደፍ ግና‘‘ንህዝቢ እንዳበሉ ሐግዙና‘‘ገንዘብ ናብ ካዝና‘‘ብዘይ መድሃኒት ሕክምና‘‘ ከጽንትዎ ንህዝብና።

ስለምንታይ ዩ ክሳብ ሎሚ‘‘ፍትሐዊ ቃልስና ናብ ዓወት ዘይበጽሔ‘‘ግብሪ ኣልቦ ዘረባ ሰለ ዝበዝሔ‘‘ዓውዲ ብዘይ መስኤ ሰፍኢ ምሔ‘‘ ይካኣል ዶ ምህርትን ሐሰርን ክፍለ‘‘ ብግብሪ እንበር ብዘረባ ኣይኮነን ዝወግሔ‘‘ኣነ ይፈፈጥ ህዝቢ እንዳ ጠፍኤ።

ጃንዳ ህግደፍ ከይበሉ ፋሕ‘‘ኢሰያስ መይቱ ኣይመይቱ‘‘ ሽጋርና መዓስ ይፍታሕ‘‘ክንደይ ግዜ ክትብሉና ከይመተ መይቱ‘‘ታሪኽ ኣይምሕርንዩ‘‘ኢሰያስ በይኑ ኣይኮነን‘‘ ስልጣን ህዝቢ ኤርትራ ገቢቱ‘‘ብዙሐት እዮም መሻርኽቱ‘ ምሱኡ ዝሕተቱ።

ዕምሩ ክሐጽር ተጸፍዩ ዝጸንሔ‘‘ንበገስ ንዳግማይ ትንሳኤ‘‘ ኤርትራ ዓዲ በዓል ጥሕሻ ከምዘይ ነበርኪ‘‘እንታይ ደኣ‘‘ መፍተት ጃንዳ ህግደፍ ኮንኪ‘‘ዓዲ ጀጋኑ ህግደፍ ናብ ዕዳጋ ኣውሪዶም ክዋገዩልኪ‘‘ዋዕራታትን ሐርበኛታትን ደቂ ኤረ‘‘ ናብ ግብሪ ንስገር ያኣክል ወረ።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ;ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፣ ብኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን።