እዋናዊ ዜናታት
- ኣባላት ጸጥታ ጉጅለ ህግደፍ ቤተ-ሰቦም ናብ ወጻኢ ካብ ዘህደሙ ኤርትራውያን ዝተፈላለየ ተጽዕኖ ብምግባር ገንዘብ ይዘምቱ ከም ዘለው ተፈሊጡ።
- ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ብሓደጋ መኪና ህይወቶም ስኢኖም።
- ንግስነት ቀጠር ኣብ ስዋኪን ሱዳን ሓድሽ ወደብ ክሰርሕ ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሐ ይግለጽ ኣሎ
- መንግስቲ ሱዳን ኣባላት ህግደፍ ዝርከብዎም ሒዝዎም ዝጸንሐ 27 ኤርትራውያን ካብ ሃገሩ ኣባሪሩ
- ህግደፋዊ ዓፈና ኣብ መደብ ሽንግርዋ ብግልጺ ተነጸባሪቑ፡-
- ማሕበር ረድኤትን ምዕባለን ኤርትራ ሓገዝ ንምርካብ ትነጥፍ ኣላ።
- ዑደት ንረድኤት ብማሕበር ረድኤትን ምዕባሌን ኤርትራ
- The Afar cultural genocide in Eritrea prompts new united efforts against Eritrean government
- ደምዳሚ መግለጺ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ዞባ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ
- ጋዜጣዊ መግለጺ፣ 18 ኣባላት ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡
- ህግደፍ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ህዝባዊ ዝተስምየ ግዱድ ኣኼባ፡ ዝተዋህበካ መምርሒ ተቐቢልካ ካብ ምውጻእ ወጻኢ ዝርከብ ትምህርቲ ከም ዘየለ ተገሊጹ
- ፍሉይ ቤት ፍርዲ እስራኤል ካብ መሳርዕ ሰራዊት ኤርትራ ዘምለጡ ሕቶ ፖለቲካዊ ዕቑባ ንምርካብ ብቑዕ ምኽንያት’ዩ ክብል ወሲኑ።
- በዓልቲ ቤቱ ንሚኒስተር ገንዘብ ህግደፍ ዝነበረ ኣቶ ብርሃነ ኣብረሀ ከም ዝተኣስረት ተገሊጹ
- لبيانالختاميلمؤتمرشبابعفرالبحرالأحمر_إقليمأروبا اللجنة
- ኣብ ከተማ ካለ ፈረንሳ ኤርትራውያንን ኣፍጋኒስታናውያንን ተባኢሶም ኣርባዕተ ሰባት ብከቢድ ተጎዲኦም።
ኣብ መርበብ ዘለዉ
We have 46 guests and no members online
- Details
- Written by ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
- Published: 13 March 2018
“ካብ ጸጊቦም ዝዕንድሩስ፡ ይዕንድሩ ኣለው ኢሎም ዝዕንድሩ ይበዝሑ”
ዘይምፍላጥ: ተፈጥሮኣዊ ውህብቶን ማዕርነት ሰብን ክሳብ ትዝንግዕ ይገብረካ። ወዲ-ሰብ ብዓይኒ ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት ምስ ማሕበራዊ እንስሳ ዝምደብ ኮይኑ፡ ግን ከኣ፡ ካብ ኩሎም እንስሳታት ዝለዓለ ናይ ምሕሳብ ተኽእሎ ዘለዎ ፍጡር’ዩ። ናይ ምሕሳብ ተኽእሎኡ ንገዛእ ርእሱ ሰብ ምዃኑ፡ ሰብ ብኣፈጣጥራኡ ካብ ሰብ ከምዘይበልጽ፡ ከም እንስሳ ተፈጥሮ ዝለገሰሉ ማእሪሩ ዝነብር ዘይኮነ፡ ንተፈጥሮ ናብ ረብሓኡ ናይ ምቕያር ዓቕምን ብቕዓትን ዘለዎ’ዩ። እዚ ናይ ተፈጥሮ ሰብ ዘለዎ ዓቕሚ ብሓፈሻ ክምዘን እንከሎ’ዩ።
ኮይኑ ግን፡ ወዲ-ሰብ ነቲ ተፈጥሮ ዝዓደሎ ልዑል ናይ ምሕሳብ፡ ምምርማር፡ ሰብኣዊ መሰልካ ብከማኻ ሰባት ከይድፈር ናይ ምክልኻል ውህብቶ ብማዕረ’ዶ ይጥቀመሉ እንተተባሂሉ መልሱ ኣይፋል’ዩ። ምስ’ዚ ተኣሳሲሩ ክለዓል ዝኽእል ነጥብታት ብዙሕ ክህሉ’ዩ። ንሕጂ ግን ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ ኣብ ዘይተረጋገጸላ፣ ውሑስ ሰላም ኣብ ዘይብላ፣ ደሞክራስያዊ ትካላት ኣብ ዘይተጣየሰላ ሃገር ዝነብሩ ዜጋታት፡ ማዕረ ሰብኣዊ ክብረት፣ ናይ ምውሳን ስልጣን፣ ካብ ሃገራዊ ጸጋታት ናይ ምጥቃም ዕድላት ኣለዎም’ዶ ንዝብል ሕቶ ንረኽቦ መልሲ ሕጂ’ውን ኣፋል ዝብል’ዩ።
ንሰብ ከም ናይ ተፈጥሮ ሰብ፡ ንዜጋታት ከም ዜጋታት ሓንቲ ልኡላዊት ሃገር፡ ብማዕረ ዘተኣናግድ ኩሎም ዝዓግብሉን ዝምእዘዝሉን ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ ኣብዘይ ነገሰሉ ኩነታት፡ ማዕረ መሰል ርትዓዊ ተጠቃምነት ዝበሃል ክህሉ ኣይሕሰብን። ብዝኾነ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ዝደየበ፡ ንመዘውር ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊ፣ ባህላዊ፣ ጸጥታዊ፣ መትንታት ናይ’ታ ሃገር ዝተቖጻጸረ ንውሑዳት ዝውክል ጉጅለ ወሃብን ከላእን ዝኾነሉ ኣጋጣሚ ብዙሕ’ዩ። ካብ ህዝባዊ ሃገራዊ ጉዳያት ዝዝተየሉ ዝምከረሉ ዝውሰነሉ መድረኻት ዝተገለሉ ወገናት፡ በቶም ውሱናት ወሰንቲ ዝወሃቦም ናይ መሰል መቑነን ተቐቢሎ ክኸዱ ዝግደድሉ ኣጋጣሚታት ምርኣይ’ውን ሓድሽ ኣይኮነን።
ብተፈጥሮ ኣይበላለጹን እታ ኣጽሊለሙላ ዘለው ሃገር ድማ ማዕረ’ያ ትብጸሖም። ስለምንታይ ከምኡ ኮይኖም? ስለምንታይ ወሃብን ከላእን ተፈጢሩ? እቶም ጨፍሊቖም ክገዝኡ ክግብቱ ዝደልዩስ ባህሪኦም ከምኡ ኮይኑ፡ እቶም ሰብኣዊ ክብረቶም ዝተመዝዑ፡ ካብ ሃገራዊ ነገራዊ ረሓታት ዝተገለሉ ወገናትከ ስለምንታይ ተመጽወቲ መሰል ይኾኑ? እቲ ሓደ ካብ ጉድለት ፍልጠት ወይ ድሩት ፖለቲካዊ ንቕሓት ዝብገስ፡ ፈታውን ጸላእን ብግቡእ ክትፈልን ካልእ ጽቡቕ ህይወት ከም ዘሎ ዘይምርዳእን’ዩ። እቲ ካልኣይ ኩሉ እናፈለጥካ ብዝኾነ ታሪኻዊ ኣጋጣምን ግዜን ጉዳይ ዓቕሚ ብምሳኣን እህህ እናበልካ ትነብረሉ’ዩ።
ንኣብነት ኣብ ኤርትራ ህዝባዊ ሃገራዊ ሰላም የለን። ህዝባዊ ዝኾነ ልዕልና ሕጊ የለን። ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ምሕደራ የለን። ናይ ልምዓትን ዕቤትን ፖሊሲ የለን። እዚ ክህሉ ዝነበሮ መሰረታዊ ረቛሒታት’ዩ። ጉጅለ ህግደፍ ብፍልጠት ብመደብ ክህሉ ስለዘይደለየ ግን የለን። ህግደፍ ሕጊ መሰረት ገይሩ ኣይኮነን ህዝቢ ዝመርሕ ዘሎ። ነቲ ንቡር ቀቲሉ በቲ ዘይንቡር’ዩ ይመርሕ ኣለኹ፡ ዝሃብክኹም ተቐበሉ ብኡ ተናበሩ ዝብለና ዘሎ። ኣብ ሃገራዊ ምሕደራን ቁጠባዊ ተጠቃምነት ዝምልከት ዛዕባ፡ ክሳብ ክንድዚ ርሕቀት ይኸዱ፡ ካብ’ዚ ግን ከይትሓልፉእ፤ ክንድዚ ትበልዑ መንግስቲ ካብ ዝወሰነልኩም መቑነን ከይትውስኹ ብዝብል ብወሳኔ መልክዑ ብተግባር ዝንበብ ፖሊሲ ዝፈረዶ ህዝቢ እቲ ዝበዝሐ’ዩ። ካብ’ቶም መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን ሓርነታዊ መሰሎም ዝተመንዝዑ ወገናት፡ እሱራት ፕሮፖጋንዳ ህግደፍ ኮይኖም፡ ምሉእ ግዜኦም ኣብ ቅድሚ ቴሌቪዥን ህግደፍ ተኾድጮም ከሕልፍዎ፡ ነቲ ጸረ-ህዝብን ዘርኣውን ኣረኣእያ ትሕዝቶ ዘለዎ መደባት ሰሚዖምን ተዓዚቦምን ወኻዕካዕ ክብሉ ምስማዕ ‘ምበኣር ካብ ኩሉ ዝገርም’ዩ።
ግዳያት ናይ’ቲ መንግስታዊ ጉጅለ ዝኾኑ መሳኪን ክንሶም፡ ስነ-ኣእምሮኦም በቲ ዝተቐነባበረ ምስልን ተኣርዩ ተጎሊሉ ዝተመርጸ ኣብ ባይታ ዝረግጽ እግሪ ዘይብሉ፡ ኣብ ንፋስ ጥራሕ ዝዝሮ ኣስካሪ ቃላት ተሰሊቦም፡ ኣብ ከመይ ኩነታት ከም ዘለውን እንታይ በደል ይበጽሖም ምህላውን ዘንጊዖም ቁም-ነገር ዘለዎ ትምህርቲ ከም ዝረኸቡ ወኻዕካዕ ክብሉ እንክትሰምዕ፡ እዋ እዞም ሰባት ካብ’ዚ መደብ እንታይ ዘሐጉስን ዘስሕቕን ረኺቦም? ‘ምበርዶ ብጥዕናኦም’ዩ ዝብል ሕቶ ከተልዕል ይደፍኣካ። ህግደፍ ካብ ዝግልገለለን ዘሎ መራኸቢታት ማለት ቴሌቪዥን፣ ረድዮ፣ ጋዜጣ፣ ዊብ ሳይት …ወዘተ፡ ብዜና መልክዕ ይቕረብ፡ ብሓተታ፣ ብኣኼባ መልክዕ ይገለጽ ብቃለ መጠይቕ፣ ብደርፊ መልክዕ ይዳሎ ብድራማ፡ እከለ ትማሊ ዝገበረና፣ ሕጂ እከለ ዝሓስበልና ዘሎ ዝማእከሉ ናይ ጽልእን ኲናትን መዝሙር’ዩ ዘመሓላልፍ። ናይ ሰላም፣ ደሞክራሲ፣ ፍትሒ፣ ልምዓት ትሕዝቶን ቃናን ዘለው መልእኽቲ የብሉን። በሉስከ ካብ’ዚ ዝተዓዝብኩሞ ንውልቀኹም ኮነ ንህዝቢ ከም ህዝቢ ዝጠቅም ዘርብሕ እንታይ ትምህርቲ ረኺብኩም ኢልካ ምስተሓቶም፡ ነቲ ሰሚዕካዶ ርኢኻዶ እናበሉ ወኻዕካዕ ክብልሉ ዝጸንሑ ዘብርህ ርጡብ መልሲ ኣይትረክብን።
ከምኡ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ መብዛሕቲኦም ዝሩዓት መራኸቢታት ህግደፍ ብዛዕባ ሰላም፡ ደሞክራሲ፡ ፍትሒ፣ ልኡላውነት ህዝብን ሕግን ኣፍልጦ ስለዘይብሎም ከምኡ ዝብል መቓልሕ ኣይጥዕሞምን። ንእዝኖም ስለዝኹርኮሖ ንከምኡ ግዜ ሂቦም ክሰምዑ ፍቃደኛታት ኣይኮኑን። ብዘይገለ ጸገም ኣእምሮኦም ዝቕበሎ፡ ናይ ጽልእን ኲናትን፣ ሞትን ዕንወትን፣ መን ከማና ብደዐን ምቁንጻብን ትሕዝቶ ዘለዎ፡ ዜና፣ ሓተታ፣ ቃለ-መጠይቕ፣ ውጽኢት ስነ-ጥበብን እንተኾይኑ’ዩ። ናይ ሎሚ ተልእኾ ገዲፉ ናይ ትማሊ ቁስሊ ኣብ ምሕካክ ተጸሚዱ ዝርከብ፡ ምስ ወተሃደርን ወተሃደራዊ ግጥማትን ኣተኣሳሲሩ ኣብ መስኮት ቴሌቪዥን ዝቐርብ ውዕሎ ዓውደ ውግኣትን ድራማን ልቢ ኢሉ ንዝተዓዘበ፡ ን27 ዓመታት እናተደጋገመ ብምቕራቡ ዝፈጥሮ ምስልቻው ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ብትሕቶኡ ኣብ ልዕሊ ናይ ጎሬቤት ሃገር ህዝቢ ዝኸሓነ ጽልኢ ንምዝራእ ዕላማ ዝገበረ’ዩ።
ንኣብነት ኣብ’ቲ ዝቐርብ ድራማ ዝዋስኡ ሰባት ዝሕዝዎ ገጸ ባህሪ፡ ኤርትራዊ ካብ’ቲ ጎረቤቱ ዝፍለ መነባብሮ፡ ሕብሪ ቆርበትን ቅርጽን ዘይብሉ እናሃለወ፡ ንኤርትራዊ ሕብሪ ቆርበትን ቅርጽን ዝጽበቐ ኢሉ ዝመዘኖ ብምሃብ፡ ንጎረቤት ሃገር ዝውክል ገጸ ባህሪ ግን፡ መብዛሕቲኡ ጸሊም ሕብርን ረጒድ’ዩ። እዚ ከም’ዚ ዓይነት ኣቀራርባ ሓላፍነት ዝጎደሎ ኮይኑ፡ ንሰብኣዊ ተፈጥሮን መንነት ህዝብታትን ዘቖናጽብ ‘ምበር ምስ ፖለቲካዊ ስርዓታት ዝተኣሳሰር ኣይኮነን። ኣብ ህዝቢ ዘሎ ድኽነት፡ እቲ ድኽነት ዝፈጠሮ ኣከዳድናን ኣመጋግባን ከም ናይ ኣተሓሳስባ ድሕረትን ንሕና ንበልጽን ገይሩ ከሕልፎ ዝፍትን ድማ ካልእ ገጽ ናይ’ቲ ኣብ ስልጣን መታን ክቕኒ ኣብ ህዝብታት ክፈጥሮ ዝሕልን ዘሎ ሕሱር መደባቱ’ዩ። እዚ ብሰንጠቕ ክኹነን ዝግባእ ሓላፍነት ዝጎደሎ ዘርኣዊ ትሕዝቶ ዘለዎ መልእኽቲ’ዩ። ዝሩዓት ቴሌቪዥን ህግደፍ ዝኾኑ ወገናት ግን፡ ንገዛእ ርእሶም ኣብ ሃገሮም ብደቂ ሃገሮም፡ ካብ ፖለቲካዊ ውሳነ ወጻኢ ኮይኖም ኣብ ትሕቲ ምሕረት ዝኸምኦም ሰባት እናነበሩ፡ በዚ ድሑርን ኣዕናውን ጸረ-ህዝቢ መልእኽቲ ዝሓዘለ ፕሮፖጋንዳ ይስሕቁ ይዘናግዑ። እዚ መሰረቱ ዘይምፍላጥ ኮይኑ፡ ምስ ዘለናዮ ስልጡን ዘመን ብምንጽጻር ክረአ እንከሎ ግን፡ ሰብ ምዃኖም ከም ዝዘንገዑ ዘመልክት’ዩ። “ካብ ጸጊቦም ዝዕንድሩ ይዕንድሩ ኣለው ኢሎም ዝዕንድሩ ይበዝሑ ዝብል ምስላ ድማ የዘኻኽርና።
ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 05-03-2018
ኣገዳሲ ቆጸራታት
- ዝኽሪ ንፈላሚት ባሕቲ መስከረም ሰውራ ኤርትራ ኣብ ሽቱትጋርት
- ጻውዕት ንሰፊሕ ልዝብ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኤውሮፓ/ኸ ኣብ ጀርመን
- በዓል 8 መጋቢት 2017
- በዓል 8 መጋቢት 2017
- SECOND EASE CONGRESS ANNOUNCEMENT - ምልክታ : ካልኣይ ጉባኤ ዝምልከት
- ኣገዳሲ ሓበሬታ ዝኽሪ መበል 25 እዮብያላዊ ዓመት ናጽነት ኤርትራ Firande av 25 års av Eritreas Självständighet.
- ኣገዳሲ ሕዝባዊ መፍለጢ Important Public Announcement دعوة لإجتماع هام
ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here
This is the right module position, which is not using any module suffix.
To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.