እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 18 guests and no members online

ወደባትና ቃዲሩ ዕዳጋና ጾሙ ሓዲሩ።

ኣብ’ዚ መዋእል’ዚ ህዝቢ ምስ ትሕዝቶኡ እንክጠሚ፡ ናይ ካልኦት ጽግዕተኛ ክኸውን ዘደንጹ’ዩ። ስለምንታይ ከ ብምንታይ ምኽንያት ከ? ንዘለካ ጸጋታት ከተመሓድር ዓቕሚ ብምስኣን ድዩ ወይስ ካልእ ተንኮል ካልእ ስውር ዕላማ ኣለዎ? ዜጋታት ብሓደ ድምጺ ክሓትሉ ዘለዎም ሓባራዊ ሃገራዊ ዛዕባ’ዩ። ምስ ወጻኢ ዘራኽበካ ክልተ ፍሉጥ ወደባት ወኒንካ፡ መንግስቲ ሱዳን ዶቡ ስለዝዓጸወ ሸቐጣት ካብ ደገ ሸሚትና ናብ ኤርትራ ነእትወሉ መንገዲ ስኢና፡ ስለዚ ከኣ ዕደጋታት ኤርትራ ገረውረው ኢሉ ህዝቢ ተሸጊሩ ምባል ስለምንታይ? እቲ ብሱዳን ከሰላ ናብ ኤርትራ ክኣቱ ዝጸንሐ ሸቐጥታ ‘ኮ ብወደብ ፖርት ሱዳን’ዩ ዝኣቱ። ስለምንታይ ብሃገራውያን ወደባት ዓሰብን ባጽዕን ክኣቱ ዘይተገብረ?

ወደባት ኤርትራ ንሃለኽቲ ሸቀጣት ከተኣናግድ ዘኽእሎ ዓቕሚ ስለዘይብሉ ማሽነሪታት ስለዘይተተኽለሉ ኮይኑ ድዩ? ከምኡ እንተደኣ ኮይኑ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ 27 ዓመታት መንግስቲ እንታይ ኮይኑ ዝጽገን ጸጊኑ፡ ዘድሊ መሳለጥያታት ተኺሉ ንኣገልግሎት ድልዊ ዘየገበሮ? ከመሓድሮ ዓቕሚ እንተስኢኑ’ኸ ዓቕሚ ዘለዎም ወጻእተኛታት ዘይቖጽረሉ? ጠቕሊሉ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ክኸውን ክቓድር ምግባር እንታይ ኣምጸኦ? ብፍላይ እቶም ዘይቀበጹ ቅቡጻት ነቲ ንሕና ንሱ ዝጭርሕሉ፡ መንግስትና እናበሉ ዘምልኽዎ ብኩሉ ዓቕሞም ዝከላኸልሉ ጉጅለ ክሓትዎ ይግባእ።

መንግስቲ ሱዳን ምስ ኤርትራ ኮነ ምስ ካልእ ዘራኽቦ መስመራት እንተዘየድሊይዎ ክዓጽዎ፡ ኣብ ዘድለዮ ክኸፍቶ ልኡላዊ ግዝኣቱን ልኡላዊ ስልጣኑን ስለዝኾነ መሰሉ’ዩ። “ምስ ዓጋም ዝተጸገዐት ቆልቋል እናነብዐት ትነብር” ከም ዝበሃል፡ ንተገላባጢ ጸረ ህዝቢ ባህሪያት ህግደፍ ተጻዊሩ፡ ሓንሳብ ኣብ ዝረስን ካልእ ግዜ ኣብ ዝዝሕል ዘይመትከላዊ ዝምድና ተቐርቂሩ ክኸይድ ጸኒሑ። ካብ 5 ጥሪ ናይ 2018 ንነጀው ግን ምስ ኤርትራ ዘራኽቦ ቀንዲ መስመር ብወግዒ ክዕጾ ገይሩ ኣሎ። ነዚ ከም’ዚ ዝበለ ስጉምቲ ክወስድ ቀይዲ ኣልቦ ኣካይዳ ጉጅለ ህግደፍ ከም ዘገደዶ’ውን ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ሰበስልጣን ሱዳን ክገልጹ ጸኒሖም ኣለው።

ብወገን ኤርትራ ሓሽሽን ካልኦት ዘይሕጋውያን ሸቐጣትን ከምኡ’ውን ኣጽዋርን ኲናትን ንግዲ ደቂ-ሰባትን ናብ ሱዳን ስለዝኣቱን፡ ሕጋዊ ናይ ንግዲ ቅጥዒ ዘየማለአ ኣቑሑት ድማ ካብ ሱዳን ናብ ኤርትራ ብሕቡእ ስለዝወጽእ፣ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ግብጺ ተሻሪኹ ጸጥታዊ ኩነታት ሱዳን ዝዘርግ ወስታታት የርኢ ስለዘሎን ህዝቢ ስለምንታይ ዝብል ቅቡል ጥርዓን ከቕርብ ብምጽንሑ ተደማሚሩ ደቦም ከም ዝዓጸው ሓቢሮም። ህግደፍ ነዚ ርጡብ መልሲ ኣይሃበሉን። ከም’ቲ ልሙድ ሕጋውን ብድሉን መሲሉ ገለ ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ሱዳን ዘለዎ ሰብ ፍሉይ ረብሓ ዝኾኑ ጉጅለታትን ስርዓት ወያነን ዝገብርዎ ዘለው ብዝብል’ዩ ብተሃድማ ዕቡያት ከደናግር ፈቲኑ።

ንኤርትራን ሱዳንን ዘዳውብ ከሰላ ስለዝተዓጽወ ዕደጋታት ኤርትራ ብጎሮሮኡ ተታሒዙ መተንፈሲ ስኢኑ፡ ህዝቢ ብፍላይ እቲ ትሑት እቶት ዘለዎ ኣብ ጸገም ወዲቑ ክበሃል ግን ዘሕፍር’ዩ። ስለምንታይ ዕዳጋታት ኤርትራ ክዓርቕ ህዝቢ ክሽገር ኮይኑ? ስለምንታይ እወ ምስ ምሉእ ትሕዝቶና ኣብ ሰናይ ምሕረት ካልእ ሃገር ካልእ መንግስቲ ክንወድቕ ተደልዩ? ስለምንታይ ንሽገር ጽግዕተኛታት ንኸውን? እንታይ’ዩ እቲ ከምኡ ዘግብር ዘሎ ምኽንያት? ካልእ ማልእ ከይበልና ናብ ዘቤታዊ ጉዳይና ምሉእ ትኹረት ብምግባር፡ ሕማምና ፈሊጥና መድሓኒትና ክንደሊ ኣለና።

ኣብ ግዜ መግዛእቲ ወነንቲ ወደባትና ስለዘይነበርና ነፍስሄር ድምጻዊ የማነ ባሪያ ህዝቢ ኤርትራ ወናኒ ባሕሩን ወደባቱን ዝኾነሉ ግዜ ብርሑቕ እናማዕደወ “ ላሎየ ላሎ ላለየ ላሎ ወደባት ዓደይ ይረኣየኒ ኣሎ” ብዝብል ይገልጾ ነይሩ። ሎሚ ነጻነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ካብ ዝረጋገጽ ልዕሊ ርብዒ ዘመን ሓሊፉ፡ ሰፊሕ ዝርገሐ ዘለዎ ባሕሪ፡ ክልተ ፍሉጥ ወደባትን ማርሳታትን ሓቚፍና ክንስና፡ ብሰንኪ’ዚ ጉጅለ በጋሚዶ ናብ ፖርት ሱዳን ናብ ከሰላ ከነማዕዱ? ሸቐጣት ካብ ወጻኢ ናብ ኤርትራ ነእትወሉ መንገዲ ስኢና ክንብል ኣየምሕረልናን። ወደባትና ኣብ ሕቑፍና እናሃለወ መዓስኮን ንግልገለሉ ክንብል፡ መመሓላለፊ ተሳኢኑ ብዝብል ምኽንያት ዕደጋታት ጾሙ ክሓድር ከም ህዝቢ ኣብ ጉዳይና ዝኾነ ተራ ከምዘይብልና ፍጹም ከም ዝተመለኽና ዘመልክት’ዩ። ንዓና ብታሪኽ ዘውቅሰና ነቲ ኮነ ኢሉ ከም ዝግብር ዘሎ ጉጅለ ከኣ ብከቢድ ገበን ዘሕትቶ ክሕደት’ዩ፡፡ እዚ መንግስታዊ ጉጅለ ብደይ መደይ ህዝቢ ብከብዱ ብምቕጻዕ ንምብርካኹ ዝሓዞ ጸረ-ህዝቢ ውሳነ ከም ዘሎ’ዩ ዘርእየና።

ወደባትና’ኮ ኣብ ኣገዳሲ ስትራተጂካዊ ቦታ ዝተደኮነ ብምዃኑ፡ ብቐጥታ ምስ ዓለማዊ ንግዳዊ ንጥፈታት ዝራኸብ’ዩ። ሃለኽቲ ሸቀጥታ መእተዊ ስኢና ኢልና ክንሽገር ዘይኮነ፡ ዘድሊ ጽገናን መሳለጥያታት ኣማሊእና፡ ስሉጥን ሰሓብን ቢሮክራሲ መዲብና ኣብ ሃገራዊ ቁጠባዊ እቶትና ትርጉም ዘለዎ ብጽሒት ክህልዎ ብምግባር ጭቡጥ ቀዋሚ እቶት ክንሓፍሰሉ ዝነበረና’ዩ። ብሰንኪ ዕንደራ ህግደፍ ግን ክንጥቀመሉ ኣይከኣልናን። ንሕና ዝተሓሰምናዮ ስሩሕ እንጀራ ኣብ ቀረባ ርሕቀትና ዝርከቡ ሃገራት ይበልዕዎ ኣለው። ንሕና ግን ምስ ትሕዝቶና ክንጠሚ ናይ ካልኦት ጽግዕተኛታት ክንከውን ተፈሪድና። መንግስቲ ሱዳን ሰናይ ምፋቓዱ ኮይኑ ዶብ እንተኸፊቱልና ዝሽመት ክንረክብ እንተዓጽይዎ ዕዳጋና ገረውረው ክብል፡ እዚ ከም ህዝቢ ከቖጠዓና ኣንጻርቲ ናብ’ዚ ሽግር ዘእተወና ጉጅለ ብሓባር ክንስለፍ ክዕድመና ይግባእ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 26-02-2018

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel