እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 34 guests and no members online

ብምኽንያት ዕረፍቲ ኣብራሃም ነጋሲ መግለጺ ሐዘን

ሰብ ኣለዋ እዛ ሃገር, ከም ስርዓተ ሃይለ ስላሴ ደርጊ,

ኣርዑት ጭፍራ ህግደፍ ክስበር,

ሕድሪ ኣሎና ናይ ቀዳሞት ዳሕረዎት,

ጀጋኑ ስዉኣት ደቂ ሃገር,,

ኣብራሃም ኣኺላ ዶ መዓልቲ

ጸልማት ከላ ከይበርህት ለይቲ

በብሐደ ሐሊፎም ተቃለስቲ,

ሐርበኛ ኣብራሃም ነጋሲ

ትማሊ ንነጻነት ኣብ ቃልሲ

ሎሚ ንሐርነት ንደሞክራሲ

ከይዓረፈት ሐሊፋ ነብሲ,

ንተጋደልቲ ጀብሃ ንምጽላም

ንወደቦይ ነጋሲ ኣብራሃም

ንጸረ ገድሊ ምስ ኣርዓዶም

ንጸለመ ዘይሞም ሲሒሎም

ብተወልዋላይ ዘይቲ ክድህሉ ፈቲኖም

ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብኣሉታ ዛዚሞም,

ኣብራሃም ኣብ ቃልሲ ታሪኽ ገዲፍካ

መስኪሮም እዮም ናይ ዕላማ ብጻትካ

ጸረ ገድሊ ፈሺሎም ኣብ ቅትለትካ,

ደቂ ኤረ ወዲ ሰብ ኣይኮነን ነባሪ

ገለ ባሉታ ገለ ብኣወንታ ተዘካሪ

ጅግንነት ኣብራሃም ነጋሲ ንገሪ

ስርሒት ደቀምሐረ መስክሪ,

ኣብ መንጎ ኣሐት ሐዊ ምስ ኣጎዱ

ሃገራዊ ራኢ ዘለዎም ምስ ተሰደዱ

ዱጉል ዕላማ ዘለዎ ቴምቤናይ ሰዊዱ,

ምስ ኣለለዮም ጅግና ወዲ ዓሊ

ኤርትራ ንኤርትራዊያን በሃሊ

ጸረ ገድሊ ገንሸል ገሮሞ ትማሊ,

ድሕሪ ተሐኤ ኩሉ ኮንቱ

ዕላማ ኣለዋሃ ምላሽ ተዓዊቱ

ህዝቢ ኤርትራ ተዘሚቱ

ካብ 81 ታሪኽ ኣንፈቱ ስሒቱ,

መንዩ ዑፉን ሽፉን

ኣብ ምፍልላይና ጋኔን

ዝያዳና ኤርትራዊ ዝኸውን,

ንተጋደልቲ ተሐኤ ንበር ክላቦ

ነንነብስና ንሕተት ከይበረሰ ዓደቦ

ምስ ተጠርኒፍና ኢና ክንዲ ጎቦ,

ሑሉፍ ተመኩሮና ዩኒቨርስቲ ዩ ባዕሉ

ተመኩሮና ንድሕነት ህዝቢ ንጠቐመሉ

ታሪኽና ነበረ ያ ነበረ ከይገብርዎ ትዃሉ,

ኤርትራ ንኤርትራዊያን ኢልና ንሜዳ ዝወጻና, ናይ ጌጋ ጌጋ መዓልቲ ንተሐኤ ምኽሳርና, ውጽኢቱ ሕጂ ይኸፍሎ ሎ ህዝብና, ንነብሲ ሄር ኣብራሃም ነጋሲ መንግስተ ሰማይ, ንህሉውት ጠሊ ጽንዓት ያሃብኩም, ንብል ደለይቲ ፍትሒ መቃልስቲ ኣቦኹም,,

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና, ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ, ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍ ዓንገልቶምን፡፡

ብሽም ዋዕሮታትን ሐርበኛታትን, ገጣሚ በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን፡፡

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel