እዋናዊ ዜናታት
- ኣባላት ጸጥታ ጉጅለ ህግደፍ ቤተ-ሰቦም ናብ ወጻኢ ካብ ዘህደሙ ኤርትራውያን ዝተፈላለየ ተጽዕኖ ብምግባር ገንዘብ ይዘምቱ ከም ዘለው ተፈሊጡ።
- ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ብሓደጋ መኪና ህይወቶም ስኢኖም።
- ንግስነት ቀጠር ኣብ ስዋኪን ሱዳን ሓድሽ ወደብ ክሰርሕ ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሐ ይግለጽ ኣሎ
- መንግስቲ ሱዳን ኣባላት ህግደፍ ዝርከብዎም ሒዝዎም ዝጸንሐ 27 ኤርትራውያን ካብ ሃገሩ ኣባሪሩ
- ህግደፋዊ ዓፈና ኣብ መደብ ሽንግርዋ ብግልጺ ተነጸባሪቑ፡-
- ማሕበር ረድኤትን ምዕባለን ኤርትራ ሓገዝ ንምርካብ ትነጥፍ ኣላ።
- ዑደት ንረድኤት ብማሕበር ረድኤትን ምዕባሌን ኤርትራ
- The Afar cultural genocide in Eritrea prompts new united efforts against Eritrean government
- ደምዳሚ መግለጺ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ዞባ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ
- ጋዜጣዊ መግለጺ፣ 18 ኣባላት ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡
- ህግደፍ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ህዝባዊ ዝተስምየ ግዱድ ኣኼባ፡ ዝተዋህበካ መምርሒ ተቐቢልካ ካብ ምውጻእ ወጻኢ ዝርከብ ትምህርቲ ከም ዘየለ ተገሊጹ
- ፍሉይ ቤት ፍርዲ እስራኤል ካብ መሳርዕ ሰራዊት ኤርትራ ዘምለጡ ሕቶ ፖለቲካዊ ዕቑባ ንምርካብ ብቑዕ ምኽንያት’ዩ ክብል ወሲኑ።
- በዓልቲ ቤቱ ንሚኒስተር ገንዘብ ህግደፍ ዝነበረ ኣቶ ብርሃነ ኣብረሀ ከም ዝተኣስረት ተገሊጹ
- لبيانالختاميلمؤتمرشبابعفرالبحرالأحمر_إقليمأروبا اللجنة
- ኣብ ከተማ ካለ ፈረንሳ ኤርትራውያንን ኣፍጋኒስታናውያንን ተባኢሶም ኣርባዕተ ሰባት ብከቢድ ተጎዲኦም።
ኣብ መርበብ ዘለዉ
We have 25 guests and no members online
- Details
- Written by ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
- Published: 15 December 2017
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ገይረዮ ዝብሎ ህዝባዊ ኣኼባ፡ ትርጉም ዘለዎ ኣጀንዳ ከምዘይብሉ ምንጭታት ገሊጾም።
ከም’ቲ ልሙድ ኣካይዳኡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብ ዝሓደሮ ፖለቲካዊ ጭንቀት ተበጊሱ፡ ብዓቕሊ ጽበታዊ ደንበርበር፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣርባዕተ ግንባራት ከፋፊሉ፡ ዕሱባት ኣዋፊሩ፡ ጎስጒሱ፡ ኣበራቢሩ መቃነይ ስልጣኑ ንምግባሩ ዝመደቦ ህዝባዊ ኣኼባ ዝሰመዮ ግዱድ ኣኼባ የካይድ ከም ዘሎ፡ እንተኾነ ግዳ፡ ትርጉም ዘለዎ ዛዕባ ዘይብሉ፡ ትእዛዝ ምሃብን ምቕባልን ምዃኑን ኣረዲኦም።
ብዘይካ’ቶም ፍሉጣት መንነቶም ኣሕሊፎም ዝሃቡ ሽዩጣት፡ እቲ ዝበዝሕ ኣብ መስኮት ተሌቪዥን ዝረአ፡ ኣብ ዘይፈልጦ ተባሂልካ ኣለኻ ካብ ላዕሊ ዝመጽአ ትእዛዝ’ዩ፡፡ ኣብ እከለ ዝተባህለ ቦታ ትርከብ እምቢ እንተበልካ ተሓታቲ ባዕልኻ ኢኻ ብዝብል ወተሃደራዊ ትእዛ ተገዲዱ ዝእከብ ምዃኑ፡ መራሕቲ ናይ’ቲ ኣኼባታት ኮይኖም ዝምደቡ ካድራትን ሓላፍትን፡ መንግስትና ኣብ’ዚ ጎደሎ ኣለዎ ዝብል ቃል ከምዘየምልቑ፡ ጸላእትን ተጻባእትን ዝብል ኣሰልቻዊ መግለጺ ብምሃብ፡ ህዝቢ ክገብሮ ዘለዎ ግዴታ ቀጢን ትእዛዝ ብምሃብ ከም ዝብተንን ኣረጋጊጾም።
ህግደፍ ካብ 5 ታሕሳስ 2017 ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለያ ትካላት ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ይወስድ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።
ብዘይተጸንዐን ካብ ኣፍልጦ ናይ ቁጠባ ክኢላታትን ወጻኢ፡ ብሃውሪ ባጤራ ናቕፋ ምቕያሩን ካብ ባንክ ዝኣቱን ዝወጽእን ባጤራ ብምግዳቡን እቲ ኣቐዲሙ’ውን ትርጉም ዘለዎ ጎልበት ዘይጸንሖ ቁጠባ ኤርትራ መሊሱ ከም ዝተዳኸመ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እነሆ ድማ ሕጂ ኣብ ከተማ ኣስመራን ካልኦትን ንዝርከባ ዝተፈላለያ ናይ ውልቀ ትካላት፡ ምኽንያቱ ንጹር ብዘይኮነ ኣገባብ ብሓይሊ ይዕሽገን ከም ዘሎ ምንጭታት ይሕብሩ።
ገለ ካብ’ተን ዝተዓሸጋ ልዕሊ 60 ዓመት ዝገበራ ፍሉጣት ትካላት ፍሉጣት ከም ዝርከባአን፡ ብሰንኪ’ዚ ዓንዳሪ ስጉምቲ’ዚ ወንነቲ ትካላት፣ ሰራሕተኛታት እተን ትካላት ምስ ቤተሰቦም፡ ብዓቢኡ ከኣ ህዝቢ ግዳይ ከም ዝኸውን ገሊጾም።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ንክልተኣውን ካብኡ ዝሰገሩን
ዝምድናታት ወጻኢ ንምዕዋት ተሃድሶ ይገብር ኣሎ ተባሂሉ
ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ብቕልጡፍ ዝለዋወጥ ዘሎ ዞባዊ ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ኩነታት ንምግጣም ዘኽእሎ፡ ናይ ተሃድሶ መደባት የካይድ ከም ዘሎ፡ ወሃቢ ቃል እቲ ሚኒስትሪ ኣቶ መለስ ኣለም ሓቢሮም ይብል ኣብ ዓይጋ ፎርም ብ8 ታሕሳስ 2017 ዝረኸብናዮ ዜና።
ሓላፍነት ብግቡእ ንምፍጻም፣ ዘጋጥሙ ዕንቅፋት ብብቕዓት ንምምካት፡ ጽቡቕ ኣጋጣሚታት ድማ ብግቡእ ንምጥቃም ዘኽእል ትካላዊ ቅርጻን ምምዳብ ሓይሊ ሰብን ከም ዘድሊ፡ እዚ ውጥን’ዚ ነታ ሃገር ይጠቕም’ዩ ተባሂሉ ንዝወጸ ስትራተጂ ኣብ ግምት ብምእታው ዝወጸ ምዃኑን የረድእ።
መንግስቲ ሱዳን ንዝወድቕ ዘሎ ክብሪ ባጤራኡ ንምሕላውን
ኣብ ዘሕጋዊ ምዝውዋር ገንዘብ ንዝተዋፈሩ ወገናት ንምቕያድ ይሰርሕ ከም ዘሎ ተገሊጹ
ካብ ግዜ ናብ ግዜ ናይ ምግዛእ ዓቕሙ እናንቆልቆለ ብዝመጽአ ባጤራኡ ኣብ ሻቕሎት ዝኣተወ መንግስቲ ሱዳን፡ ኣብ ሃገሩ ኣብ ዘይሕጋዊ ሸርፊ ወጻእን ሓዋላን ንዝተዋፈሩ ውልቀ ሰባትን ትካላትን ንምቁጽጻርን ንምቕያድን ሓድሽ ሕጊ ኣውጺኡ ይሃድን ምህላው ተፈሊጡ።
ሚኒስተር ፋይናንስ ሱዳን መሓምድ ዑስማን ኣል ሪካቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሱዳን ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝግበር ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ገንዘብ ብደቂቕ ይከታተሎ ከምዘሎ ምሕባሩ፡ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ሓሚድ ማናን ብወገኑ፡ ኣብ ወጻኢ ዝመደበሮም 37 ውልቀ ሰባትን ትካላትን ተለልዮም ከም ዘለው ብምንጻር፡ ሓደ ካብኡ ብመንገዲ ከሰላ ናብ ኤርትራ ዝኣቱ ዘይሕጋዊ ንግዳዊ ንጥፈታት ምዃኑ፡ መንግስቲ ሱዳን ቅድም ኢሉ በዚ ምኽንያት ኣብ’ታ ሃገር ንዝርከብ ኣምባሳደር ህግደፍ ጸዊዑ ኣዘራሪብዎ ምንባሩን ረድዮ ኤረና ብ8 ታሕሳስ 2017 ጸብጺባ።
ብካልእ ዜና፡ ኣብ ትሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኑ ዝነጥፍ 6 ሽሕ ሰራዊት ኣብ ሶማል ኣዋፊራ ዘላ ኡጋንዳ፡ መንግስቲ ሶማል ብናቱ ዓቕሚ ጸጥታኡ ከኽብር ኣብ ዘኽእሎ ደረጃ በጺሑ’ዩ ካብ ዝብል ነቒላ፡ ደረጃ ብደረጃ ቁጽሪ ሰራዊታ ከተጉድሎ ምዃና፡ ኣብ ሶማል ሰራዊት ኡጋንዳ፡ ኬኒያ፣ ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲ፣ ብሩንዲ፣ ሰራልዮን ዝተዋጽአ ኣስታት 30 ሽሕ ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ሰራዊት ተዋፊሩ ምህላውን ኤረና ወሲኻ ኣረዲኣ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ኢዮሩሳሌም ዋና ከተማ እስራኤል’ያ ክብል ዝሃቦ ኣፍልጦ፡ ንብዙሓት የዛርብ፡ ንፍሊስጤማውያን ድማ ግዳይ መቑሰልትን ሞትን ክኾኑ ከም ዝገበረ ይግለጽ ኣሎ።
ከም መራሒ ርእሰ ሓያል ሃገር፡ ብዝተጸንዐን ሓላፍነታዊ ኣግባብን ክመርሕ ኣይከኣለን ተባሂሉ ብብዙሓት እንኮለይ ብህዝብን ፖለቲከኛታት ኣመሪካ ዝውቀስ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ካብ ዋይት ሃውስ ብቴለቭዥን ኣብ ዘመሓላለፎ መግለጺ፡ ኣመሪካ ንኢዮሩሳሌም ከም ዋና ከተማ እስራኤል ኣፍሊጦ ብምሃቡ፡ኣብ መላእ ዓለም ሓያል ተቓውሞ ኣለዓዒሉ ከም ዘሎ፡ መሳኪን ፍልሽጤማውያን ድማ ግዳይ መቑሰልትን ሞትን ይኾኑ ኣለው።
ከም ጭቡጥ መግለጺ ናይ’ቲ ትራምፕ ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ኣብ ቴል ኣቪቭ ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኣመሪካ ናብ ኢዮሩሳሌም ክሰጋገር ከም ዝኣዘዘ፡ በዚ ዘይእርኑብን ዘይሓላፍነታዊ ትእዛዝ፡ ዛጊት 2 ፍልስጤማውያን ከም ዝሞቱ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ድማ ብፖሊስ እስራኤል ከቢድን ፈኲስን ጉድኣት ከም ዝወረዶም፡ ስለዚ ከኣ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ መራሕቲ ኤውሮጳን ሓዊስካ ብብዙሓት ይኹነን ምህላው ማዕከናት ዜና ዓለም ይጽብጽባ ኣለዋ።
ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ። ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 11-12-2017
ኣገዳሲ ቆጸራታት
- ዝኽሪ ንፈላሚት ባሕቲ መስከረም ሰውራ ኤርትራ ኣብ ሽቱትጋርት
- ጻውዕት ንሰፊሕ ልዝብ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኤውሮፓ/ኸ ኣብ ጀርመን
- በዓል 8 መጋቢት 2017
- በዓል 8 መጋቢት 2017
- SECOND EASE CONGRESS ANNOUNCEMENT - ምልክታ : ካልኣይ ጉባኤ ዝምልከት
- ኣገዳሲ ሓበሬታ ዝኽሪ መበል 25 እዮብያላዊ ዓመት ናጽነት ኤርትራ Firande av 25 års av Eritreas Självständighet.
- ኣገዳሲ ሕዝባዊ መፍለጢ Important Public Announcement دعوة لإجتماع هام
ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here
This is the right module position, which is not using any module suffix.
To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.