እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 93 guests and no members online

ጉጅለ ህግደፍ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘይፈጸመ ክምርዖ ኣይኽእልን ምባሉ መርኣያ ህዝቢ ንምጽናት ዘለዎ መደብ ምዃኑ ተገሊጹ።

እዚ ስማዊ መንግስታዊ ጉጅለ፡ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ ፍርቂ ዘመን ናይ ስልጣን ዕድሜኡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ብተናጸል ኮነ፡ ማሕበራዊ ሓይልታት ብእኩብ ዘይፈጸሞ ኢ-ሰብኣዊ ግፍዕታት የለን። ኣብ ዝኾነት ሃገር እከለ ዝበሃል መንግስቲ ፈጺምዎ ዘይበሃል ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ በብዓይነቱ መሳቐዪ፡ መማሰኒ ኣካላት ደቂ-ሰብ ምሂዙ ብተግባር ሰሪሕሉ።

ኣብ መሸጣ ኣካላት ሰብ ተዋፈሩ ክሰርሕ ጸኒሑን ዛጊት’ውን ይሰርሕ ኣሎን። ኣብ ልዕሊ ሬሳ ብሆታን ዕልልታን ክድብል ተሰሚዑ’ዩ። ዝበልክኹም እንተዘይፈጸምኩም ኣይትምርዐውን ምባሉ ግን ህዝቢ ከም ህዝቢ ናይ ምጽናት መደብ ከም ዘለዎ ዝሕብር’ዩ ክብሉ በቲ ጉዳይ ዝተሻቐሉ ኤርትራውያን ንድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ሓቢሮም።

መራሒ ሊብያ ነበር መዓመር ቓዛፊ ዝነበሮ ኢደ ወነናዊ ስልጣን ልዕሊ ምድራውን ሰማያውን ሕጊ ገይሩ ይግልገለሉ ስለ ዝነበረ፡ ኣስታት ልዕሊ 300 ዝኾና ደቂ-ኣንስትዮ ግቡእ ወተሃደራዊ ስልጣን ሂቡ፡ ከይምረዐዋን ከይወልዳን ኣፈሪሙ፡ መጻኢ ዕድለን ኣጸልሚቱ ንመማዕረግን መሓለዊ ስልጣኑን ይጥቀመለን ነይሩ ዝበሉ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ፡ ናይ ኢሳያስ ህግደፍ ግን ካብኡ ዝኸፍአ’ዩ። መንእሰይ ሓንቲ ሃገር ከይምርዖ ምኽልካል ቀጻልነት ሕብረተ-ሰብ ምብታኽ’ዩ ክብሉ ዝሓደሮም ስኽፍታ ገሊጾም።

ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ገለ መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ፡ ምስ ኤምባሲ ህግደፍ ተሻሪኾም ካብ ሃይማኖታዊ ሕግን ስርዓት ወጻኢ ይሰርሑ ኣለው።

ኣብ ሱዳን ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ኤምባስን ቆንስላን ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ምስላይ ዜጋታቱን ዘይሕጋዊ ኮትሮባንዳዊ ስራሓትን ተዋፊሩ ከም ዘሎ፡ ኣብ’ዚ ገለ መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ቀንዲ ተሓባበርቲ፡ ኣገልገልትን ፈጸምትን ናይ’ቲ ዘይሕጋዊ ተግባራት ኮይኖም ህዝቢ የሳቕዩ ከም ዘለውን ተፈሊጡ።

እዞም ንቅሽነት ሽፋን ብምግባር ኣብ መደባት ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ ህግደፍ ዝዋፈሩ ዘለው ባእታታት፡ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ዘይትፈቕዶ ዘይትምረሓሉ፡ ብርክት ዝበለ ገንዘብ እናኽፈሉ፡ ንዘይሕጋዊ መርዓ ሕጋዊ ኣምሲሎም ከም ዝህቡ፡ ክርስትና ንዝለዓሉ ህጻናት ቅድሚ ሎሚ ዘይነበረን ዘይንቡርን ክንድ’ዚ ገንዘብ እንተዘይከፊልኩም ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ኣይንህብን ብምባል ጸረ’ቲ እምነት ይሰርሑ ከም ዘለው ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ቀጽሪ ቤተ-ክርስትያን ኮነ ቤት ትምህርትን ፖለቲካዊ ኣኼባታትን ተረኺቦም ንሕና ንመንግስትና መንግስትና ንዓና ከም ዝሰብኩ፡ እዚ ድማ ጉጅለ ህግደፍ ነታ ቤተ ክርስትያን ብመጋበርያታቱ ኣቢሉ ተቖጻጺርዋ ከም ዘሎ ዘነጽር ኣዝዩ ኣሰካፊ ጉዳይ ኮይኑ፡ ህዝቢ የዛርብ ምህላውን እሙናት ምንጭታት ኣረጋግጾም።

ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ዋሕዲ መማህራን ብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲ ዛጊት ትምህርቲ ኣጀመራን ተባሂሉ።

ወርሒ መስከረም ናይ 2017/18 መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ዝጀመረሉ ወቕቲ ክንሱ፡ ብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲ ኤርትራ ዛጊት ስራሓን ከም ዘይጀመራ፡ ምኽንያት መማህራን ሞያዊ ክብርን ዝግባእ ክፍሊትን ይረኽቡ ስለዘየለው ካብ ነዊሕ ዝጸንሐ ቅሬታ ከም ዘለዎም፡ ስለዚ ከኣ ስራሕ ክጅምሩ ንዝተገብረሎም ጻውዒት ኣኽቢሮም ክርከቡ ብዘይምኽኣሎም እቲ ጸገም ከም ዝተፈጥረን ሬድዮ ኤረና ብ2 ጥቕምቲ 2017 ጸብጽባ።

መብዛሕቲኦምም መማህራን ብዘይድሌቶም፡ ብዘይእኹል ኣፍልጦን ፍቕርን ንሞያ ምምህርናን ዝምደቡ ምዃኖም እዚ ዘንቀሎ ከኣ መማህራን ነናብ ዝተመደብሉ ቦታታት ክኸዱ ከምዘይደልዩ፣ ብዙሓት ከኣ ከም ዝስደዱ፡ ስለዚ ናይ ሎሚ ዓመት ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን ስሩዕ ኣካዳሚያዊ ትምህርቲ ተዛቢዑ ክሳብ ምዕጻው ዝበጽሓ ኣብያተ ትምህርቲ ምንባረን ሚኒስትሪ ትምህርቲ ህግደፍ ኣብ እዋኑ ገሊጹ ምንባሩን ወሲኻ ሓቢራ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 04-10-2017

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel