እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 23 guests and no members online

ኣናፍራ ቆቋሕ ዘይፈልጥ

ሃዳናይ የ ኣይበል

ደቂ ኤረይ ኣይትተሃመል

የማን ጸጋም ቁሊሕ ንበል;;

ክልተ ጎራሐት ከየህምሉኻ

ሃገር ንደቂ ሃገር ጨሪሕኻ

ኣብ ጉዳይካ ወሳኒ ኩን ባዕልኻ;;

ንውዲተኛ ውረድ ንብለካ

ብደም ደቂ ሃገር ዝጠልቀኻ

መንዩ ውክልና ህዝቢ ሂቡካ;;

ዘይቀንእ ኣይወለድ

ህዝበይ ኣይትስገድ

መጽነቲ ዓደባ ውረድ

ዶባትና ብኣጋ ክፍረድ

ብባዕልና ቆጽሊ ዘውደቅናሉ

መሪሕ ተወኪልና ክንንገድ;;

ዉዑል ሰላም ዶ ዉዑል ውዲት

ብናይ ኢማራት ምልያርድታት

ጅባኻ መሊእካ ዘይወደብካ ምግባት;;

ንህዝቢ ኣዋሃሂዱ ዝመርሕ

ብስኒት ሃሰስ ንበል ክንዲሽሕ

ንህዝቢ ሐራ ገሩ ካብ መቑሕ

ንለኹመኛ ኣሲሩ ጀጋኑ ዝፈትሕ;;

ብጉጅለ ኣርዮስ ኤርትራዊ ተደቚሱ

ተደመር ናይ ተጋሩ ኣምሐራ እወ ንሱ

ዶክ ኣቢይ ንሱ ሒዙ ነስመራ ገስጊሱ

ኣብ ኣስመራ ተቀባልነት ረኺቡ ብኢሱ;;

ንዓደቡኡ ተበጊሱ ሕማም ቃሐር

ካብኡ ምስ ተመለሰ ዳሐር

ኣብ ፍርዲ ክቀርብ ድዩ ክማሐር;;

ንተደመር ኣይኮነን ደም ጀጋኑና ፈሲሱ

ሕቶና ኤርትራ ንኤርትራዊያንዩ ኣልግሱ

ፍረ ኣሉላ ንኤርትራ ክሕውሳ መሊሱ

ንኤርትራዊያን ደቀባት ኣምኪኑ ረሚሱ

ስርሔይ ፈጺመ መርቑኒ ክብል ተበጊሱ;;

ኣይበልናን ዶ ራዛ ሐዛ

ሃገር ብውዲት ከምዛ ዋዛ

ብኢትዮጵያዊያን ከየትሕዛ;;

ዶክተር ደብረጼን ኣብ ኣዲስ ኣበባ

ንወዲ ሐዎቦኻ ኢልካዮ ዶ መርሐባ

ሕቶ ገይም ኦቨር ዝብል ኣዛራርባ

ንኤርትራ ዶ ንትግራይ መልሲ ሃባ;;

መንዩ ብዓሰብ ተጠቃሚ

ብሰላሕ በቋራጭ መንገዲ

ኣቢይ ኣሕመድ ኣትዩ ንዓዲ

ምስ ኣርዮስ ፈሪሙ ንንግዲ;;

ሕጂ ዩ ሕልሚ ወያነ

ተልእኾ ኣቢይ ጋህዲ ኮነ

ሕጂ ይእመን እቲ ዘይኣመነ;;

ንቓወምቲ ዘንበርከኸ

ስለምንታይ ከም ተዳህከ

በሪሂልኩም ዶ ሕጂ ኸ;;

ፍትሐዊ ቃልሲ ግን

ብኸምዚ ዘበትዩ ክደንን

ብስኒት ጥራይ ንወስን;;

ኣታ ተዘሚታና እወ ተዘሚትና

ዕሽነት ኣጥቂዕዎ ዘይለበመ ገና

ኣታ ተጸንቂቖም ድዮም ጀጋኑና

ሎምስ ያኣክል ዝብል ተሳኢኑ ጅግና;;

ኣፍ ዘውጸኤ ኩሉ

ተቃዋማይ ኮይኑ

ብዙሕ ተጻሒፉ

ብዙሕ ተባሂሉ

ኣብ ባይታ ስራሕ ጎዲሉ;;

ሕድሪ ሰማእታት ዝይጠለምና

ሕጂ ውን ኣለዉና ኣለዋና

ሰብ ሕልና ኣጆኹም ኣጆና;;

ወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና«ስዕረት ንህግደፋዊያን ዓንገልቶምን« ካብ ዉሽጡ ሑሩር«ኣባል ተሐኤ«በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን፡«፡

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel