እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 90 guests and no members online

መንግስቲ ሱዳን መንግስታት ኤርትራን ግብጽን ብሓባር  ኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ ሃገረይ ጸጥታዊ ሽግር ይፈጥሩ ኣለው ክብል ወቒሱ።

ጸጥታዊ ኩነታት ንኤርትራን ሱዳንን ዘራኽብ ዶባት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተበላሸወ መጺኡ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብትእዛዝ ፕረሲደንት ዑመራል በሽር ሕጹጽ ግዜ ኣዋጅ ተኣዊጁ ከም ዝተዓጽወ፡ ምኽንያት ናይ’ቲ ስጉምቲ ዘይሕጋዊ ንግድን ካልኦት ምስኡ ዝተኣሳሰሩ ገበናዊ ተግባራት ንምቁጽጻርን ምዃኑ’ኳ ተሓቢሩ እንተነበረ፡ ብ11 ጥሪ 2018 ኣብ ዘውጸኦ ወግዓዊ መግለጺ ግን፡ ብወገን ምብራቕ: ኤርትራን ግብጽን ተሻሪኸን ጸጥታዊ ስግኣት ይፈጥራለይ ኣለዋ ክብል ነቲ ሓቂ ኣንቲጉዎ።

ምንቅስቓስ ወተሃደራት ግብጺ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኤርትራ ከም ዘሎ፡ ብፍላይ ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ሳዋ፡ ንተቓወምቲ ውድባት መንግስታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ንምስልጣንን ንምዕጣቕን ዝዓለመ ላዕለዎት ሓለፍቲ ወተሃደራት ግብጽን ህግደፍn ምስ’ቶም ተቓወምቲ ውድባት ኣኼባ ከም ዝገበሩ ኣመልኪቱ ንዝወጽአ ዜናዊ ሓበሬታ፡ ህግደፍ ብተዘዋዋሪ ክሃድመሉ’ኳ ክፍትን እንተጸንሐ፡ ሰልፊ ሃገራዊ ጉባኤ ሱዳን ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ግን፡ ኣብ ሳዋ ዘሎ ሓድሽ ምዕባሌታት ዝፈጠረሉ ስግኣት መሰረት ገይሩ ነቲ ዶብ ከም ዝዓጸዎ ምሕባሩን ምንጭታት ይገልጹ።

ድሕሪ ወግዓዊ ምዕጻው ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ንህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ሓበሬታ ከይሃበ ብቕጽበት ናብ ግብጺ ኣምሪሑ ምስ መራሒ እታ ሃገር ዓብደል ፋታሕ ኣልሲሲ ተራኺቡ፡ እቲ ምስ ሱዳን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ከመይ ንግጠሞ ኣብ ዝብል ከም ዝተዘራረቡ፡ ኣብ ኩሉ መዳይ ሓቢሮም ክሰርሑ ከም ዝተሰማምዑን ካብ ማዕከናት ዜና ግብጺ ንዝተረኽበ ሓበሬታ ብምጥቃስ ምንጭታትና ገሊጾም።

 

ነባርነቱ ኣብ ኣሜሪካ ዝኾነ ኣቤል በየነ ዝተባህለ ኤርትራዊ ኣብ መኪናኡ ተቐቲሉ ተረኺቡ።

ወዲ 30 ዓመት ኤርትራዊ ኣቤል በየነ ኣብ ኮሎምቦስ ኦሃዩ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ብ6 ጥሪ 2018 ኣብ ሰዓታት ናይ ንጉሆ ኣብ መኪናኡ እናሃለወ ብጥይት ተሃሪሙ ተቐቲሉ ከምዝተረኽበ ፖሊስ እታ ሃገር ንዝሃቦ ጸብጻብ ምርኩስ ብምግባር ሬድዮ ኤረና ብ12 ጥሪ 2018 ገሊጻ።

ፖሊስ ካብ ነበርቲ እቲ ከባቢ ብዝረኸቦ ሓበሬታ መሰረት ተንቀሳቒሱ ብጥይት ተሃሪሙ ከም ዝሞተ ምርግጋጹ፡ ምኽንያት ቀታሊኡን መቕተሊኡን ግን ገና ኣብ ምርመራ ከም ዘሎ ምሕባሩ፡ ኣቤል በየነ ብምህድስና ካብ ዩኒቨሪሲቲ ኦሃዩ ከም ዝተመረቐ፡ ኣብ ሓይሊ ኤሌትሪክ ኣመሪካ ብጽገና ክሰርሕ ውዑል ፈሪሙ ከም ዝነበረን ጸብጺባ’

 

ላዕለዋት ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ( ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር) እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኣብ ሃገራ ዝርከቡ ስደተኛታት ተርእዮ ዘሎ ምጉብዕባዕ ኮኒኑ።

መንግስቲ እስራኤል ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝኾኑ ስደተኛታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ናይ ኢኮኖሚ ደኣምበር ናይ ፖለቲካ ስደተኛታት ኣይኮኑን ብዝብል ጉልባብ ካብ ሃገሩ ንምብራር ዝተፈላለየ ጸቕቲ ክገብር ምጽንሑ፡ ንገለ ድማ ምእሳሩን ምብራሩን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ’ዚ ቀረባ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣገዲዱ ናብ ካልእ ሃገር ከባርሮም ወይ ክኣስሮም ንዘውጸኦ መምርሒ ምርኩስ ብምግባር፡ ላዕለዋይ ተጸውዒ ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት መንግስቲ እስራኤል ነቲ መደብ ደው ከብሎ ኣብ ጀኔቫ ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ብ9 ጥሪ 2018 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ሓደ መንግስቲ ኣብ ግዝኣቱ ንዝርከቡ ስደተኛታት ብዘይ ኣፍልጦ ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ወግዓዊ መግለጺ ተቐባሊት ሃገርን ኣገዲዱ ናብ ካልእ ሳልሳይ ሃገር ከሰጋግር ኣድማሳዊ ስምምዕ ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘይፈቅድ፡ ቅድም ክብል ካብ እስራኤል ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ክባረሩ ዝተገብሩ ኤርትራውያን ብተግባር ዘጋጠሞም ኩነታትን ኣብ ጸብጻብ ብምእታው መንግስቲ እስራኤል ከይትግብሮ ተማሕጺኑ።

ዛጊት ኣብ እስራኤል ልዕሊ 34 ሽሕ ዝኾኑ ስደተኛታት ከም ዘለው፡ ካብ’ዚኣቶም ኣስታት 7 ሽሕ ሱዳናውያን ልዕሊ 27 ሽሕ ድማ ኤርትራውያን ምዃኖም ናብ’ቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ወገናት ይሕብሩ።

 

ውሽጣዊ ጉዳይ ቤተ-ክርስትያን ተዋህዶ ኤርትራ  ብዋናታቱ ዘይኮነ ብፖለትከኛታት ብጅሆ ተታሒዙ ከም ዘሎ ተገሊጹ።

ብዘይጭበጥ ምኽንያት ካብ 13 ጥሪ 2006 ካብ መንፈሳዊ መንበሮም ተላዒሎም ንልዕሊ 12 ዓመት ብዘይፍትሕን ሕጋዊ መስርሕ ፍርድን ብመንግስቲ ተቐይዶም ኣብ ስቓይ ዝነብሩ ዘለው ወዲ 91 ዓመት ሕጋዊ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ኣቦና ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ናይ ዘመና ሃውርያ ብህይወት ዘለው ሰማዕተ ክርስቶስ ኣቦ እምነት’ዮም ክብል መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ዝዘርገሖ መልእኽቲ ኣፍሊጡ።

መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኣቦና ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ በደሎም ክንገሮምን ፍትሒ ክረኽቡን ብተደጋጋሚ ሓቲቶም፡ ክሳብ ሕጂ ርጡብ ፍትሓዊ መልሲ ከምዘየረኸቡ፡ ብዝተፈላለዩ ዓይነት ሕማማት ብከቢድ ይሳቐዩ ከም ዘለው፡ ስለዚ ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈጸመ ዓመጽ ብምዃናን ኣብ ኩሉ ኣማኒ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ዝርከበሉ ቦታ ጸሎት ክግበረሎም ብዝገበሮ ጻውዒት መሰረት ብ14 ጥሪ 2018 ፍሉይ ጸሎት ከም ዝተገበረሎም መርበብ ተዋህዶ ሓቢራ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 15-01-2018

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel