እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 24 guests and no members online

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊኡ ዝተበየነ እገዳ ክለዓለሉ ዝድርኽ ብባህሪ ኮነ ብተግባር ዝኾነ ኣወንታ ኣየርኣየን ክትብል ኢትዮጵያ ገሊጻ።

ብኣምባሳደር ካዛኪስታን ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣቦ-መንበር ኮሚቴ እገዳ ኣብ ባይቶ ጸጥታን ሚስተር ካይራት ኡማሮቭ ዝተመርሐ ጉጅለ፡ ብ9 ግንቦት 2018 ኣብ ኢትዮጵያ በጺሑ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተራኺቡ፡ ንጥፈታት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምህዋኽ ዞባዊ ጸጥታን ኣብ ልዕሊኡ ዝተመሓላለፈ እገዳን ኣመልኪቶም ኣብ ዝተመያየጥሉ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሚንስተር ዴኤታ ወ/ሮ ሂሩት ዘመነ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ’ቲ እገዳ ክገበረሉ ዘገደደ ኣዕናዊ ተግባሩ ዝኾነ ናይ ባህሪ ኮነ ተግባር ዘርኣዮ ለውጢ የለን ክብላ ሚዘን መንግስተን ከም ዝገለጻ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ጸብጺበን።

ልኡኽ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ሶማልያን፡ ቅድሚ ናብ ኢትዮጵያ ምብጻሑ፡ ኣብ ሶማልያ፣ ኬኒያን ጅቡትን ከይዱ ኣብ ከመይነት ጸጥታዊ ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይ’ተን ሃገራት ከም ዝተዘራረበ፡ ናብ ኤርትራ ክኣቱ መደብ ከም ዝነበሮ ግን ብህግደፍ መእተዊ ፍቓድ ከም ዝተኸልከለን ኣህጉራዊ ጽልዋ ዘለወን መራኸቢታት ገሊጻን።

ጉጅለ ህግደፍ፡ ብስም ዶብን ባድመን ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ኩሉ ምዕባሌታት ዘሪዑ ብምሓዝ፡ ቀንዲ ዘራያትና ምምሕዳር ኣመሪካን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝብል ዘይምክኑይ ጎስጓሳት ከካይድ ምጽንሑ፡ እንተኾነ ኣካይደዮ ክብል ኣብ ዝገለጾ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት፡ ምስ ሰበስልጣን ኣመሪካ ብስውር ክዛተ ምጽንሑን ምህላውን ምሕባሩ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ኤርትራ ዘለና ጸገም ብሰላምን ክንፈትሖ ድልዋት ኢና ክብል ንዝሃቦ መግለጺ ክምልስ እንከሎ ከኣ፡ ዘይዛመዱ ነገራት ብሓደ ወዲኑ ጉዳይ ዶብ ጥራሕ ዘይኮነ እንኮላይ እገዳ ምስኡ ክለዓል ኣለዎ ክብል ስጊንጢር ዝኾነ መግለጺ ምሃቡን ዝዝከር’ዩ።

ሓደ ወተሃደር ህግደፍ ሕነ ሓዉ 6 ኣብ ሓለዋ እሱራት ዝነበሩ ወተሃደራት ቀቲሉ ነብሰ ቅትለት ከም ዝፈጸመ ኣሰና ሓቢራ።

ኣብ ከባቢ ኣፍዓበት፡ ኣድያብ ኣብ ዝብሃል ቦታ ዝዕለሙ ዝነበሩ እሱራት ሓሙስ 10 ግንቦት 2018  ሰዓት 2:30 ድሕሪ ቀትሪ፡ ማዕጾ ሰይሮም፡ ክሃድሙ ኣብ ዝፈተንሉ፡ ወዲ ሳበ ብዝተባህለ መራሒ ክ/ሰራዊት 61 ብዝተዋህበ ደረቕ ትእዛዝ ብዝተተኮሰ ኣድራጋ ጠያይት ሓደ ካብ’ቶም እሱራት ከም ዝሞተ፡ ኣብ ቅትለት ሓው ከም ዝተሳተፈ ጸኒሑ ዝተረደኣ ኣባል እታ ሓለዋ ዝነበረ ወተሃደር ድማ፡ ብቕጽበት 6 ኣባላት ሓለዋ ቀቲሉ ነብሰ ቅትለት ከም ዝፈጸመን ብ11 ግንቦት 2018 ኣብ ዝዘርገሓቶ ዜና ሓቢራ።

ብካልእ ዜና ሰራዊት ሱዳን ብዘይ ሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ተጨውዮም ኣብ ከባቢ ገዳርፍ ኣብ በበይኑ ቦታት ክሳቐዩ ዝጸንሑ 231 ስደተኛታት ነጻ ከምዘውጸአ፡ ካብ መንግስታዊ ዜና ኣገልግሎት ሱዳን ንዝረኸበቶ ሓበሬታ መሰረት ብምግባር ጸብጽባ።

 

 

 

 

ግብጺ ኣካል ናይ’ቲ ምስ ዲጋ ኣባይ ዝተኣሳሰረ ሃገራት ናይ’ቲ ዞባ ንምኽሳብ ተካይዶ ዘላ ንጥፈታት፡ ኣብ ኤርትራ ብጉልባብ መመንጨዊ ጸዓት፡ ንህግደፍ ኣብ ቁጽጽራ ብምእታው ባይታ ንምርካብ ትጽዕት ኣላ።

ካቢነ- ሚኒሰራት ግብጺ፣ ኣብ ኤርትራ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክሃንጽ ዘኽእሎ ውሳነ ብ9 ጉንበት 2018 ከም ዝወሰነ፡ እቲ ፕሮጀክት 7 ሚሊዮን ዶላር ክውድእ ከም ዝኽእል፡ ክርከብ ተመዲቡ ዘሎ ፍርያት 4 ሚጋዋት ከምዝኾነ፡ ይኹን ግን እዚ ንካልእ ፖለቲካዊ ጉልባብ ደኣምበር ሓቀኛ ናይ ልምዓት መደብ ኣይኮነን ይብሉ ነቲ ውሳነ ካብ ማዕከናት ዜና ግብጺ ዝተኸታተሉ ኣስማቶም ክግለጽ ዘይደለዩ ኤርትራውያን።

መንግስቲ ግብጺ ኣብ’ቲ ብኢትዮጵያ ዝስራሕ ዘሎ ዲጋ ዘለዎ መርገጽ ክሳብ ሕጂ ንጹር ከምዘይኮነ፡ ሓንሳብ ንመሰረታዊ ዕላማ ናይ’ቲ ዲጋ ተቐቢሉ ኣብ ተክኒካዊ ጉዳያት ንዘለዎ ስኽፍታ ዝምልከት መብርሂ ክሓትት ከም ዝስማዕ፡ ካልእ ግዜ ከኣ፡ ንህንጸት እቲ ዲጋ ፈጺሙ ከም ዘይቕበሎን ንምዕንቃፉ ዝከኣሎ ኩሉ ክገብር ምዃኑ ዘመላኽቱ ኣብ’ቲ ዞባ ዝርከባ ሃገራት ንምኽሳብ ብዝተፈላለየ መጠበሪታት ላዕሊ ታሕቲ ክብል ከም ዝረአ፡ እዚ ኣብ ኤርትራ ዝበጽሖ ውሳነ ከኣ፡ ብጉልባብ ምምንጫው ሓይሊ ጸዓት ፖለቲካውን ወተሃደራውን ባይታ ንምርካብ ዝዓለመ ምዃኑ ብሩህ’ዩ ክብሉ ኣረዲኦም።

መንግስቲ እስራኤል ብጉዳይ ናይ’ቶም ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት

ዳግም ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይዘራረብ ከም ዘሎ ተገሊጹ

መንግስቲ ሃገረ እስራኤል ብጉዳይ’ቶም ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ መብዛሕቲኦም ኤርትራውያን ምዃኖም ዝተነግረሎም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት፡ ዛጊት ንጹርን ቀዋምን መርገጽ ከምዘይብሉ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣቋሪጽዎ ዝነበረ ንከመይን ናበይን ይጣየሱ ዝብል ዛዕባ ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዳግም ይዘራረብ ከም ዘሎን ረድዮ ኤረና ብ11 ግንቦት 2018 ኣፍሊጣ።

እቲ ሕጂ ዝግበር ዘሎ ዝርርብ፡ እቲ ቅድሚ ሎሚ ተጀሚሩ፡ ብቀዳማይ ሚኒስተር ናታን ያሁ ብሃንደበት ዝተቛረጸ ብምሕዳስ ንምቕጻሉ ዝዓለመ ከም ዝኾነ፡ ይኹን ግን ሕጂ’ውን መጻኢ ዕድን ናይ’ቶም ስደተኛታት ብዘውሕስ ኣገባብ ኣብ ሓደ መዕለቢ ክብጻሕ ዘሎ ተስፋ ብሩህ ከም ዘይኮነን፡ ናብ ካቢነ ሚኒስተራት እታ ሃገር ንዝቐረበ ጸብጻብ ምርኩስ ብምግባር ሓቢራ።

ረድዮ ኤረና ብዘይካ’ዚ፡ መንግስቲ ፈደራል ጀርመን ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2017 ጥራሕ 35 ሽሕ ኤርትራውያን ሓተቲ ዕቑባ ከም ዝተቐበለ፡ ይኹን ግን ሕጂ’ውን ብዙሓት ብስደት ተፈላልዮም ዝነብሩ ዘለው ስድራ ቤታት፡ ኣብ ጀርመን ተጠራኒፎም ንኽነብሩ ፖለቲካዊ ሕቶ ካብ ዘቕርቡ ብዙሓት መልሲ ዘየረኸቡ ከም ዘለውን ንማዕከን ዜና እታ ሃገር ዶቸ በለ ብምጥቃስ ኣብ ናይ 11 ግንቦት 2018 ዜና ፈነወኣ ወሲኻ ኣረጋጊጻ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 14-05-2018

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel