እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 73 guests and no members online

ኣብ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልሲ፣  በዓል ቤታዊ ድኽመት ቀንድን ቀዳማይን’ዩ።

                                               ካልኣይን ናይ መወዳእታን ክፋል

ቀዳማይ፡ ንጹር ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ኣረኣእያ ብዝምልከት፡- ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ከም ፖለቲካዊ ውድብ ክምስረት እንከሎ፡ ብዝነኣሰ ተወዲቡ ንኽቃለስ ምኽንያት ዝኾኖ ፖለቲካዊ ዕላማታት ንህዝቢ ግልጺ ብዝኾነ መልክዑ ከቐምጥ ኣለዎ። ምስ’ቲ ክቕየር ዝደልዮ ፖለቲካዊ ሓይሊ ዘለዎ፡ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ፍልልይ፡ ንፈታውን ጸላእን ቅሉዕ ብዝኾነ ዘየደናግር ስልትን ስትራተጂን ክሕብር ይግባእ። ከምኡ’ውን ህዝባዊ ወገናውነቱ፡ ንመሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያዊ መሰላት ዘለዎ ጥብቅና፣ ኣብ ሕቶ ምሕዝነትን ሓድነትን ሓይልታት፡ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ ዝኽተሎ ኣገባብ፣ ድሕሪ ውድቀት ሃላሊ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኤርትራ እንታይ ዓይነት ፖለቲካዊ ስርዓት፣ ማሕበረ ቁጠባዊ ኣንፈት /ፖሊሲ/፣ ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ዝኽተሎ ፖሊሲን፡ ብኹሉ ናይ ፖለቲካ መሳርሒታት ብሓፈሻ፡ በቲ ቀንዲ መግለጺ ሓደ ውድብ ዝኾነ ፖለቲካዊ መደብ-ዕዮ ድማ ብፍላይ ክገልጽ ኣለዎ። ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ግን ኣብ ገለ ገለ ንጹርነት ዝጎደሎ ፖለቲካዊ ንጥፈታት’ዩ ዘሎ። ብኡ መጠን ከኣ ኣብ ህዝቢ መን ቅኑዕ መንገዲ ሒዙ ኣሎ፡ መን’ከ ግጉይ ፖለቲካዊ ኣንፈት ኣለዎ ድንግርግር ክፈጥር ይርከብ።

ኣብ’ዚ እምነቶም ወይ ዕላማኦም ብደረጃ መደብ-ዕዮኦም ብወግዒ ኣስፊሮም ንመሰረታዊ ፖለቲካዊ ናይ ስርዓት ለውጢ ዝቃለሱ ፖለቲካዊ ውድባት ኣለው። ካብ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኦም ዝነቕል ንጸረ-ህዝቢ ጉጅለ ህግደፍ ምስ ኩሉ ትካላዊ መሓውሩ ብቃልሲ ሓፋሽ ክውገድ ዘለዎ ደመኛ ጸላኢ፡ ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ህዝብታት ኤርትራ ኢሎም ኩሉ-መዳያዊ ቃልሲ ዘካይዱ ኣለው። ብኣንጻሩ ገለ ገለ፡ ውድባትን ማሕበራትን፡ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንቃለስ ኣለና ዝብሉ ግን ከኣ፡ ዝኸተልዎ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብን ዕላማን እንታይ ከም ዝኾነ ዝገልጽ ዝተነጸረ ፖለቲካዊ መደብ-ዕዮን ስሩዕ ውድባዊ ህይወትን ዘይብሎም ድማ ኣለው። ነዚ ርእይቶ’ዚ ዝሓዙ ወገናት፡ ለውጢ ንደሊ ኢና ግን፡ ህግደፍ ከም ስርዓት ዘይኮነ፡ ገለ ካብ መሪሕነታዊ ኣካሉ ኣሊኻ ምስ ኩሉ ናይ ጭቆና ትካላቱ ክቕጽል ኣለዎ፣ ክህረም ግን የብሉን። ንህግደፍ ምህራም ክድዓት’ዩ ዝብሉ ይርከብዎም። ኣንጻር መላኺ ስርዓት ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኢና ንቃለስ ዘለና ይብሉ። ካብ ህዝቢ ንዝለዓል ሕቶ መሰል ሕቶ ደሞክራሲ ብሰንጠቕ ክጻረሩ ድማ ይስምዑ። እዚ ሕማቕ ባህርን ናይ ርእይቶ ዘይንጹርነት ምህላው ይሕብር። ህዝቢ ኣበየናይ ፖለቲካዊ መስመር ክሕቆፍ ከም ዘለዎ ክደናገር ከኣ ባህሪያዊ’ዩ። እዚ ካብ’ቲ ብቓልሲ ክውገድ ዘለዎ ዕንቅፋት ሓደ’ዩ።

ካልኣይ፡ ቀላሲ ስኢኑ ብዝተደዋወሰ ስምዒት ዝግበር ንጥፈታት ብዝምልከት፡- ሎሚ ኣንጻር ህግደፍ’የ ዝብል ድምጺ ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ። እቲ ዘይተወደበ ሓፋሽ ጥራሕ ዘይኮነ ንነብሱ ከም ፖለቲካዊ ውድብ ዝፈልጥ’ውን ብዓቐኑ ብዙሕ’ዩ። ኣብ ዓይነታዊ ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ መጺእካ ግን ውሑድ’ዩ። እቲ ዝበዝሕ ናይ ዕላማ ተመሳሳልነት ዘለዎ’ዩ። ናይ ፖለቲካዊ ዕላማን መልክዕ ውደባን ፍልልይ ዘለዎ ግን ኣዝዩ ውሑድ’ዩ። እንተኾነ ናይ ሓባር ጸላኢ ኣለና እናተባህለ፡ ብሓባር ናይ ምስራሕ ቅሩብነት የለን። ብሓባር ኮፍ ኢልካ ብሓባር ዘስርሑኻን ዘየስርሑኻን ኣነጺርካ፡ ሓቢርካን ተኸባቢርካን ናይ ምኻድ ባህርን ባህልን ኣይማዕበለን። ነቲ ኣብ ጎንኻ ኮይኑ ኣንጻር ጸላኢ ዝቃለስ ዘሎ ወገንካ ንጎኒ ጎሲኻ ንምሕላፍ ምፍታን፡ ኣብ ልዕሊኡ ወፍሪ ጸለመ ኣካይድካ ብሓደ ግዜ ማዕበላዊ ለውጢ ክትፈጥር ዝተሃቀነ ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ። መብዛሕትኡ ግን ከከም ኣመጻጽእኡን ኩነታቱን ፈሺሉ /በኒኑ/ ተሪፉ። ዝፈሸለሉ ምኽንያት ካኣ፡ ጸቢብ ረብሓ ክምእርር ዝወስዶም መርገጻት ቅንዕና ስለ ዝጎድሎ’ዩ።

ንትምክሕታዊ ስርዓት ብትምክሕቲ ክትክእ ዓሊሙ ዝተበገሰ ብምዃኑ’ዩ። ብህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ዘይተገርሐ፡ ብግዝያዊ ስምዒታዊ ረስንን ጸቢብ ውልቃውን ጉጅላውን ሕሳባትን ዓዊሩ፡ ድሌትን ክውንነትን ኣንቢቡ ከመዛዝን ዘይምኽኣሉ’ዩ። ስለዚ ብዓቐን ብዙሓት ፖለቲካዊ ውድባት ምህላዎም፡ መሰረታዊ እምነትና ብዝብልዎ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ቀጻሊ ኣስተምህሮ ስለዘይህቡ፡ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ሓቢሮም ዝሰርሕሉ ባይታ ፈጢሮም፡ ዓቕሚታቶም ኣወሃሂዶም ኣብ ክንዲ ዝነጥፉ እናዛሕተሉ ምኻዶም፡ ንህዝቢ ተስፋ ኣቚሪጹ ንጸላኢ እፎይታ ዝህብ ዘሎ ዝተደዋወሰ ኣካይዳ’ዩ። እዚ ኩነታት’ዚ ናይ ግድን ብቐጻሊ ቃልሲ ክዕረ /ክውገድ/ ዘለዎ እዩ።

ሳልሳይ፡ መቃለሲ ቦታ ብዝምልከት፡- ኣብ ደምበ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዘዛርብ ዘሎ ዛዕባ፡ መቃለሲ ባይታ ዝምልከት’ዩ። እንክቕድም ኣብ መሬትካን ኣብ ውሽጢ ህዝብኻን ኮይንካ ክትቃለስ ተመራጺ’ዩ። ኣብ መሬትካን ኣብ ውሽጢ ህዝብኻን ኮይንካ ንመሰልካ ክትቃለስ ዘፍቅድ ውድዓዊ ኩነታት እንተዘይሃልዩ ግን፡ ካብ መሬትካን ሕምብርቲ ህዝብኻን ርሒቕኻ ክትቃለስ ግዱድ ኢኻ። ካብ ማእከል ህዝብኻን መሬትካን ተገዲድካ ምስ ወጻእካ፡ እናኣተኻን እናወጻእካን ዕላማኻ ተቃልሓሉ ቅርበት ኣብ ግምት ከተእቱ ብስለት’ዩ። ፈራሕ ጨካን ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣይኮነን ንፖለቲካዊ ውድባት፡ ንሰብኣውያን ማሕበራትን ሃይማኖታዊ ትካላትን ኣብ መሬት ኤርትራ ብነጻነት ክነጥፉ ኣይፈቐደን።

ንፖለቲካዊ ውድባት እሞኸኣ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ከይህልው ከልኪሉ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ንምጥፋኦም’ዩ ዓቕሙ ጸንቂቑ ክሰርሕ ጸኒሑን ዘሎን። ስለዚ ከኣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኮይንካ ብነጻነት ከይትዋሳእ ካብ ተኸልከልካን ዘይከኣልካን ካብ ጎረቤት ክትብገስ ናይ ግድን’ዩ። ኣብ ዝኾነ ዓለም ዝኾነ ነጻነታዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ዘካየድ ፖለቲካዊ ውድብ ዝጥቀመሉ ስልቲ’ዩ። ኣብ ቀረባ ጐረቤት ሃገረ ኤርትራ ዝርከባ ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፣ ጅቡቲ፣ ከምኡ’ውን የመን ንመዝለሊ ምጥቃም ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ። እዚ ኣብ ሕሉፍ ግዝያት ክንጥቀመሉ ዕዳላት ነይሩና፡ ሕጂ ግን ብዘይካ ኢትዮጵያን ብወግዒ ዘፍቀደት ሃገር ኣብ’ቲ ካልእ ሃገራት ኣፍልጦ ሂብካ ብወግዓዊ መንገዲ ዝካየድ ምንቅስቓሳት ኣይኮነን ዘሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዚ ምግባሩ ሓደ ፈታዊ ክገብሮ ዘለዎ ኣወንታዊ ጎኑ ብምዃኑ ከነምስግኖ ይግባእ። እንተኾነ ሓሓሊፉ ገለ ገለ ኤርትራውያን ነቲ ዝተረኽበ ናይ ምንቅስቓስ ዕድል ኣብ ጸብጻብ ከየእተው፡ ውሽጣዊ ጸገማት ደምበ ተቓውምኡ ብቐዳምነት ከይረኣየ “ቃልስና ሓኒኑ ንቕድሚት ከይስጉም ብቐንዱ መንግስቲ ኢትዮጵያ’ዩ ዓንቂፉና ዘሎ” ኢሎም ትዕዝብታቶም ክገልጹ /ከማርሩ/ ይስምዑ። ነዚ ከኣ ብዙሕ ምኽንያታት ገሊኡ ወድዓዊ ሓቅታት ዘለዎ ገሊኡ ዝተጋነነ፡ ገሊኡ እውን ባዕላዊ ልክዕ ዘይኮነ ዝቕርቡ ኣለው’ዮም።

ብመሰረቱ ኣብ ዝምድናታት ናይ መንግስታትን ውድባትን እቲ ጉዕዞ ናይ ቃልሲ ከም’ቲ ንባዕሉ ኣብ ውሽጢ ውድባት ዝህሉ ፍልልያት፡ ኣብ መንጎ ውድባትን መንግስታትን’ውን ዘራኽቦም ዝምድናታትን ዝፈላለዮምን ምዃኑ ኣብ ጸብጻብ ኣእቲኻ ኩሉ ልሙጽ ከምዘይኮነ፡ ብዙሕ ሓጎጽጎጻት ዘጋጥም ምዃኑ ኣብ ግምት ወሲድካ፡ ብጽንዓት ንምስጋሩ ካብ ምቅላስ ካልእ ኣማራጺ ዕድል የብሉን። ነቶም ወድዓውያን ሓቅታት ዘለዎም ምኽንያታት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ፡ ምስ’ቲ ጉዳዩ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ተቐራሪብካ ብምርድዳእ ንምፍታሑ ምቅላስ። ፍልልይ እንተሃልዩን ክፍታሕ እንተዘይክኢሉን ከኣ፡ ፍልልያትካ ዓቂብካ ብዝተሓተ ደረጃ’ውን እንተኾነ ኣብ ዘሰማማዕካ ተደጋጊፍካ ምቅላስ’ዩ እቲ ዝሐሸ ኣማራጺ’ምበር፡ ኣብ ኢትዮጵያ ከመይ ኢልና ክንቃለስ፡ ናይ መቃለሲ ባይታ የለን ኢልካ፡ ነተን ዘጋጥማ ጸገማት /ዕቅፋታት/ ጥራሕ ብምጽብጻብ ካብታ እትርከብ ዕድል /ባይታ/ ዋላ ዝጸበበት’ውን ትኹን ካብዚ ባይታ’ዚ ምርሓቕ ዝድገፍ ኣይኮነን።

ጉዕዞ ሕሉፍ ተመክሮ ሰውራ ኤርትራ ፖለቲካዊ ውድባቱ ጀብሃ ትኹን ሻዕብያ ብድሕሪኡ’ውን ኣብ ዝቐጸለ ተመክሮ ናይ ውድባትና፡ ካብ መፈለምታ ቃልስና ኣትሒዙ ህዝቢ ሱዳን ደጀን ናይ ሃገራዊ ሓርነታዊ ቃልስና ኮይኑ እናሃለወ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እናተተኻኽኡ ዝመጹ ስርዓታት ግን እቲ ዝምድና ሓፍ ዞቕ እናበለ፡ ሓንሳብ ልሙጽ ሓንሳብ ሓርፍፍ ኮይኑ ክሳብ ከበድቲ ጸገማት ንህላወኡ ዝፈታቱ እናጋጠምዎ እንከለው፡ ፍትሓዊ ሕቶኡ ንምዕዋት ብትዕግስትን ጽንዓትን ጥበብን ክሰግሮም ይጽዕር ነይሩ’ዩ። ሕጂ ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ ከመይ ገይርና ክንቃለስ መቃለሲ ባይታ’ኮ ጸቢቡና ወይ ተኸልኪልና ኢልካ ንጥፈታትካ ንምግዳብ ምፍታን ነቲ ቃልሲ ዝሕግዝ ኣይኮነን።

ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ብዝተኻእለ መጠን ንኢትዮጵያን ሱዳንን ከም መዝለሊ ክጥቀመለን ካብ ኩሉ ቦታታት ተመራጽቲ’የን። ኢትዮጵያ ኣብ ፍትሓዊ ሕቶና ዝጸንሖምን ዘለዎምን ቅኑዕ መርገጽን፡ ንቃልስና ክገብርዎ ዝጸንሑን ዘለውን ምድግጋፍን ዋላ’ኳ /ውስኑነት ይሃልዎ/ ከምኡ’ውን ንስደተኛ ህዝብና ተቒቢልካ ዝግበር ምትእንጋድን ምምሃርን ክምስገን ዘለዎ ሰናይ ተግባር’ዩ። ብጂኦግራፊካዊ ኣቀማምጣ ምስ ኢትዮጵያ ብነዊሕ መስመራት ናይ ዶብ ስለ እንራኸብ ብዓይኒ ቃልሲ ኢትዮጵያ ተመራጺት’ያ። ነቶም በብግዚኡ ዘጋጥሙ ጸገማትን ዕንቅፋታትን ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተገለጸ ግቡእ ሚዛናት ብምቕማጥ ክፍትሑ ኩሉ-ሸነኻዊ ጻዕርታት ምክያድ የድሊ። ነቶም ዘጋጥሙ ጸገማት ጥራሕ ብምጽብጻብ ማለት ባዕላዊ ጸገማትና ከይረአና ቀንዲ ጸገምና ምኽንያት ናይ ድኻምና ንግዳም ጥራሕ ምሃብ ቅኑዕ ኣይከውንን። ሕራይ ኣብ ኢትዮጵያስ ዘጋጥሙና ጸገማት ኣለው ኣብ’ቲ ካልእ ምዕራባዊ ዓለም ዝሓሸ ባይታ ናይ ምንቅስቓስ ነጻነት ዘለዎ ቦታታት እንተይኮይና ደኣ ኢና ከም’ቲ ዝድለን ዝግባእን ነጢፍና ሓይልና ዘይንወጽእ።

እቲ ኣብ ከባቢ ሃገር ዝግበር ምንቅስቓስ ነቲ ኣብ ርሑቕ ዘሎ ምንቅስቓሳት ናቱ ጽልዋታት ዘዕርፈሉ ምዃኑ ከይዘንጋዕካ ኣብ ጸብጻብ ብምእታው ዝረአ ምዃኑ ኣብ ግምት ምውሳድ ኣድላዪ’ዩ። ብዝተረፈ ከም ተቓለስቲ ብደረጃ ውልቀ ሰባት ኮነ መንግስታት ዘጋጥሙ ጸገማት የለውን ክበሃል ኣይከኣልን። ከጋጥሙ ጸኒሖምን ኣለዎን’ዮም። እንተ ክንደክም እንተ ክንሕይል ግን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይና ወሰንቲ ባዕልና ኢና። ጠንቂ ህልዊ ድኽመትና ከኣ ብወሳኒ መልክዑ ባዕልና ኢና። ግዳማዊ ሓይሊ ኩሉ ግዜ ብኣወንታ ይኹን ብኣሉታ ስጡም ውሽጣዊ ሓድነት እንተሃልዩ ወሳኒ ግደ ክጻወት ኣይክእልን። በዚ መንጽር ካብ ኣቲናዮ ዘሎና ደውታ ክንወጽእ ቅድም ቀዳድም ነብስና ንፈትሽ። ናይ ገዛእ ርእስና ጸገማት ንፍታሕ፡ ድኽመትና ብጸጋ ተቐቢልና ሓድነትና ነሐይል። ሓሳብና ኣብ ባይታ ናይ ምትርጓም ባህሊ ድማ ነማዕብል። ሚዛናዊ ገምጋም ብመሓዝ ከኣ ብኡ መጠን ነቶም ዘጋጥሙ ጸገማት ብልዝብ ንምፍታሕ ቀጻሊ ጻዕርታት ምግባር’ዩ እቲ ዝሓሸ ኣማራጺ ንብል።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 20-09-2017

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel