እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 54 guests and no members online

መራሒ ህግደፍ ብ7 ጥቕምቲ 2017 ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ ካብ ኣለኹ ዝብል ድሃይ ምግባር ዝሓልፍ ቁም-ነገራዊ መልእኽቲ ከምዘይነበሮ ተገሊጹ

መራሒ ጃንዳ ህግደፍ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ዘይከም’ቲ ቀደም ዝግበረሉ ዝነበረ ምውዕዋዕ፡ ብሓውሲ ሃንደበት ብ7 ጥቅምቲ 2017 ሰዓት 8፡00 ናይ ምሸት ኣብ መስኮት ተሌቭዥን ቀሪቡ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፡ ደሊኻ ቁም-ነገር ዘይትረኽበሉ፡ ዝተሓተቶ ገዲፉ ዘይተሓተቶ ክምልስ ሃለውለው ክብል ከምዘምሰየ፡ ዕላማ ናይ’ቲ መደብ ግን ሃለዋት ኣጥፊኡ ስለ ዝጸንሐ ኣለኹ ኣይጠፋእኩን ዝብል መልእኽቲ ንምምሕልላፍ ዝዓለመ’ዩ ዝመስል ይብሉ ነቲ ቃለ-ማሕተት ዝተኸታተሉ ኤርትራውያን።

ምስ ጎዶቦና ሓቢርና ክንሰርሕ ኣለና፡ ክሳብ ሎሚ ሓቢርና ብዘይምስራሕና ኩልና ተጎዲእና ኢና፡ ንበይንኻ ጎይኻ ኣብ ዝብጻሕ የለን ዝብል ኣብ ዝርገተ ሰላም ዞባና ኢድ ከምዘይነበሮን ዘይብሉን ዝመስል ኣቀራርባ ‘ኳ እንተነበሮ ብወሳኒ መልክዑ ግን ኣለኹ ኣይጠፍእኩን ዝብል መደብ ነብሰ ምልላዩ ክብሉ ትዕዝብቶም ገሊጾም።

ናይ ሓያሎ ስደተኛታት ህይወት ኣብ ምድሓን ልሉይ ተራ ዝተጻወተት

ኤርትራዊት ዶ/ር ኣልጋነሽ ፍሳሃ ብውጽኢት ስራሓ ተሸሊማ።

ጋንዲ ዝተባህለ ብፍላይ ኣብ ድሕነት ስደተኛታት ኣትኲሩ ዝሰርሕ ገባሪ ሰናይ ማሕበር መስሪታ፡ ካብ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ጀሚራ፡ ስደተኛታት ኣብ ሓውሲ ደሴት ሲና ብነጋዶ ሰብ ተታሒዞም ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ዝኾነ ገንዘብ ክኸፍሉ እንተዘየለ ካብ ወሳኒ ውሽጣዊ ኣካላቶም ብመጥባሕቲ ተመዝሒቑ ክውሰድ ኣብ ሞትን ሕየትን ኣብ ዝወድቅሉ ዝነበሩ ናይ ጭንቂ ሰዓት፡ ብኣካል ናብ’ቲ ከባቢ ብምኻድ ብተዘዋዋሪ ነቶም ነጋዶ ሰብ ኣእሚና ናይ ብዙሓት ህይወት ካብ ሞት ዘትረፈት ዶ/ር ኣልጋነሽ ፍሳሃ (ጋንዲ) ኣብ ተመሳሳሊ ስራሕ ምስ ዝነጥፉ ካልኦት ተወዳዲራ ከም ዝተዓወተትን ንውጽኢት ስራሕ ዝምስክር ሽልማት ከም ዝተዋህበትን ተፈሊጡ።

ብዘይካ ኣብ ሲና ኣብ ላምፐዱሳ፡ ግብጺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ መዓስከራት ሽግር ስደተኛታት ኣብ ምፍታሕ ብምኽሪ፣ ብሞራል ብገንዘብ ኮነ ብዓይነት ብዝገበረቶን ትገብሮ ዘላን ኣስተዋጽኦ፡ ኣብ ኢጣሊያ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዛት ፍሉይ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ማሕበራትን ፍሉጣት ውልቀ ሰባትን ዝወሃብ ሽልማት ተዓዋቲት ብምዃን ንኤርትራውያን ኣሐቢና።

ንጉጅለ ህግደፍ 12 ሚሊዮን ዶላር ዝግመት ወተሃደራዊ ንብረት ዝሸጠ

ደሊዝያ ዝተባህለ ኩባኒያ ገንዘብ ኣይተቐበልኩን ክብል ከሲሱ

እቲ ኩባኒያ ኣብ 2003 ንነፈርቲ ኲናት መለዋወጢ ዝኸውን 12 ሚሊዮን ዶላር ዝዋግኡ ንብረት ንመንግስቲ ህግደፍ ከም ሸጠሉ፡ እንተኾነ ግን ገንዘቡ  ከምዘይተቐበለ፡ ነዊሕ ግዜ ተጸቢዩ ህግደፍ ኣይከፍልን ስለዝበሎ፡ ገንዘቡ ካብ’ቲ ምስ ህግደፍ ተሻሪኹ ንኤርትራውያን መንእሰያት ብባርነት እናስረሐ፡ ካብ ኤርትራ ዘይተኣደነ ወርቂ ዝግሕጥ ዘሎ ካናዳዊ ኩባኒያ ኔቭሱን  ክረክብ ክሲ መስሪቱ ክማጎት ከም ዝጸንሐ፡ ነቲ ጉዳይ ክሰምዕ ዝጸንሐ ቤት ፍርዲ ድማ ኩባኒያ ኔቭሱን ናይ ካልእ ዕዳ ክኸፍል ግዴታ የብሉን ብምባል ነቲ ክሲ ውዱቕ ከም ዝገበሮን ረድዮ ኤረና ብ9 ጥቅምቲ 2017 ጸብጺባ።

ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ናይ ዕድጊ ኩባንያ ደሊዝያ 12 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ወተሃደራዊ ንብረት ንሚኒስትሪ ምክልኻል ህግደፍ ከምዝሸጠሉ፣ እንተኾነ ግን ካብ 2012 ጀሚሩ’ኳ ኣብ ቤት ፍርዲ ክሲ መስሪቱ ክጽዕር እንተጸንሐ፡ ዛጊት ሕሳቡ ከምዘይተኸፍለ፡ ቤት ፍርዲ ብሪቲሽ ኮሎምብያ ናይ ካናዳ ነቲ ክሲ ከም ዝነጸጎን ኣፍሊጣ።

የማነ ገብረኣብ ዝተባህላ ህግደፋዊ በዓል ስልጣን ኣብ ኣመሪካ ኣብ ትሕቲ ፖሊስ ከም ዝኣተወ

ማሕበራዊ መራኻቢ ኤርትራውያን የቃልሓ ኣለዋ።

ብ8 ጥቕምቲ 2017 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክካየድ ኣብ ዝተመደበ ኣኼባ ኣምለኽቲ ህግደፍ ብኣካል ክርከብን ህግደፋዊ መልእኽቲ ከሓልፍን መደብ ዝነበሮ የማነ ገብረኣብ፡ ዛጊት ምኽንያቱ ብዘይተነጸር ፖሊስ ኣርሊንግተን ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተዎን ይሕብራ ኣለዋ።

ካብ ዝዓረፈሉ ሆቴል ከም ዝተወስደ ዋናኒ ሆቴልን ፖሊስን ከም ዘረጋገጹ፡ ምኽንያት ግን ገና ብሩህ ከምዘይኮነ፡ የማነ ሓደ ካብ’ቶም ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ምንቅስቓስ እገዳ ዘንበረሎም ሓላፍቲ ህግደፍ ምዃኑ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብወገና ኣብ ጸሊም መዝገብ ኣስፊራቶ ምህላዋን ኣብ ጸብጻብ ብምእታው ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ርእይቶ ነቲ ምቕያድ ብምድጋፍ፡ ገበናዊ ተግባራት ናይ የማነ ብጭብጢ ኣሰኒኻ ምቕራብ ከም ዘድሊ ይሕብሩ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 11-10-2017

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel