እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 59 guests and no members online

ኤርትራውያን ኣብ ኣመሪካ፡ ሽወደን፡ ዓዲ እንግሊዝ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ዜጋታት ንዝፈጸሞ ኢ-ሰብኣዊ ተግባር ዝኹንን ኣብ ጎኒ ብዱላት ወገናቶም ምህላዎም ዝገልጽ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኤርትራውያን ነበርቲ ዋሽንግቶን ዲስን ከባቢኣን ከምኡን’ውን ዓዲ እንግሊዝን ሽወደንን፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሃይማኖት ኢዱ ብምእታው፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝፈጸሞ ኢ-ሰብኣዊ ተግባር ብምኹናን፡ ኣብ ጎኒቶም ብዱላት ምህላዎም ዝገልጽ፡ ብኣዝዩ ርሱን ቁጠዐ፡ ብ3 ሕዳር 2017 ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዘካየዱ ከካብ ቦትኡ ዝመጽኣና ዜናዊ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

ነቲ ብ31 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ከተማ ኣስመራ ብኣባላት ጸጥታ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ጥራሕ ኢዶም ብሓይሊ ተወሲዶም ተኣሲሮም ዘለው ኣቦና ይፈትሑ፡ ስርዓተ ሃይማኖትናን ቤት ትምህርትናን ይከበር ዝብል ናይ ተቓውሞ ድምጺ ዘስምዑ ዝነበሩ ተማሃሮን ናይ’ቲ ከባቢ ሕብረተ-ሰብን ዝተወስደ ናይ ሓይሊ ስጉምትን ዝበጽሐ ጉድኣትን ዝኹንን ሰላማዊ ሰልፊ፡ ብዙሕነትና ጸጋና’ዩ፡ ሓድነትና ብገባሪ እከይ ኣይልሕልሕን፣ ሃይማኖታዊ ስርዓትናን ኣገባብ ምሕደራናን ህያው ኮይኑ ክቕጽል’ዩ ዝብል ድምጺ እናስምዑ ከም ዘካየድዎን እቲ ዝመጸኣና ዜና ይሕብር።

ብህግደፍ ዝሰኣንዎ መሰላት፡ ካብ ህግደፍ ክረኽቡ ናይ ጣዕሳ ፎርም መሊኦም

2% ዝኸፍሉ ዘለዎ ወገናት ትጽቢቶም ከም ዝበርዓነ ተገሊጹ። 

ብዘይዕግበቶም ኣብ ወተሃደራዊ መሳርዕ ኣትዮም፡ ብዘይ ትርጉም ዘለዎ ክፍሊት ኣገልጊሎም፡ ኣብ’ቲ ብወተሃደራት ዝመሓደር ኮሎጃት ተማሂሮም ምስክር ወረቐት ተኸልኪሎም፡ ድሕሪ ደጊም ህይወት ወይ ሞት ኢሎም ብፈታኒ መስመር ተጓዒዞም ንስክላ ብህይወት ሰጊሮም ኣብ ውሕስነት ዘለዎ ምዕራባዊ ዓለም ምስ ኣተው፡ ነቲ ኩሉ ዓይነት መሰላት ዝነፈጎም መንግስታዊ ጉጅለ ተመሳሲሎም፡ ናይ ጣዕሳ ፍርም ኢሉ ኣብ ዝጽወዖ ይቕረታ ሓቲቶም፡ 2% እናኸፈሉ ናይ ዝተማህርሉ ምስክር ወረቐት ክወሃቦም ኣብ ትጽቢት ዝጸንሑ ወገናት፡ ዝኾነ ሰነድ ከም ዘይወሃቦም ዘረጋግጽ ትእዛዝ ከም ዝተመሓላለፈ ረድዮ ኤረና ብ2 ሕዳር 2017 ሓቢራ።

 እቲ ትእዛዝ በቲ ዳሪክተር ላዕለዋይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ኤርትራ ተባሂሉ ብዘይ ወግዓዊ ኣገባብ፡ ንዶ/ር ታደሰ መሓሪ ብምትካእ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ስልጣን ከም ዝተረከበ ዝተገልጸ፡ ብርጋደር ጀነራል ሃይለ ምሕጹን ከም ዝተመሓላለፈ፡ ምኽንያት ናይ’ቲ ከይወሃቡ ዝብል መምርሒ ብንጹር ከምዘይተፈልጠን ግልጺ ገይራ።       

ብካልእ ዜና፣ ጉጅለ ህግደፍ ምጽራይ ዋንነት መንበሪ ኣባይቲ፣ መሬትን ትካላትን የካይድ ከም ዘሎ፡ ብዙሓት ስድራ ቤታት ምስ ምኽፋል 2% ብዝተኣሳሰረ ኣብ ጸገም ይወድቃ ከም ዘለዋ፣ ኣብ ውርሻ ንብረት ዝኣትዉ ኣባላት ስድራቤት፣ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ እንተኾይኖም ካብ ዘለውዎ ኣሃዱ ናይ ድጋፍ ወረቐት ከምጽኡ፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ እንተኾይኖም ድማ ናብ ኤምባሲታት ክልተ ካብ ሚእቲ ናይ ዝኸፈልሉ መረጋገጺ ሰነድ ክልእኩ ከም ዘገድድን ኤረና ወሲኻ ኣረዲኣ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ድመኦክራስን ኤርትራ፡ 06-11-2017

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel