እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 48 guests and no members online

ኣባላት ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ካብ ፈጠራዊ ፕሮፖጋንዳዊ ጎስጓስ ህግደፍ  ብንቕሓት ክጥንቀቑ ከም ዝግባእ ተገሊጹ።

ጉጅለ ህግደፍ ናተይ ዝብሎ ካብ ግዳማዊ ኢድ ምትእትታው ዝጸረየ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ምትከል ስለዘይብሉን፡ ሕሉፍ ስሰዐ ስልጣንን ነዋትን ስለ ዘለዎን ወትሩ ህዝቢ ኣንጻሩ ከይለዓል ኣንፈቱ ዘስሕት ዘየመሰረታዊ ነገራት ፈብሪኹ፡ ዕሱባት ኣዋፊሩ ፖለቲካዊ ደሮና ናይ ምፍጣር ልምዲ ስለዘለዎ፡ ኣንጻር መልኪ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብዝተወደበን ዘይተወደበን መልከዓት ኣብ ቃልሲ ዝርከቡ ወገናት፡ ብናቶም ፖለቲካዊ መስመርን መደብን ጥራሕ ክምርሑ ከም ዝግባእ ገለ ኤርትራውያን ሓቢሮም።

መንግስቲ ኢሳያስ ኣንጻር ነጻነት ኤርትራ ዝኾኑ እስላማዊ (ጀሃድ) ምንቅስቓሳት፣ ብዶብን ባድመን፣ ብኣመሪካን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተዘሪና፡ ብሰንደቕ ዕላማን ስውኣትን ...ዘየለ ነገር ባዕሉ ምሂዙ ንገለ ግሩሃት ከደናገር ዝፈተነሉ ብምዝካር፡ ሕጂ ድማ እነሆ ምስ ኢትዮጵያ ሓድነት’ዶ፣ ኮንፈደረሽን’ዶ ፈደሬሽን’ዶ ዝብል መሀውተቲ ዝኾነ ነጥብታት ደርብዩ ኣብ ፓልቶካት የዳኽር ኣሎ። ስለዚ ህዝቢ ካብ ተመክሮኡ ትምህርቲ ወሲዱ ካብ’ዚ ሕሱር ፕሮፖጋንዳ ብንቕሓትን ትብዓትን ክድሕን ከም ዝግባእ ምኽሪ ለጊሶም።

ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ካብ ስነ-ሓሳባዊ ፖለቲካዊ ፍሕፍሕ፡  ድሑር ስምዒታት ዝፈጥሮ ምፍልላይ ከም ዝዓቢ ተሓቢሩ።

ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ቅድሚ 1991 ይኹን ድሕሪኡ፡ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ውድባትን ተኸተልተን ገዛኢ ቦታ ሒዙ ዘሎ፡ እቲ ክኸውን ዝነበሮ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ፍልልይ መሰረት ዝገበረ ውድድር ወይ ናይ ኣረኣእያ ፍሕፍሕፍ ዘይኮነ፡ ውድባዊ ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ፡ ሃይማኖታዊ፣ ኣውራጃውን ከባብያውነትን ስምዒታት ምዃኑ፡ ብዝተፈላለዩ ኣርእስታት ኣብ ዌብ ሳይታት ርእይቶኡ ብምክፋል ብዘይምስልካይ ሃገራዊ ግቡኡ ዘበርክት ዘሎ ኣቶ ፍሳሃ ናይር ሓቢሩ።

ኣቶ ፍሳሃ፡ ቀንዲ በዚ ድሑር ስምዒታት ፖለቲካዊ ኣንፈት ዘዛብዕን ህዝቢ ዝፈላልን ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ገሊጹ፡ ኣብ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዘሎ ንጹርነት ዝጎደሎ ዘይመትከላዊ ዝምድናታትን ብስትራተጂን ስልትን ዘይምምራሕን ኣብ’ቲ ተፈጢሩ ዘሎ ዝሩግ ፖለቲካዊ ኩነታት ናቱ እጃም ዘለዎ’ዩ ኢሉ።

ኤርትራ ዝተፈላለየ ቋንቋ፣ ባህሊ፣ ሃይማኖት፣ መበቆል፡ ታሪኽ ዘለዎም ህዝብታት ዝሓቖፈት ሕብረ ብሄራዊት ሃገር’ያ፡ ይኹን ግን ኣብ ክንዲ ብሃይማኖት ብኣውራጃ ከባቢ ምዝራብን ምጭናውን ብፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ብሃገራዊ ራእይ ተወዲብካ፡ ጸላእን ፈታውን ተነጺሩ ንምቃላስ ብከምቲ ዝድለ ስለዘይተበቕዐ’ዩ እዚ ንሓልፎ ዘለና ቅልውላው ክመጽእ ክኢሉ። ካብዚ ንምውጻእን ብሓድሽ ኣተሓሳስባ ናብ ሓድሽ ስርዓት ንምስግጋርን፡ ካብ ሕሉፍ እስላማዊ ኣኽራርነትን ሕሉፍ የማናዊ ፖለቲካዊ ትምክሕትን ነጻ ዝኾነ ፖለቲካዊ መንነት ወኒንካ ምቅላስ እቲ እንኮ መፍትሒ’ዩ ክብል ኣብ ጽሕፉ ሓቢሩ።

 

ኣብ ኤርትራ ኣብ ዕደና ተዋፊሩ ዝርከብ ካናዳዊ ኩባኒያ ኔቭሰን  ኣብ’ውሽጢ 4 ኣዋርሕ ካብ ቢሻ 71.6 ሚልዮን ፓውድን ሓጺን ኣፍርዩ ተባሂሉ።

ኩባኒያ ኔብሰን ዓመተ 2018 ካብ ዝኣቱ ኣብ ዘሎ 4 ኣዋርሕ ጥራሕ 71.6 ሚልዮን ፓውንድ ሓጺንን 8.9 ሚልዮን ነሓሰን ብምፍራይ፡ 150 ሚሊዮን ዶላር ኣታዊ ከም ዝረኸበ፡ ብሓደ ግንቦት 2018 ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ከም ዘረጋገጸን ረድዮ ኤረና ብ3 ግንቦት 2018 ጸብጺባ።

መንግስቲ ህግደፍ ካብ’ዚ ክቡር መዓድናት ዝረኽቦ እቶታት ክንደይ ከም ዝኾነ፡ ኣብ ምንታይ መዓላ ከም ዝወዓለ ነቲ በዓል ቤት ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ከይሓበረ ከም ቃሕታኡ የመሓድሮ ምህላው ገሊጻ።

ብካልእ ዜና፡ ፍልይቲ ልእኽቲ ውድቡ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝኾነት፡ ወ/ሮ ሺላ ቢ ኪታሩት ብምኽንያት ብ3 ግንቦት 2018 ተኸቢሩ ዝወዓለ ኣህጉራዊ መዓልቲ ነጻ ፕሬስ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ መንግስቲ ኤርትራ ዝዛረቦን መርተዖ ኢሉ ዘቕርቦን ኣብ ባይታ ዘየለን ሓቅነት ዝጎደሎ’ዩ ክትብል ሓቢራ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 07-05-2018

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel