እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 57 guests and no members online

ብጃምላዊ መቕዘፍቲ ዜጋታቱ ዘይሓዝንን ዜናዊ መርድእ ዝነፍግን ጉጅለ ህግደፍ  ብልኡላዊ መሬት ይግደስ’የ ክብል ኣየምሕረሉን ክብሉ ገለ ወሃብቲ ርእይቶ ኣፍሊጦም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገለ ዝተገፈፉ፡ ገለ ብዘይጭቡጥ ምኽንያት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጒኖም ክሳቐዩ ዝጸንሑ ኣባላት ሰራዊት ዝኾኑ ዜጋታት፡ ኣብ መስመር ኣስመራ ባጽዕ ብዝጋጠመ ምግምጣል መኪና፡ ልዕሊ 40 ሰባት ከም ዝተቐዝፉ፡ ልዕሊኦም ከኣ ብከቢድን ፈኲስክን ከም ዝተጎድኡን ዝገለጹ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ፡ በዚ ዘይስንብድን ብወግዒ መግለጺ ሓዘን ዘየውጽእን መንግስቲ መንግስቲ ኢልካ ክትገልጾ ኣጸጋሚ’ዩ ኢሎም።

ባዕሉ ካብ ቤቶም ወሲዱ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዘንቀሳቕሶም ዝነበረ ግዳያት፡ ክልተ ሰለስተ መስመር ዝኸውን ዜና መግለጺ ሓዘን ክንፈጎም ዘይንቡር’ዩ። ከም’ዚ ዝበለ ጃምላዊ መቕዘፍቲ ብመንጽር ምረቱ ብወግዒ ገሊጹ መዓልቲ ሓዘን ክእውጀሉ ዝግባእ ክንሱ፡ ምንም ከምዘየጋጠመ ፈሊጡ ከምዘፈለጠ ብስቕታ ክሓልፎ ምምራጹ ዘተሓሳስብ ኢሉ’ውን ዘቖጥዕ’ዩ ኢሎም።

 

ገለ ካብ’ቶም ኣብ እዋን ስነ-ስርዓት ቀብሪ ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር  ብጃምላ ዝተኣስሩ ህጻነት ከም ዝተፈትሑ ረድዮ ኤረና ኣፍሊጣ።

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ናይ’ቶም መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ንዝገበሮ ጣልቃ ምእታው ብወግዒ ብምቅዋሞም ዝተዳጎኑ’ሞ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝዓረፉ ወዲ 93 ዓመት ኣቦና ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር ኣብ ዝፈጸመሉ ዝነበረ፡ ብትካል ጸጥታ ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ ህግደፋ ብጃምላ ካብ ዝተኣስሩ ልዕሊ 200 ዝኾኑ ህጻናት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከም ዝተፈትሑ ረድዮ ኤረና ብ18 ሚያዝያ 2018 ጸብጺባ።

እዞም ግዳይ ዝኾኑ ብዕድመን ብልቦናን ዘይበሰሉ መሳኪን ህጻናት፡ ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ዲያእ ኣልእስላሚያ ከም ዝኾኑ፡ ብ3 መጋቢት 2018 ሓመድ ድበ ኣቦና ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር ተፈጺሙ፡ ቀባራይ ናብ ዝመጽኦ መልሲ ክገብር እንከሎ፡ ዘይምልከቶም ክንሱ መንቀሳቐሲ ወረቐት ተሓቲቶም ስለ ዘይነበሮም ከርእዩ ብዘይምኽኣሎም፡ ምኽንያት ብምግባር ብጃምላ ተወሲዶም ኣብ ዓላን ከባቢኣን ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ከቢድ ምርመራ ክግበረሎም ምጽንሑን ኣረጋጊጻ፡፡

ድሕሪ ብዙሕ ጽቓይ እዚኦም ይፈትሑ ደኣምበር፡ ካብ’ቶም ሽዑ ዝተወስዱ ዛጊት ዘይተፈትሑ ብርክት ዝበሉ ወገናት ምህላዎምን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ብካልእ ዜና፡ ሃገራዊ ባይቶ ፈረንሳ ብ16 ሚያዝያ 2018 ኣብ ጉዳይ ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ስደተኛታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝተዳለወ ረቂቕ ሕጊ ከምዝተመያየጠ፡ ሕቶ ፖለቲካዊ ዕቑባ ዘቕረቡ ስደተኛታት ተቐቢልናኩም ኣለና ወይ ኣይንቕበልን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ መልሲ ክወሃቦም፡ ተቐባልነት ዘየረኸቡ ናብ ሃገሮም ክባራሩ ዝብል ከም ዝርከቦን ረድዮ ኤረና ብ18 ሚያዝያ 2018 ኣብ ዘቃልሓቶ ዜና ኣረዲኣ።

 

መንግስቲ እስራኤል ኣሲርዎም ዝነበረ መብዛሕቲኦም ኤርትራውያን ከም ዝኾኑ  ዝተነግረሎም ልዕሊ 200 ስደተኛታት ከም ዝፈትሐ ተገሊጹ።

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል፡ ሳህሮኒም ኣብ ዝተባህለ ቦታ ተዳጒኖም ብግዴታ ናብ ርዋንዳ ወይ ኡጋንዳ ክንጥረዝ ኢና ኣብ ዝብል ዓሚቕ ስግኣት ዝጸንሑ፡ መብዛሕቲኦም ኤርትራውያን ዝኾኑ ልዕሊ 200 ስደተኛታት፡ ብመሰረት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ዝሃቦ ውሳነ ከም ዝተፈትሑ ብ15 ሚያዝያ 2018 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣረጋጊጹ።

ይኹን ግን መንግስቲ እስራኤል ብግዱሳት ዜጋታቱ ከይተረፈ ንዝቐርበሉ ዘሎ ዓግብ ዝብል ምሕጽንታ ክብደት ከይሃበ፡ ናይ ቁጠባ ስደተኛታት’ዮም ንዝብሎም ኣፍሪቃውያን ናብ ሩዋንዳን ኡጋንዳን ክጥራዞም ዝሓዞ መደብ ይደፍኣሉ ከም ዘሎ፡ ምንጭታት ኣረዲኦም።

መንግስታት ሩዋንዳን ኡጋንዳን ብምስጢር ናይ ምቕባል ኣንፈት እናኣርኣዩ፡ ብወግዒ ኣይንቅበልን ዓይነት ዘይብሩህ መልሲ ክህቡ ምጽናሖም ዝጠቐሱ ምንጭታት ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ ካብ’ዚ ቀረባ ግን መንግስቲ ኡጋንዳ ካብ’ቶም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ከም መፈለምታ 500 ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ክቕበል ከም ዝተሰማመዐ ምግላጹን ሓቢሮም።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 20-04-2018

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel