እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 32 guests and no members online

ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ሓሙሻይ ዞባዊ ጉባኤ ኣካይዱ

ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ኣብ ዕለታት 17 ን 18 ለካቲት 2018 ሓሙሻይ ጉባኤ ከም ዘሰላሰለ፡ ዞባዊ ጉባኤ ብዝኽሪ ሰማእታት ተኸፊቱ፡ ዓመታዊ ጸብጻብ ስራሕ ብኣቦ-መንበር እቲ ዞባ ብጽሑፍ ተዳልዩ ከም ዝተነበን ጉባኤኛ ከም ዝተኻተዓሉን ካብ’ቲ ቦታ ዝመጸና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

ቀጺሉ፡ ጸብጻብ ገንዘብ ብኦዲት ናይ’ቲ ዞባ ቀሪቡ ብምሉእ ድምጺ ከም ዝጸደቐ፡ ካብ ኣቦ-መንበር ውድብ ናብ ዞባዊ ጉባኤ ዝተላእከ መልእኽቲ ከም ዝተነበ፡ ብምቕጻል ነታ ካብ ናብ ክትመርሕ ዝጸንሐት ዞባዊ ሽማግለ ብምምስጋን፡ ንጉባኤ እትመርሕ ሰለስተ ዝኣባላታ ሽማግለ ብምምራጽ፡ ኣጀንዳ ሰሪዑ፡ ካብ ዝሓለፈ ጉባኤ ክሳብ ሎሚ ከመይ ጸኒሕና? እንታይ መዲብና እንታይ ኣሳሊጥና? እንታይ ጸገማትከ ኣጋጢሙና? ኣብ ዝብል ብልዝቡን ሓላፍነታዊ ኣገባብን ተመያይጦም ኣድላዪ ምትዕርራይ ከም ዝገበሩን ኣረዲኡ።

ኣብ መወዳእታ 5 ምሉኣት ኣባላትን ሓደ ተጠባባቕን ዘለዎም ዞባዊ ሽማግለን፣ ኦዲት ሽማግለ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ብምምራጽ ጉባኤ ብዕውት ኣገባብ፡ ከም ኣብ መኽፈቲ፡ ሰንበት 18 ለካቲት 2018 ኣብ ሰዓታት ናይ ምሸት ብዝኽሪ ሰማእታት ከም ዝተዛዘመን ገሊጹ።

 

ህግደፍ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ህዝባዊ ዝተስምየ ግዱድ ኣኼባ፡ ዝተዋህበካ መምርሒ ተቐቢልካ ካብ ምውጻእ ወጻኢ ዝርከብ ትምህርቲ ከም ዘየለ ተገሊጹ።

መላኺ ኢሳያስ፡ ነየናይ ሕጊ ምርኩስ ገይሩ ብዘይፍለጥ፡ ሓድሽ ኣወዳድባን ሓድሽ ግንባራትን ክፍጠር ኣለዎ ኢሉ ብዘውረዶ መምርሒ መሰረት፡ ኣብ በበይኑ ቦታታት ግዱድ ናይ ህዝቢ ኣኼባታት ይካየድ ከምዘሎ፡ ዛዕባ ናይ’ቲ ኣኼባ ድማ ዘይከም’ቲ ማዕከናት ዜናኡ ዘቕርባኦ ዜናዊ ጸብጻብ፡ መንግስቲ ከም’ዚ ዓይነት መምርሒ ኣውጺኡ ኣሎ ትቕበሉን ትትግብሩን ዝብል ቀጢን መምርሒ ደኣምበር፡ ዝኾነ ጠቓሚ ትምህርቲ ከምዘይብሉ ንስለ ድሕነት ስድራ ቤቶም ኣስማቶም ክግለጽ ዘይደለዩ ኣብ’ዚ ቀረባ ካብ ኤርትራ ዝወጽኡ ዜጋታት ሓቢሮም።

መሪሕነት ህግደፍ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ባህሪኡን ፖሊሲኡን ዝኾነ ለውጢ ከይገበረን ከይተሓደሰን፡ ካድራት ልኢኹ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት፡ ብኣስገዳድ ህዝቢ ኣኪቦም፡ ከም ዘለዎ ኢሳያስ ንዝሃቦ ግዜጣዊ መግለጺ ብምድጋም፡ ካብ ሎሚ ንደሓር በዚ መምርሒ’ዚ መሰረት ትሰርሑ፡ ነዚ ዘይቕበል ከኣ ኣብኣ ተራኽበና ዝብል ሓይለ ቃል ኣስሚዖም ኣኼባኛ ከም ዝብተን፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ግን ህዝቢ እከለ ዓድን ከባብን ኣብ ዙርያ ሽግሮም ተመያይጦም ገምጊሞም ብዝብል ብሓሶት ተቓኒዩ ከም ዝቃላሕን ኣረጋጊጾም።

ኩባኒያ መጎዓዝያ ሓራት ንብዙሓት ስድራ ቤታት ጾም ዘሕደረት ትካል ምዃና ተፈሊጡ።

ዋንነታ ናይ ህግደፍ ዝኾነት ኩባኒያ መጎዓዝያ ሓራት፡ ንብዙሓት ኣብ መጎዓዝያ ዝነጥፉ ዝነበሩ ወነንቲ ኣውቶቡሳትን ታክስን ብዝተፈላለየ ግሁድን ዘይግሁድን ብነጻነት ዕለታዊ ንጥፈታቶም ከየካይዱ ብምቕያድ፡ ነቲ ዕዳጋ ብዘይተወዳዳሪ ክትብሕቶ ብምግባር፡ ምስ ስድራ ቤቶም ንከቢድ ማሕበራዊ ጸገም ክሳጥሑ ካብ ዝገበራት ንግዳዊት ትካላት ህግደፍ ሓንቲ ምዃና እሙናት ምንጭታት ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ሓቢሮም።

ኩባኒያ መጎዓዝያ ሓራት ክትምስረት እንከላ፡ ውጉኣት ሓርነት ሸር ከምዘለዎም’ኳ ተሓቢሩ እንተነበረ፡ ብተግባር ግን ዝርከብ እቶት ክንደይ ምዃኑ፡ መን ከምዝጥቀመሉ ብወግዒ ዝፍለጥ ነገር ከምዘየለ፡ ንመጎዓዝያ ኤርትራ ብዘይ ዝኾነ ተወዳዳሪ፡ ጸገም ነዳድን መለዋወጥን ኣቑሑትን ተቖጻጺራ፡ ወነንቲ ኣውቶቡስን ታክስን ግብሪ መንግስቲ እናኸፈሉ ካብ ስራሕ ወጻኢ ክኾኑ ብምግባር፡ ምስ’ቲ ዘሎ ክብሪ መነባብሮ ምስ ስድራ ቤቶም ንከቢድ ሽግር ክቃልዑ ገይራ ምህላዋን ኣረዲኦም

ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ካብ ኤርትራ ናብ ሱዳን ኣባጊዕ ከእትው ዝፈተኑ ነገዶ ተታሒዞም፡-

መንግስቲ ሱዳን መንግስቲ ህግደፍ ብክገብሮ ዝጸንሐ ዘይሕጋዊ ንጥፈታትን ኣንጻር ሱዳን ምስ መንግስቲ ግብጺ ዝፈጠሮ ናይ ተለኣኣኽነትን ዝምድናን፡ ዕዳጋ ርግኣት ስኢኑ፡ ጸጥታ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ብዝብል ምኽንያት፡ ካብ 5 ጥሪ 2018 ኣትሒዙ ምስ ኤርትራ ዘራኽቦ ቀንዲ መንገዲ ብወግዒ ዓጺይዎ ኣብ ዘሎ ወቕቲ፡ ኣስታት 400 ኣባጊዕ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ብ9 መካይን ተጻዒነን ካብ ኤርትራ ናብ ሱዳን ክኣትዋ እንከለዋ ከም ዝተታሕዛ ንኣገልግሎት ዜና ሱዳን ሱና ብምጥቃስ ረድዮ ኤረና ብ19 ለካቲት 2018 ኣፍሊጣ።

እተን ኣባጊዕ ሕጋዊ ቅጥዒ ናይ ሕክምና ስለዘየማላኣ ንእንስሳ ሱዳን ሓደገኛታት ክኾና ይኽኣላ’የን ዝብል ስግኣት ከም ዘሎ፡ ክልተ ሱዳናውያን ዝርከብዎም ነተን ኣባጊዕ ሒዞም ዝነበሩ ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ከም ዘለው፡ መንግስቲ ህግደፍ ግን ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ዛጊት መግለጺ ከምዘይሃበን እታ ረድዮ ሓቢራ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 23-02-2018

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel