እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 38 guests and no members online

ኣብ ኤርትራ ዝጎሓፍ ዘሎ ቆርበት እንስሳ፡ መርኣያ ህግደፍ ዝኽተሎ ዘሎ ኣዕናዊ ፖሊሲ ምዃኑ ተገሊጹ።

ከምስል ብባድመን ልኡላዊ መሬትን ብዙሕ ክብል ዝስማዕ ጉጅለ ህግደፍ፡ ቁጠባ ኤርትራ ብኩሉ ክርመስ፡ ህዝቢ ብድኽነት ክማስን ናይ ዝኽተሎ ዘሎ ጸረ-ህዝቢ ናይ ዕንወት ፖሊሲ መርኣያ፡ ኣብ ምንጪ ቁጠባ ሃገር ናቱ ብጽሒት ከበርክት ዝኽእል ቆርበት እንስሳ ዕዳጋ ስኢኑ ንከንቱ ክጎሓፍ ምግባሩ’ዩ ክብሉ በቲ ጉዳይ ሓዘን ዝተሰመዖም ወገናት ሓቢሮም።

ሳላተን ጣልያን ዝደኮነን ፋብሪካታት፡ ካብ እንስሳ ዝርከብ ቆርበት ቅድም ክብል ተመስሪሑ ገለ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝተፈላለየ መዓላ ይውዕል ነይሩ፡ ገለ ድማ ንስደድ ተለኢኹ ናይ ወጻኢ ሸርፊ የምጽእ ምንባሩ፡ ካብ ቅድሚ ገለ ዓመታት ጀሚሩ ግን ቆላሕታ ዝገብረሉ ኣካል ስኢኑ፡ ብዘይ ዝኾነ ረብሓ ይጎሓፍ ኣሎ፡ እዚ ከኣ ብመደብ ይስረሓሉ ናይ ዘሎ ኣዕናዊ ፖሊሲ መርኣያዩ ኢሎም።

 

መንግስቲ እስራኤል ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣገዲዱ ናብ ሳልሳይ ሃገር ናይ ምብራር ሒዝዎ ዝጸንሐ ኩኑን መርገጽ ከም ዝቐየረ ብወግዓዊ ደብዳቤ ንላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

መንግስቲ እስራኤል ብሓፈሻ፡ ብቀዳማይ ሚኒስተር ናታንያሁ ዝምራሕ ሰልፊ ድማ ብፍላይ፡ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃውያን ካብ ዘለዎ ኣብ ሕብርን ዘርእን ዝመንቀሊኡ ጽላኣት ተበጊሱ፡ ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ልዕሊ 30 ሽሕ ዝኾኑ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ንገለ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትዩ ከሳቒ፣ ንገለ ኣገዲዱ ናብ ሃገራት ሩዋንዳን ኡጋንዳን ንገለ ድማ ናብ ሃገሮም ከባርር ሒዝዎ ዝጸንሐ ደረቐን ዘይሰብኣውን መርገጽ ከም ዝቐየረ ብወግዒ ምሕባሩ ኣብ’ቶም ስደተኛታት እፎይታ ከም ዝፈጠረ ምንጭታት ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ካብ’ቲ ቦታ ሓቢሮም።

መንግስቲ እስራኤል ነቲ ኣብ መርገጹ ዝገበሮ ለውጢ ብ24 ሚያዝያ 2018 ንላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብወግዓዊ ደብዳቤ ከም ዝሓበረ፡ እንተኾነ እቶም ስደተኛታት ካብ ሃገሩ ከመይን ናበይን ይወጽኡ ግን ገና ኣብ መጽናዕቲ ከም ዘሎ ምሕባሩ ዝገለጹ እቶም ምንጭታት፡ ኣብ’ዚ ውሳነ’ዚ ክበጽሕ ግዱሳት እስራኤላውያን ኣብ ጎኒ ስደተኛታት ኮይኖም ብተደጋጋሚ ዘርኣይዎ ተቓውሞን ደላዪ ሰላም ማሕበረ-ሰብ ዓለም ድማ ዝገበሮ ምሕጽንታን ተጽዕኖ ስለዝፈጠረሉ’ዩ ክብሉ ኣረዲኦም።

ኣባላት ባይቶ ኣፍሪቃዊት ሃገረ ኡጋንዳ ብወገኖም፡ መንግስቶም ብዘይ ሕጋውን ዘይ ወግዓውን ኣገባብ ብምስጢር በስገዳድ ንዝጥረዙ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ንምቕባል ምስ መንግስቲ እስራኤል ንዝገበሮ ስምምዕ ብምቅዋም፡ ስለምንታይ’ከ ክንድዚ ዝኽብደቱ ጉዳይ ካብ ሃገራዊ ባይቶ ተኸዊልካ ክትግበር ተወሲኑ ዝብል ወግዓዊ ሕቶ ኣልዕሎም ነመንግስቶም ኣብ መዋጥር ኣእትየሞ ምጽናሖምን እቲ ሓበሬታ የረጋግጽ።

መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ኣብ ኤርትራ ሰባት ብናይ መንግስቲ ተኲስካ ቅተል ፖሊሲ ከም ዝቕተሉ ገሊጹ።

መንግስቲ ኣሜሪካ፡ መንግስታት ኣብ ዓመተ 2017 ኣብ ኣተሓሓዛ ሰብኣዊ መሰላት ክኽተልዎ ዝጸንሑ ኣገባብን ዝፈጸምዎ ግፍዕን ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጸኦ ዓመታዊ ገምጋማዊ መጽናዕታዊ መግለጺኡ፡ ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ከም ዝፍጸም፡ ዝተፍልየ ርእይቶ ስለ ዘቕረቡ ጥራሕ ብርክት ዝበሎ ዜጋታት እታ ሃገር ገለ ተቐቲሎም ገለ ድማ ኣበይ ከምዘለው ከም ዘይፍለጥ፡ ስለዚ ከኣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ዝፍጽሞ ገበናት ዘስክሕ’ዩ ከም ዝበለ ድምጺ ኣሜሪካ መደብ ቋንቋ ኣምሓርኛ ብ24 ሚያዝያ 2018 ኣብ ዘቕረበቶ ዜናዊ ጸብጻብ ኣረጋጊጻ።

ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ይብል እቲ ጸብጻብ፡ ሰባት ተኣሲሮም ምኽንያት መእሰሪኦም ኣይንገሮምን። ስድራ ቤት ኣይበጽሕዎምን። ኣበይ ከምዘለው ኣይፍለጥን። ህይወቶም ከድሕኑ ንዝፍትኑ ድማ ብፖሊሲ ተኲስካ ቅተል ዝቕትል ምዃኑ’ዩ ከም ዝበለን ሓቢራ።

 

ሃገራዊ ባይቶ ፈረንሳ፡ ጸጋማዊ ርእይቶ ዘለዎም ሰልፍታትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን እንታ ሃገር ኣረሜናዊ ክብሉ ዝገለጽዎ ንስደተኛታት ዝምልከት ጽኑዕ ሕጊ ኣጽዲቑ።

ሃገራዊ ባይቶ ፈረንሳ ንከመይነት ኣብ ሃገሩ ዝነብሩን ገና ናብ ሃገሩ ዝኣትውን ስደተኛታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝተዳለወ ረቂቕ ሕጊ ንብዙሕ መዓልታት ከካይዶ ዝቐነየ ክትዕ፡ ፖለቲካዊ ዕቑባ ንዝሓቱ፡ ሕቶኦም ተቐባልነት ንዝረኸበን ዘይረኸበን ወይ ይኸውን ኣይኸውንን ዝብል መልሲ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ክወሃቦም፡ ተቐባልነት ከምዘይብሎም ዝተነግሮም’ሞ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ’ታ ሃገር ንዘይወጽኡ ድማ፡ ኣርባዕተ ወርሒ ተኣሲሮም፡ ብግዴታ ናብ ሃገሮም ክጥረዙ ኣለዎም ዝብል፡ ጽኑዕ ግን ከኣ ዘይቅቡል ሕጊ ከም ዘጽደቐ ረድዮ ኤረና 24 ሚያዝያ 2018 ጸብጺባ።

ሃገራዊ ባይቶ ፈረንሳ ነቲ ሓድሽ ሕጊ፡ ብ228 ደገፍ፣ 139 ተቓውሞ፣ 24 ድምጺ ተዓቕቦ ከም ዘጽደቖ፡ እቲ ውሳነ ካብ ዝምልከቶም ስደተኛታት ብርክት ዝበለ ቁጽሪ ዘለዎም ኤርትራውያን ከም ዝርከብዎም፡ ነዚ ብ23 ሚያዝያ 2018 ዝጸደቐ ሕጊ ዝሰምዑ ጸጋማዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ፖለቲካዊ ሰልፍታት፣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ፈረንሳ ኣዝዮም ከም ዝጎሃዩን ኣረሜናዊ ሕጊ ክብሉ ከም ዝገለጽዎን እታ ረድዮ ሓቢራ።

ብካልእ ዜና፡ ፖሊስን ጸጥታን ሱዳን፡ ኣብ ፖርት ሱዳን ኣብ ዝተፈላለየ ኣበይቲ ብነጋዶ ሰብ ተጨውዮም ኣብ ከቢድ ስቓይ ዝጸንሑ መብዛሕቲኦም ኤርትራውያን ዝኾኑ 25 ስደተኛታት ብ17 ን 18 ሚያዝያ 2018 ኣብ ዘካየድዎ ዳህሳስ ነጻ ከም ዘውጽእዎም፡ እንተኾነ ግን፡ ኣብ’ቲ ስርሒት ካብ’ቶም ገበነኛታት ዝተቐትለ፡ ዝቖሰለ ኮነ ዝተማረኸ ከም ዘየለን ገሊጻ።

ብሓልዮይ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 27-04-2018

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel