እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 32 guests and no members online

ናይ ሓዘን መግለጺ

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ብ19 ሰነ 2018 ብጻይና ገዲም ሓርበኛ ተጋዳላይ ገዛኢ ኪዳነ፡ ኣባል ፈጻሚ ኣካልን ሓላፊ ናይ ወጻኢ ጉዳያትን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ብዝሓደሮ ሕማም ኣብ ሃገረ ሽወደን ምስውኡ ምስ ሰምዐ መሪር ሓዘን ተሰሚዕዎ።

ተጋዳላይ ገዛኢ ኪዳነ፡ ካብ ዕድመ ንእስነቱ ኣትሒዙ ብዝሓደሮ ልዑል ሃገራዊ ፍቕሪ ኣብ ምልዕዓልን ምውዳብን ዓቕምታት ቃልስና፡ ተርኡ ክጻወት ድሕሪ ምጽናሑ፡ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ናይ ቃልሲ ተመዲቡ ሓርበኛዊ ተርኡ ክጻወት ዝጸንሐ ብጻይ’ዩ።

ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብድሕሪ’ቲ ኣብ ውሽጣ ዘጋጠማ ምፍልላይ’ውን እንተኾነ፡ ደኺመ ከይበለ ኣብ ስደት ኮይኑ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ጸረ-መላኺ ስርዓት ህግደፍ ኣድማዒ ግዲኡ ክጻወት ምእንቲ፡ ብተኸታታሊ ብዘቕርቦም ስነ-ጽሑፋት ይኹን ምስ ግዱሳት ኣባላት ማሕበረ-ኮም ኮይኑ ብዝመስረትዎ ረዲዮ ንጸላኢ ኣብ ምቅላዕ ኣገዳሲ ተርኡ ዝተጻወተ ብጻይ’ዩ።

ብድሕሪ’ዚ ውፉይ ጻዕርታት’ዚ፡ ኣብ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ተወዲቡ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ናይ ሓላፍነታት ኮይኑ ክሳብ ግዜ መስዋእቱ ዕድመ ንእስነቱ ኣብ ቃልሲ ዘሕለፈ ሓርበኛ ተቓላሳይ ‘ዩ።

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ብመስዋእቲ ገዲም ሓርበኛ ተቓላሳይ ገዛኢ ኪዳነ መሪር ሓዘን እናተሰመዖ፡ ንመላእ ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ስድራ ቤቱን ኣዕርኽቱን ጽንዓት ይሃብኩም ይብል።

                   ውድቀት ንጸረ-ህዝቢ ስርዓት ህግደፍ!

                   ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!

                   ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

                             21 ሰነ 2018

                

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel