እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 21 guests and no members online

ናይ ሃገር በዓል ቤት ህዝቢ፡ ረኻቢ መከራ ህዝቢ፡ ፈታሒ ጸገም ህዝቢ’ዩ።

ናይ ኩሉ ሃገራዊ ሓይሊ ምንጪ ህዝቢ’ዩ። ግዳማዊ ድዩ ዘቤታዊ ፖለቲካዊ ጸገም እንክፍጠር፡ ነገራት ኣብ ምቕላስ፡ ኣብ ምእላይ፡ ኣብ ምምሕዳር፡ ካብኡ ሓሊፉ ጉልበት ወይ ሓይሊ ዝሓትት ምስ ዝኸውን ከኣ፡ ብሓይሊ ንምግጣም፡ ሰብኣዊ፣ ገንዘባዊ ኮነ ነገራዊ ዓቕሚ ዝርከብ ካብ ህዝቢ’ዩ። ኣብ ስነ-ፍልጠት ዕውታት ዝኾኑ ምሁራት፣ ኣብ ወተሃደራዊ ሓርበኛታት ዝኾኑ ዜጋታት፣ ኣብ ሃይማኖት ንዜጋታት ብስነ ምግባር ዝሃንጹ ኣቦታት፣ ካብ ካልእ ዘይኮነ ካብ ህዝቢ’ዮም ዝፈርዩ። ህዝቢ ተቐዲሑ ናይ ዘይውዳእ ኩለ መዳያዊ ሃብቲ’ዩ።

ህዝቢ በዓል ቤት ናይ ሃገርን ሃገራዊ ጸጋታትን’ዩ ክበሃል እንከሎ ግን፡ ዝጠቕሞን ዘይጠቕሞን ፈታዊኡን ጸላኢኡ ፈላልዩ ዝርኢ፡ ብስምዒት ብጽላኣት ብሕነ ምፍዳይ ዘይኮነ ብፖለቲካዊ ንቕሓት፡ ብሕጊ፡ መሰለይ ክብረተይ ኢሉ ዝሓተት፡ ዝለኣኾም ዝፍጽሙ መራሕቲ እንክረክብ ዘመጉስ ዘተባብዕ፡ ተልእኾኦም ዝዘንግዑ፡ ናብ ውልቀ ረብሓኦም ዝዘንበሉ፡ ካብ ሕጊ ዝፈለሉ መራሕቲ ምስ ዘጋጥምዎ ከኣ፡ ብሕግን ስርዓት ዝቆጻጸር ዝግስጥ ኢሉ ድማ ዘውርድ ዝቕጽዕ ምዕቡል ኣተሓሳስባ ዝወነነ ምስ ዝኸውን’ዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ናይ ሃገረ ኤርትራ በዓል ቤት’ዩ። ትማሊ እዛ ሃገር ብግዳማዊ ሓይሊ ተጎቢጣ መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን ሓርነቱ ኣብ ዝተመንዘዓሉ፡ ብወሳኒ መልክዑ ብምርጫኡ ብውሳነኡ ነጻነት መሬቱን ሰብኣዊ ሓርነቱን ክምልስ በረኻ ዝወጽኣሉ፡ ወለዲ ፍትዋት ደቆም ሞባእ ዝኸፈልሉ፡ ናይ ሽዑ መንእሰያት ንመስዋእቲ ዝቀዳደምሉ ዝነበሩ ምስጢር ካልእ ዘይኮነስ ኣይምብርከኽን መንነት ኣልቦ ኣይከውንን ዝብል ውሽጣዊ ሕራነ ስለ ዝነበረ’ዩ። ብናተይ ፖለቲካዊ ገምጋም ከም’ቲ ስልጡን ህዝቢ ስልጡናት መራሕቲ የፍሪ፡ ድሑር ህዝቢ ድሑራት መራሕቲ የፍሪ ዝበሃል፡ ኣበየናይ ውድብ ብዘየገድስ፡ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ንሃገራዊ ነጻነት ዝተራእየ ሓርበኝነት፡ ካብ ውድባት ዘይኮነ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዘሎ ሓርበኛዊ ስምዒት ዝመንጨወ’ዩ። ኣብ’ቲ መድረኽ’ቲ ዝነበረ ፖለቲካዊ ዘይንጹርነት፡ መን ከመይ ኣጉል ኣነነት፡ ጽበት፡ ዘይሕጋዊ ምስጢራዊ ኣሰራርሓ፡ ኣብ ህዝቢ ዓሚቕ ፖለቲካዊ ንቕሓት ዘይተወነነ ምንባሩ ዝገልጽ’ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።

ስለዚ ንኣወንታዊ ምዕባለ ኮነ ኣሉታዊ ዓጋቲ ምዕባለ ሓንቲ ሃገር፡ ኣብ ምሕረት ውሱናት ሰባት ዝወድቕ፡ ንኣታቶም ጥራሕ ድማ ተሓታቲ ዝገብር ዘይኮነ፡ መሰረቱ ህዝቢ ምዃኑ’ዩ። ከም’ቲ ምሁራት ፖለቲካዊ ሳይንስ፡ ሓንቲ ሃገር ብጥዕና ዘለዎ ጎደና ክትምርሽን ዘይክትምርሽን ዝውስን ኣብ ህዝባ ዝሰረጸ ፖለቲካዊ ንቕሓትን ብወግዒ ብሕጊ እትምረሓሉ ፖለቲካዊ ኣንፈትንዩ ኢሎም ዝገልጽዎ፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ንሃገራዊ ነጻነት፡ ቅድሚ ፖለቲካዊ ንቕሓት ወተሃደራዊ ሓርበኝነት’ዩ ዝበረኸ ቦታ ሒዙ ዝነበ።፡ እዚ ድማ “ ቅድሚ ምራኽ መስከብ” ብምዃኑ እነሆ ውጽኢቱ ሕጂ ኮይናዮ ዘለና ክንከውን ገይሩና። ምኽንያቱ ወተሃደርን ወተሃደርነትን መሳርሒ ናይ ፖለቲካ ደኣምበር፡ መራሒ ወይ ቀላሲ ናይ ፖለቲካ ስለዘይኮነ፡ እቲ ኣንጻር ግዳማዊ ጸላኢ ዝካየድ ዝነበረ ወተሃደራዊ ግጥም ብዓወት ኤርትራውያን ምስተዛዘመ፡ ህዝቢ ብኸመይ ይመራሕ፡ ፖለቲካ ሃገር ብኸመይ ይቀረጽ ኣብ ዕኒይኒይ ተኣትዩ። ካብ ዕኒይኒይ ሓሊፉ ህዝቢ ከም ህዝቢ ጥምረቱ ከይፈርስን ተበታቲኑ ነበረ ከይከውንን ኣብ ዘስክፍ ኩነታት ወዲቑ ይርከብ።

ሎሚ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኤርትራዊ ትውልዲ ዘለዎ፡ ህዝባዊ ኮነ ሰብኣዊ ኣስተሓኮ ዘይብሉ ጉጅለ ወዲቓ ኣይንላዕሊ ኣይንታሕቲ ትሰሓግ ኣላ። እዚ ኣሰካፊ ፖለቲካዊ ኣተሃላልዋ’ዚ ካብ’ቲ ትማሊ ክትሓዝ ዝነበሮ ግን ዝበኾረ ፖለቲካዊ ንቕሓት ዝተሰጋገረ ደኣምበር፡ ትማሊ ንዝነበረ ኣወንታዊ ፖለቲካዊ ንቕሓት ደምሲሱ ሕጂ ዝተወልደ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ኣይኮነን። ትማሊ ዝነበሩ መራሕቲ ብዓይኒ ስትራተጂካዊ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ብቑዓትን ደሞክራስያውያንን ኣይነበሩን። ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ወተሃደራዊ ሓርበኝነት ደኣምበር፡ ህዝቢ ዝምረሓሉ ንጹር ስትራተጂ፡ ፖለቲካዊ ንቕሓት፡ ህዝባዊ ሓላፍነት ዝስመዖም ቀለስቲ መሪሕነትን ሒዙ ኣይኣተወን። ካብ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ናብ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ናይ ትሕዝቶ ዘይኮነ ናይ ስም ለውጢ ምግባሩ ከኣ፡ ዕዋላዊ ባህሪ ናይ’ቲ ውሳኒ መሪሕነታዊ ጉጅለ ደኣምበር ፖለቲካዊ ብስለቱ ኣየመልክትን።

ህዝቢ ምንጪ ገንዘባውን ነገራውን፡ ኣወንታውን ኣሉታውን ፍልጠት’ዩ ክበሃል እንከሎ፡ ምሉእ ብምሉእ ብሓዲኡ ይግለጽ ማለት ኣይኮነን። ካብ’ቲ ኣሉታዊ፡ ኣወንታዊ ማዕባሊ ኣተሓሳስባኡ ከም ዝዛይድ ግን ዘካትዕ ኣይመስለንን። ብፍላይ ህዝቢ ኤርትራ እምነት ኣልቦ ኣይኮነን። ካብ ቀደም ካብ ጥንቲ በብመንገዱ ነናቱ ሃይማኖታዊ እምነት ዘለዎ ህዝቢ’ዩ። ብመሰረት ሃይማኖታዊ እምልኾኡ ከኣ ፈሪሓ እግዝኣብሄር ዘለዎ ጽቡቕ ዝምነ ሓቂ ድማ ዝመለለይኡ ህዝቢ’ዩ። ቅንዕናኡን የዋህ ፖለቲካዊ ኣገንዝቦኡን ነዚ ሎሚ ኮይንዎ ዘሎ ክኸውን ኣስተዋጽኦ ከም ዘለዎ ዝገልጹ ወገናት ኣለው። ኣነ’ውን ምሳኣቶም እሰማማዕ’የ።

ዕድመ መምህር’ዩ ከም ዝበሃል ግን፡ ካብ’ቲ ኣስታት ናብ 100 ዓመት ዝጽጋዕ ናይ ፖለቲካውን ዕጥቃውን ተመክሮኡ ወይ ካብ ዝሓለፈ ውድቀቱን ዓወቱን ግቡእ ትምህርቲ ረኺቡ፡ ሎሚ ኣነ ንመሰለይ ንኽብረተይ ክብል ኣለዎ። ስጥመት ብዘለዎ ውደባ፡ ከምኡ ክብል ዘይምኽኣሉ ከም ህዝቢ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእትዎ’ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። መሪሕነት ህግደፍ ብጥልመት ካብ ደምበ ፈታዊ ናብ ደምበ ጸላኢ ምስተሰጋገረ፡ ዝባኑ ቀሊዑ ክቃለሶን ተቓሊሱ ክስዕሮን ደኣምበር፡ ገለ ገሊኦም ነዳያት ከም ዝብልዎ በጃኻ ልቢ ግበር ኢሉ ክልምኖ፡ ብመደብ ንዝነፈጎ መሰል መሊሱ ክተኹበሉ ክጽበ የብሉን።

ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ዝቃለሱ ዘለው ፖለቲካዊ ውድባት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣብ ክንዲ ምዕባለ ዘርእዩ ንቕድሚት ዝስጉሙ፡ እናንቆልቆሉ ዝኸዱ እንተደኣኮይኖም፡ ህዝቢ ስለምንታይ ኢሉ ክሓትት ኣለዎ። ጠንቂ ናይ’ቲ ድኽመት ናይ ፍልጠት ድዩ ናይ ገንዘብ ሕጽረት፡ ምኽንያት ፈሊጡ ክሕግዞም ይግባእ። ናይ ባህሪ ጸገም እንተኾይኑ ማለት፡ ጠላባት ህዝቢ ንጎኒ ገዲፎም፡ ዕላማኦም ኣዋዲቖም ናብ ውልቃውን ጉጅላውን ረብሓኦም ሃነፍነፍ ክብሉ ወርቃዊ ናይ ለውጢ ዕድላት የባኽኑ እንተሃልዮም ድማ፡ ብተመሳሳሊ ግቡእ ገምጋም ገይሩ ኣራሚ ተጽዕኖ ከዕርፈሎም ይግባእ። ስለምንታይ? ኩሉ መዳያዊ ዓቕሚ ኣብ ኢዱ ስለዘሎ። ከም ህዝቢ ናቱ ድርኺት ወይ ድፍኢት ከይገበረ፡ ገለ ልሙሳትን ኣምለኽትን ካብ ጉጅለ ህግደፍ፡ እቲ ዝበዝሐ ከኣ ካብ መራሕቲ ውድባት ጥራሕ ዝደልዮ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክመጽኣሉ ዝጽበ እንተኾይኑ ግን ይጋገ ከም ዘሎ ክስቆሮ ኣለዎ።

ወደሓንኩም ናይ ወትሩ ተሳታፊ ሮቤል በርሀ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 27-12-2017

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel