እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 36 guests and no members online

ኣብ በበይኑ እዋናት፡ ብበበይኖም ጸሓፍቲ፡ ተንተንቲ ፖለቲካ ተደጋጊሙ ከም ዝተገልጸ፡ ፖለቲካዊ ቃልሲ ካብ ፖለቲካዊ ወጽዓ’ዩ ዝብገስ። እቲ ወጻዒ ግዳማዊ ወይ ዘቤታዊ ክኸውን ይኽእል። እቶም ውጹዓት ዘልዕልዎ ሕቶ ብቐጥታ ምስ  ግዳማዊ መግዛእቲ ዝተተሓዘ እንተኾይኑ፡ ሕቶ ነጻነት ሃገርነት ኣቐዲሙ፡ ግን ከኣ ምሉእ  ህዝባዊ ሓርነት ንምጉንጻፍ ዝዓለመ ክኸውን ባህሪያዊ’ዩ። ምስ ዘቤታዊ መግዛእቲ ዝተኣሳሰረ እንተኾይኑ ድማ፡ ብጥቕልሉ ገሊኦም ኣንጻር ደርባዊ ወጽዓ ገሊኦም ከኣ ኣንጻር ደርባውን ብሄራውን ወጽዓ ዝተሰለፉ ክኾኑ ይኽእሉ። እቲ ግርጭት ብሰላማዊ ደሞክራስያዊ መንገዲ ክመሓደር ኣብ ዘይኽእለሉ፡ ናይ ግድን  ብቃልስን ብቓልስ ጥራሕ ሰዓራይን ተሰዓራይ ዝረጋገጸሉ፡ ኣብ ደረጃ መሰረታዊ ግርጭት ዝማዕበለ እንተደኣ ኮይኑ ድማ፡ ናይ’ቶም ንነጻነት ንሓርነት ዝቃለሱ፡ ወገን ውጹዓትን ብዱላትን ዝኾኑ ሓይልታት ብፖለቲካዊ ንቕሓት፡ ነገራት ብዓይኒ ደርባዊ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን እናዓቀኑ፡ ሓፋሽ ኣብ ጎኖም ዘዕስል ስትራተጂን ስልትን ሓንጺጾም፡ ብጽንዓትን ተወፋይነትን  ክምክትዎ ይግባእ።
ፖለቲካዊ ውድባት፡  ነቲ ክውገድ ኣለዎ ዝብልዎ ዓማጺ ስርዓት፡ ብደርባዊ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ተንቲኖም፡ ናብ ህዝቢ፡ ደሞክራስን ፍትሕን ዘለዎም ወገናዊ ቅርበት ኣነጺሮም፡ ስትራተጂን ስልትን ሓንጺጾም፡  ክገጥምውዎ ኣለዎም ክበሃል እንከሎ ግን፡ እቲ ደርባዊ ፍሕፍሕ፡ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ፡ ህዝባዊ ወገንተኝነት፡ ናብ ደሞክራስን ፍትሕን ዝወገነ ኣካይዳ፡ ኣብ ውሽጦም ክካትዕሉ ክምህርሉ ክቃለስሉ የብሎምን ማለት ኣይኮነን። ንሳቶም’ውን ከም ነናቶም ኣረኣእያን ዝንባሌን ዘለዎም ፖለቲካዊ ውድባት መጠን፡ መን እንታይ ኣረኣእያኡ፡ ኣበይ ማሕበራዊ መሰረቱ፡ ናብ መን ቅርበቱ፡ ተደናጋጽነቱ፡ ስትራተጂካዊ ውጥኑን ስልታዊ መደባቱን ብንጹር ተለልዩ፡ ኣሰላልፋ ሓይልታት ብግቡእ ተሰሪዑ ክቕመጥ ኣለዎ። ምኽንያቱ ኣብ ታሪኽ፡ ነጻነታዊ ኮነ ሓርነታዊ ቃልሲ ዘካየዱ ብዙሓት ምንቅስቓሳት ብተግባር ከምዝተራእየ፡ ገለ ካብ’ቶም ኣንጻር ቀዳማይ ጸላኢ ተሰሊፎም፡፡  ነጻነት፣ ሓርነት፣ ደሞክራሲ፣ ፍትሒ፣ ማዕርነት፣ ሓድነት፣ ማሕበረ-ቁጠባዊ ምዕባለ ዝጭርሑ፡ ናይ ቦታን ግዜን ጉዳይ እንተዘይኮይኑ፡ ድሕሪ ነጻ ምውጻእ ናይ’ታ ሃገር ብፖለቲካዊ ተፈጥሮኦም ካብ’ቲ ዝኹንንዎ ዝኸስዎ ዝነበሩ ዘይፍለዩ፡ ኣብ ቃሎም ዘይጸንዑ ምዃኖም’ዩ። ኣንጻር ዝተሓንገጥዎ ጭርሖ፡ ንህዝቢ ዝኣተውዎ መብጸዓ ክስለፉ  ዘየሕፍሮም ዘይእግሞም ምዃኑ’ዩ። ኣብ እዋን ብረታዊ ተጋድሎ ንሃገራዊ ነጻነት ናይ ሽዑ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ናይ ሎሚ መሪሕነት ጸረ-ህዝቢ ስርዓት ህግደፍ እንታይ ይብል እንታይ ይጭርሕ ኔሩ፡  ሕጂ’ኸ  ብተግባር እንታይ ይብልን ይሰርሕን ኣሎ  ጭቡጥ ኣብነት’ዩ። እዚ መን ኣበይ ሃገር ኣብ ዝብል ዝርዝር ከይኣተና፡ ቅድመናን ድሕረናን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተኻደ ቃልሲ’ውን ብተግባር ዝተራእየ ሓቂ’ዩ።
ስለዚ ብፍላይ ከም’ዚ ሎሚ ኣንጻር ፍጹም ዘቤታዊ መላኺ ጉጅለ፡ ንህዝባዊ ሰላም፣ ንህዝባዊ ሓርነት፣ ንህዝባዊ ደሞክራሲ … ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ምስ ዝኸውን፡ ኣብ ውሽጥና ዝኾነ ፍልልይ ከምዘይብልና፡ ኣንጻር ቀዳማይ ጸላኢ ጥራሕ ንዛረብ፣ ንጽሓፍ፣ ንምሃር ንመሃር ዝብል ኣገንዝቦ ክተሓዝ ቅኑዕ ኣይኮነን። እቲ ቅኑዕ  ኣተሓሳስባ ብመሰረት ኣብ ኣሰራርዓ ኣሰላልፋ ሓይልታት ቀዳማይን ካልኣይን ኢልና ዘቐመጥናዮ፡ ቀዳምነት  ናብ’ቲ ህዝቢ ዘብርስ ዘሎ ጸረ-ህዝቢ ስርዓት ትኹረት ብምግባር፡ ኣንጻሩ ብሓባር ከስረሐና ኣብ ዝኽእል  ነጥብታት ኣለሊናን መሰረት ጌርናን ጠማሪ ዝኾነ ግንባር ወይ ግንባራት ፈጢርና ምቅላስ’ዩ።
 ካልኣይ ነቲ ኣብ ውሽጥና ብፕሮግራም፡ ብባህሪ ድዩ ብተመክሮ ንፈላለየሉ መትከላት ከይሓባእና ከይነሓፍና እምነታትና ብእሩምን ሓላፍነታውን ኣገባብ ክንበሃሃለሉ ኣለና፡፡ ናብ ዘይተደላዪ ጎነጽ ዝወስድ መንገዲ ገዲፍና፡ ኣብ ሓጺር እዋን ቀዳማይ ጸላኢና ስርዓት ህግደፍ ንምእላይ፡ ህዝቢ ኣብ ዙርያና ንምዕሳል ተቐባልነትን ሓይልን ክፈጥረልና ይኽእል’ዩ ኢልና ብነዊሕ ብፕሮግራም ደረጃ ዝረኣናዮ ግድን ክንምህረሉ ክንውድበሉ ኣለና፡፡ ጽባሕ ቀዳማይ ጸላኢ ምስተወገደ ህዝቢ ኤርትራ ብከምዚ እንተተመሓዲሩ፡ ውሽጣዊ ሰላም ይረክብ፡ ምስ ጎረባብቱ  ብምክብባር ይነብር፣ ዘተኣማምን ደሞክራስያዊ ትካላት ይህልዎ፣ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ ይሰፍን፣ ኣብ መንጎ ዜጋታት ዝጸንሐ ድሑር ናይ ልዕለ ትሕትነት ኣተሓሳስባታት ይበሊ፡ ማዕርነታዊ ደሞክራስያዊ ሓድነት ዝሰፈኖ ምክብባር ይህነጽ፡ ህዝቢ ከም ህዝቢ ኣብ ጉዳዩ ወሳኒ ተራ ይጻወት፡ ካብ ድሕረትን ድኽነት ድማ ይናገፍ ተባሂሉ ዝተታሕዘ መትከላዊ እምነታት፡  ፈጺሙ ክሕባእ ወይ ብሕድገት ክውንዘፍ ኣይኽእልን ኣይግባእን ድማ። እዚ ናይ ነፍስ ወከፍና ፖለቲካዊ መንነት መግለጺ ምዃኑ ተገንዚብና ፈታውን ጸላእን ብዝፈልጦ ዓው ኢልና ክንዘራበሉ ክንበቅዕ ኣለና። እዚ ግድን ከም ፖለቲካዊ ውድባት ክንብሎ ክንገብሮ ዘለና ኣረኣእያና’ዩ። ንካልኦት ንምኹራይ ወይ ንምሕጓስ ዘይኮነ እምነትና ስለዝኾነ፡ ክንብሎ ድማ ስለዘለና ንብሎ’ዩ። እቲ ሓደ ነቲ ካልእ በዚ ምዕቡልን ኣወንታውን ኣጠማምታ’ዚ ከንብቦ ኣለዎ። ካብ’ዚ ብዝተረፈ ዋላ እምነትካ ይኹን ኣረኣእያኻ ይኹን ከይትዛረበሉ። ከምኡ ምባል ወይ ምግባር ናይ ለውጢ ዕንቅፋት’ዩ። ከይንሕይል ዘዳኽመና’ዩ ዝበሃል ኣዘራርብ  ክግራሕ ኣለዎ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ፖለቲካዊ ድሕረት መሰረት ዝገበረ ጎስጓስን ውደባን ያዕ ክበሃል ኣለዎን ይግባእን።
 ፖለቲካዊ ውድባት ኩሉ ግዜ ክንብሎ ዘለና፡ ከም ኣብነት ውድብና ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ከነቕርብ፡ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተመሓየሸን እናማዕበለን ዝመጸ፡ ከም ውድብ ዝቖመሉ ዝልለየሉ ዝተሰነደ ንጹር ፖለቲካዊ ፕሮግራም ዘለዎ  ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ውድብ’ዩ። ኣብ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ 17 ሚያዝያ 2014 ዝጸደቐ መደብ-ዕዮኡ ድማ ከም’ዚ ዝብል ሰፊሩ ንረክብ፡ ሀ. ምምስራት ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ 1. ንጸረ-ህዝብን ጸረ-ደሞክራስን ጽግዕተኛ መንግስቲ ህግደፍ፣ 2. ብዝተፈላለየ መልከዓት ንክብርን መሰልን ረብሓን ህዝብታት ኤርትራ ናብ ረብሓኦም ንምውዓልን ናይ ሃገርና ልዑላውነትን ነጻነትን ንምግሃስን ዝተኣታተው ናይ ወጻኢ ሓይልታት፣ 3. ንድሕረትን ድኽነትን መሰረት ዝኾነ ተረፍ-መረፍ መስፍናዊ ኣተሓሳስባን ባህልን ንምውጋድ ዘይሕለል ጽኑዕ ሰውራዊ ቃልሲ ምክያድ። 4. ንጸረ-ህዝብን ጸረ-ደሞክራስን ጽግዕተኛ ስርዓት ህግደፍን መሻርኽቱን ጠቕሚ ንምርግጋጽ ዝቖመ ጸረ-ህዝቢ መሳርሒታት ምሉእ ብምሉእ ብምውጋድ፡ ብህዝባዊ ደሞክራስያዊ መስመር ዝምራሕ፡ ናይ ሓፋሽ ህዝብታት ኤርትራ መሰልን ረብሓን ዘረጋግጽ፡ ሓቀኛ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ኤርትራ ምምስራት። ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ኮይኑ ንናይ ጭቆና መሳርሒታት ከገልግል ዝጸንሐ ማሕበረ-ቁጠባውን ፋይናንሳውን ትካላት ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ፡ ብዝተጸንዐ መንገዲ ኣብ ረብሓ ህዝቢ ክውዕል ምግባር ይብል።
ቀጺሉ፡ ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ድማ፡ ናይ ገዛእቲ ደርብታት ናይ ጭቆናን ጭፍጨፋን መሓውራት ብምውጋድ፡ ምሉእ ፖለቲካዊ ስልጣን ኣብ ኢድ ሓፋሽ ህዝብታት ኤርትራ ክኣቱ ምግባር፡ ሀ. ሓፋሽ ህዝቢ ካብ ዝተሓተ ቁሸት ጀሚሩ ክሳብ ዝለዓለ ሃገራዊ ባይቶ፡ ብነጻ መራሕቱ ዝመርጸሉ ዝቆጻጸረሉ፡ እምነት ኣብ ዝስእነሉ ከኣ ዝቕይረሉ ደሞክራስያዊ ኣሰራርሓ ዘኽብር ፖለቲካዊ ስልጣን ምርግጋጽ።ለ. ኣብ ኩሉ መዳያት ተኻቲዑ ኣብ ዘመሓላልፎ ውሳኔታት፡ ምሉእን ቀጥታው ነጻ ተሳትፎ ክህልዎ ዘፍቅድ ሕገ-መንግስቲ ዝምራሕ፡ ነዚ ብተግባር ዘረጋግጽ ህዝባዊ ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል። ሐ. ፍቶታዊ ደሞክራስያዊ ሓድነት ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ኤርትራ ማእከል ዝገበረ፡ ንፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሃገረ ኤርትራ፡ ህዝቢ፡ መሬት፡ ባሕርን ሰማያትን ክልል ልኡላዊ ሓድነት ውሑስ ክኸውን ምግባር። መ. ብፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ቅርጻ መንግስቲ ዝተኣሳሰሩ ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ህዝብታት ኤርትራ፡ ብነጻ ድሌቶም ዝኣትውዎን ዝቐርጽዎን ሕገ-መንግስቲ ብምግባር፡ ከባቢኦም ባዕሎም ከመሓድሩን ክቆጻጸሩን ዘኽእሎም ስርዓተ ምምሕዳር ይህልዎም።
 ደሞክራስያዊ መሰላት ኣብ ትሕቲ ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ድማ ከም’ዚ ይብል፡ 1.ህዝብታት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ሕቶ ፖለቲካዊ ስልጣንን ሃብትን ብፍትሓውን ማዕርነታውን መንገዲ ዝመቓርሕሉ ብቁዕ ስርዓተ ምሕደራ ክረጋገጸሎም ምቅላስ። 2. ሓፋሽ ህዝብታት ኤርትራ ብዝመረጽዎ መልክዕ ናይ ምውዳብ መሰል ብዘይደረት ምሕላው። 3. ናይ ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ህዝብታት ኤርትራ መሰል ርእሰ ውሳነ ብዘይገደብ ክረጋገጽ ብመትከል ምእማንን ንተግባራውነቱ ምቅላስን። 4. ናይ ገዛእቲ ደርብታት ናይ ዓፈናን ጭፍጨፋን ወተሃደራዊ መሓውር ብምውጋድ፡ ብፖለቲካዊ ንቕሓቱን ሰውራዊ ስነ-ስርዓቱን ዝማዕበለ፡ ንናይ ሓፋሽ ህዝቢ ጠቕሚ ናይ ሃገር ነጻነትን ክብርን ንምክልኻል መሳርሒ ኮይኑ ዘገልግል፡ ንደሞክራስያዊ ሕገ-መንግስቲ ተገዛኢ ዝኾነ፡ ካብ ህዝቢ ዝወጸን  ንህዝቢ መሰረት ዝገበረን ድልዱል ህዝባዊ ስራዊት ምህናጽ። 5. እቲ ዝህነጽ ህዝባዊ ሰራዊት፡ ኣብ ውሽጣዊ ኣሰራርሓኡ ደሞክራስያዊ ህይወት ዘለዎ። ዝቖመሉ ዕላማ ብንጹር ዝተረደአ፡ ካብ ፖለቲካዊ ሃገራዊ ጉዳያት ዘይተነጸለ ግን ከኣ ኣባል ናይ ዝኾነ ሰልፊ ዘይኮነ ክኸውን ምግባር።
እቲ ብ17 ሚያዝያ 2014 ዝጸደቐ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መደብ-ዕዮ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ፡ ኣብ ምጣኔ ሃብታዊ መዳይ፡  ኤርትራ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ክትክተሎ ዘለዋ ኣንፈት ከብርህ እንከሎ ድማ፡- ንክብሪ፡ መሰልን ረብሓን  ጭቁናት ህዝብታት ኤርትራ ኣብ ረብሓኦም ንምውዓል ዝተኣታተው ናይ ወጻኢ ሓይልታትን ጽግዕተኛ ርእሰ ማልነትን ምጣነ-ሃብታዊ ትሕዝቶ ብምውጋድ፡ ንሓፋሽ ዘርብሕ ካብ ጽግዕተኝነት ዘናግፍ፡ ምዕሩይ ምጣነ-ሃብታዊ ምዕባለ ንምርግጋጽ ምቅላስ። ከምኡ’ውን ንዋንነት መሬት ዝምልከት ናይ ገጠርን ከተማን መሬት ናይ ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ህዝብታት ኤርትራ ሓባራዊ ንብረት ኮይኑ፡ ኣይሽየጥን ኣይልወጥን። ብሓረጣ ኣይተሓዝን። ብህዝባዊ ደሞክራስያዊ መንግስቲ  ድማ ይመሓደር ይብል። እዚ ካብ’ቲ ብዝርዝር ሰፊሩ ዘሎ መትከላት ገለ መርኣያ’ዩ። ኩለን ፖለቲካዊ ውድባት ድማ ይሓይሽ ኢለን ዝኣምናሉ ዝተወደባሉ ፕሮግራማት ኣለወን። ኣብ ገሊኡ ምስ’ዚ ናይ ደግሓኤ ዝሰማማዕ’ዩ። ገለ ከኣ ብሰንጠቕ ዝጻረር’ዩ።
ስለዚ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ነዞም ከም ኣብነት ዝተገልጹን ካልኦትን እምነቱ፡ ከይተሰከፈ ከይተሸማቐቐ ከዕምቖም ህዝቢ ክፈልጦም ዓው ኢሉ ክምህረሎም መሰሉ’ዩ። መሰሉ’ዩ ጥራሕ ዘይኮነ ግድን ክገብሮ ዘለዎ’ዩ። ደሞክራስያዊ ባህሪኡ ዝዓደሎ ኣረኣእያኡ’ዩ። እዚ ኣብ መንጎ ኣንጸር ምልኪ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ዘለው ፖለቲካዊ ውድባት ካብ ሰላማዊ ክትዕ ሓሊፉ፡ ዘባእስ ዘጋጩ የብሉን። ንቕድሚት ዘሰጉም ደኣምበር ንዓወትና ኣይደናጉን። ካልኦት ውድባት’ውን ብተመሳሳሊ ማለት’ዩ። ኣብ ፕሮግራምካ ኣረኣእያ መሰረት ጌርካ ዝግበር ጎስጓስ፡ ዝወሃብ ኣስተምህሮ፡ ኩለን ፖለቲካዊ ውድባት ክበሃሃላሉ ክሰርሓሉ  ክተባባዕ ጥራሕ’ዩ ዘለዎ።
ክንብሎ ዘይብልና’ኸ እንታይ’ዩ? ኩለን ፖለቲካዊ ውድባት ከም ፖለቲካዊ ውድባት ክጽየናኦ ብንቕሓት ክገርሓኦን ካብ ነብሰን ከርሕቓኦን ዘለወን ብትምክሕቲ ይኹን ብጽበት ዝግለጽ ፖለቲካዊ ድሕረት’ዩ።  ንህዝቢ ኣብ ክንዲ ኣብ’ቲ ብወግዒ ትፈለጠሉ ፕሮግራምን ኣረኣእያን ተጨብጦን ተዕስሎን፡ በዓል እከለ ኣይ ደቂ ብሄርካን፣ ኣይ ደቂ ሃይማኖትካን፣ ኣይ ደቂ ከባቢኻን፣  ስለዚ ደቂ-ብሄርካ፣ ሃይማኖትካ፣ ከባቢኻ ኣብ ዘለውዎ ተወደብ ተሰልፍ እናበልካ ብቕሉዕን ብስቱርን ምጉስጕስ’ዩ። ብፖለቲካዊ ንቕሓቶም ህዝባዊ ወገናውነቶም ተወፋይነቶም ቅድሚት ንዝኸዱ ኣብ ክንዲ መሊስካ ምትብባዕ፡ ኣብነቶም ተኸቲልካ ኣረኣእያኻ ምስትኽኻል፡ ተጊህካ ምስራሕ፡ ዘይስሞም እናሃብካ ከተጸልሞም ከተዕንቅፎ ምንጣፍ’ዩ። በቲ ዝበሰለ ኣገባብ ብሓይሊ ሓሳብ ምስተ ሰዓርካ ኮርነፍ ምባል ብወድዕነቱ ፈታዊኻ ንዝኾነ ውድብ፡ ማዕረ ቀዳማይ ጸላኢ ሰሪዕካ ኣነ ወይ ንስኻ እናበልካ ምፍካር’ዩ።  እዚ ከም’ዚ ዓይነት  ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ኣይኮነን ሃገር ከደን ሽግራት ክፈትሕ፡ ነቶም በዚ መልክዕ ዝተኣኻኸቡ ወገናት’ውን ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮኑ ሰላምን ስኒት ዝህቦም ኣይኮነን። ስለዝኾነ ‘ምበኣር፡ ቀዳማይ ጸላኢና ስዒርና ህዝብና ካብ ምብትታን ከነድሕኖ እንተደኣ ኮይና፡ ብዘይ ስኽፍታ ክንብሎ ዘለናን፡ ፈጺምና ክንጽየኖ ክንብሎ ዘይብልናን ክንፈሊ ይግባእ።
ካብ ወግዓዊ ልሳን ደግሓኤ መጽሔት ህዝባዊ ደሞክራሲ መጋቢት 2015 ዝተወስደ
ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
19-06-2015

ኣብ በበይኑ እዋናት፡ ብበበይኖም ጸሓፍቲ፡ ተንተንቲ ፖለቲካ ተደጋጊሙ ከም ዝተገልጸ፡ ፖለቲካዊ ቃልሲ ካብ ፖለቲካዊ ወጽዓ’ዩ ዝብገስ። እቲ ወጻዒ ግዳማዊ ወይ ዘቤታዊ ክኸውን ይኽእል። እቶም ውጹዓት ዘልዕልዎ ሕቶ ብቐጥታ ምስ  ግዳማዊ መግዛእቲ ዝተተሓዘ እንተኾይኑ፡ ሕቶ ነጻነት ሃገርነት ኣቐዲሙ፡ ግን ከኣ ምሉእ  ህዝባዊ ሓርነት ንምጉንጻፍ ዝዓለመ ክኸውን ባህሪያዊ’ዩ። ምስ ዘቤታዊ መግዛእቲ ዝተኣሳሰረ እንተኾይኑ ድማ፡ ብጥቕልሉ ገሊኦም ኣንጻር ደርባዊ ወጽዓ ገሊኦም ከኣ ኣንጻር ደርባውን ብሄራውን ወጽዓ ዝተሰለፉ ክኾኑ ይኽእሉ። እቲ ግርጭት ብሰላማዊ ደሞክራስያዊ መንገዲ ክመሓደር ኣብ ዘይኽእለሉ፡ ናይ ግድን  ብቃልስን ብቓልስ ጥራሕ ሰዓራይን ተሰዓራይ ዝረጋገጸሉ፡ ኣብ ደረጃ መሰረታዊ ግርጭት ዝማዕበለ እንተደኣ ኮይኑ ድማ፡ ናይ’ቶም ንነጻነት ንሓርነት ዝቃለሱ፡ ወገን ውጹዓትን ብዱላትን ዝኾኑ ሓይልታት ብፖለቲካዊ ንቕሓት፡ ነገራት ብዓይኒ ደርባዊ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን እናዓቀኑ፡ ሓፋሽ ኣብ ጎኖም ዘዕስል ስትራተጂን ስልትን ሓንጺጾም፡ ብጽንዓትን ተወፋይነትን  ክምክትዎ ይግባእ።

ፖለቲካዊ ውድባት፡  ነቲ ክውገድ ኣለዎ ዝብልዎ ዓማጺ ስርዓት፡ ብደርባዊ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ተንቲኖም፡ ናብ ህዝቢ፡ ደሞክራስን ፍትሕን ዘለዎም ወገናዊ ቅርበት ኣነጺሮም፡ ስትራተጂን ስልትን ሓንጺጾም፡  ክገጥምውዎ ኣለዎም ክበሃል እንከሎ ግን፡ እቲ ደርባዊ ፍሕፍሕ፡ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ፡ ህዝባዊ ወገንተኝነት፡ ናብ ደሞክራስን ፍትሕን ዝወገነ ኣካይዳ፡ ኣብ ውሽጦም ክካትዕሉ ክምህርሉ ክቃለስሉ የብሎምን ማለት ኣይኮነን። ንሳቶም’ውን ከም ነናቶም ኣረኣእያን ዝንባሌን ዘለዎም ፖለቲካዊ ውድባት መጠን፡ መን እንታይ ኣረኣእያኡ፡ ኣበይ ማሕበራዊ መሰረቱ፡ ናብ መን ቅርበቱ፡ ተደናጋጽነቱ፡ ስትራተጂካዊ ውጥኑን ስልታዊ መደባቱን ብንጹር ተለልዩ፡ ኣሰላልፋ ሓይልታት ብግቡእ ተሰሪዑ ክቕመጥ ኣለዎ። ምኽንያቱ ኣብ ታሪኽ፡ ነጻነታዊ ኮነ ሓርነታዊ ቃልሲ ዘካየዱ ብዙሓት ምንቅስቓሳት ብተግባር ከምዝተራእየ፡ ገለ ካብ’ቶም ኣንጻር ቀዳማይ ጸላኢ ተሰሊፎም፡፡  ነጻነት፣ ሓርነት፣ ደሞክራሲ፣ ፍትሒ፣ ማዕርነት፣ ሓድነት፣ ማሕበረ-ቁጠባዊ ምዕባለ ዝጭርሑ፡ ናይ ቦታን ግዜን ጉዳይ እንተዘይኮይኑ፡ ድሕሪ ነጻ ምውጻእ ናይ’ታ ሃገር ብፖለቲካዊ ተፈጥሮኦም ካብ’ቲ ዝኹንንዎ ዝኸስዎ ዝነበሩ ዘይፍለዩ፡ ኣብ ቃሎም ዘይጸንዑ ምዃኖም’ዩ። ኣንጻር ዝተሓንገጥዎ ጭርሖ፡ ንህዝቢ ዝኣተውዎ መብጸዓ ክስለፉ  ዘየሕፍሮም ዘይእግሞም ምዃኑ’ዩ። ኣብ እዋን ብረታዊ ተጋድሎ ንሃገራዊ ነጻነት ናይ ሽዑ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ናይ ሎሚ መሪሕነት ጸረ-ህዝቢ ስርዓት ህግደፍ እንታይ ይብል እንታይ ይጭርሕ ኔሩ፡  ሕጂ’ኸ  ብተግባር እንታይ ይብልን ይሰርሕን ኣሎ  ጭቡጥ ኣብነት’ዩ። እዚ መን ኣበይ ሃገር ኣብ ዝብል ዝርዝር ከይኣተና፡ ቅድመናን ድሕረናን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተኻደ ቃልሲ’ውን ብተግባር ዝተራእየ ሓቂ’ዩ።

ስለዚ ብፍላይ ከም’ዚ ሎሚ ኣንጻር ፍጹም ዘቤታዊ መላኺ ጉጅለ፡ ንህዝባዊ ሰላም፣ ንህዝባዊ ሓርነት፣ ንህዝባዊ ደሞክራሲ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ምስ ዝኸውን፡ ኣብ ውሽጥና ዝኾነ ፍልልይ ከምዘይብልና፡ ኣንጻር ቀዳማይ ጸላኢ ጥራሕ ንዛረብ፣ ንጽሓፍ፣ ንምሃር ንመሃር ዝብል ኣገንዝቦ ክተሓዝ ቅኑዕ ኣይኮነን። እቲ ቅኑዕ  ኣተሓሳስባ ብመሰረት ኣብ ኣሰራርዓ ኣሰላልፋ ሓይልታት ቀዳማይን ካልኣይን ኢልና ዘቐመጥናዮ፡ ቀዳምነት  ናብ’ቲ ህዝቢ ዘብርስ ዘሎ ጸረ-ህዝቢ ስርዓት ትኹረት ብምግባር፡ ኣንጻሩ ብሓባር ከስረሐና ኣብ ዝኽእል  ነጥብታት ኣለሊናን መሰረት ጌርናን ጠማሪ ዝኾነ ግንባር ወይ ግንባራት ፈጢርና ምቅላስ’ዩ።

ካልኣይ ነቲ ኣብ ውሽጥና ብፕሮግራም፡ ብባህሪ ድዩ ብተመክሮ ንፈላለየሉ መትከላት ከይሓባእና ከይነሓፍና እምነታትና ብእሩምን ሓላፍነታውን ኣገባብ ክንበሃሃለሉ ኣለና፡፡ ናብ ዘይተደላዪ ጎነጽ ዝወስድ መንገዲ ገዲፍና፡ ኣብ ሓጺር እዋን ቀዳማይ ጸላኢና ስርዓት ህግደፍ ንምእላይ፡ ህዝቢ ኣብ ዙርያና ንምዕሳል ተቐባልነትን ሓይልን ክፈጥረልና ይኽእል’ዩ ኢልና ብነዊሕ ብፕሮግራም ደረጃ ዝረኣናዮ ግድን ክንምህረሉ ክንውድበሉ ኣለና፡፡ ጽባሕ ቀዳማይ ጸላኢ ምስተወገደ ህዝቢ ኤርትራ ብከምዚ እንተተመሓዲሩ፡ ውሽጣዊ ሰላም ይረክብ፡ ምስ ጎረባብቱ  ብምክብባር ይነብር፣ ዘተኣማምን ደሞክራስያዊ ትካላት ይህልዎ፣ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ ይሰፍን፣ ኣብ መንጎ ዜጋታት ዝጸንሐ ድሑር ናይ ልዕለ ትሕትነት ኣተሓሳስባታት ይበሊ፡ ማዕርነታዊ ደሞክራስያዊ ሓድነት ዝሰፈኖ ምክብባር ይህነጽ፡ ህዝቢ ከም ህዝቢ ኣብ ጉዳዩ ወሳኒ ተራ ይጻወት፡ ካብ ድሕረትን ድኽነት ድማ ይናገፍ ተባሂሉ ዝተታሕዘ መትከላዊ እምነታት፡  ፈጺሙ ክሕባእ ወይ ብሕድገት ክውንዘፍ ኣይኽእልን ኣይግባእን ድማ። እዚ ናይ ነፍስ ወከፍና ፖለቲካዊ መንነት መግለጺ ምዃኑ ተገንዚብና ፈታውን ጸላእን ብዝፈልጦ ዓው ኢልና ክንዘራበሉ ክንበቅዕ ኣለና። እዚ ግድን ከም ፖለቲካዊ ውድባት ክንብሎ ክንገብሮ ዘለና ኣረኣእያና’ዩ። ንካልኦት ንምኹራይ ወይ ንምሕጓስ ዘይኮነ እምነትና ስለዝኾነ፡ ክንብሎ ድማ ስለዘለና ንብሎ’ዩ። እቲ ሓደ ነቲ ካልእ በዚ ምዕቡልን ኣወንታውን ኣጠማምታ’ዚ ከንብቦ ኣለዎ። ካብ’ዚ ብዝተረፈ ዋላ እምነትካ ይኹን ኣረኣእያኻ ይኹን ከይትዛረበሉ። ከምኡ ምባል ወይ ምግባር ናይ ለውጢ ዕንቅፋት’ዩ። ከይንሕይል ዘዳኽመና’ዩ ዝበሃል ኣዘራርብ  ክግራሕ ኣለዎ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ፖለቲካዊ ድሕረት መሰረት ዝገበረ ጎስጓስን ውደባን ያዕ ክበሃል ኣለዎን ይግባእን።

ፖለቲካዊ ውድባት ኩሉ ግዜ ክንብሎ ዘለና፡ ከም ኣብነት ውድብና ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ከነቕርብ፡ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተመሓየሸን እናማዕበለን ዝመጸ፡ ከም ውድብ ዝቖመሉ ዝልለየሉ ዝተሰነደ ንጹር ፖለቲካዊ ፕሮግራም ዘለዎ  ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ውድብ’ዩ። ኣብ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ 17 ሚያዝያ 2014 ዝጸደቐ መደብ-ዕዮኡ ድማ ከም’ዚ ዝብል ሰፊሩ ንረክብ፡ . ምምስራት ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ 1. ንጸረ-ህዝብን ጸረ-ደሞክራስን ጽግዕተኛ መንግስቲ ህግደፍ፣ 2. ብዝተፈላለየ መልከዓት ንክብርን መሰልን ረብሓን ህዝብታት ኤርትራ ናብ ረብሓኦም ንምውዓልን ናይ ሃገርና ልዑላውነትን ነጻነትን ንምግሃስን ዝተኣታተው ናይ ወጻኢ ሓይልታት፣ 3. ንድሕረትን ድኽነትን መሰረት ዝኾነ ተረፍ-መረፍ መስፍናዊ ኣተሓሳስባን ባህልን ንምውጋድ ዘይሕለል ጽኑዕ ሰውራዊ ቃልሲ ምክያድ። 4. ንጸረ-ህዝብን ጸረ-ደሞክራስን ጽግዕተኛ ስርዓት ህግደፍን መሻርኽቱን ጠቕሚ ንምርግጋጽ ዝቖመ ጸረ-ህዝቢ መሳርሒታት ምሉእ ብምሉእ ብምውጋድ፡ ብህዝባዊ ደሞክራስያዊ መስመር ዝምራሕ፡ ናይ ሓፋሽ ህዝብታት ኤርትራ መሰልን ረብሓን ዘረጋግጽ፡ ሓቀኛ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ኤርትራ ምምስራት። ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ኮይኑ ንናይ ጭቆና መሳርሒታት ከገልግል ዝጸንሐ ማሕበረ-ቁጠባውን ፋይናንሳውን ትካላት ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ፡ ብዝተጸንዐ መንገዲ ኣብ ረብሓ ህዝቢ ክውዕል ምግባር ይብል።

ቀጺሉ፡ ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ድማ፡ ናይ ገዛእቲ ደርብታት ናይ ጭቆናን ጭፍጨፋን መሓውራት ብምውጋድ፡ ምሉእ ፖለቲካዊ ስልጣን ኣብ ኢድ ሓፋሽ ህዝብታት ኤርትራ ክኣቱ ምግባር፡ . ሓፋሽ ህዝቢ ካብ ዝተሓተ ቁሸት ጀሚሩ ክሳብ ዝለዓለ ሃገራዊ ባይቶ፡ ብነጻ መራሕቱ ዝመርጸሉ ዝቆጻጸረሉ፡ እምነት ኣብ ዝስእነሉ ከኣ ዝቕይረሉ ደሞክራስያዊ ኣሰራርሓ ዘኽብር ፖለቲካዊ ስልጣን ምርግጋጽ።ለ. ኣብ ኩሉ መዳያት ተኻቲዑ ኣብ ዘመሓላልፎ ውሳኔታት፡ ምሉእን ቀጥታው ነጻ ተሳትፎ ክህልዎ ዘፍቅድ ሕገ-መንግስቲ ዝምራሕ፡ ነዚ ብተግባር ዘረጋግጽ ህዝባዊ ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል። . ፍቶታዊ ደሞክራስያዊ ሓድነት ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ኤርትራ ማእከል ዝገበረ፡ ንፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሃገረ ኤርትራ፡ ህዝቢ፡ መሬት፡ ባሕርን ሰማያትን ክልል ልኡላዊ ሓድነት ውሑስ ክኸውን ምግባር። . ብፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ቅርጻ መንግስቲ ዝተኣሳሰሩ ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ህዝብታት ኤርትራ፡ ብነጻ ድሌቶም ዝኣትውዎን ዝቐርጽዎን ሕገ-መንግስቲ ብምግባር፡ ከባቢኦም ባዕሎም ከመሓድሩን ክቆጻጸሩን ዘኽእሎም ስርዓተ ምምሕዳር ይህልዎም።

ደሞክራስያዊ መሰላት ኣብ ትሕቲ ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ድማ ከም’ዚ ይብል፡ 1.ህዝብታት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ሕቶ ፖለቲካዊ ስልጣንን ሃብትን ብፍትሓውን ማዕርነታውን መንገዲ ዝመቓርሕሉ ብቁዕ ስርዓተ ምሕደራ ክረጋገጸሎም ምቅላስ። 2. ሓፋሽ ህዝብታት ኤርትራ ብዝመረጽዎ መልክዕ ናይ ምውዳብ መሰል ብዘይደረት ምሕላው። 3. ናይ ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ህዝብታት ኤርትራ መሰል ርእሰ ውሳነ ብዘይገደብ ክረጋገጽ ብመትከል ምእማንን ንተግባራውነቱ ምቅላስን። 4. ናይ ገዛእቲ ደርብታት ናይ ዓፈናን ጭፍጨፋን ወተሃደራዊ መሓውር ብምውጋድ፡ ብፖለቲካዊ ንቕሓቱን ሰውራዊ ስነ-ስርዓቱን ዝማዕበለ፡ ንናይ ሓፋሽ ህዝቢ ጠቕሚ ናይ ሃገር ነጻነትን ክብርን ንምክልኻል መሳርሒ ኮይኑ ዘገልግል፡ ንደሞክራስያዊ ሕገ-መንግስቲ ተገዛኢ ዝኾነ፡ ካብ ህዝቢ ዝወጸን  ንህዝቢ መሰረት ዝገበረን ድልዱል ህዝባዊ ስራዊት ምህናጽ። 5. እቲ ዝህነጽ ህዝባዊ ሰራዊት፡ ኣብ ውሽጣዊ ኣሰራርሓኡ ደሞክራስያዊ ህይወት ዘለዎ። ዝቖመሉ ዕላማ ብንጹር ዝተረደአ፡ ካብ ፖለቲካዊ ሃገራዊ ጉዳያት ዘይተነጸለ ግን ከኣ ኣባል ናይ ዝኾነ ሰልፊ ዘይኮነ ክኸውን ምግባር።

እቲ 17 ሚያዝያ 2014 ዝጸደቐ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መደብ-ዕዮ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ፡ ኣብ ምጣኔ ሃብታዊ መዳይ፡  ኤርትራ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ክትክተሎ ዘለዋ ኣንፈት ከብርህ እንከሎ ድማ፡- ንክብሪ፡ መሰልን ረብሓን  ጭቁናት ህዝብታት ኤርትራ ኣብ ረብሓኦም ንምውዓል ዝተኣታተው ናይ ወጻኢ ሓይልታትን ጽግዕተኛ ርእሰ ማልነትን ምጣነ-ሃብታዊ ትሕዝቶ ብምውጋድ፡ ንሓፋሽ ዘርብሕ ካብ ጽግዕተኝነት ዘናግፍ፡ ምዕሩይ ምጣነ-ሃብታዊ ምዕባለ ንምርግጋጽ ምቅላስ። ከምኡ’ውን ንዋንነት መሬት ዝምልከት ናይ ገጠርን ከተማን መሬት ናይ ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ህዝብታት ኤርትራ ሓባራዊ ንብረት ኮይኑ፡ ኣይሽየጥን ኣይልወጥን። ብሓረጣ ኣይተሓዝን። ብህዝባዊ ደሞክራስያዊ መንግስቲ  ድማ ይመሓደር ይብል። እዚ ካብ’ቲ ብዝርዝር ሰፊሩ ዘሎ መትከላት ገለ መርኣያ’ዩ። ኩለን ፖለቲካዊ ውድባት ድማ ይሓይሽ ኢለን ዝኣምናሉ ዝተወደባሉ ፕሮግራማት ኣለወን። ኣብ ገሊኡ ምስ’ዚ ናይ ደግሓኤ ዝሰማማዕ’ዩ። ገለ ከኣ ብሰንጠቕ ዝጻረር’ዩ።

ስለዚ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ነዞም ከም ኣብነት ዝተገልጹን ካልኦትን እምነቱ፡ ከይተሰከፈ ከይተሸማቐቐ ከዕምቖም ህዝቢ ክፈልጦም ዓው ኢሉ ክምህረሎም መሰሉ’ዩ። መሰሉ’ዩ ጥራሕ ዘይኮነ ግድን ክገብሮ ዘለዎ’ዩ። ደሞክራስያዊ ባህሪኡ ዝዓደሎ ኣረኣእያኡ’ዩ። እዚ ኣብ መንጎ ኣንጸር ምልኪ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ዘለው ፖለቲካዊ ውድባት ካብ ሰላማዊ ክትዕ ሓሊፉ፡ ዘባእስ ዘጋጩ የብሉን። ንቕድሚት ዘሰጉም ደኣምበር ንዓወትና ኣይደናጉን። ካልኦት ውድባት’ውን ብተመሳሳሊ ማለት’ዩ። ኣብ ፕሮግራምካ ኣረኣእያ መሰረት ጌርካ ዝግበር ጎስጓስ፡ ዝወሃብ ኣስተምህሮ፡ ኩለን ፖለቲካዊ ውድባት ክበሃሃላሉ ክሰርሓሉ  ክተባባዕ ጥራሕ’ዩ ዘለዎ።

ክንብሎ ዘይብልና’ኸ እንታይ’ዩ? ኩለን ፖለቲካዊ ውድባት ከም ፖለቲካዊ ውድባት ክጽየናኦ ብንቕሓት ክገርሓኦን ካብ ነብሰን ከርሕቓኦን ዘለወን ብትምክሕቲ ይኹን ብጽበት ዝግለጽ ፖለቲካዊ ድሕረት’ዩ።  ንህዝቢ ኣብ ክንዲ ኣብ’ቲ ብወግዒ ትፈለጠሉ ፕሮግራምን ኣረኣእያን ተጨብጦን ተዕስሎን፡ በዓል እከለ ኣይ ደቂ ብሄርካን፣ ኣይ ደቂ ሃይማኖትካን፣ ኣይ ደቂ ከባቢኻን፣  ስለዚ ደቂ-ብሄርካ፣ ሃይማኖትካ፣ ከባቢኻ ኣብ ዘለውዎ ተወደብ ተሰልፍ እናበልካ ብቕሉዕን ብስቱርን ምጉስጕስ’ዩ። ብፖለቲካዊ ንቕሓቶም ህዝባዊ ወገናውነቶም ተወፋይነቶም ቅድሚት ንዝኸዱ ኣብ ክንዲ መሊስካ ምትብባዕ፡ ኣብነቶም ተኸቲልካ ኣረኣእያኻ ምስትኽኻል፡ ተጊህካ ምስራሕ፡ ዘይስሞም እናሃብካ ከተጸልሞም ከተዕንቅፎ ምንጣፍ’ዩ። በቲ ዝበሰለ ኣገባብ ብሓይሊ ሓሳብ ምስተ ሰዓርካ ኮርነፍ ምባል ብወድዕነቱ ፈታዊኻ ንዝኾነ ውድብ፡ ማዕረ ቀዳማይ ጸላኢ ሰሪዕካ ኣነ ወይ ንስኻ እናበልካ ምፍካር’ዩ።  እዚ ከም’ዚ ዓይነት  ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ኣይኮነን ሃገር ከደን ሽግራት ክፈትሕ፡ ነቶም በዚ መልክዕ ዝተኣኻኸቡ ወገናት’ውን ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮኑ ሰላምን ስኒት ዝህቦም ኣይኮነን። ስለዝኾነ ‘ምበኣር፡ ቀዳማይ ጸላኢና ስዒርና ህዝብና ካብ ምብትታን ከነድሕኖ እንተደኣ ኮይና፡ ብዘይ ስኽፍታ ክንብሎ ዘለናን፡ ፈጺምና ክንጽየኖ ክንብሎ ዘይብልናን ክንፈሊ ይግባእ።

ካብ ወግዓዊ ልሳን ደግሓኤ መጽሔት ህዝባዊ ደሞክራሲ መጋቢት 2015 ዝተወስደ

ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

19-06-2015

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

Show Panel