እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 94 guests and no members online

ኣብ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልሲ፣ በዓል ቤታዊ ድኽመት ቀንድን ቀዳማይን’ዩ።

ሰላም ዝሰኣነ፣ ፍትሒ ዝጎደሎ፣ መሰረታዊ ክብረት ሰብኣዊ መሰሉ ዝተጋህሰ፣ ፖለቲካዊ ደሞክራስያዊ መሰሉ ዝተዓፈነ፡ ብሄራውን ሃይማኖታውን ኣድልዎን ዝበጽሖ፣ ስሩት ኣወንታዊ ባህሉን ክብሩን ዝተሃርመ ህዝቢ /ህዝብታት/ ቅድም ቀዳድም መን’ዩ ጠንቂ’ዩ ከለሊ ዘለዎ። መን ጠንቂ ምስ ፈለጠን ምስ ኣነጸረ ከኣ፡ ንምውጋዱ ተወዳዲቡ መደባት ሰሪዑ ክቃለስ ኣለዎን ይግባእን። ህዝብታት ሓንቲ ሃገር እፎይታ ክረኽቡ እንተደኣ ኮይኖም፡ ብንቕሓትን ብሕግን ውሕሰነቱ ዘረጋገጸ ሃገራዊ ሰላም፣ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል፣ ፖለቲካዊ ደሞክራስያዊ መሰል፣ ማሕበራዊ ፍትሒ፣ ብሄራውን ሃይማኖታውን ማዕርነት፣ ርትዓዊ ቁጠባዊ ተጠቃምነት ክረኽቡ ኣለዎም። ስለምንታይ’ሲ ብዘይካ’ዚ መሰረታዊ መሰላት’ዚ ከም ሰብኣውያን ፍጡራት ንምንባር ስለዝጽገሙ። እዚ ከም’ዚ ዝመሰለ መሰላት ብዕድል ትስእኖ ወይ ዝሕረመካ ጉዳይ ኣይኮነን። ብሰብ ኣምጸኦ ዓመጻዊ ምሕደራ ትስእኖ፡ ተቓሊስካ ድማ ተረጋግጾ ተውሕሶ ጉዳይ’ዩ። መን’ዩ እቲ ዓማጺ ግዳማዊ መግዛእቲ ወይስ ዘቤታዊ መግዛእቲ? ከም ገዛእትን መለኽትን ኣበይ ይራኸቡ ኣበይ’ከ ይፈላለዩ? ብንቕሓት ምጥማቱን ምምዛኑን ኣገዳሲ’ዩ።

ታሪኽ ኣብ ትሕቲ ግዳማዊ መግዛእቲ ዝጸንሑ ውጹዓትን ግፉዓትን ህዝብታት ከም ዘረጋግጾ፡ እቲ ግዳማዊ መግዛእቲ ደላዪ ሕማቖምን ጸላኢኦም ምዃኑ ከለልዩ ግዜ ኣይወስደሎምን። ኣንጻሩ ክወዳደቡ፡ ሰብኣውን ነገራውን ትሕዝቶኦም ኣዋዲዶም ንምውጋዱ ክወፍሩ ኣየጸግሞምን። ስለምንታይ? ግዳማዊ ሓይሊ ብምዃኑ ጥራሕ ኣይናትናን ብሓባር ንምጭፍላቕና ዝመጽአ ጸላኢ’ዩ ዝብል ሓባራዊ ኣገንዝቦ ክሕዙ ዝድርኽ ስለዝኾነ ብዙሕ ኣይደናገሩን’ዮም። ስለዚ ከኣ ኣብ ውሽጦም ክህሉ ዝኽእል መሰረታዊ ድዩ ዘይመሰረታዊ ፍልልያት ካልኣዊ ቦታ ሂቦም፡ ንህልውናኦም ንመሰሎም ብሓባር ኣንጻሩ ክስለፉ ኣማራጺ ኣልቦን ግድነትን’ዩ።

ህዝብታት ብግዳማዊ መግዛእቲ ዝተነፍገ መሰሎም ንምምላስ ሓቢሮም መዓንጣኦም ኣስጢሞም ከም ዝቃለሱ፡ ዝኽፈል ዋጋ ከፊሎም ድማ ከም ዝዕወቱ፡ ታሪኽን ተመክሮን ህዝብታት ኤርትራ ቅድሚ 1991 ምውካስ ሓጋዚ’ዩ። ሰውራ ኤርትራ ኣብ’ቲ ዝተናወሓ ፖለቲካውን ብረታውን ቃልሲ ንሃገራዊ ነጻነትን ህዝባዊ ሓርነትን ውሽጣዊ ፍልልያት ኣይነበሮን ማለት ኣይኮነን። ብወሳኒ መልክዑ /ናይ ትሕዝቶ ዘይኮነ/ መልከዓዊ ፍልልይ ዝሰረቱ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ሓይልታት /ጀብሃ-ሻዕብያ/ ካልኣዊ ግርጭት ነይሩ’ዩ። ህይወት ኣሽሓት ዝበለዐ፡ ኣካል ዘጉደለ፡ ናይ ቃልሲ ንያት ዝቐተለን ደማዊ ኲናት ሕድሕድ ድማ ጽዑቕ መግለጺኡ’ዩ። ክሳብ ክንድ’ዚ ውሽጣዊ ፍልልይ እናሃለወ ግን፡ ግዳማዊ መግዛእቲ ቀዳማይ ጸላኢ ምዃኑ፣ ቀዲሙ ክህረምን ክውገድን ዘለዎ’ውን ንሱ ምዃኑ፣ ንሱ መሊኡ ከይተጸርገ መሬታዊ ነጻነት ኮነ፡ ህዝባዊ ሓርነት ክረጋገጽ ከምዘይከኣል፡ ከም ህዝቢ ክምዘን እንከሎ ሓባራዊ ኣገንዝቦ ነይርዎም። ሳላ ኣብ ጸረ-ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓደ ኣገንዝቦ ዝነበሮ ከኣ፡ ምስ’ቲ ካላኣዊ ፍልልይ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ጸላኢ 1991 ብሓይሊ፡ ኣብ 1993 ከኣ ብሕጊ ከኽትም ኮይኑ፣ ኤርትራ ከኣ ነጻን ልኡላዊትን ሃገር ኮይና።

ናይ ህዝቢ መሰረታዊ ሓርነታዊ ደሞክራስያዊ መሰላት ዝነፈገ ሓይሊ፡ ካብ ህዝቢ ዝወጸ ዘቤታዊ እንተኾይኑ ግን፡ ኣብ’ቶም ህዝብታት ክሳብ ሓቀኛ ደርባዊ ባህሪኡ ዝፈልጥዎ፡ ናይ ርእይቶ ምድንጋር ክፈጥር ባህሪያዊ’ዩ። ምኽንያቱ እቲ ካልኣዊ ቦታ ሒዙ ዝነበረ ግርጭት፡ ግዳማዊ መግዛእቲ ምስ ኣኽተመ ቦትኡ ተኪኡ ቀዳማይ ግርጭት ክኸውን ከም ዝኽእል ኣብ ኣእምሮ ብዙሓት ቀልጢፉ ቦታ ስለዘይረክብ እዩ። ገለ ኣቐዲሞም ዝነቕሑ ግን፡ ንፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ብስድራ-ቤታዊ፡ ዕርክነታዊ ቅርበቶም ዘይኮነ፡ ፖለቲካዊ መንነቶም ንምፍላጥ፡ ብደርባዊ ባህሪኦም ስለዝመዝንዎም፡ ግዳማዊ መግዛእትን ዘቤታዊ መግዛእትን ናይ ባህሪ ፍልልይ ከምዘይብሎም ንምልላይ ኣይጽገሙን። ስለዚ ከኣ መሰሎም ንምኽባር ኣብ ግዳማዊ መግዛእቲ ዘትርርሉ፡ ኣብ ዘቤታዊ መግዛእቲ ዘፋኹስሉ ምኽንያት ኣይህሉን።

ካብ ቀጥታዊ ግዳማዊ መግዛእቲ ነጻ ድሕሪ ምውጻእ፡ ኣብ ትሕቲ ስውር መግዛእቲ /ዘቤታዊ/ ምልኪ ናይ ምውዳቕ ዕድላት ከም ዘጋጥም፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተራእየ ጭቡጥ ኣብነት’ዩ። ይኹን ደኣምበር ኣብ ብዙሓት ኤርትራውያን ነዚ ከም ተመክሮ ወሲድካ ርግእ ኢልካ ነገራት ምንባብ ኣይነበረን ክበሃል ይከኣል’ዩ። ስለዝኾነ ገለ ሰባት ምናልባት’ውን ብቑጽሪ ዝበዝሑ ክበሃል ዝከኣል፡ “ካብ ኣብራኽካ ዝወጸ ዘቤታዊ ስርዓት ጸላኢ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ” ዝብል ግጉይ ሚዛን ሒዞም ንጸላኢኦም ከም ፈታዊኦም ዝርእዩ ነይሮምን ኣለዉን እዮም። ኣብ ባህሪ ህዝባዊ ግንባር/ህግደፍ ዕሙቕ ዝበለ ፖለቲካዊ ኣፍልጦ ኣይጸንሐን፡፡ መግዛእታዊ ሰራዊት ብሓይሊ ተባሪሩ ኣሎ፣ ልኡላውነት ሃገር ብረፈረንዱም ተኣዊጁ ኣሎ፣ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ንልኡላውነት ኤርትራ ኣፍልጦ ሂቡ ኣሎ። ስለዚ ፖለቲካዊ ወጽዓ፣ ኲናትን ወረ ኲናትን ኣኸለ ኣኽተመ ዝብል ተረድኦ’ዩ ዓብላሊ ነይሩ። ግዳማዊ መግዛእቲ ብዘቤታዊ መግዛእቲ ከም ዝትካእ፡ ስለዚ ከኣ እቲ ብዙሕ ዋጋ ዝተኸፍሎ ሃገራዊ ነጻነት ስማዊ ከም ዝኸውን ግምት ብዙሓት ኣይነበረን። በቶም ኣቐዲሞም ዝነቕሑ ፖለቲካዊ ውድባትን ምሁራትን ኣካላትን፡ ዝልገስ ኣወንታዊ ምኽርን ትምህርትን ክቕበሉ’ውን ድልውነት ኣይነበሮምን። ኣብ’ቲ ብሕጊ ስልጣን ዘይሃብዎ ውልቀ ሰብን ጉጅለን ምሉእ እምነት ብምንባር፡ ነቲ ኣብ ሓቀኛ ፖለቲካዊ ገምጋም ዝተመርኮሰ ኣስተምህሮ ብዓይኒ ዕሙት ምኹናን፡ ናይ ሓደጋ ደወል ንዘስምዑ ዜጋታት፡ ብክድዓትን ትሕቲ ሃገርነትን ኣጸሊምካ ካብ ምድረ ገጽ ንምጥፋእ ክተሓባበሩ’ዮም ተራእዮም።

ስለዚ ካልኣዊ ፍልልያቱ ካልኣዊ ቦታ ኣትሒዙ፡ ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢኡ መግዛእታዊ ሰራዊት ሓፈሻዊ ሓባራዊ ኣገንዝቦ ሒዙ ተቓሊሱ፡ ኣብነታዊ ታሪኽ ዝሰርሐ ህዝቢ ኤርትራ፡ ህግሓኤ/ህግደፍ ድሕሪ ምእዋጅ ዕውት መስርሕ ረፈረንዶም ሃገራዊ ዕትብቱ በቲኹ፡ ዕሉል ዘቤታዊ ደመኛ ጸላኢኡ ከም ዝኸውን ኣብ ምንባብ ተፈላልዩ፡ ኣብ ድንግርግር ስለ ዝኣተወ ከም’ቲ ኣንጻር ግዳማዊ መግዛእቲ ዘርኣዮ ሕብረት ኣብ ሓደ ክመጽእ ኣይከኣለን። ህግሓኤ/ህግደፍ ብትውልዱ ኤርትራዊ፡ ብባህሪኡን ተግባሩን ግን ጸላኢ ምዃኑ ብግቡእ ብፖለቲካዊ ንባብ ዘይመዝን ብዝተደናገረ ስምዒት ዝምራሕ ዝበዝሕ ስለ ዝነበረ፡ መላኺ መንግስታዊ ጉጅለ፡ ብኩለንተናኡ ብክልተ እግሩ ደው ክብል ሓጊዙዎ። ኣብ ልዕሊ ዜጋታትን ህዝብታትን ኤርትራ ደስ ዝበሎ ስጉምቲ ብምውሳድ፡ ፍርሕን ድኽነትን ክተኣታቶ ስለዝገበረ ድማ፡ እነሆ ንልዕሊ 26 ዓመት ብሓይሉ ኣብ ስልጣን ክቕጽል ኣኽኢልዎ።

ይኹን ‘ምበር ህዝቢ ዋላ’ኳ ነገራት ከም’ዚ ኢሉ ከይተበላሸወ፡ ብኣጋ ከስተብህለሉ፡ ካብኡ ሓሊፉ ከኣ ኣርሒቖም ነገራት ካበይ ናበይ ብዝትንትኑ ወገናቱ ዝወሃቦ ዝነበረ፡ መግዛእታዊ ሰራዊት ምስ ኣልገስና ኣንፈትና ናበይ ዝብል ምኽርን ትምህርትን ተቐቢሉ ክገብሮ ዝነበሮ ወርቃዊ ዕድላት እንተጥፈአ፡ ጸረ-ህዝቢ መንግስታዊ ጉጅለ ኣብ ገዛእ ርእሱ፣ ኣብ ወላዲኡ፣ ውላዱ፣ ጎረቤቱ፣ መማህርቱ፣ መታዓቢቱ፣ ወዲ ብሄሩ፣ ወዲ ሃይማኖቱ …ወዘተ ሓደ ድሕሪ ሓደ ብዝፈጸሞ ኢ-ሰብኣዊ ባርባራዊ ግፍዕታት ብእዝኑ ዘይኮነስ፡ ብተግባር ክፍጸም ብዓይኑ ምስተዓዘበ ንጸላኢኡ ክከናኸን ከም ዝጸንሐ፡ ተመክሮኡ ምሂርዎ። እናተቐጥቀጠ ፍታሕ ክምጽኣሉ ብሎሚ ጽባሕ ነዊሕ ተጸሚሙ ለውጢ ስለ ዝሰኣነ፡ ቅቡጽ ስርዓት ኢሉ ቀቢጽዎ’ዩ። ስለዚ ከኣ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ተቓሊስካ’ዩ ክለግስ ዘለዎ ዝብል ርእይቶ ብዙሓት ኮይኑ ኣሎ። ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ካብ ዕለታዊ ተመክሮኡ ተማሂሩ ኣብ’ዚ ምብጻሑ ክተባብዕ ዝግባእ’ዩ። ህግደፍ መን’ዩ ካብ ተግባሩ ጥራሕ ዘይኮነ ካብ ፖለቲካዊ ባህሪኡ ክፈልጦ፡ ፈሊጡ ብኡ መጠን ብንቕሓት ክገጥሞ ድማ ዝተነጸረን ቀጻልነት ዘለዎን ፖለቲካዊ ትምህርቲ ክረክብ ኣለዎ።

እዚ ናይ ምግባር ዕማምን ሓላፍነት ድማ ብቐንዱ ናይ ፖለቲካዊ ውድባት ምዃኑ ኣየካትዕን። ህዝቢ ካብ ኣጉል ትምክሕታዊ ድርቅና፣ ካብ ጸቢብ ፖለቲካዊ ድሕረት ወጺኡ፡ ናተይ ዝብሎ ፖለቲካዊ መስመር ወኒኑ፡ ፈታዊኡን ጸላኢኡን ብግቡእ ኣለልዩ፡ ኣብ ነገራት ጠንቅን ሳዕቤንን፣ ቀዳማይን ካላኣይን ግርጭት፣ ሓሳብን ተግባርን፣ ስትራተጂን ስልትን፣ ፖሊሲን ኣፈጻጽማን፣ ኣብ መንጎ ግዳማዊ ጸላእን ዘቤታዊ ጸላእን ዘሎ ዝምድናን ፍልልይን፣ ናይ ሓጺርን ነዊሕ ዕላማ፣ ኣብ ሕቶ ምሕዝነት ሓድነት፡ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ማለት እንታይ ዘማልእ’ዩ? ሰፊሕ ደሞክራስያዊ ግንባር’ከ? …ወዘተ ዝብሉን ካልኦትን መሰረታዊ ነገራት ክዓጥቕ ምግባር ተልእኾን ዕማምን ፖለቲካዊ ውድባት’ዩ። ነዚ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን’ዚ ከም እምነት ዝሓዘ ኣብ ደምበ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ የለን’ኳ እንተዘይተባህለ ዛጊት ግን ጸላዊ ኮይኑ ልዑል ተራ ዘለዎ ኣይኮነን፣ ስለዝኾነ ናይ መሪሕ ሓይሊ ተራ ገና ሕጂ’ውን ድኹም እዩ ዘሎ።

ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መስመር /ዕላማ/ ዝሓዘ ፖለቲካዊ ልዕልነቱ ስለዘየረጋገጸን ብኣገንዝቦ ደረጃ’ውን ዕጥቂ ብዙሓት ስለዘይኮነን፡ ወድዓዊ ኩነታት ካብ ልክዕ ንላዕሊ በሲሉ እንከሎ ብቑዕ ምልዕዓላት ስለዘይግበረሉ ህዝቢ ኣብ ድንግርግር ይርከብ ኣሎ። እቲ ምድንጋር ኣብ’ቲ ዕለታዊ ማሕበራዊ ህይወቱ ዝመርሕ ሓፋሽ ደላዪ ደሞክራስያዊ ለውጢ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብ ዝበዝሑ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ባዕሎም ዝረአ ተርእዮ ብምዃኑ ድማ ነቲ ድኽመታት ከቢድ’ዩ ዝገብሮ። ካብ’ቶም ብቃልሲ ክውገዱ ዝግበኦም ኣብ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ሳዕሪሮም ዘለው ግጉያት ኣተሓሳስባታት ገለ ኣብነት ክንጠቅስ፡-

                               ካልኣይ ክፋል ይቕጽል

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 18-09-2017

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel