እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 57 guests and no members online

መንግስቲ እስራኤል ዘይሕጋውያን ዝበሎም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ካልእ ሃገር ንምስግጋር ዘኽእሎ ስምምዕ ከም ዝኸተመ ተገሊጹ።

መንግስቲ እስራኤል ነቶም ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ናብ’ታ ሃገር ኣትዮም፡ ኣብ ሽቕለት ተዋፊሮም ብረሃጾም ዝነብሩ ዘለው ስደተኛታት፡ ካብ ኣፍልጦ ንጉዳይ ስደተኛታት ዝምልከት ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሰናይ ፍቓድ እቶም ግዳይ ዝኾኑ ስደተኛታትን ናብ ካልእ ሃገር ከሰጋግሮም ዘኽሎ ስምምዕ ከም ዝገበረ ምንጭታት ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ካብ ሃገረ እስራኤል ኣብ ዝሰደድዎ መልእኽቲ ኣረጋጊጾም።

እስራኤል ሃዮም ዝተባህለ ጋዜጣ፡ “ቀይሕ ካርድ ንዘይሕጋውያን” ብዝብል ኣርእስቲ ዘስፈሮ ጽሑፍ ብምጥቃስ፡ 15 ሽሕ ስደተኛታት ብዘይድሌቶም ናብ ኣስማተን ዘይጠቐሰን ሃገራት ኣፍሪቃ ከሰጋግሮም ቀዳማይ ሚኒስተር ናይታ ሃገር በንያሚን ናታን ያሁ፡ ስምምዕ ከም ዝኸተመን ኣረዲኦም።

ሓላፊ ቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮን እሙን ኣገልጋሊ ኢሳያስን ከም ዝነበረ ዝተነግረሉ ለተናል ኮለኔል

ኢሳቕ ኣርኣያ (ወዲ-ሃኪም) ብሕማም ምኽንያት ከም ዝሞተ ተፈሊጡ።

መዋቲ ኮለኔል ኢሳቕ ኣርኣያ፡ ነቶም ብ2001 ኣብ ቀይዲ ዝኣተው ኣባላት ኣመራርሓ ግንባርን መንግስትን ዝነበሩን ካልኦትን ኣብ ምእሳር ልሉይ ተራ ከም ዝነበሮ፡ ኣብ ሱዳን ልዕሊ 6 ኣዋርሕ ሕክምናዊ ክንክን ተገይርሉ ክድሕን ብዘይ ምኽኣሉ ኣብ መበል 50 ዓመት ዕድሜኡ ከም ዝሞተ፡ ብ27 ጥቅምቲ 2017 ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ዝረኸብናዮ ዜና ኣረዲኡ።

እቲ ኣገልጋሊ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዝነበረ፡ ለተናል ኮለኔል ኢሳቕ ኣርኣያ፡ ብሕዱር ሕማም ንነዊሕ ክሳቐ ምጽናሑ፡ ስራሑ ድማ ብካልእ ተተኪኡ ከም ዝነበረ፡ ኮይኑ ግን ብማዕዶ፡ ከም’ዚ ተባህለ ከምዚ ተሰርሐ እናበለ ናብ ኢሳያስ ክጽብጽብ ምጽንሑን ኣፍሊጣ

ኣኽባሪ ሕጊ ኢጣሊያ ኣብ ንግዲ ደቂ-ሰባት ተዋፊሩ ነይሩ ብዝብል ጥርጠራ ኣብ ኢጣሊያ ተቐይዱ ዘሎ ኤርትራዊ መድሃነ ተስፋ ማርያም በርሀ ናይ ዲ ኤን ኤ ምርመራ ከይገብር ከልኪልዎ።

ወዲ 29 ዓመት መድሃነ ተስፋ ማርያም በርሀ፡ ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ብገበን ምስግጋር ሰባት ተጠርጢሩ ብፖሊስ ሱዳን ከም ዝተታሕዘ፡ ጓል 59 ዓመት ወላዲቱ ካብ ኤርትራ ናብ ኢጣሊያ ተጓዒዘን ወደን ምዃኑ ንምርግጋጽ ናይ ባህሪ ምርመራ ( ዲ ኤን ኤ) ከም ዝገበራ፡ ይኹን ግን ኣኽባሪ ሕጊ ከምዘይተቐበሎ ንማዕከን ዜና ጋርዲያን ብምጥቃስ ረድዮ ኤረና ብ27 ጥቅምቲ 2017 ሓቢራ።

እቲ መጋባእያ ብሮቡዕ 25 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ከተማ ፓሌርሞ ከም ዝተኻየደ፡ ኣብ’ቲ መጋባእያ ብኣካል ዝተረኽባ ወላዲት፡ ኣነ ወደይ ካብ ዘይወዓሎ ክሲ ነጻ ንምውጻኡ’ዩ ርሑቕ ተጓዒዘ መጺአ፡ ይኹን ግን እቶም ሒዘሞ ዘለው ክቕበሉኒ ኣይከኣሉን ኣረጋጊጻ።

ኣብ ኢጣልያ፣ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ብዝልዓለ ዝህደን ዘሎ ወዲ 35 ዓመት መድሃኔ ይሕደጎ መርእድ፣ ኣብ ሱዳን ካብ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ፣ ብስም ሓዉ ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ኣውጺኡ ናብ ዱባይ ከምዝመላለስ ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝከታተልዎ ዘለዎ ወገናት ከም ዝሕብሩ ድማ ኣፍሊጣ።

ትሕተ ዕድመ ተመሃሮና ናብ ወተሃደራዊ መደበር ክኸዱ ኣይነፍቅድን ዝበሉ

ኣመሓደርቲ ቤትምህርቲ ሰሚርናዮ ኣስመራ ከም ዝተኣስሩ ተገሊጹ።

ኣመሓደርቲ ናይ’ቲ ኣብ ኣስመራ ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ናይ ትመሓደር ቤት ትምህርቲ ሰሚናርዮ ዝኾኑ ዓጃኑ ዝዓዶም ኣባ ጵውሎስ ሃይለን ዓደብዑር ዝዓደን ሲስተር ትንሳኤን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሓይልታት ጸጥታ ጉጅለ ህግደፍ ከም ዝተኣስሩ ናይ ቀረባ ምንጭታት ሓቢሮም።

እቶም ግዳይ ማእሰርትን ስቓይን ኮይኖም ዘለው ኣመሓደርቲ ናይ’ታ ቤተ-ክርስትያን፡ ክፍሊ ጸጥታ ጉጅለ ህግደፍ ነታ ቤት ትምህርቲ ብምዕጻው ነቶም ገና ትሕቲ ዕድመ ዘለው ተመሃሮ፡ ናብ ወተሃደራዊ መደበር ሳዋ ክወርዱ ንዝሃብዎ ትእዛዝ፡ ተመሃሮና ንሕና ምስ ሞትና ጥራሕ ትወስድዎም፡ ቤት ትምህርትና’ውን ኣይንዓጹን ብዝብል ብሰንጠቕ ስለ ዝተቓወምዎም እናዳፍኡ ወሲዶም ከም ዝዳጎንዎም ኣረዲኦም።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 30-10-2017

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel