Written by: ዛራ ማና
Hits: 967

ብብዙሕ መስዋእትን መስተንክራዊ ጽንዓትን ተጸዋርነትን ህዝብታት ኤርትራ ተሓንጊሩ፡ ንመግዛእታዊ ሰራዊት ደርግ ኣብ ምውጋድ መሪሓዊ ተራ ዝነበሮ፡ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ( ናይ ሎሚ መሪሕነት ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን) ካብ ግዳማዊ መግዛእቲ ዝኸፍአ ዓፋኒ፡ ቀታሊ፡ ኣድላዊ፡ ዘማትን ከፋፋልን ዘቤታዊ ጸላኢ ከም ዝኸውን ንውሑዳት ርሑቕ ኣመቲ ተንተንቲ ፖለቲካ ስውር ኣይነበረን። ካብ መሰረታዊ ደርባው ባህሪኡ ተበጊሶም ከሎ ጌና ዝበጽሕዎ መደምደምታ’ዩ። ንገለ ብተግባር ክፍጸም ብዓይኒ ሪኦም ካብ ድቃሶም ዝበራበሩ ወይ ዝኣምኑ ወገናት ‘ውን ከምኡ ህድግ ለነ ኣልቦ ጭካኔኡ እንታይ ከም ዘመልክት ብሩህ’ዩ ነይሩ።

እንተኾነ’ቶም ርሑቕ ኣመቲ ተነተንቲ ፖለቲካ ብቑጽሮም ውሑዳት፡ ናይ ቃልሲ መሳለጥያታቶም ድሩት፡ ስፍሓት ጽልዋኦም ጸቢብ ብምንባሩ፡ እቲ መድሕን ህዝብን ሃገርን ክኸውን ዝኽእል ዝነበረ ረዚን ፖለቲካዊ ገምጋሞም፡ ከም’ቲ ዝድለ ኣብ ባይታ ወሪዱ ህዝባዊ ርእይቶ ክኸውን ኣይከኣለን። ብግዝያዊ ስምዒታዊ ረስኒ ስለዝተዓብለኸ ቀልቢ ብዙሓት ክማርኽ ኣይከኣለን። ጨካን ተግባራት መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብዓይኖም ዝረኣዩ ኮነ፡ እዚ መሪሕነት ኣብ ተወፋይነት ህዝቢ ተሓቢኡ ኲናት ‘ምበር፡ ኣብ ሰላማዊ መድረኽ፡ ህዝቢ ብሕግን ብደሞክራስያዊ ኣገባብን ክመርሕ ከመሓድር ዘኽእሎ ፖለቲካዊ ባህርን ባህልን የብሉን ኣብ ዝብል ገምጋማዊ መደምደምታ ዝበጽሑ ርሑቕ ኣመትን በረኣእያ ብልክዕ ክናበቡን ብኣካል ክቀራረቡን ኣይከኣሉን።

ብርሑቕ ነገራት ካበይ ናበይ ብሓሳብ ብተንታን ኣመት ዝህቡ ምሁራትን ምኩራት ፖለቲካን ምርካብ ንሓደ ውጹዕ ህዝቢ ከም ጸጋ ዝቑጸር’ዩ። ፖለቲካዊ ስድነት ብተግባር ክፍጸም ብዓይኒ ሪኦም ስኽፍታ ዘሕድሩ ለባማት ምርካብ’ውን ከምኡ። እዞም ብሓሳብን ብተግባርን ፖለቲካና ብሰንኪ ዘይ ህዝባዊ ባህርን ዘይደሞክራስያዊ ኣሰራርሓን ውሱናት ወሰንቲ መሪሕነታዊ ኣካላት፡ ካብ ቅኑዕ መስመር ይወጽእ ኣሎ ኣብ ዝብል መደምደምታ ዝበጽሑ ወገናት፡ ቅድሚ 1991 ኣብ ሓደ መስመር መጺኦም ኣንጻርቲ ብጉልባብ ሃገራዊ ነጻነት ብርሑቕ መላኺ መሓውሩ ዝጸፊ ዝነበረ መሪሕነታዊ ጉጅለ ደው ከይብሉ ዝዓግቶም ነገሩ ነይሩ።

ብቋንቋ ምሁራት ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠት ቀዳማይን ካልኣይን ግርጭት ተባሂሉ ዝምደብ፡ ምስ ኩሉ ህልዊ ውሽጣዊ ጸገምናን መጻኢ ስኽፍታናን ብቐዳምነት ኩሉ ዓቕሚና ናብ ምውጋድ ግዳማዊ መግዛእቲ የቕንዕ። መሬትና ንወንን። ሃገራዊ ነጻነትና ብሓይልን ብሕግን ነውሕስ። ግዳማዊ መግዛእቲ ብሓይልን ብሕግን ጠቕሊሉ ተሳዒሩ፡ ሃገራዊ ልኡላውነትና ኣብ ኢድና ምስ ጨበጥና ናብ ምፍታሽን ምፍታንሕ ውሽጣዊ ወይ ካልኣዊ ጸገምና ክንምለስ ኣለና ዝብል ልዑል ልቦናዊ ሓላፍነታዊ ክብርን ሚዛንን ዝወሃቦ ርድኢት ነይርዎም።

ምኽንያቱ ንግዳማውን ውሽጣውን ጎነጽ ብሓደ ግዜ ክትፈትሖ ምፍታን ከም ሜላ ቅኑዕ ኣይኮነን። ብተግባር ከኣ ከቢድ ዋጋ ዘኽፍል’ዩ። እቲ ፍታሕ ቀዳማይን ካልኣይ ግርጭት ብዝብል ሰሪዕካ፡ ብቐደም ሰዓብ መዲብካ ምሓዙ መግለጺ ፖለቲካዊ ብስለት’ዩ። ስነ-ፍልጠታዊ ድማ’ዩ። ከም ውጽኢቱ ከኣ፡ ቀጥታዊ ግዳማዊ መግዛእትን ብዓለም ደረጃ ዘስምዑን ዘድምዑን ርእሰ ሓያላን ዓንገልቱን ሓንሳእን ንሓዋሩን ብሓይልን ብሕግን ተሳዒሮም። ቀዳማይ ግርጭት ብዘየዳግም ተሳዒሩ። ቀዳማይ መድረኽ ናይ’ቲ ዝተናወሐ ብረታዊ ቃልሲ ተዛዚሙ። ኣብ ካልኣይን ዝዓበይን መድረኽ ድማ ተኣትዩ።

እንተኾነ ካብ’ቲ ዝሓለፈ መድረኽ እኹል ትምህርቲ ተወሲዱ፡ ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት ብመንጽር ዝሓዝዎ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ተነጺሩ ኣይተኣትወን። ካብ ድሕሪ ምርግጋጽ ሃገራዊ ልኡላውነት ኤርትራ 1993፡ ምሉእ ጠመተ ናብ’ቲ ኣቐዲሙ ብካልኣዊ ግርጭት ተሰሪዑ ብፖለቲካዊ ነቐፌታዊ ደገፍ ክመጽእ ዝጸንሐ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ወሳኒ መሪሕነታዊ ኣካሉ ከኣ ብፍላይ ኣብ ክንዲ ዝገብር ብሕጹነትን ነጻነት ተዘናጊዑ። ንፈታዊ ከም ጸላኢ፡ ንጸላኢ ከኣ ከም ፈታዊ ዝርኢ ብሃውሪ ዝጎዓዝ፡ ብስምዒት ድማ ዝውስን ኣረኣእያታት ሳዕሪሩ። ብጻምእ ሃገራዊ ነጻነት ተሃስዩ ዝጸንሐ መነፈሳት እንዶ ፖለቲካዊ ኣገንዝቦ ስኢኑ። ብምልጋስ ስርዓት ደርግን ዕውት መስርሕ ረፈረንደም 1993 ሰኺሩ። ናይ ዝሓለፈ ኣደራዕ መግዛእቲ ‘ምበር፡ ንቕድሚት ክመጽእ ንዝኽእል ዘቤታዊ ጸላእን ጸገምን ምግንዛብ ተሳኢንዎ። እቲ ካልኣዊ ግርጭት ምስ ቀዳማይ ግርጭት ጠቕሊሉ ከም ዝተወገደ ግጉይ ኣገንዝቦ ዝሓዘ በዚሑ። ኩሉ ጸገምና ምስ ምውጋድ ስርዓት ደርግ ተቐንጢጡ’ዩ። ካብ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ንሱ ዝመርሖ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ወጻኢ፡ ፖለቲካዊ ውድብ’ዶ ሰልፍ’ዶ ዝበሃል ኣብ’ዛ ሃገር ክህሉ ኣይንፈቅድን። ብመስዋእቲ ኣሕዋትናን ኣሓትንናን ናይ ነጻነት ሕልምና ኣብ ዝተመለሰሉ፡ ካብ ውድብ ህዝባዊ ግንባርን ኢሳያስ ኣፈወርቅን ወጻኢ ካልእ ሓሳብ ክንሰምዕ ኣይንደልን። ሕጂ ብምሉእ ዓቕምና ናብ ዳግመ ህንጻ ሃገር ዝብል ኣተሓሳስባ ግጉይ ክንሱ ናይ’ቲ መድረኽ ገዛኢ ኮይኑ።

ካብ ደርባዊ ባህሪ ወሳኒ መሪሕነት ህግሓኤ ተበጊሶም ብፖለቲካዊ ገምጋም ናይ ሓደጋ መብራህቲ ዝኣመቱ ምሁራትን ምኩራት ፖለቲከኛታትን ሰማዒ ስኢኖም። በቶም ጨካን ተግባራት መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብዓይኖም ርእዮም ክልብሙ ጀሚሮም ዝነበሩ ብዙሓት ከይተረፈ ከም’ቲ ዝድለ ደገፍን ምትእምማንን ከረጋግጹ ኣይከኣሉን። ኣብ መንጎ ክልቲኦም እቲ ዝምድና ኣብ ክንዲ ዝቀራረብ መሊሱ ገፊሑ። እቶም ብፖለቲካዊ ተንታን ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብመሪሕነት ህግሓኤ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ምዃኑ ብሩህ ኣመት ዝሃቡ ምሁራትን ምኩራትን ብእምነቶም ቀጺሎም። እቶም ብዓይኖም ሕማቕ ተግባራት ክፍጸም እናተዓዘቡ ዝመጽኡ ወገናት ግን፡ ኣብ ክንዲ ዝሕርኑ ክእመን ብዘይኽእል ዝተፈላለየ ምኽንያታት ልምሰትን ተነበርካኽነትን ኣርእዮም። ኣብ ትሕቲ ስነ-መጎት ሓይሊ ጸረ-ህዝቢ መሪሕነት ርዒሞም። በብደረጃኦም ንልዕሊኦም ዘሎ ሓላፊ ዘምልኹ፡ ንትሕቲኦም ዘሎ ከኣ ዝመልኩ ኮይኖም። ድኹዒ መሪሕነት ብምዃን ህዝቢ ብግበር ኣይትግበር ክመሓደር ኣለዎ ኣብ ዝብል ጸረ-ህዝብን ጸረ-ደሞክራስን ኣረኣእያ ተሓዊሶም። መንገዲ ህዝባዊ ሓርነት ስሒቶም፡ ብመንገዲ ባርነት ተጓዒዞም። በቲ ሓደ መዳይ ፍቓደኛታት ባራዩ፡ በቲ ካልእ ከኣ ጎይቶት ባራዩ ኮይኖም። ብተግባር ኣብ ኤርትራ ዝሰረሓሉ ዘሎ ንልዕለኻ ዘሎ ሓላፊ ኣምልኽ፡ ብትሕተኻ ንዘሎ ብምልኪ ግዛእ ዝብል ፋሽሽታዊ ኣሰራርሓ ሓባሪ’ዩ።

ኣቐዲሙ ብውዲት ዝዘርኦ ኣተሓሳስባ ዓንቢቡ ፍረ ክህብ ምጅማሩ ዝተዓዘበ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ድማ መዝሚዝዎ። ፖለቲካ ኤርትራ መሊሱ ክዛባዕ ብምሉእ ዓቕሙ ተረባሪቡ። ኣብ በረኻ ኔርና ሃገር ተቖጻጺርና። ውድብ ነይርና መንግስቲ ኮይና ስለ ዘለና ቀዳማይ ዕማምና ዳግመ ህንጻ ሃገር’ዩ። ናይ ውድባት ሓሸውየ ኣየድልየናን። ነጻነት ዘምጸአ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ’ዩ። ሃገር ዝመርሕ ድማ ንሱ ህግሓኤ’ዩ። ነካይዶ ዳግመ ህንጻ ሃገር ስሉጥን ጽፉፍን መታን ክኸውን ከኣ፡ ብሕማም፡ ብዕድመን ብመወጋእትን ተዓጻጻፊ ኣገልግሎት ክህቡ ዘይኽእሉ ዝተጸገሙ ተጋደልቲ ክነጣስ ኢና። ቁጠባዊ ዓቕሚ ሃገር ክስከሞ ዝኽእል ካብን ናብ ዝወናጨፍ ኩሉ ዕጥቅን ስንቅን ዝተማለኣሉ ቅርጥው ሃገራዊ ሰራዊት ክህልወና ኣለዎ። ከምኡ’ውን ነባር መሪሕነት (በቲ ናቱ ኣገላልጻ ኣረጊት መሪሕነት) ብሓድሽ ደም ክትካእ ኣለዎ። ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ተልእኾኡ ስለ ዝዛዘመ፡ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ብዝብል ክትካኣ ኣለዎ ዝብል ብቕሉዕ ፖለቲካዊ ጠላዕ ክጻወት ጀሚሩ። ተጊብርዎ ድማ።

ኣብ 1994 ኣብ ናቕፋ ኣብ ዘካየዶ 3ይ ውድባዊ ጉባኤ፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብህግደፍ ዝብል ስም ክቕየር ገይሩ። ንስልጣነይ ሓደጋዮም ዝበሎም ገዳይም መሪሕነት ናይ’ቲ ውድብ፡ ዓጽሙን ኣተሓሳስባኡን ካብ ካልኦት ዝኣረገ ንሱ ክንሱ፡ ኣረጊት ደም ብሓድሽ ደም ክብል ብዝገለጾ ፖለቲካዊ ሽርሒ ካብ ወሳኒ ቦታት ኣልጊስዎም። ንሰብኣዊ ክብሮም ዘይከላኸሉ ናትና ዝብልዎ ፖለቲካዊ መንነት ብዘይብሎም ምእዙዛት ሰባት ድማ ተኪእዎም። ህዝቢ ከም ህዝቢ ከኣ እነሆ ምሉእ ንምሉእ ኣብ ምሕረት ሓደ ሰብ ወዲቑ ይርከብ።

እዚ እቲ ብፖለቲካዊ ገምጋም መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኲናት ‘ምበር ህዝቢ ክመርሕ ኣይክእልን። ቀልጢፉ እንተዘይተገሪሑ ካብ ግዳማዊ መግዛእቲ ናብ ዘቤታዊ መግዛእቲ ከእትወና’ዩ ክብል ኣቐዲሙ ዝኣመተን ዝመሃረን፡ ነቲ ብዓይኑ ጨካን ኣመራርሓ ዝረኣየ ተጋዳላይን፡ ኣብ ባህርን ተግባርን መሪሕነት እኹል ኣፍልጦ ዘይሰንሖ ህዝብን ኣብ ሓደ መኣዲ ኣሰሊፉ፡ ኣብ ከመይነት ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ምሕደራ ህዝብን ሃገርን ክዛተዩ፡ መፍትሒ ሓሳባት ከናድዩን ተወዲቦም ብሓባር ክቃለሱን ዝዕድም ግብራዊ ትምህርቲ’ዩ ነይሩ።

ብግዝያዊ ስምዒታዊ ረስኒ ዝሰኸረ ዓብላሊ ኣተሓሳስባ ስለ ዝነበረ ግን፡ እቲ ምቹእ ናይ ቃልስን ለውጥን መድረኽ ከይተጠቐምናሉ ሓሊፉ። ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ነምርሕ ከም ዘለና ምስ መፍትሒኡ ኣመት ዝሃቡ ለባማት እናሃለው ጽን ኢልካ ምስማዕን ምንባብን ተሳኢኑ። ንህዝቢ ዝጠቅም ኣረኣእያ ተናዓቑ። ንውልቀ መላኺ ዘገልግል ኣተሓሳስባ ፍሕፉሕ ኢሉ።

ደረጃ ብደረጃ መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት እናተደፍረ መጺኡ። ሰብኣዊ ክብረት ተዋሪዱ። ባህላውን ማህበራውን ክብርታት ተራኺሱ። ኤርትራዊ ዜጋ ሕጋዊ ተሓታትነት ናይ ዘይብሉ ብሕታዊ ቤት ዕዮ ተቖጻሪ ክሳብ ዝመስል ኣብ ገዛእ መሬቱ፡ ርስቱ፡ ሃገሩ ተደፊሩ። ሓደ ውልቀ መላኺ ባእታ ኣብ ደስ ዝበሎ እዋን ጽልእን ኲናት ዝፈጥረሉ ዕድል ተፈጢሩ። ዜጋ ኣብ ዘይፈልጦ ኲናት እቶ እንክበሃል ብዘይ ሕቶን ርእይቶን ኣትዩ ክርህጽ፡ ክደሚ፡ ኣካሉ ክጎድል፡ ክሳብ’ውን ህይወቱ ክስእን ሰብ ዝሰርሖ ዘይኮነስ ባህሪያዊ ትዕድልቱ መሲሉ። ሃገር ከም ሃገር ውርሲ ወለዱ ክሳብ ትመስል ናብ ዋንነት ሓደ ሰብ ተቐይራ። ኣብ ትሕቲ ስማዊ ነጻነት ዘመናዊ ባርነት ተውሊዱ። ፖለቲካዊ እንዶ ንዘለዎ፡ ብሰብኣዊ ክብሩን ዜግነታዊ መሰሉን ንዘይዋገ ሰብ ብምረት የቐንዙ። ካብ’ዚ መሪር ቃንዛ’ዚ ንምግልጋል ውጹዕ ምስ ውጹዕ ክቀራረብ፡ ክናበብ፡ በቲ ዘሰማምዖ ብሓባር ንመሰሉ ንኽብረቱ ክቃለስ ዝዕድም’ዩ።

ካብ ዕውት መስርሕ ሪፈረንዱም ክሳብ’ዚ ዘለናዮ ኣስታት 27 ዓመት ምዃኑ’ዩ፡ ከም ህዝቢ ከም ሃገር ንምረሓሉ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም የብልናን። ናትና ንብሎ ሓጋጊ ኣካል፡ ፈራዲ ኣካል፡ ፈጻሚ ኣካል የብልናን። ብናይ መረጻ ካርድ ይረሓሰና ይምረሓና ኢልና ዝመረስናዮ መራሒ የብልናን። መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰልና ምሉእ ንምሉእ ተጋሂሱ። ከም ተዛረብቲ ኣቕሓ ተቖጺርና ሓደ ሰብ እናተገልገለልና መጺኡ። ገና ሕጂ’ውን ይግልገለልና ኣሎ። ድሕነት ህይወት፡ ሰብኣዊ ክብረት፡ ዜግነታዊ ደሞክራስያዊ መሰል ቅድሚ ኩሉ ኣብ ክንዲ ንብል፡ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ሃገር ዝብል ግጉይ ርድኢት ሒዝና። ፖለቲካዊ ኣንፈትና ተዘሪጉ። ምስ ምሉእ ሓይልናን ሃብትናን ግዳይ ሓደ ሰብ ኮይና።

ኣብ’ዚ ዘለናዮ ውድዕነት ሃገር ቅድሚ ኩሉ መዝሙር ተበለጽትን መለኽትን’ዩ። ውሑዳት ጸረ-ህዝቢ ኣረኣእያ ዘለዎም ጠቕመ ፈሊጣውያን ዝሕብእሉ በዓቲ’ዩ። ንሕና እቶም ብዙሓትን ግፉዓትን ኤርትራውያን ነቲ ሃገር ቅድሚ ኩሉ ዝብል መደናገሪ መዝሙር ብግቡእ ክነቕሓሉ ኣይከኣልናን። ንስለ ሃገር ክሳብ ትመውት ተጸመም ንኸስ ንዝብል ዓይኒ መርፍኡ ዝጠፍኦ ጨካን መምርሒ ጉጅለ ህግደፍ ከነተግብር ጸኒሕናን ንተግባር ኣለናን።

ስለምንታይ፡ ክብረት ግኡዝ መሬት ቅድሚ ሰብኣውን ዜግነታውን ክብረት? ስለምንታይ ዘይምኽንያታዊ ባእሲ ምስ ጎረባብቲ ህዝብታትን ሃገራትን? ስለምንታይ ምውላዕ ዘይፍትሓዊ ኲናት? ስለምንታይ ህዝቢ ምድካይ? ስለምንታይ ኣብ ሃገርና ብሰላም ምንባር ተሓሪሙና? ስለምንታይ ከፋፊልካ ግዛእ? ስለምንታይ ሚሊዮናት ኣብ ትሕቲ ሓደ ሰብ? ዝብል ሕቶ ብሓባር ከነልዕል ኣይከኣለናን። ኣረኣእያና ኣነጺርናን ኣስተኻኺልናን ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት ክንግምግም፡ ጸላእን ፈታውን ከነነጽር፡ መደባት ኣውጺእና ንመደባትና ምእዙዛት ብምዃን ብሓባር ክንወፍርን ክንሰርሕን ኣይከኣልናን። ከም’ቲ ዘይዘራእካዮ ኣይሕፈስን ዝበሃል፡ ብባህሪ ዘይተቐየርናሉ፡ ብሕጊ ብዘየውሓስናዮ፡ መትከላት ሰላም፡ ደሞክራስን ልምዓት ክንምራሕ ስለዘይከኣል፡ ኣሰካፊ ህይወት ነሕልፍ ኣለና።

ቅድም ክብል ንጸረ-ደሞክራስያዊ ባህርን ኣሰራርሓን መሪሕነት ህግሓኤ ብመትከል ቀዳማይን ካልኣይ ግርጭት ዝተገዝአ ነቔፌታዊ ደገፍ ይኹነን ነይሩ። ኣብ ኣእምሮ ብዙሓት ብግቡእ ተዘሪኡ ስለዘይተቐርጸን ግን ኣየድመዐን። ካብ 1991 ክሳብ ሕጂ ብዙሓት ብጸረ-ህዝቢ ትካል ጸጥታ ህግደፍ ተጨውዮም ምስተወስዱ ሃለዋቶም ዝጠፍኣሉ፣ ማሕበራውን ባህላውን መሳርዓቶም ዝተመዛበለሉ፣ ክቡር ህይወቶም ዝሰኣንሉ፡ ብዝተወደበ መልክዕ ቃልሲ ኣንጻር መላኺ ጉጅለ ከካየድ ጸኒሑ። እዚ’ውን ብመንጽር ዝወሰዶ ንውሓት ግዜ፡ ዝተኸፍሎ መስዋእትን ብህዝቢ ዝተገብረሉ ትጽቢትን ክምዘን እንከሎ ኣየድመዐን ኣየስመዐን። ባዕላውን ወድዓውን ኩነታት በሲሉ እናሃለወ ስለምንታይ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ዘይተዓወተ? ስለምንታይ እወ ከድምዕን ከስምዕን ዘይከኣለ? ክሕተትን መልሲ ድማ ክረክብን ዘለዎ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ዛዕባ’ዩ።

ካብ መፋርቕ ዓመት 2018 ንነጀው ሓድሽ ዝመስል ግን ዘይሓድሽ “ይኣክል” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቃል ንጉጅለ ህግደፋ ብሓፈሻ ንውልቀ መላኺ መራሒኡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድማ ብፍላይ ዝኹንን ድምጺ ክስማዕ ጀሚሩ። ብዙሓት ተሓቢኦም ክኸዱ ዝጸንሑ ወገናት ኣብ መድረኽ መራኸቢ ብዙሓን ወጺኦም ብምስልን ብድምጽን ኣደጊፎም ሓሳቦም ክገልጹ ተዓዚብና። ገና’ውን ንዕዘብ ኣለና። ገለ ነገር ከም ዝጎደለካ ክትርዳእ ምኽኣል ሓደ ጽቡቕ ነገር’ዩ። ካብ ወጽዓ ሓራ ክትከውን ፍኒሕኒሕ ምባል’ውን ዝያዳ ክተባባዕ ዘለዎ ኣወንታዊ ተግባር’ዩ።

እንተኾነ “ይኣክል” ዝብል ቃል ቅድሚኡ ካብ ዝነበሩ ናይ ተቓውሞ ንጥፈታት ትምህርቲ ኣይወሰደን። ክወስድ ከምዘይደሊ ‘ምበር ክወስድ ከም ዝደሊ’ውን ምልክት የብሉን። “ይኣክል” በየናይ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ከምዝግለጽ፡ መን ፈታዊኡ መን’ከ ጸላኢኡ፡ ካበይ ተበጊሱ ኣበይ ከም ዘዕርፍ፡ ማሕበራዊ መሰረቱ ኣበይ ከም ዝኾነ ዘርኢ ንጹር ኣንፈት ስለ ዘይብሉ፡ ካብ ዝተበገሰሉ ግዜ ጀሚሩ ስኽፍታ ክፈጥር ጸኒሑ ኣሎ።

ኮነ ተባሂሉ ብጉጅለ ህግደፍ ዝተዘርገ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ኣንፈት፡ ኣነ ደላዪ ፍትሒ ‘ምበር ተቓዋሚ ኣይኮንኩን። ኢሳያስ ’ምበር ህግደፍ ከልግስ የብሉን። ጽገናዊ ወይ መልከዓዊ ‘ምበር መሰረታዊ ለውጢ ኣየድልየናን። ሓላፍነት ብዝጎደሎን ሰብኣውን ዜግነታውን ክብሪ ክብሕጉግ ብዝደናደን ፖለቲካዊ ድኽነት ገዳይም ፖለቲከኛታትን ፖለቲካዊ ውድባትን ክጽንበሩና የብሎምን። ልኡላውነት ሃገር ቅድሚ ኩሉ። ምንቅስቓስና ፈታውን ጸላእን ኣይፈልን። ኣብ ኣኼባና ወይ ኣደራሽና ደገፍቲ ህግደፍ ክሳተፉ ጸገም የብልናን። መድረኽና ንኹሉ ክፉት’ዩ ዝብል ርኡይቶታት ሓቒፉ ክኸይድ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ኣንፈቱ ዘይተነጸረ ዝተዘርገ ምንቅስቓስ ይኣክል ሎሚ ሎሚ ፖለቲካዊ ረስኑ ይዝሕል ኣሎ።

ቁልፊ ከም ዘይብሉ ናይ ገለ ዝሰልጠኑ ዝመስሎም ናይ ዘመና መንእሰያት፡ ሸተት ክትብል መሊሶም ክዓጥቅዋ፡ እንደገና ሸተት ክትብል መሊሶም ብዘይ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ መትከል፡ ብስምዒት ብጭርሖ ጸጋጊኖም ናብ ንቡር ክምለስዋ ፈተነታት ክገብሩ ንዕዘብ ኣለና። እዚ ዝርገተ ፖለቲካ’ዚ ነቶም ኣብ ዙርያ ይኣክል ዝብል ቃል ዝተኣኻኸቡ ወገናት ጥራሕ ዝምልከት ኣይኮነን። ካብ ክሳብ ፖለቲካ ኤርትራ ናይ ዝተጓዕዘሉ ዘይንጽር ኣካይዳ መግለጺ’ዩ። ናይ ዘይንቕሓትናን ብቕዓትናን መረጋገጺ’ዩ። ኣብ ዙርያ ይኣክል ዝዓሰሉ ወገናት፡ “እግሪ ቀዳማይ ርኢኻ ተላሀ” ከም ዝበሃል ብኣካል ዝኣረጉ ፖለቲከኛታትን ፖለቲካዊ ውድባትን ኣየድልዩናን’ኳ እንተበሉ፡ በተግባር ግን ኣብ ቀዳሞት ካብ ዝተራእየ ዘይቅኑዕ ባህርን ዘይደሞክራስያዊ ባህርን ሓራ ዝወጽኡ ኣይኮኑን። ኣብ’ዚ ዝፍጠር ፖለቲካዊ ዝርገትን ክሳራን ከኣ ናይ ኩሉ ደላዪ ሓቀኛ ለውጢ ክሳራ’ዩ። ንምዕራዩ ድማ ኩላትና ብሓላፍነታዊ ስምዒት እጃምና ከነበርክት ኣለና። ብፍላይ ግን መንእሰያትና ብዘለዎም ናይ ዕድመ ሓላፍነት፡ ካብ ፖለቲካዊ ድሕረትን ግዝያዊ ስምዒታዊ ዕንደራን ሓራ ኮይኖም፡ ዝተነጸረ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ መስመር ዓጢቖም፡ ሓሳብ ብሓሳብ ክራግሑን ብንቕሓትን ተወፋይነትን ህዝባውነቶም ወገናውነቶም ብምርግጋጽ ታሪኽ ክሰርሑ ይግባእ።

                                               ካብ ዛራ ማና

                                             10-04-2020