እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 13 guests and no members online

ዕዳጋታት ኤርትራ ምስ ምዕጻው ዶብ ሱዳን ተኣሳሲሩ ካብ ዝነበሮ ብዝኸፍአ ገረውረው ኢሉ ከም ዘሎ ተፈሊጡ

ብተግባር ካብ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ጀሚሩ ትንፋስ ንግዳዊ ንጥፈታት ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ህዝቢ ኣብ ዕለታዊ ህይወቱ ብቐጥታ ዝጥቀመሎም ሃለኽቲ ነገራት ድማ ብፍላይ፡ ሱዳንን ምስ ሱዳን ዘዋስኑ ቦታትን ኮይኑ ምጽናሑ፡ ፕረሲደንት ሱዳን ዑመራል በሽር ብሰንኪ ህግደፍ ዝገበሮ ሓላፍነት ዘይብሉ ፖለቲካዊ ገልበጥበጥን ብዝሓደሮ ጸጥታዊ ስግኣትን ካብ ቁጽጽር ወጻኢ እናኾነ ዝመጽአ ዘይሕጋዊ ንግድን ምስ ኤርትራ ዘራኽቦ ዶባት ካብ ዝሓጸወሉ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ 2018 ጀሚሩ ዕዳጋታት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ከም ዝርከብ ምንጭታት ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ካብ ከሰላ ሱዳን ሓቢሮም።

ኣመሓደርትን ኣባላት ጸጥታን ህግደፍ ነቲ ብሱዳን ገጢምዎም ዘሎ ቁጠባዊ ጽፍዒት ክኽውሉ፡ እዚ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ጸገም ኣይኮነን። መንግስቲ ሱዳን’ውን ከም መንግስቲ ዝሕመየሉ ኣይኮነን። ኣብ’ቲ ስልጣን ቦታ ዘለዎም ፍሉያት ጉጅለታት ሱዳን ዝገበርዎ’ዩ። ካብ ቁጽጽርና ወጻኢ ኣይኮነን ክንኣልዮ ኢና።

     ዘጨንቅ ከኣ የብልናን ሱዳን ዶባታ እንተዓጸወት መተንፈሲ መዓስ ስኢና ክልተ ወደባት ኣለና ዘድሊየና ሸቐጣት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ሸሚትና ከነምጽእ ኢና። 30 ዓመታት ዝተቓለሰን ልዑል ናይ ምጽዋር ባህሊ ዘጥረይን ህዝቢ ኤርትራ በዚ ጠርቋሽ ምኽንያታት ኣይጸዓድን’ዩ ዝብል ጎስጓሳት የካይዱ ከም ዘለው፡ እንተኾነ ግን፡ እቲ ዘጋጠም ሽግር ከቢድ ተጽዕኖ ፈጢሩ ምህላውን ኣረጋጊጾም።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ መንግስቲ ሱዳን ሕጂ’ውን ናብ’ቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውቦ ቦታታት ተወሳኺ ሓይሊ ፖሊስን ጸጥታን ኣዋፊሩ ምቁጽጻሩ የሐይል ምህላው’ውን ወሲኾም ኣረጋግጾም።

በዓልቲ ቤቱ ንሚኒስተር ገንዘብ ህግደፍ ዝነበረ ኣቶ ብርሃነ ኣብረሀ ከም ዝተኣስረት ተገሊጹ።

ጉጅለ ህግደፍ ፍንሕኒሕ ንዝብሉ ባእታት ብምእሳር፣ ብምጭዋን ብምቕንጻልን ህዝቢ ንምርዓድ ዝሓዞ መደብ ብምቕጻል፡ በዓልቲ ቤቱ ሚኒስተር ገንዘብ ጉጅለ ህግደፍ ንዝነበረ ኣቶ ብርሃነ ኣብረሀ፡ ወ/ሮ ኣልማዝ ሃብተማርያም ቅድሚ ክልተ ሰሙን ከምዝኣሰራ፡ ብ10 ለካቲት 2018 ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ዝተዘርገሐ ዜና ኣፍሊጡ።

ግዳይ ማእሰርቲ ኮይና ዘላ ኣልማዝ ሃብተማርያም ብልዑል ፍቕሪ ሃገርን ኣኽብሮት ንህዝብን ትፍለጥ ዜጋ ከምዝኾነት ዝገለጸ እቲ ዜናዊ ሓበሬታ፡ ዛጊት ግን ብምንታይ ምኽንያት ከምዝኣሰራ ኣይገለጸን።

ሚኒስተር ገንዘብ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ብርሃነ ኣብረሀ፡ ኣብ ኣኼባ ናይ’ቲ ብካቢነ ሚኒስተራት ዝጽዋዕ፡ ህዝብን ሃገርን ብከም’ዚ ንኸዶ ዘለና ክቕጽል እንተደኣኮይኑ ቅኑዕ ኣይኮነን። ሃብቲ ሃገር ብቐጥታ ናብ ካዝና ሚኒስትሪ ገንዘብ ክኣቱ፡ ህግደፍ ዝገብሮ ኢድ ምትእትታው ገደብ ክግበረሉ፡ ውጽኢት ስራሕ ብቕንዕና ክግምገም ኣለዎ ዝብል ርእይቶ ብምቕራቡ ካብ መዝነቱ ከም ዝወረደን ወሲኻ ኣረዲኣ።

ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ብጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ምስ መንግስቲ’ታ ሃገር ይዘራረብ ኣሎ ተባሂሉ።

ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNHCR)፣ ብጉዳይ ምስጓግ ስደተኛታት ብዝምልከት ምስ መንግስቲ እስራኤል ይዘራረብ ከምዘሎ፡ መሰረት እቲ ዝርርብ፡ መንግስቲ እስራኤል ንገለ ካብ’ቶም ወይ ትባረሩ እንተዘይኮነ ትእሰሩ ዝብሎም ዘሎ ስደተኛታት ሕጋዊ ኣፍልጦ ሂቡ ሕቶ ዕቑባኦም ተቐቢሉ ከንብሮም፡ ነቶም ዝተረፉ ከኣ ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር ናብ ካልእ ውሑስ ሃገር ክሳብ ዘሰጋገሮም ዕድል ክህቦም ዝብል ከም ዝኾነን ረድዮ ኤረና ንማዕከናት ዜና እስራኤል ብምጥቃስ ብ9 ለካቲት 2018 ጸብጺባ።

ወኪል UNHCR ኣብ እስራኤል ሻሮን ሃረል፣ ከምዚ ዓይነት ምርድዳእ ምግባር ፍታሕ ከምጽእ ተኽእሎ ከም ዘሎ ብምትስፋው ብዝሓየለ መልክዑ ክድፈኣሉ ከምዘለዎ ከም ዝገለጸት፡ ይኹን ግን ብዝሒ ናይ’ቶም መንግስቲ እስራኤል ፖለቲካዊ ዕቑባ ክህቦም ዘለዎ ኮነ እቶም ዝተረፉ ዝጣየሱለን ሃገራት ከምዘየነጸረትን ኣፍሊጣ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ እቶም ኣብ ሽግር ወዲቖም ዝርከቡ ኤርትራውያን ከም መቐጸልታ ናይ’ቲ ብ22 ጥሪ 2018 ኣብ ቴል ኣቪቭ ኣካይዶም ዝነበሩ ሽግርና ይሰማዕ ባራዩ ኣይኮናን ኣይንሽየጥን ዝብል ሰላማዊ ሰልፊ ብ8 ለካቲት 2018’ውን ተመሳሳሊ መልእኽቲ ዘለዎ ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዝገበሩን ኣቓልቦ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ይረኽቡ ምህላዎምን ኤረና ኣረዲኣ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 12-02-2018

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel