እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 52 guests and no members online

መድረኽ ንደሞዝን ዝናን ዘይኮነ፡ ንስለ ድሕነት ህዝቢ መስዋእቲ ዝኽፍል ደሞክራስያዊ ምሁር ይጠልብ ኣሎ።

ካብ ማይሃምነት ነጻ ምውጻእ ሓደ ማሕለኻ ድኽነትን ድሕረትን ምብታኽ’ዩ፡፡ ካብኡ ሓሊፍካ ደረጃ ብደረጃ ኣብ’ቲ ዝለዓለ ናይ ሊቅነት መዕቀኒ ምብጻሕ ከኣ መሰረታዊ ናይ ህይወት መቐይሮ’ዩ። ፈደል ቆጺርካ ካብ ናይ ማሃይምነት ደልሃመት ንምውጻእ ምጅማር፡ ቀደማይ ካልኣይ ዲግሪ እናበልካ ኣብ ዝለዓለ ናይ ዶክትሬት ኢንጂነርነት ፕሮፈሶርነት መዓርግ ተሰጋጊርካ ማለት ግን፡ ፍጹም ፍልጠት፡ ፍጹም ሰብኣውነት፣ ፍጹም ህዝባዊ ሓላፍነት ደሊብካ ኣኸለ ኣቢልካ ማለት ኣይኮነን፡፡ ከም ሰብ ከም ዜጋ ክትገብሮ ከተማልኦ ዝግበኣካ ኩሉ ፈጺምካ ኣለኻ ኣየስምዕን። ብትምህርቲ ካብ’ቲ ዝተሓተ ክሳብ ዝለዓለ ደረጃ ምብጻሕ ሓደ ኣወንታዊ ጉዳይ’ዩ። ይኹን ግን ከም ሰብ ኣብ’ዚ ምብጻሕ ካልእ ሓላፍነት፡ ካልእ ጾር፡ ካልእ ፈተነናን መስዋእትን ዘሰክም’ዩ። ኣድላይነት ትምህርቲ ዝምዘነሉ፡ ዝተማህረን ዘይተማህረን ሰብ ዝፍለየሉ ድማ ሞያዊ ብቕዓትን ነዚ ዝወሃብ ምስክር ወረቐት ዘይኮነስ ኣብ ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ’ዩ።

ትምህርቲ ኣብ ምዕባለ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ዘለዎ ግደ ዘተሓትት ኣይኮነን። ካብ መቑሕ ድሕረትን ድኽነትን ንምውጻእን ዘይምውጻእን ዝውስን ረቛሒ’ዩ። ትምህርቲ ዓይነተ ብዙሕ ድማ’ዩ። ከም መንገዲ ጻጸ ተር ኢልካ ብሓደ መስመር ትወስዶ ናይ ቀለም ትምህርትን ብኡ ዝድምደምን ኣይኮነን። ብትምህርቲ ውጽኢታዊ ምዃን ዝያዳ ሓላፍነታዊ ምዃን ማለት’ዩ። ካብ ገዛእ ርእስኻን ቀረባ ስድራ ቤትካን ብቑጠባ ምሕጋዝ ርሒቕካ፡ ብዛዕባ ኣብ ከባቢኻ፡ ሃገርካን ዘሎ ህዝቢ ዘለዎ ሽግራትን መፍትሒኡን ብሓላፍነታዊ ስምዒት ኣመት ክትገብር፡ ብተግባር ተሳትፎኻ ከተርኢ ዝድረኽ’ዩ። ብፍላይ ኣብ ከም ኤርትራ ዝበላ ኣብ ትሕቲ ድኽነት ዝነብር ህዝቢ ዘለወን ሃገራት፡ ካብ ማህጸንን ዝፈርዩ ምሁራት ካብኦም ዝጠልብ ኣበርክቶ ብዙሕን ከቢድን’ዩ።

ህዝብታት ኤርትራ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ብኣካልን ብኣእምሮን ብዘቤታዊ መግዛእቲ ተኣሲሮም፡ ኣብ መንጎ ከም ጥሙር ህዝቢ፡ ኣወንታዊ ታሪኾም፣ ባህላውን ሃይማኖታውን ክብረታቶም፣ ዓቒቦም ናይ ምቕጻልን ዘይምቕጻል ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ መዋጥር ኣትየምሉ ዝርከቡ መድረኽ ኢና ዘለና። ከም ሰብኣውያን ፍጡራት ብነጻነት ክሓስቡ፡ በብውልቀ ዘመንጨውዎ ሓሳባት ኣብ መድረኽ ወጺኦም ብሓባር ክዛረብሉ፡ ክዛተይሉ ኣብ ዘይኽእልሉ ብፍርሒ ኣፍ ኣፍ ልጓም ዝነገሰሉ፣ ውሽጣዊ ምትእምማን ዝጎደለሉ፣ ፖለቲካዊ ድሕረት ከም ፖሊሲ መንግስቲ ኣብ ዝስረሓሉ፣ ድሕረትን ድኽነትን ኣብ ዝዓሞቐሉ፣ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ መጥመርን መግለጽን ስኢኑ ቤላቤሎ ኣብ ዝዓብለለሉ መድረኽ ይርከቡ ኣለው። እዚ ግን ከቢድ ባህሪያዊ ሓደጋ ኣይኮነን። ሰብ ዝሰርሖን ብሰብ ድማ ዝፍታሕን ግዝያዊ ሽግር’ዩ። ነዚ ኩሉ ሃገር ከደን ጸገማት ጉጅለ ህግደፍ’ዩ ኣምጺእዎ። ንፖለቲካዊ ተፈጥሮ ናይ ህግደፍ ካብ መሰረቱ ብምትንታን ብምቅላዕን ምውጋድ ድማ’ዩ ዝስገርን ነበረ ዝኸውንን።

እዚ ነዊሕ ዓመታት ዝተሰርሓሉ፡ ንዝነበረ ኣወታዊ ሃገራዊ ስምዒትን ክብርታትን ደምሲሱ፡ ጸቢብ ናይ ጉጅለ ህግደፍ በጋሚዶኣዊ ምትእኽኻብ “ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ” በታኒ ስነ-ሓሳብ ንምጉላህ ዝግበር ዘሎ ኣዕናዊ ወፍሪ፡ ኣብ ምቅላዕ፣ ኣብ ምምካትን ምውጋድን ግብራዊ ናይ’ቲ ብዙሕ ዘንበበ፡ ዝተመራመረ ኤርትራዊ ምሁር የድሊ ኣሎ። ምኽንያቱ እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ህዝባዊ ሃገራዊ ጸገም፡ ብሰናይ ድሌት፣ ብስምዒት፣ ብተወፋይነት፣ ብመንሕራይ ጥራሕ ዝፍታሕ ኣይኮነን። እቲ ጸገም ካበይ ተበጊሱ? መን ኣበጊስዎ? ስለምንታይ? መንከ ይጠቀመሉ ኣሎ? ከመይ’ከ ክውገድ ኣለዎ? ድሕሪኡ’ኸ ብመንን ከመይን ክትካእ’ዩ፡ ካብ ፖለቲካዊ ድሕረት ዝነጽሐ፡ ካብ ዜጋታትን ህዝብታትን ንዝለዓል ዘሎ ሕቶ መሰል ሕቶ ደሞክራሲ ብግቡእ መልሲ ዝህብ፡ ህዝቢ ካብ መቑሕ ዘቤታዊ ምልኪ ኣውጺኡ፡ ልኡላውነት ህዝብን ሕግን ዘንግስ ስነ-ፍልጠታዊ ፖለቲካዊ መፍትሒ ዘምጽእ ሰፊሕን ዝማዕበለን ኣተሓሳስባ ዝጠልብ’ዩ። ዝተዛበዐ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ምእራም ምዕራይ ረቂቕን ረቂቕ ግብረ መልሲ ዝጠልብ ዕማም ብምዃኑ’ዩ።

እዚ ከቢድ ህዝባዊ ጾር፡ ብማዕረ ኣብ እንግድዓ ኩሉ ምሁር ዝወድቕ ኣይኮነን። ምሁር ዝብል ኣምር ሓፈሻዊ መጸውዒ ደኣምበር፡ ንደርባዊ ባህርን ደሞክራስያዊ ኣረኣእያን ናይ’ቲ ምሁር ክፍሊ ፈላልዩ ዝምድብ ኣይኮነን። ንሓንቲ ሞያ ኣጽኒዑ ብምልከት ዝሰርሓላ ነዚ ድማ ምስክር ወረቐት ዘለዎ ግን ከኣ ንመርከቢ ገንዘብ ወይ ደሞዝ ጥራሕ ዝጥቀመላ ምሁር ኣሎ። ብተመሳሳሊ ብፍሉይነት ኣብ ሓደ ወይ ክልተ ሞያ ኣጽኒዑ ጽቡቕ ውጽኢት ኣምጺኡ፡ ካብ ነብሱን ቀረባ ስድራ ቤቱን ጠቕምን ሩፍታን ኣርሒቑ ዝጥምት፡ ኣብ ውሽጡ ህዝባውን ደሞክራስያውን ኣረኣእያን ዘለዎ ምሁር ድማ ኣሎ። ህልዊ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ጸገም ኣብ ምፍታሕ ብተግባር ተራኡ ክጻወት ዝጠልብ ድማ እቲ ካልኣይ ተሰሪዑ ዘሎ ደሞክራስያዊ ምሁር’ዩ። ሓላፍነቱ ዝዘንገዐ ፍልጠቱ ኣካርዩ ገንዘብ ምቕራብ ከም ዕላማ ዝሓዘ ምሁር፣ ብትምክሕቲ ዝሓበጠ ንህግደፋዊ ዕንደራ ዝድግፍ፡ ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ ዝጭርሕ፣ ኩሉ ነገር ድሕሪ ልኡላውነት ሃገር እናበለ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ዜጋታትን ህዝብታትን ኣብ ምዕፋን ዝነጥፍ ምሁር፣ ብጽበት ዓዊሩ ፈታውን ጸላእን ምፍላይ ተሳኢንዎ፡ ኣብ ተጻይ መልስን ስኽፍታን ዝነብር ምሁር፡ ንህዝባዊ ጸገም ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ፍታሕ ከምጽኡ ትጽቢት ኣይግበረሎምን። ስለምንታይ? ንገዛእ ርእሶም ኣካል ናይ’ቲ ጸገም ስለዝኾኑ።

ስለዚ ፈታሒ ጸገም ዝኾነ ሓሳብ ከመንጩ ትጽቢት ዝገበረሉ እቲ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ዘለዎ ሓላፍነታዊ ምሁር’ዩ። ብእምነት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ኤርትራ ከም ሃገር ከም’ዚ ዓይነት ኣረኣእያ ናይ ዘለዎም ምሁራት ድኻ ኣይኮነትን። ኩሉ ውልቃዊ ድሌታቶምን ምሁራዊ ክብሮምን ንጎኒ ገዲፎም፡ ኣብ ግዜ ነጸነታዊ ቃልሲ ተጸንቢሮም ክሳብ ክቡር ህይወቶም ዝኽፈሉ ኣብነታውያን ምሁራት ነይሮም’ዮም። ኣብ’ዚ ጸረ-ዘቤታዊ መግዛእቲ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ሓርነታዊ መሰላት ናይ ምርግጋጽ ቃልሲ’ውን ብዙሓትን ነቲ ጉዳይ ስራሕና ኢሎም ዝሓዝዎን ኣይኮኑን ‘ምበር፡ ጨሪሶም ተሳትፎ የብሎምን ማለት ኣይኮነን።

ሕጂ ዝጠልብ ዘሎ ነቲ ከም እንደነገሩ ዝመስል ተሳትፎ ብዕቱብነት ክሕዝዎ፣ ብዓቐን ኣብ ክንዲ ሓደ ክልተ ዝኾኑ ብተዓጻጻፊ ክውስኹን ቀጻልነት ዘለዎ ደሞክራስያዊ ገራሒ ሓሳባቶም ከካፍሉን’ዩ። ሃገር ከደን ንዝኾነ ዘቤታዊ ፖለቲካዊ ጸገም፡ ዝለዓለ ትምህርቲ ንዘይብሉን ፍልጠቱ ንሳንቲም ዘየካረየን ዜጋ ጥራሕ ዝምልከት ጌርካ ምውሳድ ቅኑዕ ኣይኮነን። ፖለቲካዊ ጭቆና ንምውጋድ ብቐንዱ ናይ ፖለቲካዊ መንነትን ሓላፍነታዊ ስምዒትን ‘ምበር፡ ናይ ምሁርን ዘይምህሩን ጉዳይ ኣይኮነን። ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ሓላፍነታውያን ምሁራት ናብ ቃልሲ ክዕድሙ ደኣምበር ክዕደሙ ክጽበዩ ኣይግባእን። ክኸውን ‘ውን የብሉን። ስለዚ ኤርትራውያን ደሞክራስያውያን ምሁራን ፍልጠቶምን ኣወንታዊ ኣረኣእያኦምን ሎሚ ይጥለብ ስለዘሎ ቅጽበታዊ መልሲ ክህቡ ኣለዎምን ይግባእን። ምኽንያቱ ከም ህዝብን ሃገርን ዘለናዮ ተኣፋፊ ኩነታት፡ ንደሞዝን ዝናን ዘይኮነ፡ ንስለ ድሕነትን ቀጻልነትን ህዝቢ ኩሉ ዓይነት መስዋእቲ ዝኸፈል ደሞክራስያዊ ምሁር’ዩ ዝጠልብ ዘሎ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 06-11-2017

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel