እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 47 guests and no members online

ዜና

ዕውት ናይ ፕሮፖጋንዳን ውደባን ወፍሪ

ድሕሪ ዕውት ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርት ጀጋኑ ዕጡቓት ናይ ፕሮፖጋንዳን ውደባን ደግሓኤ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብምዝላቕ፡ ብውሕሉል ኣገባብ ዘካየድዎ ናይ ፕሮፖጋንዳውን ውደባን ስርሒታት ወፍሪ ብዓወት ከም ዝተፈጸመ ካብ ወተሃደራውን ጸጥታውን ቤት ጽሕፈት ዝበጽሓና ዜና ይሕብር።

እዚ ንዕውት ውጽኢታት ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ፡ ምስ ስእላዊ መግለጺታቱ ዘንጸባርቕ ትሕዝቶታት ዝሓዘለ ፍሉይ ሕታም መጽሔት ህዝባዊ ደሞክራስን ካልኦት ንደሞክራስያዊ ተጋድሎ ውጹዕ ህዝብናን ዝገልጹ ጽሑፋትን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ጽዑቕ ወፍሪታት ክካየደሎም ብዝተታሕዙ መደባት፡ ኣብዘን ዝስዕባ ከባቢታት (ዓድታት) እቲ ወፍሪ ከም ዝተኻየደ እቲ ዜና ወሲኹ ሓቢሩ።

  1. ብ5 ሕዳር 2017 ኣብ ከባቢታት ንኡስ ዞባ ማይ-ምነን ንኡስ ዞባ ዓዲዃላን ዝርከባ ዓድታት፡ ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ኣብያተ ክርስትያናትን ብርክት ዝበሉ ህዝብን ተመሃሮን ኣብ ዝርከብሉ ብምዝርጋሕ ክጥቀምሉ ተገይሩ።
  2. ብተመሳሳሊ ብ8 ሕዳር 2017 ኣብ ከባቢ ኣኽራን ዝርከባ ናይ ንኡስ ዞባ ጸሮና ዝኾና ዓድታት ብርክት ዝበሉ ጽሑፋት ብምዝርጋሕ፡ ኣብ’ዚ ስፍሕ ዝበለ ከባቢታት’ዚ፡ ድምጺ ውጹዕ ተቓላሳይ ህዝብና፡ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ዕላማታቱ ብጻዕቂ ክቃልሑ ተገይሩ።

ድሕሪ’ዚ ዕውት ናይ ፕሮፖጋንዳን ውደባን ስርሒታት ወፍሪ’ዚ፡ ጸላኢ ዝሕዞን ዝጭብጦን ጠፊእዎ ብራዕዲ ተረብሹ፡ ስጉምቲ ክውሰድ ሸበድበድ ኣብ ምባል’ዩ ዝኣተወ። እዚ ጽሑፋት ዝተዘርገሓሉ ከባቢታት ዝርከቡ ተመሃሮ ብምእካብ፡ ዝረኸብዎ ጽሑፋት ከምጽኡን ብዛዕባኡ ንዝኾነ ሰብ ከይዛረቡን ብምጉብዕባዕ’ዩ ከፈራርሖም ዝተሃንደደ።

ብተመሳሳሊ ነቶም ነበርቲ ናይ’ዚ ከባቢታት (ዓድታት) ዝኾኑ ንዝረኸብዎ ጽሑፋት ክእክቡን ክረከቡን ትእዛዝ ብምምሕልላፍ’ዩ ከፈራርሖም ዝፈተነ። “ንስኹም ነዞም ጉጅለታት እዚኣቶም ኣብ’ዚ ከባቢታት’ዚ (ዓድታትኩም) ከም ድሌቶም ክኣትውን ክወጽኡን ክምገቡን ትገብሩ ስለዘለኹም ከኣዩ፡ ክሳብ ክንዲ’ዚ ዝኣክል ንውሽጢ እናኣተው ጽሑፋቶም ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ኣብያተ ክርስትያናትን ክዝርግሑ ትተሓባበርዎም ዘለኹም “ዝኾነ ትርእይዎ ምንቅስቓስ ቀልጢፉኩም እንተዘይሓቢርኩምና ኣብተን ዓድታት ስጉምቲ ክንወስድ ኢና ብምባል’ዩ መጠንቀቕታኡ ዘመሓላለፈ።

ጀጋኑ ዕጡቓት ናይ ፕሮፖጋንዳውን ውደባን ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ኣብ’ዚ ሰፊሕ ከባቢታት’ዚ ዝወጠንዎ ወፍሪ ብዓወት ዛዚሞም ኣብ ቦታኦም ከም ዝተመልሱ እቲ ዜና ወሲኹ ሓቢሩ።

ብርግጽ እዚ ዓወት’ዚ ብድሕሪቲ ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣል-ዲያኣ ዝተኸስተ ተረኽቦን ብኡ ዘጋጠመ ሰላማዊ ሰልፍን ንዕኡ ብምድጋፍ ኣብ ብዙሓት ናይ ወጻኢ ሃገራት ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፍታትን ናይ ስርዓት ህግደፍ ጨካን ኣረሜናውን ናይ ጨፍጨፋን ማእሰርትን ተግባራቱ ብምኹናን ስዒቡ ዝተኻየድ ስርሒታት ንጸላኢ ተወሳኺ ራዕዲ ዝፈጠረሉ ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 17 ሕዳር 2017

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel