እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 58 guests and no members online

ወገን ህዝብን ወገን ጸላእ ዘነጸረ ተባዕ ህዝባዊ ተቓውሞ

መበቆሎም ብዘይገድስ ስርዓታት፡ ጸላእቲ ህዝቢ ክኾኑ ኢሎም ጸላእቲ ኣይኾኑን። ህዝቢ ብወገኑ ንሓደ ስርዓት ካብ ባዶ ተበጊሱ ብጸላእነት ኣይሰርዕን። ሓደ ፖለቲካዊ ስርዓት ፈታዊ ወይ ጸላኢ፣ ወገን ብዙሓትን ውጹዓትን ወይስ ወገን ውሑዳት ገዛእቲ ደርብታት ምዃኑ ዝውስን ባህሪኡ’ዩ። ባህሪ ኣረኣእያ ስለዝኾነ ረቂቕ’ዩ። እቲ ስርዓት እንታይ ባህሪኡ ንምፍላጥ መጽናዕቲ ይሓትት። ምስ ናይ ካልኦት ሕሉፋትን ህልዋትን ስርዓታት እናነጻጸርካ ምርኣይ የድሊ። ነዚ ኩሉ ክትግበር ከኣ ናቱ ግዜ ይወስድ። ዝበዝሕ ህዝቢ ናብ ዕለታዊ ዋኒኑ ደኣምበር ናብ ፖለቲካ ትኹረት ሂቡ ነገራት ብደቂቕ ስለዘይከታተል፡ ካብ ባህሪኡ ተበጊሱ እዚ ኣንጻር መንነተይ፣ መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰለይ፣ ክብረተይ፣ ኢሉ ክሳብ ሚዛን ዘንብረሉ ነዊሕ ግዜ የድሊዮ። ምኽንያቱ ህዝቢ ንመንነት ስርዓታት ዝመዝነሉ መሰረታዊ ደርባዊ ፖለቲካዊ ባህሪ ዘይኮነስ፡ ብወሳኒ መልክዑ ዕለታዊ ተግባርን ተረኽቦታትን’ዩ።

ንፖለቲካዊ መደብ-ዕዮኡ፣ ፖሊሲኡ፣ ስትራተጂኡ፣ መግለጺኡ ተኸታቲሉ መዚኑ፣ ኣብ ተግባር ምስ ዝገብሮ ንጥፈታት ኣዛሚዱ፡ እዚ ንዓይ ዝውክል ዘገልግል ባህሪ ኣይኮነን። ከም’ዚ ዓይነት ስርዓት ጸላኢ ደኣምበ ፈታዊ ክኸውን ኣይክእልን። ስለዚ ኣይናተይን። ፖለቲካዊ መግለጺኡ ከኣ ከምዚ’ዩ ኣብ ዝብል መደምደምታ ክበጽሕ ይኸብዶ’ዩ። ኣብዚ ደረጃ’ዚ ክበጽሕ ዝሓሸ ዓቕሚ ካብ ዘለዎም ደሞክራስያውያን ወገናት ትምህርቲ ክረክብ፡ ኣኹል ኣገንዝቦ ክሳብ ዝሕዝ ድማ ግዜ ክወስድ ባህርያዊ’ዩ። ህዝቢ ከም ህዝቢ ንስርዓት ናቱን ዘይናቱ ዝመምየሉ ሓጺር መዕቀኒ ‘ምበኣር፡ ትማሊ ከምዚ ገይሩ፡ ሎሚ ከም’ዚ ደጊሙ፡ ንእከለ ከምዚ ገይርዎ …ወዘተ ካብ ዝብል ግብራዊ ተሞክሮኡ ተበጊሱ’ዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ቀዳማይን ደመኛን ጸላኢ ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ህዝብታት ኤርትራ’ዩ። ደመኛ ጸላኢ ህዝብታት ኤርትራ ዝኾነሉ ምኽንያት ሰናይ ድሌቱን ሕርያኡን’ዩ ኢልካ ክትመዝን ርትዓዊ ፖለቲካዊ ገምጋም ኣይኮነን። ደርባዊ ፖለቲካዊ ባህሪኡ ምስ ኣብዘሓ ህዝቢ፣ ምስ ደሞክራስን ደሞክራስያዊ ትካላትን፣ ምስ ሕግን ሕጋዊ ተሓታትነትን ስለዘየራኽቦን ዝንጽሎን’ዩ ከምኡ ኮይኑ። ገለ ፍኹስ ዝበለ ኣብነት ክንጠቅስ፡ ሓደ ሰብ ስሱዕ ዝኸውን ፈትዩን ምርጫኡ ኮይኑን ኣይኮነን። ሓደ ካብን ናብን ዘረባ ዘቀባብል ሓሳዊ ሰብ ሕርያኡ ከምኡ ስለዝኾነ ኣይኮነን። ግልጽነት ዘይብሉ ካብ ኣብ ቅሉዕ መድረኽ ብድሕሪ መድረኽ ብሕሹኽ ሹኽ ብውዲት ዝሰርሕ ናይ ፖለቲካ ሰብ’ውን ከምኡ ክገብር ጽቡቕ’ዩ ቅኑዕ’ዩ ኢሉ ስለዝመረጾ ኣይኮነን። ምናልባት ምስ ኣተዓባብያ ምትእስሳር ይህልዎ ይኸውን፡ ግን ካብ ዘይፍወስ ሕዱር ሕማቕ ኣመል ዝምንጩ’ዩ። ከምኡ ምግባር ቅኑዕን ዝነብርሉ ዘለው ሕብረተ-ሰብ ዝቕበሎን’ዩ ካብ ዝብል ርድኢት ዘይኮነ ኣመሎም ኮይንዎም ዝብልዎን ዝገብርዎን’ዩ። ስለዚ ጉጅለ ህግደፍ ጸላኢ ክኸውን ስለ ዝደለየ ወይ ውጹዓት ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ህዝብታት ኤርትራ፡ ህዝባዊ፣ ደሞክራስያዊ፣ ሕጋዊ ባህርን ቅኑዕ ተግባርን እናሃለዎ ካብ ባዶ ተበጊሶም ጸላኢ ኢሎም ዝሰርዖዎ ኣይኮነን ጸላኢ ኮይኑ። ባህሪኡን ባህሪኡ ዝግለጸሉ ፋሽሽታዊ ተግባሩን’ዩ ጸላኢ ክኸውን ገይርዎ።

ደመኛ ጸላኢ ህዝብታት ኤርትራ ምዃኑ ክሳብ ዝቃላዕ ግን ነዊሕ ዓመታት’ዩ ወሲዱ። ስለምንታይ’ሲ እቲ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ንሃገራዊ ነጻነትን ህዝባዊ ሓርነትን ዝተበገሰ ቃልሲ፡ ካብ ኣጀማምራኡ ኣብ ፖለቲካዊ ኣንፈቱ ጎደሎታት ስለ ዝነበሮ፣ ኣብ’ቲ መስርሕ ዝተኸፈለ መስዋእቲ፣ ባዕዳውያን ገዛእቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መሰረታዊ ክብርታቱን ዝፈጸምዎ ግፍዕን እዚ ዝሓደጎ መሪር ስንብራትን፣ ነዚ መኣዝን ዘትሕዝ ዕሙቕ ዝበለ ቀጻልነት ዘለዎ ቅኑዕ ፖለቲካዊ ጎስጓሳት ካብ ዘይምርካብ ዝንቅል፡ ድሑር ናይ ትምክሕትን ጽበትን ኣረኣእያታት ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ጸብለልታ ብምሓዙ፡ ጉጅለ ህግደፍ ድማ፡ ኣብ’ዚ ተሓቢኡ ብዝወነኖ መራኸቢታትን ናይ ጭፍጨፋን ዓፈናን ትካላትን ኣቢሉ፡ ጸረ-ህዝቢ ባህሪኡ ክኸውል ብመደብን ብዝተወደበ ኣገባብ ስለዝወፈረሉ ህዝቢ ተደናጊሩ ክዕገሶ ንዘይግባእ ነዊሕ ተዓጊሱ። እስከ “ምእንቲ መጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ” ብዝዓይነቱ ፖለቲካዊ የዋህነት ኣብ ዘይፈልጦን ኣብዘየርበሖን ኲናት ብስመ ልኡላውነትን ምዕቃብ ነጻነትን ኣብ ሓዊ ክጥበስ ጸኒሑን ገና ይጥበስ ኣሎን።

ደርባዊ ፖለቲካዊ ባህሪ ጉጅለ ህግደፍ ንምቅላዕ ብወገን ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ፖለቲካዊ ሓይልታትን ተንተንቲ ፖለቲካዊ ዝኾኑ ገለ ኤርትራውያን ምሁራትን ካብ ነዊሕ ኣስተምህሮ ክወሃብ ጸኒሑ’ዩ። ምስ’ቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ሕሉፍ ስንብራትን ድልዱል ፖለቲካዊ ዕጥቂ ተወኒኑ ዘይምጽናሕን ግን፡ ኣወንታዊ ኣገንዝቦ ኣብ ምጭባጥ ከም’ቲ ዝድለ ኣፍርዩ ኢዩ ክበሃል ኣይከኣልን። ብወሳኒ መልክዕ ብሓሳብ ማለት በረኣእያ ዝግለጽ ዘይኮነ፡ ብተግባር ኣንጻር ህግደፍ ብዙሕ ፈተነ ተገይሩ’ዩ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ልዕሊ ርብዒ ዘመን። ንኣብነት ኣድማ ተጋደልቲ ኣብ 1993፣ ማሕበራዊ ሕቶ ዝመንቀሊኡ ተቓውሞ ውጉኣት ሓርነት ማይ-ሓባር 1994፣ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ስልጣን ህግደፍ ዝተራእየ ምፍልላይ 2001፣ ኣድማ ተመሃሮ ኣስመራ ዩኒቨሪሲቲ፣ ምንቅስቃስ ሰራዊት ኣብ 2013 ገለ ኣብነታት’ዮም። እዚኦም ኩሎም ህይወት ሰብ ዝተኽፈሎም፡ ኣብ’ቲ ኣንጻር ምልኪ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ነናቶም ጽልዋታት ዘሕደሩን ታሪኽ ዝገደፉን ክስታት’ዮም።

እዚ ብ31 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ማለት ኣብ ኣኽሪያ ዝተገብረ ተቓውሞ ግን፡ ካብ ኩሉ እቲ ልዕል ኢሉ ዝተገልጸ ዝተፈልየ’ዩ። ሓደ፡ ተመሃሮ፡ መማህራንን ሕብረተ-ሰብን ከም ዜጋታት፡ እቲ ቤት ትምህርቲ ድማ ከም ትካል እዚ ጎዲሉና ይመለሰልና ኢሎም ብዘቐረብዎ ጠለብ ዝተበገሰ ኣይኮነን። ካልኣይ፡ እቲ ቤት ትምህርቲ ሕጂ ሓድሽ ዝተጀመረ ዘይኮነስ፡ ካብ 1969 ጀሚሩ ኣብ ግዜ ስርዓታት ሃ/ስላሴን ደርግን ከምኡ’ውን ኣብ ግዜ ዘቤታዊ መግዛእቲ ልዕሊ 26 ዓመት ዝገበረ፡ እንታይ ኣስተምህሮ ከምዝህብ ብንጹር ዝፍለጥን ቅቡል ኮይኑ ዝጸንሐን ሕጋዊ ትካል’ዩ። ሳልሳይ፡ ነቲ ተቓውሞ መበገሲ ዝኾነ ኣብ ሕጋዊ ትካል፡ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ኢዱ ዘእተወ ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ ህግደፍ’ዩ። እዚ ርኡይ ዓመጽ መንግስታዊ ጉጅለ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሕጋዊ ትካልን’ዩ። ዜጋታት መራሕቶም ብዘይኣገባብ ክእሰሩ እንከለው፡ ኣብ ሕጋዊ ትካሎምን ኣገባብ ውሽጣዊ ምሕደራኦምን ከምዚ ግበሩ ኣይትግበሩ ዝብል ጸቕጢ ክግበር እንከሎ ዓው ኢሎም ተቓውሞ ከስምዑ ቅኑዕን ቅቡልን’ዩ። እቲ ጉዳይ ኣብ ቀጽሪ ቤት ትምህርቲ ፍታሕ እንተዘይረኺቡ፡ ሓላፍነት ዘለካ መንግስታዊ ኣካል ሓላፍነትካ ተዋጻእ፡ ዘይሰማዕካ ድማ ስማዕ ንግፋዕ ኣለና። ንብደል ኣለና፡ መንግስቲ ሓይሉ ተጠቒሙ ዝኣሰሮም መራሕትና ይፍታሕ፡ ካብ ውሽጣዊ ጉዳይና ኢዱ የውጽእ ዝብል መልእኽቲ ኣብ ጎደና ወጺኦም እንተስምዑ ኣጀኹም በርትዑ ደኣምበር፡ ስለምንታይ ከምኡ ይገብሩ ዝብል ኩነኔ ክቐርብ ቅኑዕ ኣይኮነን።

እዚ ናይ ህዝቢ ተቓውሞ’ዩ። መበገሲ ናይ’ቲ ተቓውሞ ከኣ፡ ኢደ ወነናዊ መግስታዊ ጉጅለ ህግደፍ’ዩ። ሕጊ ዝጠሓሰ እቲ መንግስታዊ ጉጅለ’ምበር፡ ኣብ ጎደና ወጺኡ ድምጹ ዘስመዐ ህዝቢ ኣይኮነን። ስለዚ ብዝኾነ መዕቀኒ ብዱላት ዝወሰድዎ ስጉምቲ ዘኾንን ምስ ምዝራግ ድሕነት ሃገር ዘተኣሳስር ምኽንያት የብሉን። መሰል’ዮም ሓቲቶም። ተበዲልና ተደፊርና ዝብል ድምጺ’ዮም ኣስሚዖም። ከምኡ ምባሎም ድጉፍ’ዩ። ኣብ ህግደፍ ሕጊ የለን ‘ምበር ሕጋዊ ድማ’ዩ። ስለዚ ህግደፍ ከም ኣብ ኩሉ መዳያት ኤርትራዊ ክብርታት ንምህሳስን መንነት ንምጥፋእን ብመደብ ዝሰርሕ ዘሎ ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ፡ ከምኡ ምግባሩ ኣየገርምን። መጀመሪኡ’ውን ኣይኮነን። ምስ ኩሉ ትካላቱ ብህዝባዊ ቃልሲ ክውገድ ጥራሕ’ዩ ዘለዎ። ብምኽንት’ዚ ኣብ 31 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ጎደና ኣስመራ ዝተኻየደ ምረት ዝወለዶ ተባዕ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ኣብ ኤርትራውያን ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ፡ ካብኡ ናብኡ ከኣ ካብ ተማሂርና ዝብሉ ወገናት ዝተሰምዐ ግብረ መልሲ ግን ዘሕፍር’ዩ።

ገለ ዶኳትር ሓልዮት ህዝብን ሃገርን ዘለዎም ክመስሉ፡ ኣብ ልኡላውነት ህዝብን ሕግን ዘለዎም ንዕቀት፡ ንጸረ-ህዝቢ ጉጅለ ህግደፍ ድማ ዘለዎም ኣኽብሮትን ተማእዛዝትነት ዝተነጸረሉ ኣጋጣሚ’ዩ፡፡ ብድፍረት ንህግደፍ ዝድግፍ፡ ነቲ ተገፊዐ ዝበለ ህዝቢ ድማ ከም ድሕነት ሃገር ንምንጋዕ ናይ ዝተፋሕሰ ወዲት መግለጺ ገይሩ ዝወስድ፡ ክሳብ ምስ ኣብ ዓለማዊ ኩነታት ዝረአ ዘሎ ምስፍሕፋሕ ግብረ-ሽበራውያን ኣተኣሳሲሩ ከረድእ ዝህቅን ኣዕናዊ ኣተሓሳስባ’ ክንሰምዕ ቀኒና። ያኢ ጉጅለ ህግደፍ ሓላፍነት ዝስመዖ፡ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ዝሰርሕ ዘሎ ሕጋውን ሓላፍነታውን መንግስቲ ኮይኑስ፡ መንግስቲ ከምኡ ክወስድ እንከሎ ናቱ መደባት ኣለዎ። ሓላፍነቱ’ዩ። ናይ ድሕነት ሃገር ጉዳይ’ዩ። እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ኣይነበሮን። ከምኡ ዝተገብረሉ ምኽንያት ካልእ ዕላማ ስለ ዘለዎ’ዩ። ነዚ ኣብነታዊ ሃገራዊ ሰላምና ብናይ እስላማዊ ምንቅስቓስ ንምህዋኽ ዝተማህዘ ሸርሒ’ዩ። ስለዚ መንግስትና ተሪር ስጉምቲ ምውሳዱ ንድግፍ። ንድሕነት ሃገርና ኣብ ጎኒ መንግስትና ክብሉ ዘሕፍር መልእኽቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን የቃልሑ ኣለው። ስለዚ ከኣ፡ ተባዕ ህዝባዊ ተቓውሞ 31 ጥቅምቲ 2017 ወገን ህዝብን ጸላእን ዘነጸረ መርገጻት ሰኒዱ ኣሎ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 13-11-2017

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel